እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዶክተር ኣሸብርን ካልኦት መራሕቲን ኮሚቴ ኦሎምፒክ፡ ምስ ምስግጋር ሰባት ክተኣሳሰር ብዝኽእል ጉዳይ ተኸሲሶም
ፕረዚደንት ኮሚቴ ኦሎምፒክ ኢትዮጵያ [ዶ/ር] ኣሸብር ወልደጊዮርጊስ ዝርከቦም ኣርባዕተ ሰበስልጣንን እቲ ኮሚቴ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባትን ካልኦት ተዛመድቲ ጉዳያትን ተኸሲሶም።
ኮሚቴ ኦሎምፒክ ኢትዮጵያ ንባዕሉ ሓደ ካብቶም ተኸሰስቲ እዩ።
እቲ ክሲ ብኣትለት ሃይለ ገብረስላሰ፡ ኣትለት ገዛሀኝ ኣበራ፡ ፈደሬሽን ጉስጢ ኢትዮጵያን ፈደሬሽን ተኒስ ኢትዮጵያን ዝተመስረተ እዩ።
ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ቤት ፍርዲ ፈደራል መጋባእያ ኣራዳ ኣብ ዝተኸፍተ መዝገብ ክሲ፡ ኣርባዕተ ውልቀሰባትን ሓደ ትካልን ተኸሰስቲ ኰይኖም ተሰይሞም ኣለዉ።
እቶም ተኸሰስቲ ኮሚቴ ኦሎምፒክ ኢትዮጵያ፡ ፕረዚደንት ኣሸብር ወልደጊዮርጊስ፡ ተሓዚት ንብረት ዶክተር ኤደን ኣሸናፊ፡ ዋና ጸሓፊ ዳዊት ኣሰፋውን ምክትል ጸሓፊ ኣቶ ገዛከኝ ወልዴን እዮም።
ብጠበቓ ከሰስቲ ኣቢሉ ክሲ ዘቕረበሉ ቤት ፍርዲ፡ እቲ ኮሚቴ ነቶም ኣብ ዝሓለፈ ግንቦትን ሰነን ኣብ ዘካየዶ ሓፈሻዊ ጉባኤ ዘሕለፎም ውሳነታት ክእገዱ ኣዚዙ ኣሎ።
ጠበቓ ከሰስቲ ዝዀነ ኣቶ ኣያሌው ቢታነ፡ “ምስ ኦሎምፒክ ፓሪስ ተተሓሒዙ፡ ተኸሰስቲ ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ተዋፊሮም ኢልና ንጥርጥር፤ ተሓታትነት ገበን ከምዘለዎ ኰይኑ፡ ስልጣኖም ተጠቒሞም ኮሚቴ ኦሎምፒክ መዝሚዞም እዮም” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
እቲ ጠበቓ ወሲኹ፡ “ደብዳበ ስለዝተጻሕፈ ጥራይ ዘይምልከቶ ሰብ ናብ ፓሪስ ይኸይድ ነይሩ” ኢሉ።
“እቲ ትካል ክሳብ ሕጂ ኦዲት ኣይተገብረሉን” ዝብል ጠበቓ ኣያሌው፡ “ካብ ሚኒስትሪ ባህልን ስፖርትን ንዝተላእከ ደብዳበታት መልሲ ኣይሃበን፣ ቤት ጽሕፈት ዋና ኦዲተር ፈደራል ክልተ ግዜ ኦዲት ክግበር ዝሓትት ደብዳበ እውን ጽሒፉ እዩ፤ ኮሚተ ኦሎምፒክ ግን ፍቓደኛ ኣይኰነን፡” ክብል ኣብሪሁ።
“ስለዚ ብነጻ ትካል ኦዲት ብዝግበር መርመራ ብዝተረኽበ ውጽኢት መሰረት ሓላፍነት ክረጋገጽ እዩ” ኢሉ።
