እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፕሪምየር ሊግ ይረስን፡ ትሕለል ዘላ ትመስል ሊቨርፑል ንኣርሰናል ዕድል ትኸፍት
ናብ ምዝዛም ገጹ ዘምርሕ ዘሎ ግጥማት ፕረምየርሊግ ዓዲ-እንግሊዝ ረስኒን ዘልሓጥሓጥን ዝረኣየሉ እናዀነ ይመጽእ ኣሎ።
ነቲ ሊግ ትመርሕ ዘላ ሊቨርፑል ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ኣንጻር ኣስቶን ቪላ ካብ ዘካየደቶ ግጥም ሓደ ነጥቢ ሒዛ ጥራይ ምምላሳ ስክፍታ ከበግስ ጀሚሩ'ሎ።
እቲ 2 ብ 2 ዝተዛዘመ ሓያል ግጥም ድሕሪ'ቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሜዳኣ ምስ ዎልቭስ ዘካየደቶን ንስክላ 2 ብ 1 ዝደሓነትሉን ዝተኻየደ ምዃኑ'ዩ ሕቶታት ኣልዒሉ ዘሎ።
ካብቲ ኣንጻር ናይ ከባቢ መቐናቕንታ ኤቨርተን ዘካየደቶ ነድርን ረስኒን ዝተሓወሶ ብቐይሕ ካርድታት ዝተሰነየ 2 ብ 2 ዝተወድአ ግጥም'ውን ሓደ ነጥቢ ጥራይ ምርካባ ካብታ እግሪ-እግራ ትኽተላ ዘላ ኣርሰናል ብገፊሕ ክትፍለ ዝነበራ ዕድል ከምዝጸብብ ገይራ ትርከብ።
ግዝያዊ መኻልፍ ድዩ፡ ምጽንቃቕ ዓቕሚ ንምፍላጥ እዚ ጽባሕ ሰንበት ኣንጻር እታ ብረቡዕ ካብ ቻምፕዮንስሊግ ኣውሮጳ ብሪያል ማድሪድ ዝተገለፈት ማንቸስተር ሲቲ እተካይዶ ግጥም ዝውስኖ ክኸውን'ዩ።
እዘን ኣብ ዝሓለፈ ሓያለ ዓመታት ቀንዲ ተቐናቕንቲ ፕረምየርሊግ ኮይነን ዝጸንሓ ክለባት ኣብ ዝራኸባሉ ባይታ፡ 61 ነጥቢ ኣዋህሊላ ዘላ ሊቨርፑል መሪሕነታ ንምርግጋጽ፡ ሲቲ ድማ 'ዓንጽ-ዓንጾ ንማዕጾ' ከምዝብሃል ነቲ ብሪያል ዝወረዳ ደምሳሲ መጥቃዕቲ ሕነ ንምፍዳይ ዓጢቐን ክመጻ ትጽቢት ይግበረለን።
እታ 44 ነጥቢ ጥራይ ዝሓዘት ሲቲ፡ ዋላ'ኳ ሓደ ጸወታ ዝያዳ እንተለዋ፡ ነቲ ኣብ መንጐአን ዘሎ ናይ 17 ነጥቢ ጋግ ከተጽብቦ ዘይሕሰብ'ዩ።
ሊቨርፑል ኣብቲ ኣብ ማንቸስተር ሜዳ ኢቲሓድ ዝካየድ ግጥም ተሳዒራ እንተወጺኣ ንዓቐብ ፕረምየርሊግ ቀዲማ ንምውጻእ ከምዝተሓለለት ዝገልጽን ንብዓል ኣርሰናል ፍናን ዝህብን ክኸውን'ዩ።
ብዘይካ'ዚ ሊቨርፑል ክሳብ መወዳእታ መጋቢት ኣብ ዘሎ ግዜ ኣብ ጽዑቕ ግጥማት ክትጽመድ'ያ። ናይ ካራቦ ካፕን ቻምፕዮንስ ሊግን ጸወታታት ተወሲኽዎ ኣብ ሳልስቲ ሓደ ግጥም ከተካይድ ትጽቢት ይግበረላ።
እቲ ኣብዚ ዓመተ-ውድድር እዚ ዝለዓለ ሸቶታት (24) ኣመዝጊቡ ዘሎ ግብጻዊ ኣጥቅዓይ መሓመድ ሳላሕ ኣብ ዘገርም ብቕዓት ብምህላዉ ግን ደገፍቲ ሊቨርፑል ነቲ ኣብ 2019 ዝተጓነጸፍዎ ዓወት ንምድጋም ሃንቀው ካብ ምባል ዓዲ ዝውዕሉ ኣይመስሉን'ዮም።
ካልእ ንደገፍቲ ረድስ ሓቦ ዝዀኖም ድማ ታሪኽ ኣብ ጐኖም ምዃኑ'ዩ። ኣብ ታሪኽ ፕረምየርሊግ፡ ድሕሪ 25 ግጥማት ብክንድ'ዚ ነጥቢ ክትመርሕ ዝጸንሐት ጋንታ ዋንጫ ዘይዓተረትሉ እዋን ሓንሳብ ጥራይ'ዩ ነይሩ።
ኣርሰናልከ ናበይ ተብል?
