እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣትሌት ሰለሞን ባረጋ፡ ቃል ዝተኣተወሉ መኪና ስለምንታይ ክሳዕ ሎሚ ዘይተውሃቦ?
ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ሰለሞን ባረጋ፡ ቅድሚ ኣዋርሕ ኣብ ቤተ መንግስቲ እታ ሃገር ኣብ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ሽልማት፡ መኪና ከምዝተበርከተትሉ ዝተገለጸ ኮይኑ፡ ዛጊድ ግን እታ መኪና ኣብ ኢዱ ኣይኣተወትን፡፡
ኣብ መበል 32 ኦሎምፒክ ቶክዮ ብጉያ 10 ሽሕ ሜትር ንሃገሩ ወርቂ ሜዳልያ ዘምጸአ ኣትሌት ሰለሞን፡ ዋለኳ ካብ ኢድ ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውደ ዋጋ 3 ሚልዮን መኪና ከምዝተበርከተትሉ ካብ ዝግለጽ 7 ኣዋርሕ እንተሓለፉ እቲ ሽልማት ኣይበጸሖን፡፡
ሚኒስትሪ ስፖርትን ባህልን ምትሕብባር ይገብረሉ ከምዘሎ ዝገልጽ እቲ ኣትሌት፡ ብምኽንያት ሕጽረት ሸርፊ ወጻኢ ግን እቲ ሽልማት ኣብ ኢዱ ክኣቱ ከምዘይከኣለ ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡
‘‘ሚኒስተራት ተቐያዪሮም እዮም፡፡ ሓደሽቲ እዮም ዘለዉ፡፡ ኣነ'ውን ‘ኣበይ በጺሑ?’ ኢለ ኣይሓተትኩን፡፡ ሞኢንኮ ከእትዎ እዩ ተባሂሉ ነይሩ፡፡ ከምዝመስለኒ ግን እቲ ትካል ነታ መኪና ንምምጻእ ዘድልዮ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ክረክብ ኣይከኣለን፡፡ ኮይኑ ግና ይተሓባበሩኒ እዮም ዘለዉ፤ በቲ ኣነ ዝደልዮ ኩነታት እዩ ዝኸይድ ዘሎ’’ ኢሉ፡፡
ኣብ ሚኒስትሪ ባህልን ስፖርትን ኢትዮጵያ ሚኒስተር ዲኤታ ዓውዲ ስፖርት ዝኾነ ኣምባሳደር መስፍን ቸርነት፡ ነቲ ኣትሌት ቃል ዝተኣተወሉ ውህብቶ ብምኽንያት ሕጽረት ሸርፊ ወጻኢ ክሳብ ሕዚ ከምዘይተውሃቦ ገሊጹ፡፡
ነቲ ኣትሌት ሰለሞን ዘመዝገቦ ዓወት ዝምጥን ህያብ ንምሃብ ኣብ ውሳነ ምስተበጸሐ ‘‘እታ ዝተመረጸት መኪና ኣብ ውሽጢ ዓዲ ስለዘየላ፡ ንዕኣ ዝኸውን በጀት ተታሒዙ ክቐርብ ብምውሳን እቲ መደብ (ሽልማት) ተኻይዱ’’ ኢሉ ኣምባሳደር ቸርነት፡፡
ብተወሳኺ‘‘ ሞዴል ናይታ መኪና ተመሪጹ ምድላው ተገይሩ፡፡ ሞኢንኮ ‘እታ መኪና ኣብ ኢደይ የላን፤ ካብ ወጻኢ ከምጽእ እየ’ ኢሉና፡፡ ኣብቲ ናይ ሽልማት ስነ ስርዓት ኣብ ፎቶ ዝተርኣየት መኪና ቃል ዝተኣተወሉ እምበር ዝተውሃበቶ ኣይኮነትን’’ ኢሉ፡፡
