ኤርትራ፡ ፍሉይ ልኡኽ ሰብኣዊ መሰላት ክቕጽልን ተሓታትነት ክሰፍንን ዘይመንግስታውያን ማሕበራት ጸዊዐን

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኣብ መበል 62 ስሩዕ ኣኼባ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ፍሉይ ልኡኽ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ስልጣኑ ክሕደስን ጉዳይ ተሓታትነት ክቕጽልንን ዘይመንግስታውያን ማሕበራት ጻውዒት ኣቕሪበን።

እዚ ብ31 ዘይመንግስታውያን ኣህጉራውያን ማሕበራት ብ12 ግንቦት 2026 ዝተጻሕፈ ደብዳበ፡ ናብቶም ኣብ ጀነቫ ዝርከቡ ቀወምቲ ወከልቲ ኣባላት ሃገራትን ተዓዘብትን ዝተላእከ እዩ።

ኣብቲ ካብ 15 ሰነ ክሳዕ 10 ሓምለ 2026 ዝካየድ ስሩዕ ኣኼባ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ባይቶ ንስልጣን እቲ ፍሉይ ልኡኽ ዘናውሕ ጽኑዕ ውሳነ ከሕልፍ ኣተሓሳሲበን ኣለዋ።

እዘን ዘይመንግስታውያን ማሕበራት ቅድሚ መበል 62 ስሩዕ ኣኼባ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ደብዳበ ንምጽሓፍ ዝተገደዳሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ ነቲ ስልጣን ፍሉይ ልኡኽ ንምሕዳስ ዝካየድ ዲፕሎማስያዊ ምንቅስቓስ ንምጽላው እዩ።

ከም ዝፍለጥ፡ እዚ ስልጣን'ዚ በብዓመቱ ክሕደስ ስለ ዘለዎ፡ እቲ ደብዳበ ነቶም ቀወምቲ ወከልቲ ሃገራት ንጹር መርትዖታት ንምቕራብ ዝዓለመ ኰይኑ፡ ሎሚ ዓመት ምስ መበል 25 ዓመት ማእሰርቲ ጕጅለ 15ን መበል 10 ዓመት ጸብጻብ ኮምሽን መርመራን ምግጣሙ፡ ነቲ ጉዳይ ዝያዳ ህጹጽነት ሂቡዎ ይርከብ።

እዘን ማሕበራት ነዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ብምጥቃም፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ድያስፖራ ኤርትራውያን ይካየድ ኣሎ ዝተባህለ "ስግረዶባዊ ጸቕጢ"፡ ኣብቲ ኣህጉራዊ ዘተ ዓቢ ቦታ ክረክብን ኵነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ካብ ኣቓልቦ ዓለም ከይወጽእን ይጽዕራ ኣለዋ።

እቲ ደብዳበ፡ ኣብ ኤርትራ ብሰበስልጣን እታ ሃገር ይፍጸሙ ኣለዉ ዝበሎም ከበድቲ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ብጽኑዕ ክዅነን ይሓትት።

ኤርትራ ነዚ ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ኣተኲሩ መርመራ ዘካይድ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዛ ክትቃወሞ ጸኒሓ እያ።

እዚ ናይ ሎሚ ዓመት ውሳነ፡ ኮምሽን መርመራ (COI) ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ናይ መወዳእታ ጸብጻቡ ካብ ዘቕርብ 10 ዓመታት ድሕሪ ምምላኡ፡ ፍሉይ ልኡኽ ዝሓለፉን ዝቕጽሉን ግህሰታት ንምፍታሕ ዘኽእሉ ስትራተጅያዊ ኣገባባት ከጽንዕ ክሕተት ከም ዝግባእ ኣስሚርሉ።

ብተወሳኺ፡ እቲ ደብዳበ ከም ዝሓበሮ፡ ኵሉ ግዜ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ወጥሪ እናበኣሰ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ኵነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ኰይኑ ይርከብ።

'25 ዓመታት ብዘይደሃይ'

ብመሰረት እቲ ደብዳበ፡ ኤርትራ ኣብ መወዳእታ 2025 ንልዕሊ 18 ዓመታት ተኣሲሮም ዝነበሩ ዓሰርተታት ሰባት እኳ እንተ ፈትሐት፡ ኣሽሓት ዜጋታት ግና ገና ኣብ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ ይርከቡ።

