ኣምሓራ፡ "ኣነ ኣብ ዘገልግለሉ ቤተ ክርስትያን ጥራይ 27 ቀቢርና" መራሒ ሃይማኖት

መጥቃዕቲ 'ዓይኒ የብለሰይ ስኒ የብለይ' ብዙሓት ሰለማውያን ሰባት ይቐትል'ሎ

ምንጪ ስእሊ, SOUTH MECHA COMM.

ካብ መጀመርታ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚሩ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ጎጃም “ሓይልታት መንግስቲ" ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ልዕሊ 100 ሰባት ከምዝተቐትሉ ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን ነበርትን ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ኣብ ርእሰ ከተማ እቲ ወረዳ ካብ ጥቅምቲ 01 ክሳብ ጥቅምቲ 04/2017[ኣቆጻጽራ ግእዝ] ህጻናት ዝርከብዎም ኣረጋውያንን መንእሰያትን ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲን መጥቃዕቲ ‘ዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይን’ ከምዝተቐትሉ ስድራቤት ግዳያት ይሕብሩ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ብዛዕባ እቲ ቅትለት ጸብጻባት ከምዝበጽሖን ሓበሬታ ይእክብ ከምዘሎን ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ሓይልታት ፋኖ ነቲ ከባቢ ንምቁጽጻር መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ ብምጥቃስ "53 ኣኽረርቲ” ኢሉ ንዝገለጾም ከምዝቐተለ ድማ ኣፍሊጡ።

ዓርቢ ጥቅምቲ 01/2017 [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ኣብ ልዕሊ ማእከል ጥዕና መሃል ገነት ብዝተፈጸመ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ሓደ ወዲ ትሽዓተ ዓመት ህጻን ዝርከብዎም ሸሞንተ ሰባት ከምዝሞቱ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ሓቢሮም።

ኣብቲ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ካብቲ ማእከል ጥዕና ብተወሳኺ ናይ ውልቀ ሰባት መንበሪ ኣባይቲ ከምዝተወቕዐ ገሊጾም።

“ጢዝ ዝብል ድምጺ ኣለዋ። ሽላ መሲላ ክትመጽእ ከላ እትድርብዮ ዝፍንጀር ነገር ኣለዋ" ይብል ነታ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ዝገለጸ ናይ ዓይኒ ምስክር። ኣስዒቡ ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ 7 ሬሳታት ብሓባር ከምዝተረኸቡ ሓቢሩ።

ንድሕነቱ ክብል ሽሙ ክንጠቕሶ ፍቓደኛ ዘይኮነ ምስክር ዓይኒ ክፍልታት ፋርማስን ባንክን ከምዝዓነወ ድሕሪ ምግላጽ ብጠቕላላ ሸሞንተ ሰባት ከምዝሞቱ ኣረጋጊጹ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ካብቶም ዝሞቱ ሓደ ፋርማሲስት ምዃኑ ንቢቢሲ ዝገለጸ ሓደ ክኢላ ንሕክምና ዝመጹ ሰባትን ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ሰባትን ከምዝተጎድኡ ሓቢሩ።

እቶም ዝሞቱ ካብ ወዲ ትሽዓተ ዓመት ቆልዓ ክሳብ ወዲ 70 ዓመት ከምዝኾኑን ሰራሕተኛታት ጥዕና ዝርከብዎም 7 ሰባት ከምዝቖሰሉን እቶም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ሓቢሮም።

ነበርቲ እቲ ከባቢ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኣብ ዝተፈጸመሉ መዓልታት ኣብቲ ከባቢ ወጥሪ ከምዝነበረ ኣመልኪቶም፤ ኣብታ ከተማ ግን ዕጡቓት ፋኖ ከምዘይነበሩ ኣመልኪቶም።

ሓይልታት ፋኖ ድሕሪ ቀትሪ ከባቢ ሰዓት 11፡30 ናብታ ከተማ ድሕሪ ምእታዎም ግን፡ ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስትን ዕጡቓት ፋኖን ዝነበረ ውግእ ን"ሓሙሽተ ሰዓታት" ከምዝቐጸለ ተዛሪቦም።

እቲ ውግእ ምስ ሃድአ ሓይልታት መንግስቲ ካብ ገዛ ናብ ገዛን ጎደናታትን ፈጺሞምዎ ብዝተብሃለ መጥቃዕቲ ሰባት “ከምዝተረሸኑ” ኣስማቶም ንቢቢሲ ጥራይ ዝገለጹ ነበርቲ ሓቢሮም።

ሓደ ነባሪ "ድምጺ ቶኽስን ኣውያት ሰባትን ምስ ሰማዕና ኩላትና ፈሪሕና ካብ ገዛና ኣይወጻእናን" ኢሉ። ሓይልታት ፋኖ ድሕሪ ምስሓቡን እቲ ውግእ ምስ ሃድአን ኣብ ኩሉ ቦታ ቅትለት ከምዝተፈጸመ ገሊጾም።

