እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ውድድር ማራቶን ለንደን ዝተዓወቱ ሰለስተ ኢትዮጵያውያን
ኣብቲ ትማሊ ሰንበት ኣብ ከተማ ለንደን (ብሪጣንያ) ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ሰለስተ ኢትዮጵያውያን መዳልያታት ተዓዊቶም።
ኣብ ናይ ደቂኣንስትዮ (ኢሊት) ያለምዘርፍ የኋላው ቀዳመይቲ ብምዃን ወርቂ ተሸሊማ።
ያለምዘርፍ፡ ኣብ መበል 32 ኪሜ ወዲቓ'ኳ እንተነበረት፡ ሓቦ ሰኒቓ ጉያኣ ብምቕጻል፡ ነቲ ውድድር ብ2 ሰዓት፡ 17 ደቒቕን 26 ካልኢትን ብምውዳእ ዝናኣድ ዓወት ክትጓናጸፍ ኪኢላ።
እታ ንፈለማ እዋን ኣብቲ ውድድር ዝተዓወተት ያለምዘርፍ፡ ዝነኣሰት ተዓዋቲት ለንደን ማራቶን ኮይና'ላ።
መገርቱ ኣለሙ ብወገና ኣብቲ ውድድር ሳልሳይ ደረጃ ብምውጽኣ ነሓስ መዳልያ ተዓዊታ'ላ። ኬንያዊት ጆሲሊን ጀፕኮስገይ ድማ ካልኣይቲ ኮይና።
ኣብ ናይ ደቂተባዕትዮ (ኢሊት) ድማ፡ ኬንያዊ ኣሞጽ ኪፕሩቶ 2 ሰዓት፡ 4 ደቒቕን 39 ካልኢትን ብምምዝጋብ ዕዉት ለንደን ማራቶን 2022 ኮይኑ'ሎ።
ኢትዮጵያዊ ልኡል ገብረስላሰ ብወገኑ፡ ካብቲ ኬንያዊ መቐናቕንቱ 33 ካልኢት ድሒሩ ብምእታው ካልኣይ ደረጃ ብምሓዝ ብሩር ወሲዱ። በልጂማዊ በሽር ኣብዲ ድማ ሳልሳይ ወጺኡ'ሎ።
ኣብቲ ውድድር ቅያ ብምስርሓ ዝተሓጎሰት ያለምዘርፍ የኋላው፡ "ኣብ ለንደን ማራቶን ብምዕዋተይ ኣዝየ ሕጉስቲ'የ። ነዚ ውድድር ኣብ ዘካየድክዎ ምድላዋት ብትግሃት ሰሪሐ'የ፡ ስለዚ ዓወት ምርካበይ ዘደንቕ'ዩ" ክትብል ተዛሪባ።
ኣብ ታሪኽ ውድድር ማራቶን፡ ካልኣይቲ ዝቐልጠፈ ግዜ ዘመዝገበትን፡ ናይ 10 ኪሜ ክብረወሰን ዝሓዘትን ያለምዘርፍ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ሃምበርግ (ጀርመን) ኣብ ዝተኻየደ ማራቶን ብምስታፍ ካብቶም ዝቐልጠፈ ግዜ ዘመዝገቡ ብ7ይ ደረጃ ክትስራዕ ኪኢላ ዝነበረት'ያ።