ኤርትራ፡ መጥቃዕቲ ሳይበር እንታይ'ዩ፤ ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ ኸ እንታይ ይመስል?

ኮምፒዩተራት ብዘይፍለጡ ቫይረሳት ሰርሰርቲ ይጥቅዓ'የን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኤርትራ፡ ብ26 ግንቦት ኣብ ዘውጻቶ መግለጺ "ሓያል ሳይበራዊ መጥቃዕቲ" ከምዝተፈጸማ ኣፍሊጣ።

እቲ መጥቃዕቲ ኣብ መዓልቲ ናጽነት ዓርቢ 24 ግንቦት 2024 ልክዕ ሰዓት 12፡32 ኣብ መርበብ ኢንተርነት መላእ ሃገር ከምዝተፈጸመ መንግስቲ ዘውጽኦ መግለጺ ኣመልኪቱ።

እቲ ካብ ደገ ዝተፈነወ ዝተባህለ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ፡ “ሳላ ኣብ ሰዓቱ ዝተወስደ ቅጽበታዊ ግብረ-መልስን ምክልኻልን፡ መርበብና ብዘይጉድኣት ከይተዓናቐፈ ልሙድ ስርሑን ኣገልግሎቱን ክህብ በቒዑ’ሎ” ኢሉ።

ኣብቲ መግለጺ፡ እቲ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ብመን ከምዝተፈነወን፡ ነየኖት ትካላት መንግስቲ ዒላማ ከምዝገበረን ግን ኣየነጸረን።

ኤርትራ “ናይዚ መጥቃዕቲ’ዚ ኣበገስቲ፡ ሃንደስትን ኣተግበርትን ካብ ዓይኒ መንግስቲ ስዉራት ስለዘይኰኑ፡ ዝርዝራቱ ኣብ ሰዓቱ ክግለጽ’ዩ” ብምባል ኣብ መግለጺኣ ኣሚታ። እንተዀነ እታ ውሱን ተበጻሕነት ኣገልግሎት ኢንተርነት ዘለዋ ሃገር፡ ማዕረ ክንደይ ንከምዚ ዝበለ ሓደጋ ዝተቓልዐት ትኸውን? ክወርዳ ዝኽእል ሓደጋን ዓቕሚ ምክልኻላን ከ እንታይ ይመስል? ዝብሉ ሕቶታት ሽዑ ዝተላዕሉ እዮም።

ነዚ ክስተት ከም መበገሲ ብምውሳድ፡ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ እንታይ’ዩ፡ እንታይ ክሳራታትከ የስዕብ፡ ኣብ ኤርትራ ብሳይበራዊ መጥቃዕቲ ግዳይ ክኸውን ዝኽእል ኣካል ወይ ትካል መን’ዩ? ኣብ ዝብሉን ተዛመድቲ ዛዕባታትን ኣልዒልና፡ ኣብ ካናዳ ድሕነት ሳይበር [ሰኵሪቲ] ካልኣይ ዲግሪ ዝሰርሕ ዘሎ ኢንጅነር ፊልሞን ኪዳነ ኣዘራሪብና ዳህሲስናዮ ኣለና።

ቢቢሲ፤ መጥቃዕቲ ሳይበር እንታይ’ዩ፡ ኣብ ሓንቲ ሃገር ከስዕቦ ዝኽእል ዕንወት ክሳብ ክንደይ’ዩ?