እታ ዋንጫ ፕረምየርሊግ ካብ ትዕወት 21 ዓመታት ኣቝጺራ ዘላ ኣርሰናል ብወገና፡ ንሊቨርፑል ከጋጥማ ዝኽእል ሸታሕታሕ ተበሊጻ ቦሎኽ ኢላ ክትወጽእ ዝክኣላ ክትገብር ኣለዋ።
ካብ ዝሓለፈ 15 ግጥማታ ኣብ 10 ስዒራ ኣብ ሓሙሽተ ጥራይ ከኣ ማዕረ ምውጽኣ ግስጋሰኣ ናህሪ ወሲኹ'ሎ። ኣብ ቻምፕዮንስሊግ'ውን ንሊቨርፑል ተኸቲላ ኣቐዲማ ናብ ጕጅለ 16 ምሕላፋ ንጸቕጢ መጻረዪ ግጥማት ሰጊራቶ'ያ።
ነዚ ሞራል ሰኒቓ ድማ'ያ ጽባሕ ቀዳም ኣብ ሜዳኣ ምስ ዌስትሃም ዩናይትድ ክትገጥም ትዳሎ ዘላ። ቅድሚ ሕጂ ካብ ዘካየድኦ ግጥማት ኣርሰናል ኣብ 37 ስለዝሰዓረት ዳርጋ ብዘይ ዓቢ ስግኣት'ያ ከተአንግዳ፤ ግን 'ኩዕሶ ከባብ' ስለዝዀነት ዘይሓሰበቶ ከይገጥማ ከይተሃመለት ክትኣቱ'ዮም ደገፍታ ዝምህለሉ ዘለዉ።
ስለዚ ንሊቨርፑል ዝዀነ መኻልፍ እንተ ኣጋጢሙዋ ዘልሓጥ እንተ ኢላ ነቲ ዕድል ክትጥቀመሉ እዘን ተሪፈንኣ ዘለዋ 13 ግጥማት ወሰንቲ ክዀና'የን።
ክልቲአን ጋታታት ኣብ ዝመጽእ 10 ግንቦት ንካልኣይ ግዜ ክራኸባ ግዜ ተታሒዙለን ኣሎ። ክሳብ ሽዑ ተቐራሪበን እንተቐጺለን ከኣ ነተን 3 ነጥቢታት ንምምንጣል ወይ ንምምቓል እቲ ግጥም ተሓናነቕ ከምዝኸውን ብኣጋኡ ተገሚቱ'ሎ።
ዓንዲ-ማእከል ካይ ሃቨርዝ ዝርከቦም ገለ ተጻወትቲ ብዝወረዶም መጕዳእቲ ዓዲ-ውዒል ምዃኖም፡ ንኣሰልጣኒ ሚከል ኣርተታ ዓቢ ብድሆ ኰይኑ'ሎ። ጀርመናዊ ሃቨርዝ እቲ ዝበዝሐ (9) ሸቶታት ፕረምየርሊግ ዘመዝገበ ተጻዋታይ ኣርሰናል'ዩ።
ከምቲ ኣብ ቅድሚት ዘጋጠሞ ናይ ኣጥቃዕቲ ቅልውላው ፍታሕ እንተ ረኺብሉ ግን ንቕድሚት ክምርሽ ዘለዎ ተኽእሎ ክዛይድ'ዩ።
ካብቲ ተረፉዋ ዘሎ ግጥማት ብፍላይ እተን ኣንጻር ኣብ ቅድሚት ዘለዋ ሊቨርፑል፡ ኖቲንግሃም ፎረስት፡ ቦርንምዝ፡ ቸልሲን ኒውካስልን ተካይደን ናይ ሞትን ሕየትን ክኾና'የን።