“ንዕኣቶም[ሓይልታት ፋኖ] ስለዘይረኸብዎም ሕነሕነኦም ኣብ ልዕሊ እቲ ሕብረተሰብ’ዮም ኣውጺአሞ" ክብል ዝገለጸ ካልእ ነባሪ፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝተቐትሉ ሓቢሩ።

“ኣብ መንገዲ ኮነ ኣብ ገዛ ዝተረኽበ ኩሉ ተሃሪሙ። እናወጻእካ ምውቃዕ’ዩ ነይሩ። ንሳቶም [ሓይልታት መንግስቲ] ኣጽዋርኩም ኣምጽኡ’ዮም ዝብሉና” ይብል ሓደ ነባሪ። እቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመ 'ንስኻ ዕጡቕ ፋኖ ኢኻ' ብዝብል ምዃኑ’ውን ኣመልኪቱ።

ኣብቲ ቀዳማይ ሃንደበታዊ ቅትለት ግዳያት ዝኾኑ ኣስታት 15 ሰባት እዮም ዝበሉ ነበርቲ እቲ ከባቢ ተረጋጊኡ ስለዝነበረ ናብ ገዝኦም እንዳተመለሱ እንከለዉ ኣብ ናይ መሸላ ግራት ከምዝተረሸኑ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

“ድሕሪ እዚ ናብ ዓድታት ኣተዉ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ገዛ ኣትዮም ንውልቀ-ሰባት ‘ክትዋግኡ ኢኹም ጸኒሕኩም? ሕጂ ጠመንጃኹም ኣምጽኡ’ እንዳበሉ ምርሻን ጀሚሮም” ይብል ሓደ ካብቶም ቢቢሲ ቃለ መሕትት ዝገበረሎም ነበርቲ።

ዕድሚኡ ኣብ መጀመርታ 30ታት ዝርከብ ዘመዱ ካብቶም ብሓይልታት መንግስቲ ዝተቐተሉ ሓደ ከምዝኾነ ዝገልጽ ካልእ ምንጪ ቢቢሲ ሓሞኡን ምስኡ ዝነበረ ወዲ 17 ዓመት ወድን ኣብ ኣፍደገ ገዛ ኣውጺኦም ከምዝቐተልዎ ተዛሪቡ።

በዓልቲ ቤት እቲ መዋቲ ናይ ኣርባዕተ ወርሒ ነፍሰጾር ከምዝኾነት ዝሓበረ እቲ ነባሪ፡ እቲ መዋቲ ኣብ ንግዲ ተዋፊሩ ይሰርሕ ከምዝነበረ ገሊጹ።

ሓደ ካብቶም ናይ ዝተረሸኑ ኣስከሬናት ከምዘልዓለ ዝገልጽ ምስክር ዓይኒ "ብዙሓት ካብኣቶም ኣብ ኣፍልቦምን ርእሶምን ተሃሪሞም" ከምዝተቐተሉ’ዩ ዝገልጽ። እቲ ፍጻመ ድማ “መርሸንቲ’ዩ” ነይሩ ይብል።

ሓደ መራሒ ሃይማኖት "ኣነ ባዕለይ ነፍሰጾር ሰበይቲ ፍትሓት ገይረ ቀቢረያ ምስ ውላዳ ሓመድ ኣዳም ለቢሳ። እታ ሰበይቲ ናይ 7 ወርሒ ነፍሰጾር ምዃና ሓቢሮምኒ" ክብሉ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

"ዝመረጽዎ [ሰብ] የለን" ዝብሉ እቶም ነበርቲ፡ እቲ ጃምላዊ ቅትለት ካብ 1 ጥቅምቲ ጀሚሩ ከምዝተፈጸመን ካብቲ ዕለት ጀሚሩ ቁጽሪ ዝሞቱን ዝተሰወሩን ልዕሊ 200 ከምዝኾነ ገሊጾም። እንተኾነ ቢቢሲ ዝርዝር ናይቲ ቅትለትን ከባቢኡን ካብ ነጻ ምንጭታት ከረጋግጽ ኣይከኣለን።

“ንግሆ ምስ ወጻእና ሬሳ [ረኺብና]፤ ኣየናኡ ቆጺርካ ክውዳእ ኾይኑ ኢልካዮ? ኣቕሽቲ ጸዊዕና ክንቀብሮም እንተበልና ‘ኣይትቐብርዎሙን’ ኢሎም ከልኪሎሙና። ኣነ ባዕለይ እቲ በብዓመቱ ዝዝክሮ ቅዱስ ጀወርግስ’ዩ ኣድሒኑኒ” ዝበለ ካልእ ነባሪ እቲ ከባቢ ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት ብተመሳሳሊ ልዑል ምዃኑ ይጠቅስ።

"ኣብታ ጥቓና እትርከብ ቤተክርስትያን ቅድስት ማርያም ጥራይ ልዕሊ 50 ሰባት ተቐቢሮም" ዝበለ ካልእ ምስክር ዓይኒ ድሕሪ ዝተወሰነ መዓልታት እቲ ሬሳ ብዓረብያ ተኣኪቡ ከም ዝተቐብረ ተዛሪቡ።

