ኣሜሪካ-ቻይና፡ ባይደን ሃገሩ ንታይዋን ካብ ወራር ቻይና ከምእትከላኸለላ ኣፍሊጡ

ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ቻይና ኣብ ልዕሊ ታይዋን "ሓደገኛ ትንኮያ" ተካይድ ምህላዋ ብምግላፅ፡ እታ ደሴት መጥቃዕቲ እንተተፈጺምዋ ድማ ሃገሩ ወተሃደራዊ ምትእትታው ከምእትገብር ኣጠንቂቑ።

ንሱ ኣብ ጃፓን ንጋዜጠኛታት ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣሜሪካ ኣብቲ ዞባ ንዝነበራ ነዊሕ ዝጸንሐ ፖሊሲ ዝፃባእ ኮይኑ'ሎ።

ንጉዳይ ታይዋን ምስቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝኣወጀቶ ኲናት ከመሳስሎ ምፍታኑ ንቻይና ከቘጥዓ ከም ዝኽእል ይእመን።

ባይደን ፕረዚደንት ካብ ዝኸውን፡ ንፈለማ ግዜኡ'ዩ ኣብቲ ዞባ ንዘለዋ መሻርኽቲ በጺሑ።

ኣሜሪካ ምስ ጉዳይ ታይዋን ብዝተሓሓዝ ኣብ ዘለዋ ፖሊሲ "ለውጢ ኣይገበረትን" ክብል'ኳ እንተተሰምዐ፡ ቻይና ንታይዋን ክተጥቅዓ እንተፈቲና ግን ሃገሩ ከምእትከላኸለላ ክዛረብ ከሎ ኣብዚ ቀረባ ኣዋርሕ ንኻልኣይ እዋኑ እዩ።

እዚ ድማ ኣሜሪካ ኣብቲ ዞባን ኣብቲ ጉዳይን ኣብ ዘለዋ መርገፂ ለውጢ ትገብር ምህላዋ የመልክት።

ቅድሚ ሎሚ ግን ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት እንታይ ክትገብር ከምእትኽእል ንፁር ኣይነበረን።

ንታይዋን ከም ሓንቲ ዝተፈንጨለት ግዝኣት ገይራ እትሓስባ ቻይና፡ ክትምለስ ኣለዋ ዝብል ፅኑዕ መርገፂ ኣለዋ።

ወሃቢ ቓል ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ዋንግ ዌንቢን "ታይዋን ዘይትንፀል ግዝኣት ቻይና እያ. . . ንምውጋይ ኮነ ንሕድገት ዝኸውን ቦታ የለን" ክብል ይዛረብ።

"ሕቶ ታይዋንን ጉዳይ ዩክረይንን ካብ መሰረቱ ዝተፈላለየ እዩ። ንኽልቲኦም ክተመሳስል ምፍታን ትርጉም የብሉን። ኣሜሪካ ብመትከል ሓንቲ ቻይና [One China] ክትቅየድ ይግባእ" ክብል'ውን ኣተሓሳሲቡ።

ብርግፅ ኣሜሪካ ምስ ታይዋን ወግዓዊ ዝኾነ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ የብላን። ግን ከኣ ከም መርኣያ'ቲ ዘለወን ርክብ ኣፅዋር ትሸጠላ።

ብተመሳሳሊ ድማ ምስ ቻይና ወግዓዊ ርክብ ዘለዋ ኮይና፡ ንሓደ መንግስቲ ቻይና ጥራሕ ቅቡል ከምእትገብር ትገልፅ።

ባይደን እንታይ'ዩ ኢሉ?

ኣብ ጃፓን ቶክዮ ዝተረኸበ ባይደን ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር ፉሚዮ ኪሺዳ ብምዃን ኣብ ዝሃብዎ ሓበራዊ መግለፂ'ዩ ንጉዳይ ታይዋን ብዝምልከት ተዛሪቡ።

ታይዋን ንባዕላ ኣብ ምክልኻል ብዝምልከት ሓሳቡ ክህብ ካብ ጋዜጠኛታት ሕቶ ምስቀረበሉ፡ ቻይና ነታ ደሴት ትተናኽፋ ምህላዋ ገሊፁ።

ንሱ ንጉዳይ ቻይናን ታይዋንን ምስቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝወልዓቶ ኲናት ብቐጥታ ብምምስሳል'ዩ ሓሳቡ ሂቡ።

"ኣዝዩ ዝተፀግዐ ናይ ነፈርቲ በረራታት ብምክያድ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ሓደገኛ ትንኮያታት ተካይድ ኣላ" ክብል፡ ነፈርቲ ውግእ ቻይና ናብቲ ታይዋን ዞባ ምክልኻል ኣየር ክትብል ዝኣወጀቶ ከባቢ ይዝምብያ ምህለዋን ንዝገልፅ ጸብጻባት ጠቒሱ።

"ናተይ ትፅቢት ከምኡ ኣይኸውንን [ቻይና ንታይዋን ኣይክትወራን] ዝብል'ዩ። ዝፍተን ኣይኸውንን" ክብል ወሲኹ ገሊፁ።

ቻይና ኣብ ልዕሊ ታይዋን ወራር እንተፈፂማ ኣሜሪካ ክትከላኸለላ ትኸውን'ዶ ዝብል ሕቶ ዝቐረበሉ ባይደን፡ ሃገሩ ከምእትከላኸለላ ኣአንፊቱ።

"ታይዋን ብሓይሊ ክትውሰድ ዝብል ሓሳብ ዘሰማምዕ ኣይኮነን። ንምሉእ እዚ ዞባ ዘናግዕ'ዩ ዝኸውን፤ ልክዕ ከምቲ ኣብ ዩክረይን ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ድማ ክኸውን'ዩ" ኢሉ።