ኢንጅነር ፊልሞን፤ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ፡ ንስርዓታት ኮምፒተር፡ መርበባት ወይ ዳታ ንምዝራግ፡ ንምጉዳእ ወይ ብዘይፍቓድ ንምእታው ዝግበር ጐዳኢ ፈተነ እዩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እዞም መጥቃዕትታት ብውልቀሰባት፡ ጕጅለታት ወይ ብመንግስቲ ዝምወሉ ኣካላት ክፍጸሙ ይኽእሉ።

መብዛሕትኡ ግዜ ምስጢራውያን ሓበሬታ ንምስራቕ፡ ፋይናንሳዊ ክሳራ ንምፍጣር ወይ ወሳኒ ስርሓት ንምዝራግ ዝዓለሙ እዮም።

ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ሃገር ብዝተፈላለየ መንገዲ ልዑል ጉድኣት ከምጽእ ይኽእል እዩ፤ እዚ ድማ ንሃገራዊ ድሕነት፡ ቍጠባ፡ ህዝባዊ ጥዕናን ማሕበራዊ ምርግጋእን ክጸሉ ይኽእል።

ሃገራዊ ድሕነት ብስለያ ዝተኣሳሰር ኰይኑ፡ እቲ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ንወተሃደራውን ስለያውን ሓበሬታ ንምስራቕ ክውዕል ይኽእል እዩ፡ እዚ ድማ ንስትራተጂታት ምክልኻል ሃገር ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከእቱ ይኽእል።

እቲ ምዝባዕ ትሕቲ ቅርጺ ከኣ፡ ኣብ ልዕሊ ወሳኒ ትሕተ ቅርጺ፡ ከም መስመር ሓይሊ ኤሌክትሪክ፡ ስርዓታት ቀረብ ማይን መርበባት መጓዓዝያን ዝፍጸም መጥቃዕቲ፡ ሰፊሕ ህውከትን ዕግርግርን ከስዕብ ይኽእል።

ምስ ቍጠባ ኣብ ዝተኣሳሰር ጽላታት ከኣ ኣብ ልዕሊ ፋይናንሳዊ ትካላት ዝፍጸም ሳይበራዊ መጥቃዕቲ፡ ዓቢ ገንዘባዊ ክሳራ ከስዕብ፣ ፋይናንሳዊ ዕዳጋታት ክዘርግን ርእሰ ተኣማንነት ኣውፈርቲ ከዳኽምን ይኽእል።

ኣብ ልዕሊ ትካላት ንግዲ ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ከኣ ስርሓት ንግዲ ደው ከብሎ ይኽእል እዩ፤ እዚ ድማ ክሳራ ኣታዊ፡ ሃጓፍ ስራሕን ቍጠባዊ ምንቁልቋልን የስዕብ።

ቢቢሲ፤ ካልእ ከስዕቦ ዝኽእል ዕንወትከ?

ኢንጅነር ፊሊሞን፤ እቲ ካልእ ክስዕብ ዝኽእል ዕንወታት ኣብ ህዝባዊ ጥዕናን ድሕንነትን ኰይኑ፡ ኣብ ልዕሊ ሆስፒታላትን ወሃብቲ ክንክን ጥዕናን ዝፍጸም መጥቃዕቲ፡ ክንክን ሕሙማት ክዘርግ፡ ዳታ ሕሙማት ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከእቱ፡ ከምኡ’ውን ንጻዕርታት ህጹጽ ምላሽ ክዕንቅፍ ይኽእል።

ኣብ ልዕሊ ህጹጽ ኣገልግሎታት፡ ኣኽበርቲ ሕጊን ካልኦት ኣካላት ህዝባዊ ድሕነትን ዝፍጸም መጥቃዕቲ ሳይበር’ውን ንቅልውላዋት ብኣድማዒ መንገዲ ንምምላስ ዘለዎም ዓቕሚ ክዕንቅፍ ይኽእል።

ምስ ፖለቲካ ምስ ነተኣሳስሮ’ውን ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ንምዝርጋሕ፡ ንርእይቶ ህዝቢ ንምጽላውን ኣብ ከም ምርጫ ዝኣመሰለ ዲሞክራስያዊ መስርሓት ንምትእትታውን ክውዕል ይኽእል።

ብዓቢኡ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ሳይበር ኣብ ህዝቢ ፍርሕን ዘይርጉጽነትን ክፈጥር ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ናብ ስንባደን ናዕብን ከምርሕ ይኽእል።