ካልእ ሬሳ ከምዘልዓለ ዝገልጽ ነባሪ እቲ ከባቢ “ሸውዓተ ወይ ሸሞንተ ዝኾኑ ኣብ ዓረብያ ኢና ጽዒንናዮም" ድሕሪ ምባል ኣብ ናይ ጅምላ መቓብር ከምዝተቐበሩ ሓቢሩ።

ገርጨጭ ኣብ ዝርከብ ቤተክርስትያን ኣገልጋሊ ዝኾኑ ኣቦ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ኣብ መወዳእታ እቲ ሰሙን 72 ሰባት ተቐቲሎም ኣብ ዝተፈላለያ ኣብያተ ክርስቲያናት ከምዝተቐብሩ ገሊጾም።

ከተማ ገርጨጭ ንሓደ ዓመት ዝኣክል ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ፋኖ እያ ነይራ

ምንጪ ስእሊ, SOUTH MECHA COMM.

ቀብሪ እቶም 27 ሰባት ንሶም ኣብ ዘገልግልሉ ቤተ ክርስቲያን ከምዝተፈጸመ ዘረጋገጹ እቶም መራሒ ሃይማኖት፡ ብተወሳኺ እቲ ሬሳ ናብ ካልኦት ዓድታት ከምዝተወስደ ብምጥቃስ ቁጽሪ ዝሞቱ ክውስኽ ከምዝኽእል ኣመልኪቶም።

“እቲ ሓዘንተኛ ክበጽሕ ስለዘይከኣለ ዳስ ኣይነበረን። ሕጂ ሰለስተ መዓልቲ ኮይኑ ኣሎ። ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልቲ እዩ ሰብ ከም ሓድሽ ዝብጻሕ ዘሎ" ክብሉ ስክፍታኦም ገሊጾም።

ብፍላይ ብዓርቢ ምሸት ውግእ ኣብ ዝተኻየደሉ እዋን እቲ ዝኸፍአ ምንባሩ ነበርቲ ገሊጾም።

ብተወሳኺ ኣብታ ከተማ ብዝተፈጠረ ወጥሪን ፍርሕን ነበርቲ ህይወቶም ንምድሓን ናብ ገጠር ሃዲሞም ከምዘለዉ ገሊጾም።

ክኢላታት ማእኸል ጥዕና መሃል ገነት እውን ሃዲሞም ካብቲ ከባቢ ከምዝወጹ ዝገለጸ ሓደ ክኢላ ኣብ ዓመት ልዕሊ 25 ሽሕ ሕሙማት ዝሕክም ማእኸል ጥዕና ከምዝተዓጸወ እውን ገሊጹ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ኣብ መጥቃዕቲ ገርጨጭ ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ሰባትን ህዝባዊ መሳለጥያታትን ዝበጽሐ ጉድኣት ይምርምር ከምዘሎ ንቢቢሲ ኣፍሊጡ።

ካብ መስከረም 19/2017[ኣቆጻጽራ ግእዝ] ጀሚሩ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ናብቲ ወረዳ ስለዝኣተዉ ሓይልታት ፋኖ ናብ ገጠር ከምዝኸዱ ነበርቲ ይዛረቡ።

ሰራዊት ኢትዮጵያ እታ ከተማ ቅድሚ ምቁጽጻሩ እቲ ከባቢ ብሓይልታት ፋኖ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ተታሒዙ ከምዝነበረ ነበርቲ ገሊጾም።

ቢቢሲ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዞባ ሰሜን ጎጃምን ካልኦት ሓያሎ ሰባት ተቐቲሎም ዝተባህለሉ ወረዳታትን ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ንመዓልታት ዘካየዶ ጻዕሪ ኣይተዓወተን።

ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ጥቅምቲ 02/2017 [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ገጹ “ሓይልታት ፋኖ ነቲ ከባቢ ንምቁጽጻር መጥቃዕቲ ፈጺሞም” ዝበለ ኮይኑ 50 “ኣኽረርቲ ኣባላት እቲ ሓይሊ” ከምዝቐተለ ኣፍሊጡ።

ኣብ መፋርቕ ወርሒ መስከረም ሓድሽ ወፍሪ “ምኽባር ሕጊ" ከምዝጅምር ዝገለጸ ወሃቢ ቃል ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኮሎኔል ጌትነት ኣዳነ “ፋኖ ሓይሊ ስለዝመረጸ ብዝመረጾ ቋንቋ ክንረዳዳእ ኢና” ኢሉ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

*ቢቢሲ ነዚ ጸብጻብ ምስ ሓሙሽተ ነበርቲ እቲ ከባቢ ዘዘራረበ ኮይኑ፡ ኩሎም ንድሕነቶም ክብል ኣስማቶም ካብ ምጥቃስ ተቖጢቡ’ዩ።