እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ህጻናት ብሰራሕተኛታት እንተዓበዩ ጸገም ይህልዎ'ዶ?
ኣብዚ ዘለናሉ እዋን መብዛሕትኦም ወለዲ ኣብ ገዛ ኣይውዕሉን። ዘይከም ቀደም፡ ኣደታት’ውን ኣብ ዝተፈላለየ ስራሕ ተዋፊረን ስለ ዝውዕላ ምስ ውላደን ንግሆን ምሸትን እየን ዝራኸባ።
“መዓረይ! ከይትድቅሲ! ይመጽእ ኣለኹ" ዝብል ድምጺ ኣብ ሪጋ ታክሲ ምስማዕ ልሙድ እዩ።
እንታይ ይገበር? መነባብሮ ተቐይሩ፤ ድሌት ህጻናት'ውን ሰፊሑ። ናብራ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ይኸብድ ኣሎ።
ይትረፍዶ ሓደ ወላዲ፡ ክልቲኦም'ውን ሰሪሖም ዝረኽብዎ እቶት ንዅሉ ድሌቶም ክሽፍን ኣይክእልን።
ነዚ ስዒቡ ክመጽእ ዝኽእል ሓደጋ ድማ ንክኢላታት ምዕባለ ህጻናት ዘሻቕሎም ዘሎ ጉዳይ’ዩ።
ህጻናት መን ይናብዮም?
ብሓቂ እንተሓቲትና ቈልዑ ብስም ወለዶም’ኳ እንተተጸውዑ ዘዕብይዎም ንሳቶም ኣይኮኑን።
ኣብዚ እዋን እዚ ተራ ወለዲ ዳርጋ ከም ተራ ኣባላት ቦርድ ሓደ ትካል እዩ ዝመስል፤ ውሳነታት ምጽዳቕ፡ ፈሪምካ 'ይፈጸም' ኢልካ ናብ ዝምልከቶ ኣካል ምምራሕ።
ኣቶ ስዒድ ኢብሬ ኣብ ዓውዲ ስነ-ልቦና ኣተዓባብያ ህጻናት ተመራማሪን ኣብ ዩኒቨርስቲ ሃረማያ መምህርን እዩ።
ንሱ፡ ብፍላይ ኣብ ከተማታት ቈልዑ ንኣደታቶም ከይፈለጡ ይዓብዩ ከም ዘለዉ ይገልጽ።
"ሕጂ ቈልዑ ዝዓብዩ ዘለዉ ብሰራሕተኛ ገዛን ብተለቪዥንን'ዩ ዝመስለኒ" ይብል።
እቲ ናይ ተለቪዥን ነገር ካልእ ዛንታ’ዩ፤ ግን ቈልዑ ብሰራሕተኛ ገዛ እንተዓበዩ እንታይ ጸገም ኣለዎ?