ኣብ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ከኣ ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ የኸትል፤ ኣብዚ ብመንግስቲ ዝምወል መጥቃዕቲ ሳይበር ዲፕሎማስያዊ ግጭታት ከስዕብን ኣህጉራዊ ዝምድናታት ከዳኽምን ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ናብ ሰፊሕ ጂኦፖለቲካዊ ወጥሪ ክዓቢ ይኽእል።

ከምኡ ከኣ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ከፈጽም ዝኽእል ትሕተ ቅርጺ ወይ ቴክኖሎጂ ዝተጠቕዓ ሃገራት ኣብ ልዕሊ ገበነኛታት ተባሂሎም ዝግመቱ ሰባት እገዳ ክገብራን ወይ ናይ ሕነ ምፍዳይ ስጕምትታት ክወስዳን ይኽእላ እየን። እዚ ድማ ኣብ ዓለማዊ ምርግጋእ ዝያዳ ጽልዋ የሕድር።

ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ሃገር ዝፍጸም ሳይበራዊ መጥቃዕትታት ዘስዕቦ ጉድኣት ሰፊሕ ክኸውን ይኽእል እዩ፤ ዳርጋ ንዅሉ መዳያት ሕብረተሰብ ዝጸሉ ኰይኑ ነዞም ሓደጋታት ንምቅላል ድልዱል ስጕምትታት ድሕነት ሳይበር የድሊ።

መጥቃዕቲ ሳይበር ብኸመይ ይፍጸም?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቢቢሲ፤ እቲ ኤርትራ ተፈጺሙኒ ዝበለቶ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ኸ በዚ መንጽር ከመይ ትርእዮ?

ኢንጅነር ፊልሞን፤ እዚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተፈጸመ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ መቐጸልታ ናይቲ ዓለምና ኣትያቶ ዘላ ዲጂታላዊ ኲናት ኰይኑ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣብዚ ዘሎን ዝሓለፋ ዓመታትን ዝተፈላለየ ዓይነት ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ከጋጥመን ርኢና ኢና ።

ኣብነት ንምግላጽ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 120 ሃገራት ን ኣመሪካ፡ ቻይና፡ ታይዋን፡ ኣባላት ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ሩስያ፡ ካናዳ፡ እስራኤል፡ ኢራን፡ ኢትዮጵያ ወዘተ … ሓዊስካ መጥቃዕቲ ሳይበር ዘጋጠመን ሃገራት እየን።

እዚ ናይ ኤርትራ ፍልይ ዘብሎ ኣብ ሃገራዊ መዓልቲ ናጽነት (ዓርቢ 24 ግንቦት 2024) ሰዓት 12፡32’:47” ኣብ ልዕሊ ስርዓተ ኢንተርነት እታ ሃገር ዝተፈጸመ ብምዃኑ ብዕላማ (targeted) ዝተፈጸም ይመስል።

ዋላ’ኳ ን ዓይነት ናይቲ ሳይበራዊ መጥቃዕቲን ዝርዝር ሓበሬታኡ ዝምልከት መንግስታዊ ሓበሬታ እንተዀነ ምስቲ ዘጋጠመሉ መዓልትን ሰዓትን ብምግንዛብ ግን ነቲ ብ መስመር ኢንተርነት ዝመሓላለፍ ዝነበረ ጽንብል መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ምቍራጽን ንመስመራት ኢንተርነት ደው ንምባልን (broadcast) ንኸይከውን ምግታእን ዝዓለመ እዩ ነይሩ ክበሃል ይከኣል።

ቢቢሲ፤ ኣብ ኤርትራ ብሳይበራዊ መጥቃዕቲ ግዳይ ክኸውን ዝኽእል ኣካል ወይ ትካል መን’ዩ?

