ኣብ እስራኤል ኣብ 7ይ ክፍለ ዘመን ኣብ መንደቕ ዝተሓብአ ናይ ወርቂ ሰልዲ ተረኺቡ

ጥንታዊ ወርቃዊ ሰናቲም

ምንጪ ስእሊ, ISRAEL ANTIQUITIES AUTHORITY

እስራኤላውያን ተመራመርቲ ስነ-ጥንቲ፡ ኣብ 7ይ ክፍለ ዘመን ዝሰርሕ ዝነበረ 44 ጽሩይ ወርቂ፡ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ኣብ ዚዕቅበሉ መንደቕ ከም እተረኽበ ገሊጾም።

እቲ ኣስታት 170 ግራም ዝምዘን ናይ ወርቂ ሰልዲ፡ ብ635፡ ኣመንቲ ምስልምና ነቲ ከባቢ ምስ ወረሩዎ ኣብ ናይ ሄርሞን ስትራም ከም እተሓብአ ይግመት።

እቲ ሰልዲ፡ኣብ መወዳእታ ግዝኣት ባይዛንታይን ኣብቲ ከባቢ ንዝነበረ ኵነታት ከም ዘብርህ የረድእ። ሃጸያዊ ግዝኣት ባይዛንታይን ንልዕሊ 1,000 ዓመት ዝጸንሐ ናይ ምብራቓዊ ግዝኣት ሮማ እዩ ነይሩ።

ዳይረክተር እቲኵዕታ ዮኣቭ ለረር፡ "እቲ ዋና እቲ ዝርካቡ ሃብቱ ኣብ ስግኣት ምስ ወደቐ ዳሕራይ ክረኽቦ እየ ብምባል ዝሓብኦ ዘይዕድለኛ ሰብ ጌርና ክንሓስቦ ንኽእል ኢና" ኢሉ።

ዶክተር ገብርኤላቢጆቪስኪ፡ እቲ ናይ ወርቂ ሰልዲ ንህይወት ስድራ ቤት ሃጸይ ሄራክልየስ ንምስናድ ከም ዝሕግዝ ይገልጽ።

ኣብ መንበሪቤት እታ ጥንታዊት ከተማ እተገብረ ኵዕታ፡ ብዘይካ እቲ ናይ ወርቂ ሰናቲም፡ ናይ ህንጻታት ኣሰር፡ ናይ ማይ መትረባት፡ ናይ ነሓስ ሰልድን ካልእ ብዙሕ ነገራትን ቅርሲ ከም ዝነበሮ፡ ሰበ ስልጣን እስራኤል ገሊጾም።

ዶክተር ገብርኤላቢጆቪስኪ፡ እቲ ኣቝሑ ናይሃጸይ ፎካስ (602-610) እኳ እንተኾነ፡ መብዛሕትኡ ግን ናይቲ ንዕኡ ዝትክእ ሄራክልስ ከም ዝነበረ ገሊጹ ኣሎ።

ባኒያስ ኣብክርስትያናዊ ያታ ፍልይ ዝበለ ቦታ እዩ ዘለዎ። እዚ ቦታ እዚ ከኣ የሱስ ክርስቶስ ንሃዋርያ ጴጥሮስ "ኣብዛ ከውሒ እዚኣ ቤተይ ክሃንጽ እየ" ዝበለሉ ቦታ።