ጭንቅን ናፍቘትን ዝመልኦ ውዕሎ
መብዛሕትኡ ግዜ ኣዴታት ብፍላይ ናይ መጀመርታ ውላደን ምስ ወለዳ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ናብ ስራሕ ክምለሳ ይግደዳ።
ደቀን ከይጸገቡወን፡ ንሰን’ውን እናተሻቐላ ምሉእ መዓልቲ ከይተረኣኣዩ ይውዕሉ። ብሰንኪ ባህልን ልማድን ኣቦታት ኣብ ምዕባለ ህጻናት ብዙሕ ተሳትፎ ኣይገብሩን።
ኣክንዲ ኣደታት፡ ቀትሪ ምስ ደቆም ክውዕሉ ዘለዎም ዕድልን ድሌትን ትሑት እዩ። ኣብ መንጐ'ዚ እዚ፡ ህጻናት ክሳብ ቤት ትምህርቲ ዝርከቦም ብሰራሕተኛታት ገዛ ክዓብዩ ይግደዱ።
"እዚ ንርእሱ ጸገም ዘይክኸውን ይኽእል'ዩ" ይብል ስዒድ።
ግን ክንደይ ሰራሕተኛታት እየን ብዛዕባ ኣተዓባብያ እቶም ቈልዑ ዝጭነቓ? ክብል ይሓትት።
"ከምቲ እንርእዮ ዘለና፡ እተን ሰራሕተኛታት ቆልዑ ስቕ ክብሉለን ጥራይ እየን ዝደልያ።"
ኣብ ሶፋ፡ ወይ ኣብ መደቀሲ ክፍሊ ኣቐሚጠን፡ ስርሐን ክውድኣ ጥራይ ይደልያ።
ኣብዚ እዋን እዚ እቶም ቈልዑ ካልእ ኣማራጺ የብሎምን፤ "ምሉእ መዓልቲ ምስ ዘይዛረብ ቴለፎንን ንበይኑ ምስ ዝልፍልፍ ተለቪዥንን ተፋጢጦም ይውዕሉ" ክብል የረድእ።
እዚ ድማ ምድኽዳኽ ምዕባለ ኣእምሮ ህጻናት የስዕብ። እዚ ብኸመይ ክኸውን ከም ዝኽእል ስዒድን ክኢላ ምዕባለ ህጻናት ጆርጎ ድሪባን ድሒሮም ክገልጹልና’ዮም።
ግን ምስዚ ክለዓል ዘለዎ ካልእ ተዛማዲ ጉዳይ ኣሎ - ኣደታት ዝስምዐን ጭንቀት። ኣብ ስራሕ ዝውዕላ ኣደታት ውላደይ እንታይ ኰይኑ ይኸውን ዝብል ጭንቂ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ስርሐን ከየተኩራ ይገብረን’ዩ።
ምሉእ መዓልቲ እናደንገጻ ውዒለን እየን ተሃንጥየን ናብ ገዛአን ዝምለሳ። እዚ ብኣሃዝ ክድገፍ ዘይክእል'ኳ እንተኾነ፡ ኣፍራይነተን ከም ዝንኪ ምግማት ይከኣል። ንጥዕና ኣእምሮአን ኣይጽሉን ክንብል'ውን ኣይንኽእልን።
እዚ ማለት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ገዛ መዓልታዊ ብውሑዱ ጥዕና ክልተ ሰባት ይጕዳእ ኣሎ - ጥዕና ኣደን ውላድን።
ብሰራሕተኛታት ገዛ ምዕባይን ጐድናዊ ሳዕቤናቱን
ኣቶ ስዒድ ኢብሬ፡ ኣብ ሃገርና ብዙሓት ሰባት ኣብ ኣተዓባብያ ህጻናት ኣብ "ምዕባለ ሃርድዌር" ትዅረት ይገብሩ ይብል፤ እዚ ድማ ንኣካላዊ ዕብየት ጥራይ እዩ ዝምልከት።
“ህጻናት እንተበሊዖምን እንተረጒዶምን ዕብየቶም ምሉእ እዩ ዝመስለና። ግን ተጋጊና ኢና" ትብል ክኢላ ምዕባለ ህጻናት ጆርጎም።