ኢንጅነር ፊልሞን፤ ከምቲ ኣብ መጀመርታ ዝገለጽኩዎ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ሓንቲ ሃገር ኣብ ዝተፈላለዩ መሓውራት መንግስቲ ኣብ ሃገራዊ ድሕነት፡ ቍጠባዊ፡ ህዝባዊ ወይ’ውን ማሕበራዊ ሸነኽ መጥቃዕቲ ብምፍናው ዓቢ ዕንወት ከኸትል ይኽእል።

ኣብ ኤርትራ’ውን ብሳይበራዊ መጥቃዕቲ ግዳይ ክዀኑ ዝኽእሉ ኣካላት ኣገልግሎት ኢንተርነት ዘለወን መንግስታውያን ትካላት፡ ሚኒስትሪታት፡ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን፡ ባንክ ዝኣመሰሉ ክዀኑ ይኽእሉ።

ቢቢሲ፤ ኤርትራኸ ነዚ ከምዚ ዓይነት መጥቃዕትታት ናይ ምምካት ዓቕማ ከመይ ይግምገም?

ኢንጅነር ፊልሞን፤ ኣብ ኤርትራ ልክዕ ከም ኵላተን ሃገራት ናይ ድሕነት (Security) ዝወስድኦ ስጕምትታት ክፋል ሃገራዊ ድሕነታ (National Security) ገይራ ክትሰርሓሉ ጸኒሓ እያ።

ዋላ ‘ኳ ንቕርጽን ዝርግሐን ኣወዳድባ ናይቲ ‘ደፓርትመንት’ በብግዚኡ ብንዋትን ዓቕምን ዝቀያየርን ዝዓብን እንተዀነ፡ ናይ ምምካት ዓቕማ ግን በዚ ዘጋጠመ ተርእዮ ክንግምግሞ እንተዄንና ኣብ ደሓን ዘሎ ይመስል።

ዝርግሐ ኣገልግሎት ኢንተርነት ድሩት ብምዃኑ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ውልቀ ሰባት ከምጽኦ ዝኽእል ሃስያ ኣብዚ ሕጂ ግዜ ውሱን’ኳ እንተዀነ ንመጻኢ ግን ህዝቢ ክነቕሓሉን ክመሃረሉን ዘለዎ ኣገዳሲ ነገር እዩ።

ቢቢሲ፤ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ብደረጃ ዓለም ክንርእዮ እንከለና ከመይ ይመስል?

ኢንጅነር ፊልሞን፤ ብደረጃ ዓለም፡ መጥቃዕቲ ሳይበር እናዓበየ እናተራቐቐን እናሰፍሐን ዝመጽእ ዘሎ ኰይኑ፡ ንዝተፈላለዩ ጽላታትን ሃገራትን ዝጸሉ እዩ።

ብዝርዝር ክንርዮ ምስ እንፍትን ከኣ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ቀንዲ ዒላማ ዝተፈላለዩ ናይ ሳይበር መጥቃዕትታት ኰይና ትቅጽል ኣላ፤ ብፍላይ ድማ ናይ HTTP DDoS መጥቃዕቲ።

ቻይና’ውን ዝለዓለ መጠን መጥቃዕቲ L3/4 DDoS ኣጋጢምዋ ኣሎ፤ ንመርበባትን ኣገልግሎታታን ኢንተርነት ርኡይ ዒላማ ብምግባር ዝፍጸሙ መጥታዕትታት ከኣ’ዮም።

ኣብ ኣውሮጳ ኸኣ ከም በዓል ጀርመን፡ ኢጣልያን ዓባይ ብሪጣንያን ዝኣመሰላ ሃገራት ብስርሒታት ስለያን ስርቂ ዳታን ዒላማ ኰይነን ኣለዋ። እቶም ነዚ መጥቃዕትታት ዝፍጽሙ ከኣ መብዛሕትኡ ግዜ ብመንግስቲ ዝምወሉ ምስ ሩስያን ቻይናን ዝተኣሳሰር ምዃኑን ይግለጽ።

ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከባ ሃገራት’ውን ብፍላይ እስራኤልን ኢራንን ብተደጋጋሚ ናይ ሳይበር ውግእን ፖለቲካዊ ድራኸ ዘለዎ መጥቃዕትን ከጋጥመን ይርአ’ዩ።

ፊልሞን

ምንጪ ስእሊ, Filmon

ቢቢሲ፤ እቶም ሳይበራዊ መጥቃዕትታት ዝፍጽሙ ኣካላት ንሓንቲ ሃገር ከጥቅዕዋ ክሓስቡ እንከለዉ ብፍሉይ ዘተኵሩሉ ጽላት ኣሎ ድዩ?