ብተወሳኺ “ኣብ 5 ግንቦትን 4 ሰነን [2016 ግ] ኣብ ዝተኻየደ ህጹጽን ስሩዕን ሓፈሻዊ ጉባኤ ዝተወሰኑ ውሳነታት ሕገ-ደንቢ ኮሚተ ኦሎምፒክ ዘይተኸተሉን ዘይሕጋውያንን ስለዝዀኑ ክስረዙ ኢና ሓቲትና” ክብል እቲ ጠበቓ ንቢቢሲ ገሊጹ።
“ነዚ ምኽንያት እዮም ዝበልናዮም ዝርዝር ነገራት ኣለዉ” ዝብል እቲ ጠበቓ፣ “ቀዳማይ፡ [ዶክተር] ኣሸብር፡ [ዶክተር] ኤደንን ኣቶ ዳዊትን ንሳልሳይ ግዜ ብዘይሕጋዊ መንገዲ እዮም ተመሪጾም” ዝብል ቀዳማይ ምኽንያቱ ይጠቅስ።
ዕድመ ስልጣን ኮሚቴ ኦሎምፒክ ክልተ ዓመት ምዃኑ ብምጥቃስ፡ “ብዘይሕጋዊ መንገዲ ግን ንሳልሳይ ግዜ ኣብ ምስጢራዊ ጉባኤ እዮም ተመሪጾም፡ ብምባል ኣቶ ኣያሌው ዘርዚሩ።
ብተወሳኺ “ገለ ብሕጊ ናይ ምምራጽ ወይ ናይ ምድማጽ መሰል ዘይብሎም ውልቀሰባት ከም ሕጹያትን መረጽትን ኰይኖም ብምእታው ነቲ መስርህ ዘይሕጋዊ ይገብሮ” ክብል ንቢቢሲ ኣረዲኡ።
“እቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ካብቲ ክኸውን ዝግባኦ ኣዝዩ ኣብ ሓጺር ግዜ እዩ ተጸዊዑ፤ ስለዚ እዚ ዘይሕጋዊ ይገብሮ” ክብል እውን ወሲኹ ኣብሪሁ።
እዚ ጥርዓን ዝቐረበሉ ቤት ፍርዲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ ኣሎ።
በዚ መሰረት፡ ኣብዚ መጋባእያ ዝወዓለ ቤት ፍርዲ፡ ኮሚቴ ኦሎምፒክ ኢትዮጵያ ብ5 ግንቦትን 4 ሰነን 2016 [ግ] ኣብ ዘካየዶ ኣኼባታትን ዝሓለፉ ውሳነታትን ክቋረጽ ኣዚዙ።
ካብዚ ብተወሳኺ፡ እቲ ብ4 ሰነ ዝተመርጸ ፈጻሚ ኮሚተ ኦሎምፒክ ኢትዮጵያ “ክቋረጽ” ተኣዚዙ። ነዚ ትእዛዛት ናይ ምትግባር ሓላፍነት ድማ ንሚኒስተር ባህልን ስፖርትን ተዋሂብዎ ኣሎ።
እቲ ቤት ፍርዲ ብስም ቀዳማይ ተኸሳሲ ዝዀነ ኮሚቴ ኦሎምፒክ ኢትዮጵያ ዝተኸፍቱ ሕሳባት ባንክ “ቤት ፍርዲ፡ ኣብ መንጐ ከሰስትን ተኸሰስትን ዘሎ ጉዳይ ውሳነ ክሳብ ዝህበሉ ደስኪሉ ክጸንሕ” ኣዚዙ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ኦሎምፒክ ፓሪስ 2024 ዝተሳተፈት ጋንታ ኣትለቲክስ ኢትዮጵያ ድኹም ብቕዓት ብምርኣያ፡ ኮሚቴ ኦሎምፒክ ብፍላይ ድማ ፕረዚደንት እቲ ኮሚቴ ኣሸበር ወልደጊዮርጊስ ብትሪ ክንቀፍ ጸኒሑ እዩ።
እቲ ፕረዚደንት ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ መንግስታዊ ተለቪዥን ቀሪቡ ቃለመጠይቕ ኣብ ዝገበረሉ፡ “ካብ ስልጣኑ ክወርድ” ሓሳብ ከምዘይብሉ ምግላጹ ይዝከር።