"ከም ኢትዮጵያውያን መጠን ንስምዒት ብዙሕ ቦታ ኣይንህብን ኢና፤ ቈልዓ እንተበሊዑ ወይ እንተሰቲዩ ከም መኽሰብ ኢና ንርእዮ። ግን ኵሉ እቲ ዓበይቲ ዝሓልፍዎ ስምዒታት፡ ህጻናት እውን ይሓልፍዎ፤ ህጻናት ይፈርሑ፡ ይጭነቝ፡ ይደናገሩ እዮም፡"
ስዒድ፡ "ስነ-ኣእምሮኣዊ ጥዕና ህጻናት ኣገዳሲ ኣካል ምዕባለኦም'ዩ" ይብል።
ብዛዕባ ኣካላዊ ምዕባለ ህጻናት (ሃርድዌር) ዝጭነቕ ወላዲ፡ ብዛዕባ ኣብ ህጻናት ዝተተኽለ 'ሶፍትዌር' (ስነ-ኣእምሮኣዊ ምዕባለ) ኣይፈልጥን። መን እዩ ነቲ ሶፍትዌር ዝጭብጦ? ካብ ኣደ ጀሚሩ ኣቦ፡ ስድራቤት፡ ቤት ትምህርቲ፡ መዛኑን ዝከታተልዎ ፊልምታትን የጠቓልል።
ከም ኣኽላባት ሳሎን ምስ ሰራሕተኛ ኣብ ሶፋ ዝዘናግዑ ህጻናት ኣብዚ መዳይ ከምቲ ዝድለ ኣይረኽቡን።
ስዒድ ነዚ ዝገለጾ ሰለስተ መሰረታዊ መገድታት ኣተዓባብያ ቈልዑ ብምዝርዛር እዩ፣ ኣካላዊ፡ ኣእምሮኣዊን ማሕበረ-ስምዒታዊን።
ንሱ ከም ዝብሎ እቲ ሓደ ካብቲ ካልእ ኣይበልጽን፡ ኣይንእስን። ናይቲ ሓደ ጉድለት ግን ንዕብየት እቲ ካልእ ይጽሉ’ዩ።
'ኣፍካ ሒዝካ ኮፍ በል!'
ንኣቶ ስዒድ፡ ንዕብየት ህጻናት እቲ ኣዝዩ ወሳኒ እዋን ካብ 1 ክሳብ 5 ዓመት ዕድመኦም እዩ። ሳይንስ’ውን ከምኡ እዩ ዝብል።
እዚ ዕድመ እዚ ኣእምሮ ህጻናት ንሓበሬታ ኣዝዩ ተቐባሊ ዝዀነሉ፡ ሓታቲ ዝዀነሉ፡ ዓቢ ናይ ኣእምሮ ዓቕሚ ዝረኽብሉ ዘመን እዩ።
ነዚ እዩ ድማ ስዒድ፡ "ንሓንቲ ቈልዓ ንሰለስተ ቋንቋታት እንተ ኣቃሊዕናያ፡ ብዘይ ጻዕሪ 'ትራይሉንጓል' እትኸውን" ይብል።
እዚ ከመይ ኢሉ እዩ ይኸውን?
እቲ ምኽንያት ሓደ እዩ። ኣብዚ ዕድመ እዚ ሓንጐል ህጻናት ከምቲ ማይ ዝመጺ ስፖንጂ እዩ። እዚ ዕድመ እዚ ብቐጻሊ ዘይተጸበናዮ ሕቶታት ዝሓትሉ እዋን እውን እዩ።
“ኣምላኽ ኣበይ እዩ ዝነብር? ስለምንታይ ናብ ገዛ ዘይመጽእ? በይኑ ድዩ ዝነብር?" እናበሉ ሽሕ ሕቶታት ይሓቱ።
ኣብዚ ግዜ እዚ ግቡእ ምላሽ ዝህብ ወላዲ እዮም ዝደልዩ። ሰራሕተኛታት ገዛ ነዞም ሕቶታት ክምልሳ ዘለወን ተኽእሎ ጸቢብ እዩ። ብቐንዱ ኣብ ካልእ ስራሕ ስለዝጽመዳ፤ ኣይግድሰንን’ውን፡ ወይ ድማ መልሲ ስለዘይብለን።
መብዛሕትኡ ግዜ እቶም ቈልዑ ስቕ ክብሉ ይመርጻ፤ "ኣይተሕርረኒ!" ወይ "ኣፍካ ሒዝካ ኮፍ በል!" ኢለን ክምልሳ ይኽእላ።
ህጻናት ኣብዚ ወሳኒ ዕድመ እዚ ከምዚ ዓይነት መልሲ እንተተዋሂብዎም፡ ምስ ዓበዩ ሕቶታት ክሓቱ ይፈርሑ፣ ካብ ሓላፍነት ክሃድሙ፡ ዓው ኢሎም ክዛረቡ ይሓፍሩ፡ ሕሹኽታ ይመርጹ።
ብሰራሕተኛታት ዝዓብዩ ቈልዑ ፈራሓት ድዮም ዝዀኑ?
