ኣብ ኢድ ፖሊስ ዝጸንሐ ሓላፊ ፕረስ ፕረዚደንት ትግራይ ተፈቲሑ

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኣብ ቀይዲ ፖሊስ ዝጸንሐ ሓላፊ ፕረስ ሰክሬታርያት ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ግዜያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሎሚ ኣማስዩ ከም ዝተፈትሐ ኣባላት ስድርኡ ሓቢሮም።

ሓላፊ ፕረስ ሰክሬታሪያት ገብረ ካሕሳይ (Phd) ብሰኑይ ምሸት ብኣቈጻጽራ ሰዓት ኢትዮጵያ ከባቢ 1:30 (7:30 ምብራቕ ኣፍሪቃ) እዩ ተኣሲሩ።

ክሳብ ዝፍታሕ ኣብ ዘሎ ግዜ ድማ ኣብ መደብር ፖሊስ ክፍለ ከተማ ሓድነት ከም ዝጸንሐ ቢቢሲ ክርዳእ ክኢሉ። ረቡዕ 13 ግንቦት 2026 ድማ ናብ ቤት ፍርዲ ከም ዝቐርብ ተገሊጹ ነይሩ።

ኣቐዲሙ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ዞባ መቐለ "ናይ ቤት ፍርዲ መአዘዚ ወረቐት ሒዙ" ከም ዝኣሰሮ ፖሊስ ዝሃቦ ሓበሬታ የረድእ፤ ሕጂ ዝተፈትሓሉ ቅድመ ኵነት ዝምልከት ዝርዝር ሓበሬታ ኣይረኸብናን።

ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት ዝነበረ ቤት ምኽሪ እቲ ክልል፡ ንኣቦ መንበር ህወሓት ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ፕረዚደንት ገይሩ ምስ ሰየመ፡ እቲ "ካቢነ" ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣኼባ ገይሩ ምንባሩ ይፍለጥ።

ነዚ ስዒቡ፡ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ "ብሓይሊ" ዝተኻየደ ብዶ/ር ደብረጽዮን ዝተመርሐ "ኣኼባ ካቢነ" ኰኒኑ ነይሩ።

ብሽም ታደሰ ወረደ ኣብ ማሕበራዊ ፌስቡክ ገጽ ቤት ጽሕፈት ግዜያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ቅድሚ 4 መዓልቲ (30 ሚያዝያ ኣ.ግ) ዝወጽአ ጽሑፍ፡ ነቲ ብደብረጽዮን ዝመራሕ ዘሎ ካቢነ "ብሓለዋ ጸጥታ ኣካላት" ተሰንዩ ዝተገብረ ኣኼባ ብምንቃፍ "በዚ ምኽንያት ንዝስዕብ ሳዕቤን እቲ ብጉልበት ስልጣን ዝሕዝ ዘሎ ሓይሊ ምዃኑ ክገልጽ ይደሊ፡" ይብል።

ሓላፊ ፕረስ ሰክሬታሪያት ገብሩ ድማ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝተጠቅዐ ፅሑፍ መሰረት ብምግባር ከም ዝተኣሰረ ካብ ፖሊስ ዝተረኸበ ሓበሬታ ይገልፅ።

እዚ ግን ብውልቁ ንዝጽሓፎ ድዩ ወይስ ብስም እቲ ቤት ጽሕፈት ዝወጽአ ጽሑፋት ይዅን፡ 'እንታይ ከ ትሕዝቶኡ?' ዝምልከት ዝሃቦ ዝርዝር ሓበሬታ የለን።

ይዅን'ምበር፡ ቀንዲ መእሰሪኡ "ማሕበራዊ ሚድያ ብምጥቃም ሓሰተኛ ሓበሬታ ምዝርጋሕ፡" ከም ዝብል ኣብቲ ፖሊስ ዝሓዞ ጽሑፍ ተጠቒሱ ኣሎ።