ኢንጅነር ፊልሞን፤ እወ፡ ከከም ዕላማኦም ይፈላለየ’ዩ። ንኣብነት ብዙሓት መጥቃዕትታት ኣብ ምስራቕ ተነቐፍቲ ሓበሬታ፡ ስርሒታት ምዝራግ ወይ ስለያ ዘተኰሩ እዮም።

ኣብ ልዕሊ ወሃብቲ ክንክን ጥዕና ዝፍጸም መጥቃዕቲ ራንሶምዌር ኣዝዩ ሰፊሕ ኰይኑ፡ ኣብ ፈረንሳን ኣውስትራልያን ርኡይ ፍጻመታት ኣጋጢሙ፡ ንሚልዮናት ዳታ ሕሙማት ጽልዋ ኣሕዲሩ።

እቲ ካልኣይ ከኣ፡ ኣብ ልዕሊ ፋይናንሳዊ ትካላት ዝፍጸም መጥቃዕቲ ሳይበር፡ ገንዘብ ንምስራቕ፡ ተነቐፍቲ ዳታ ወይ ኣገልግሎት ንምዝራግ ዝዓለመ እዩ።

ናይ ካናዳ ፊንትራክን (FINTRAC) ናይ ፈረንሳ ናይ ጥዕና መድሕን ኩባንያታትን ፍሉጣት ኣብነታት ናይ ከምዚ ዓይነት ጥሕሰት እዮም።

ኣብ ቴክኖሎጂን ቴሌኮሙኒኬሽንን ዝፍጸመ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ከኣ ነዞም ኢንዱስትሪታት እዚኣቶም፡ ከምቲ ኣብ ምጥሓስ ማይክሮሶፍትን ካልኦት ዓበይቲ ትካላት ቴክኖሎጂን ዝረአ፡ ስርቂ ዳታ፡ DDoS፡ ከምኡ’ውን ስለያ ኣእምሮኣዊ ንብረት (Intellectual Property) ሓዊሱ ቀጻሊ መጥቃዕቲ የጋጥሞም።

ቢቢሲ፤ እቶም ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ዝፍጽሙ ኣካላት እንታይ ዓይነት ሜላታት’ዮም ዝፍጽሙ?

ኢንጅነር ፊልሞን፤ ብዙሕ ሜላታት’ዩ ዘሎ፤ ገለ ንምጥቃስ እቲ DDoS Attacks ወይ Distributed Denial of Service ዝብሃል መጥቃዕቲ ገና ስፍሕ ዝበለ ስግኣት ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ። ንኣሜሪካ፡ ቻይናን ዝኣመሰላ ሃገራትን ዒላማ ዝገበረ እዩ።

Ransomware ዝበሃል ዓይነት ከኣ ዳታ ኢንክሪፕት ዝገብርን በጃ (ransomware) ዝሓትትን ማልዌር፡ ብፍላይ ኣብ ጽላታት ክንክን ጥዕናን መንግስትን ዓቢ ጉዳይ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።

Phishing and Social Engineering ዝበሃል ዓይነት ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ዝፍጽሙ ሰባት ብተደጋጋሚ ነዚ ሜላታት እዚ ተጠቒሞም፡ ንውልቀሰባት ብምትላል መረጋገጺ መንነት ንኽገልጹ ወይ ጐዳኢ መላግቦታት ብምጥዋቕ፡ ሰነዳት ንዋትን ውልቀሰባትን ዝዘምቱ’ዮም እዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ብብዝሒ ዝርአ ዓይነት ሳይበራዊ መጥቃዕቲ’ዩ።