ወላዲት ኣደ ኣብ 4ይ ወርሒ ውላዳ ገዲፋ ናብ ስራሕ ትምለስ። ኣቦ’ውን ኣብ ስራሕ ይውዕል። ቈልዓ ብሰራሕተኛ’ዩ ዝዓቢ። እሞ እንታይ ጸገም ኣለዎ?
"ጸገም’ሞ ኣለዎ" ትብል ጆርጎ።
ንኣብነት እንታይ ዓይነት ጸገም?
ንኣብነት፡ ቈልዑ ምስ ድምጺ ኣደኦም ምትእስሳር ዝፈጥሩ ገና ኣብ ማህጸን እናሃለዉ እዮም። ሓደ ዓመት ክመልኦም እንከሎ ድማ ከባቢኦም ይምርምሩ። ጨና ኣደኦም ውሕስነት ድሕንነቶም ኰይኑ ይስምዖም።
ቀዳመይቲ ዓመት ዕብየት ቈልዓ " Trust-mistrust" (ምቅርራብን ምትእምማንን ዘማዕብልሉ) ዓመት’ዩ ትብል ጆርጎ።
"ስለዚ'ዩ ዋላ ክበኽዩ ከለዉ ድምጺ ኣደኦም ካብ ርሑቕ ምስ ሰምዑ ስቕ ይብሉ፤ ውሕስነት ስለ ዝስምዖም።”
ስለዚ ቅድሚ ምጥንካሮም ካብ ሙቐት ኣደኦም ምስ ዝፍለዩ፡ ካብኡ ሓሊፉ ብሰራሕተኛታት ምስ ዝዓበዩ እንታይ ከም ዝኸውን ምግማት እዩ።
“እቶም ህጻናት ክስንብዱ እዮም፤ ፈራሓት ክዀኑ እዮም። ስግኣት ዝወረሮም ተጠራጠርቲ ክዀኑ እዮም።”
ጆርጎ፡ ኣደኦም ምስ ትርሕቈም ወጸት ስንባደ ይፈጥሩ። "ኣብ ኣካላቶም ዝውሕዝ ዘሎ ናይ ጸቕጢ ሆርሞን'ዩ" ትብል።
ስለዚ ድዩ መግቢ ዘይበልዑ?
ህጻናት ድሕንነት ምስ ዝስምዖም ሸውሃቶም ይውስኽ። ኣብ ፍርሕን ሓደጋን እንተሃልዮም ግን ኣይበልዑን።
ዋህዮታት ሓንጐል ህጻናት ውሕስነት ምስ ዝስምዖም፡ ካብ ጸቕጢ ነጻ ምስ ዝዀኑ እዮም ዝምዕብሉ።
ሓንቲ ሰራሕተኛ እዚ ክስምዖም እንተዘይገይራ ኣእምሮኣዊ ምዕባለኦም ተዓንቂፉ ማለት እዩ።
"ዝስሕቕን ዝጻወትን ቈልዓ ማለት ጽቡቕ ምዕባለ ዘለዎ ቈልዓ ማለት'ዩ" ትብል ጆርጎ።
ገለ መጽናዕትታት ከም ዘመልክትዎ፡ ህጻናት ወለዶም ናብ መዓልታዊ ክንክን ህጻናት ወሲዶም ኣብኡ ክሓድግዎም እንከለዉ ጽቡቕ ኣይስምዖምን።
“ተደርብዮም፡ ዘይተደልዩ ኰይኑ ይስምዖም" ይብል እቲ ክኢላ።
ሓደ ካብቲ ትሑት ድሌት ምብላዕ ዘለዎም ምኽንያት፡ ውሕስነት ዘይምህላው ምዃኑ ክግለጽ ይከኣል። ዘይውሕስነት እውን ካብቲ ወለዲ ንስራሕን ክንዮኡን ክገድፍዎም ከለዉ ዝስምዖም ስምዒታት ዝመጽእ እዩ።
ጸገም ምልውዋጥ ሰራሕተኛታት
