እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
እስራኤል ንውሳነ ዕርቂ ሕቡራት ሃገራት ነጺጋቶ
እስራኤል ኣብ ቓዛ "ሰብኣዊ ዕርቂ" ክካየድ ዝጽውዕ ውሳኔ ሕቡራት ሃገራት ብሕርቃን ነጺጋቶ፡ ንነብሳ ክትከላኸል ምዃና ድማ ቃል ኣትያ።
ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ቅልጡፍ ሰብኣዊ ዕርቂ ክግበር ብልዑል ድምጺ ጸዊዑ።
ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር እስራኤል ጊላድ ኤርዳን፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት “ቅቡልን ጠቓምን " ኣኼባ ከም ዘይኣካየደ ገሊጹ።
ኣሜሪካ ንውሳነ ሕቡራት ሃገራት ዝጻረር ድምጺ ዝሃበት ኮይና፡ ኣብ ቓዛ ኣብ ዝካየድ ወተሃደራዊ ስርሒታት እስራኤል ግን "ሰብኣዊ ዕረፍቲ" ክግበር ጸዊዓ።
ሰራዊት እስራኤል ብዓርቢ ኣብ መላእ ዞባ ቓዛ መጥቃዕትታቱ እናሓየለ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ስርሒታቱ የስፍሕ ከምዘሎ ገሊጹ።
ወሃቢ ቃል ዳንኤል ሃጋሪ፡ ሓይልታት እስራኤል "ኣብ ቓዛ ዝፍጸም መጥቃዕትታት ኣዕብዮሞ። ሓይሊ ኣየር ኣብ ትሕቲ መሬት ንዝርከቡ ዒላማታትን ትሕተ ቅርጺ ግብረሽበራውያንን ኣዕርዩ የጥቅዕ’ሎ" ኢሉ።
ኣስዒቡ ንነበርቲ ቓዛ ዝያዳ ናብ ሸነኽ ደቡብ ክግዕዙ ነጊርዎም።
እስራኤል 1400 ሰባት ዝቐተለ መጥቃዕቲ ሓማስ ካብ ዝፍጸም 7 ጥቅምቲ ኣትሒዛ ኣብ ቓዛ ቦምባታት ክትድብድ ጸኒሓ እያ።
ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ትማሊ ዓርቢ ኣብ ቓዛ ቅልጡፍ ዕርቂ ክግበር ዝድግፍ ድምጺ ሂቡ። እቲ ውሳነ 120 ድምፂ ደገፍ፣ 14 ተቓውሞን 45 ድማ ‘ድምጸ ተኣክቦ’ ሂቦም።
ጆርዳን ንዓረባዊ ጉጅለ ወኪላ ኣብ ዘቕረበቶ ውሳነ “ራዕድን ‘ዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ’ ዝዓይነቱ መጥቃዕትን" ሓዊሱ ንኹሉ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ዜጋታት ፍልስጤምን እስራኤልን ዝፍጸም ዓመጽ ዝኹንን እዩ።
እቲ ድምጺ ብሕጊ ቀያዲ ዘይኮነስ ብሰንኪ ኣድማሳውነት ኣባልነት ሕቡራት ሃገራት ሞራላዊ ክብደት ዝሓዘ እዩ።
ኣምባሳደር እስራኤል ኤርዳን፡ "ንሕቡራት ሃገራትን ንደቂ ሰባትን ጸልማት መዓልቲ" ክብል ብምጽዋዕ፡ ሃገሩ ኣብ ምምካት ሓማስ "ኩሉ መገድታት" ክትጥቀም ምዃና ቃል ኣትዩ።
እቲ ኣምባሳደር ነቶም ‘እወ ዘድመጹ’ ኣብ ክንዲ ንእስራኤል ዝድግፉ “ንራዕዳውያን ናዚ" ደጊፎም ክብል ከሲሱ።
ወሃቢ ቃል ሃገራዊ ድሕነት ኣሜሪካ ጆን ኪርቢ፡ ኣሜሪካ ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ካብ ቓዛ ንኽወጹኡ ንምሕጋዝ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ዕረፍቲ ክትድግፍ እያ - ከምኡ'ውን ተወሳኺ ሓገዝ ክኣቱ ክትፈቅድ እያ ኢሉ።
ኣብ ቓዛ ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና፡ እስራኤል ሕነ ምፍዳይ ቦምባ ካብ እትጅምር ኣትሒዙ 7 ሽሕ ሰባት ከምዝተቐትሉ ይገልጽ።
ካብቶም ተኹሲ ደው ክብል ዝጽውዑ ኣህጉራውያን መራሕቲ፡ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ይርከብዎም።
ማክሮን፡ እስራኤል ኣብ ቓዛ መጥቃዕትታታ ትውስኽ ከምዘላ ቅድሚ ምግላጻ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ናታንያሁን ፕረዚደንት እስራኤል ኢሳቕ ሄርዞግን ድሕነት ህዝቢ ቓዛ ክሕሎ ኣለዎ ኢሉ ከምዝነገሮም ገሊጹ።
ፕረዚደንት ማክሮን ኣብቲ ኣብ ብራስለስ ዝተኻየደ ናይ ክልተ መዓልታት ዋዕላ መራሕቲ ሕብረት ኤውሮጳ፡ “ነቶም ኣብ ባይታ ዘለዉ፡ ብቦምባታት ዝተጎድኡ ንምክልኻል ሰብኣዊ ዕርቂ ሎሚ ጠቓሚ እዩ" ኢሉ።
ማክሮን ኣስዒቡ፡ እስራኤል ንነብሳ ክትከላኸል መሰል ከምዘለዋ ብምግላጽ፡ "ምሉእ ዕጽዋ፡ ብዘይ ኣፈላላይ ምድብዳብን ሰፊሕ ናይ መሬት ስርሒትን" ንሰለማዊ ህዝቢ ቓዛ ርኡይ ሓደጋታት ከምዘስዕብ ገሊጹ።
እስራኤል ኣብዚ ሰሙን፡ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ኲናት ቓዛ ኣድሂቡ ብዝሃቦ ርእይቶ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ጸዊዓ።
ኣንቶንዮ ጉተረዝ ብወገኑ ብሰሉስ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ዝሃቦ መደረ፡ ነቲ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ እስራኤል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓማስ ዝኾነኖ ኮይኑ እንተኾነ ግን “ሱቕ ኢሉ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ከምዘይኮነ" ተዛሪቡ።
እስራኤል "ንራዕዳዊ ተግባር የመኽንየሉ" ብምባል ከሲሳ፡ ብቕልጡፍ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ድማ ጸዊዓ።