ኣብቲ 27 ነሓሰ 2013 ዓ/ም ኣብ ቤተ መንግስቲ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ሽልማት፡ ሜዳልያ ብሩር ንዘምጸአ ኣትሌት 1.5 ሚልዮን ብር ከምኡ እውን ሜዳልያ ነሓስ ንዘምጽኡ ኣትሌታት ሓድሕዶም 1 ሚልዮን ብር ከምዝወሃቦም ቃል ተኣትዩሎም ነይሩ፡፡
በዚ መሰረት ኣብ ኦሎምፒክ ቶክዮ ብጉያ መሰናኽል 3 ሽሕ ሜትር: ብሩር ሜዳልያ ዘምጸአ ኣትሌት ለሜቻ ግርማ ቃል ዝተኣተወሉ ገንዘብ ከምዝወሰደ ንቢቢሲ ገሊጹ፡፡
ብተወሳኺ ብ 10 ሽሕን 5 ሽሕን ሜዳልያ ነሓስ ዘምጸኣ ኣትሌታት ለተሰንበት ግደይን ጉዳፍ ጸጋይን ሓድሕደን ቃል ዝተኣተወለን 1 ሚልዮን ብር ከምዝወሰዳ ቢቢሲ ካብ ዝቐርብወን ምንጪታት ኣረጋጊጹ እዩ፡፡
ኣትሌት ሰለሞን ዋላኳ ቃል ዝተኣተወትሉ መኪና ኣብ ኢዱ እንተዘይኣተወት፡ እቲ ኩነታት ቅረታ ከምዘይፈጠረሉ ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡
‘‘ምስ'ቲ እታ ሃገር ዘላቶ ኩነታት ተዛሚዱ ሸርፊ ወጻኢ ስለዘየለ እምበር ካልእ ነገር ተፈጢሩ ኣይኮነን፡፡ እዚ ቁሩብ ድንጉይ ኢሉ እምበር ናይቶም ቅድመይ ዝነበሩ ኣትሌታት እውን ከምኡ እዩ፡፡ ይድንጉይ እዩ፡፡ ጸኒሑ እዩ ተዋሂብዎም’’ ኢሉ፡፡
ብተወሳኺ ‘‘ስቕ ኢሎም እዮም ኣብ ፌስቡክ ዝዛረቡ፡፡ ኣነ ዘቕረብክዎ ቅረታ የለን፡፡ ሃገራዊ ጉዳያት ኣብዘይተስተኻኸለሉ መኪና ዘይተውሃበኒ ዝብለሉ ግዘ ኣይኮነን’’ ኢሉ ኣትሌት ሰለሞን፡፡
ዋጋ እታ መኪና ተዋሂብዎ ባዕሉ ካብ ቀረጽ ነጻ ከእቱ ምትሕብባር ይግበረሉ ከምዘሎ እውን ጠቒሱ፡፡
ጉዳይ ቃል ዝተኣተወሉ 10 ሽሕ ካሬ መሬት ከ?
ኣትሌት ሰለሞን ድሕሪ እቲ ኣብ ቶክዮ ዘመዝገቦ ዓወት፡ ካብ መኪና ብተወሳኺ ኣብ ሃዋሳ ኣብ ዝተሳለጠ ስነ ስርዓት ሽልማት ኣብ ከተማ ወልቂጤ 10 ሽሕ ካሬ መሬት ከምዝብርከተሉ ቃል ተኣትዩሉ ነይሩ፡፡
ኮይኑ ግና እዚ ሽልማት እውን ገና ኣብ ኢዱ ኣይኣተወን፡፡
‘‘ንሳቶም እውን ቦታ ይደልዩ እዮም ዘለዉ፡፡ ብስልኪ የዘራርቦም ኣለኹ፡፡ ጽቡቕ ቦታ እዮም ዝመርጹ ዘለዉ፡፡ ‘ምስወዳእና ክንድውለልካ ኢና ’ ኢሎምኒ ስልኪ ይጽበ ኣለኹ’’ ክብል ገሊጹ፡፡
ኣብዚ ጉዳይ ቢቢሲ ርእይቶ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ንምክታት ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይሰመረን፡፡