ካልእ ጸገም ድማ ህጻናት ብሰራሕተኛ ጽቡቕ ክንክን እናተገብረሎም ውሕስነት ክስምዖምን ክስሕቍን ከለዉ ካልእ ሰራሕተኛ ትትካእ።
እዚ ኵነታት እዚ ነቶም ሓደስቲ ቈልዑ የደናግሮም እዩ። ከም ብሓድሽ ውሕስነት ክስምዖም ዝግበር ጻዕሪ ቀሊል ኣይክኸውንን እዩ። ኣብ ከምዚ ኵነታት ዝዓብዩ ህጻናት ብስምዒት ናብ ምድንጋር ይኣትዉ።
ቈልዑ ምስ ሓደ ሰራሕተኛ ኣብ ገዛ ክጸንሑ ከለዉ እንታይ ይስምዖም? እዚ ካብ ቈልዓ ናብ ቈልዓ ዝፍለ'ኳ እንተዀነ፡ ከም ዘይተደልዩን ከም ዘይፍተዉን ክስምዖም ከም ዝኽእል እዩ።
ቈልዑ ስለዝዀኑ ነዚ ኣይሓስቡን ምባል የዋህነት እዩ። ወለዲ ንደቆም ንምንታይ ብለይቲ ወጺኦም ምሸት ከም ዝምለሱ፡ እንታይ ይሰርሑ ከም ዘለዉ ከረድእዎም ኣለዎም ትብል ጆርጎ።
እንተዘይኮይኑ እቶም ቆልዑ ከም ዘይተደለዩ ኰይኑ ክስምዖም እዩ።
“ሓደ ሓደ ግዜ እንተተኻኢሉ ነቶም ቈልዑ ናብ ስራሕ ቦታ ወሲዶም ከባቢኦም እንተርኣይዎም ጽቡቕ እዩ።”
መፍትሒኡ እንታይ እዩ?
ወለዲ ስራሕ ገዲፎም ቈልዓ የዕብዩ ክበሃል ኣይክእልን። እቶም ክልተ ክኢላታት ኣብዚ ህሉው ኵነታት ነገራት ክመሓየሹ ከም ዝኽእሉ የመልክቱ።
ወለዲ፡ ምስቲ ደቈም [ዕድመ እንተፈቒዱሉ] ብግልጺ ምዝርራብ፡ ከምኡ’ውን ኵነታት ውላዶም ኣዝዩ ጽቡቕ ገይሩ ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ።
እቶም ቆልዑ ገለ ነገር ክብሉ እንተፈሪሖም ሓደጋ ከምዘሎ ተረዲኦም ክፍትሹ ኣለዎም። ጆርጎ፡ ኣደታት ኣብ ቅድሚ ህጻናት ንኣለይቲ ህጻናት ምግሳጸን ሓደጋታት ከም ዘለዎ ትገልጽ።
ቀዳማይ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰራሕተኛ ሕማቕ ጦብላሕታ ይፈጥር። ንጽባሒቱ ድማ እዚ ሕማቕ ስምዒት ኣብቲ ቈልዓ ክተንጸባርቕ ትኽእል’ያ።
ካልኣይ ቈልዓ ካብዚ ተጋራጫዊ ፍጻመ ኣሉታዊ ነገር ክወስድ እዩ። ከናሸው ዘለዎም ሰባት ኣለዉ ኢሎም ንኽሓስቡ ይድርዀም። ስለዚ ወለዲ ምስ ሰራሕተኛ ጥዑይ ዝምድና ንምምስራት ቀዳምነት ክህቡ ኣለዎም ይብሉ ክልቲኦም ክኢላታት።
"ኣብ ልዕለና ክግበር ዘይንደልዮ ነገር ኣብ ልዕሊ ካልኦት ኣይንፈጽም።"