እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ንታይዋን ነጻ ሃገር ንምግባር ዝካየድ ፈተነ ኲናት ከልዕል ይኽእል እዩ - ቻይና
ቻይና ንታይዋን ነጻ ሃገር ንምግባር ዝካየድ ዝኾነ ዓይነት ፈተነ ወታሃደራዊ ስጉምቲ ክትወስድ ከምዘገድዳ ንኣመሪካ ኣጠንቂቓ፡፡
ሚኒስተር ምክልኻል ቻይና ወይ ፈንግሂ ኣብቲ ኣብ ሲንጋፖር ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ጸጥታ እስያ ምስ ኣመሪካዊ መዘንኡ ሎይድ ኦስቲን ተዘራሪቡ ኣሎ፡፡
ንታይዋን ካብ ቻይና ምንጻል፡ ሰራዊት ቻይና ‘‘ክንዲ ድላዩ ዋጋ ይሕተት ክዋጋእ’’ ከገድዶ እዩ ኢሉ ሚኒስተር ምክልኻል ቻይና፡፡
ሚኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ ግና ንወታሃደራዊ ንጥፈት ቻይና ‘‘ተንኳይን ዘራግን’’ ኢልዎ፡፡
ሎይድ ኦስቲን፡ ብዙሓት ነፈርቲ ውግእ ቻይና ዳርጋ መዓልታዊ ኣብታ ብማያት ዝተኸበበት ታይዋን ይዝምብያ ከምዘለዋ ብምሕባር ‘‘ሰላምን ድሕነትን እቲ ዞባ ዝዘርግ እዩ’’ ክብል ወቒሱ፡፡
ቻይና ነታ ርእሰ ምምሕዳር ዘለዋ ታይዋን ከምሓንቲ ግዝኣታ እትቖጽራ ኮይና፡ ኣመሪካ ንእትፍጽመላ መሸጣ ኣጽዋር ትኹንን።
እቲ ሚኒስተር ‘‘ዝኾነ ኣካል ንታይዋን ካብ ቻይና ንምንጻል እንተፈቲኑ፡ ክንድድላዩ ዋጋ ይሕተት፡ ሰራዊት ቻይና፡ ተዋጊኡ ‘ናጽነት ታይዋን’ ብምድምሳስ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ቻይና ካብ ምርግጋጽ ካልእ ኣማራጺ የብሉን’’ ምባሉ እውን ወሃቢ ቃሉ ሓቢሩ ኣሎ፡፡
ኣመሪካ ኩነታት ብዘለዉዎ ክቕጽሉ ከምእትድግፍ ዝገለጸ ሚኒስተር ኦስቲን፡ ወጥሪ ብሓይሊ ንምፍታሕ ዝውሰድ ስጉምቲ ግን ክህሉ የብሉን ኢሉ፡፡
እቶም መዛኑ ንፈለማ እዋን ዝተራኸቡ ኮይኖም፡ ኣስታት ሓደ ሰዓት ዝወሰደ ዝርርብ ከምዘካየዱ እውን ተገሊጹ፡፡
ክልቲኦም ወገናት እቲ ልዝብ ልባዊ ምንባሩ ሓቢሮም እዮም፡፡
ኣብ መወዳእታ ወርሒ ግንቦት፡ ታይዋን ናብ ምክልኻል ኣየራ ንዝኣተዋ 30 ነፈርቲ ውግእ ቻይና ንምጥንቃቕ ነፈርቲ ውግእ ከምዘዋፈረት ምግላጻ ዝዝከር እዩ፡፡