ሎሚ ዓመት 25 ዓመታት ዝመልኡ 11 ሰበ-ስልጣን መንግስቲ (ኣባላት G15)ን ጋዜጠኛታት ብሕትን ዝርከቡዎም ዝተፈላለዩ ፖለቲከኛታት፡ ጋዜጠኛታት፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ተምሃሮን ብሓፈሻ ልዕሊ 10,000 ሰባት ብዘይፍርዲ ተኣሲሮም ከም ዘለዉ ይገልጽ።

"እቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ መወዳእታ ሰዓታት 13 እሱራት ንምፍታሕ ዝወሰዶ ስጕምቲ፡ ነቲ ስርዓታዊ ዝዀነ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ዝፈትሕ ኣይኰነን። ንሕቡራት ሃገራት ንምድንጋር ዝተገብረ ቅንዕና ዘይብሉ ስጕምቲ ምዃኑ ስክፍታ ኣለና፡" ይብል።

ኵነታት ፕረስ ኤርትራ

ኣብዚ እዋን'ዚ ኤርትራ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዋ 180 ሃገራት፡ ናጽነት ፕረስ ብምዕፋን ኣብቲ ዝተሓተ መወዳእታ ደረጃ (180/180) ተሰሪዓ ትርከብ።

ካብ መስከረም 2001 ጀሚሩ ኵለን ናጻ ጋዜጣታትን መጽሔታትን ተዓጽየን እየን። ትካል ዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታት (RSF) ኣብ ናይ 2026 ጸብጻቡ ከም ዝገለጾ፡ ኤርትራ ንጋዜጠኛታት ካብ ዝዀነ ግዜ ንላዕሊ "ሓደገኛን ዕጹውትን" ሃገር ኰይና ኣላ።

ሰበስልጣን ኤርትራ ነቲ ምስ ቤትጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራትን ፍሉይ ልኡኽን ክህሉ ዝግባእ ዘተ ብምንጻግ፡ ሓቢርካ ካብ ምዕያይ ይቝጠቡ ከም ዘለዉ'ውን እቲ ደብዳበ ይገልጽ።

ኣብ 2025 መንግስቲ ኤርትራ ስልጣን እቲ ፍሉይ ልኡኽ ንምቝራጽ ዘቕረቦ እማመ ብመብዛሕትአን ሃገራት (25 ተቓውሞ፡ 4 ደገፍ) ውድቂ ምዃኑ ይዝከር።

እዘን ዘይመንግስታውያን ማሕበራት ኣብ መወዳእታ እቲ ደብዳበአን፡ ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ጽኑዕ ስጕምቲ ክወስድ ጸዊዐን ኣለዋ።

እቲ ቀንዲ ጠለበን ስልጣን እቲ ፍሉይ ልኡኽ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ክናዋሕን መንግስቲ ኤርትራ ምስቲ ልኡኽ ብምስራሕ ናብታ ሃገር ክኣቱ ፍቓድ ክህብን ዝብል እዩ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነብሩ ኤርትራውያን (ድያስፖራ) ዝካየድ "ስግር-ዶባዊ ጸቕጢ" ሓዊሱ፡ ኵሉ እቲ ኣብታ ሃገር ዝፍጸም ዘሎ ግህሰታት ብጽኑዕ ክዅነን ሓቲተን።

እቲ ደብዳበ ብኸም ኣምነስቲ ኢንተራናሽናል፡ ሂውማን ራይትስ ዋች፡ ኣፍሪካን ዲፈንደርስ ከምኡ'ውን ካልኦት ኤርትራውያን ማሕበራት ሓዊሱ ዝተፈረመ ኰይኑ፡ "ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ጸገማት ንምፍታሕ ተክኒካዊ ሓገዝ ጥራይ እኹል ከም ዘይኰነን ዓለምለኻዊ ጸቕጢ ክቕጽል" ከም ዘለዎን ኣስሚርሉ።

"ኣብታ ሃገር ዝዀነ ናጻ ፕረስ ስለ ዘየሎን ናይ ሓሳብ መግለጺ ዕጹው ስለ ዝዀነን፡" እዚ ጉዳይ እዚ ህጹጽ ኣቓልቦ ማሕበረሰብ ዓለም ከም ዘድልዮ እተን ማሕበራት ኣዘኻኺረን።