ምስቲ ሓላፊ ፕረስ ካልኣይ ጥርጡር ውልቀሰብ እውን ምህላው ተፈሊጡ ኣሎ።

ዶ/ር ገብሩ ሎሚ ስድራኡን ፈተውቱን ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ተረኺቦም ክርእይዎን መግብን ማይን ከቐብልዎን ከም ዝኸኣሉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ንሱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓጺር ቃል፡ መርማሪ ፖሊስ፡ ሎሚ ዝተኣረስሉ ምኽንያት ዝምልከት ከም ዝነገሮን ምስቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝተዘርግሐ ፅሑፍ ዝተሓሓዝ ምዃኑን ከም ዝገለጸሉ ተዛሪቡ።

ምስ ህወሓት ቅርበት ዘለወን ምዃነን ዝግለጻን ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚድያን፡ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት፡ ኣንጻር እቲ ሓላፊ ፕረስ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጐስጓስ ብምግባር ስጕምቲ ክውሰዶ ዝደፍእ መልእኽታት ክዝርግሑ ከም ዝቐነዩ ቢቢሲ ተዓዚቡ'ዩ።

ገብሩ ቅድሚ ሕጂ ሓላፊ ራድዮ ኤፍ ኤም 104 መቐለ ከምኡ እውን ምክትል ሓላፊ ቢሮ ርክብ መንግስትን ህዝብን ኰይኑ ከም ዝሰርሐ ይፍለጥ።

ዕድመ ስልጣን እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ብቀዳማይ ምኒስተር ኣብ ዝተናውሓሉ ግዜ፡ ኣብ መንጐ መሪሕነት ህወሓትን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ከቢድ ውጥረት ሰፊኑ ይርከብ።

ህወሓት እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተገብረ ምንዋሕ ስልጣን ናይቲ ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ንስምምዕ ፕሪቶሪያ ብቕሉዕ ዝጥሕስ ምዃኑ ገሊጹ ከምዘይቅበሎ ኣፍሊጡ እዩ።

በዚ ድማ ነቲ ኣብ ቅድመ-ኲናት ትግራይ ዝነበረ ቤት ምኽሪን መንግስትን ክምለስ ወሲኑ ክንቀሳቐስ ጸኒሑ እዩ።

እዚ ሕጂ ሓድሽ መንግስቲ ከምዝመስረተ ዝንገረሉ ዘሎ ክልላዊ ቤት ምኽሪ (ባይቶ)፡ ኣብቲ ኣብ መስከረም 2020 ዝተኻየደን ብፈደራላዊ መንግስቲ "ዘይሕጋዊ" ዝተባህለን ምርጫ ዝተመረጸ እዩ።

ድሕሪ ክልተ ወርሒ፡ ምስ ምውላዕ ኲናት ክልተ ዓመት ካብ መቐለ ወጺኡ ምስተበተነ ንፈለማ እዋን'ዩ ተኣኪቡ።

ገለ ክኢላታት ሕጊ ከምዝብልዎ፡ እቲ ኣብ ሕዳር 2022 ዝተፈረመ ስምምዕ ፕሪቶርያ፡ ነቲ "ነባር" ቤት ምኽሪ ከምዝፈረሰ ብምቊጻር፡ ሓቋፊ ግዝያዊ ምሕደራ ክምስረት ከምዘለዎ'ዩ ዝእዝዝ።

እንተኾነ፡ ብሰንኪ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ዝተፈጥረ ምክፍፋልን ቊርቊስ ስልጣንን ኣብ መንጐ መቐለን ኣዲስ ኣበባን ዝነበረ ዘይምትእምማን እናንቆልቆለ ከይዱ ናብ ምትፍናን ኣትዩ ጸኒሑ።

ኣብዚ እዋን፡ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዘለወሉ ኵነታት ብወግዒ ኣይፍለጥን።

ምስ ቢቢሲ ቃለ-መጠይቕ ዝገበረ ወሃቢ ቃል ህወሓት፡ እቲ ሰልፊ ኣኼባ ኣብ ዘካየደሉ እዋን እቲ ፕረዚደንት ኣብ ቤት ጽሕፈቱ'ዶ ነይሩ ንዝብል ሕቶ "እንታይ ክገብር፡" ዝብል ሓጺር መልሲ'ዩ ሂቡሉ።