Advanced Persistent Threats (APTs) ዝብሃል ከኣ ብመንግስቲ ዝምወሉ ጕጅለታት መብዛሕትኡ ግዜ ምስጢራውያን ሓበሬታ ንምስራቕ፡ ስለያ ንምክያድ ወይ ኣገደስቲ ትሕተ ቅርጺ ንምብስባስ ዝተራቐቐን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕን መጥቃዕቲ ይጥቀሙ።

ቢበሲ፤ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተራእዩ ኣገደስቲ ፍጻመታት ሳይበራዊ መጥቃዕትታት እንተሃልዮም ከተካፍለና?

ኢንጅነር ፊልሞን፤ ናይ ኣመሪካን ካናዳን፡ ንፋይናንሳዊ ስርዓታት፡ መንግስታዊ መርበባትን ናይ ብሕቲ ኩባንያታትን ዒላማ ዝገበረ ብዙሕ መጥቃዕትታት ኣጋጢምወን።

ኣብነት ናይዚ ድማ ምጥሓስ ፊንትራክን ኣንጻር ዓለማዊ ጉዳያት ካናዳ ዝተኻየደ ናይ ስለያ ወፍሪን ይርከብዎም።

ኣብ ኣውሮጳ’ውን መንግስታዊ ኣካላት ጀርመንን ኢጣልያን ብቻይናውያን ሃከራት ዒላማ ክዀኑ እንከለዉ፡ ሩስያውያን ሃከራት ድማ ኣብ ልዕሊ ሽወደን ንመንግስታዊ ኣገልግሎት ዝህብ ዲጂታላዊ ኣገልግሎት ዝህብ ትካል ራንሶምዌር መጥቃዕቲ ኣካይዶም።

ኣብ ኤስያ’ውን ትካላት ታይዋንን ጃፓንን ርኡይ ናይ ሳይበር ስለያን DDoSን መጥቃዕቲ ኣጋጢምወን እዩ፤ መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ሳይበርያዊ መጥቃዕቲ ምስ ቻይናውያንን ሰሜን ኮርያውያንን’ዩ ዝተኣሳሰር።

ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን ከኣ ከም እስራኤልን ኬንያን ዝኣመሰላ ሃገራት ፖለቲካዊ ድራኸ ዘለዎ ናይ ሳይበር መጥቃዕቲ ኣጋጢምወን’ዩ፤ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ DDoSን ማልዌርን ጐስጓሳት ዘጠቓልል እዩ።

ቢቢሲ፤ ጽልዋ ሳይበርያዊ መጥቃዕቲ ክሳብ ክንደይ’ዩ ከቢድ?

ኢንጅነር ፊልሞን፤ ዓለማዊ ጽልዋ መጥቃዕቲ ሳይበር ዓቢ’ዩ። ፋይናንሳዊ ክሳራታት፡ ኣብ ሓደጋ ዝወድቕ ምስጢራዊ ሓበሬታ፡ ምዝባዕ ኣገልግሎታትን ምጕዳእ ዝናታትን የስዕብ።

ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ መንግስታትን ትካላትን ስጕምትታት ድሕነት ሳይበር የዕብዩ፣ ኣብ ምዕቡል ቴክኖሎጂታት ወፍሪ ይገብሩ፣ ነዞም ስግኣታት ንምምካት ድማ ኣህጉራዊ ምትሕብባር የዕብዩ ኣለዉ።

ምፍጣር ማዕቀፋት(framework) ድሕነት ሳይበር፣ ስሩዕ ኦዲትን ውጥናት ምላሽ ፍጻመታትን ሓደጋን ጽልዋን መጥቃዕቲ ሳይበር ንምቅላል ዝውሰዱ ዘለዉ ወሳንቲ ስጕምትታት እዮም።

ብሓጺሩ፡ መጥቃዕቲ ሳይበር ንዅሉ ዞባታትን ጽላታትን ዝጸሉ ስፍሕ ዝበለ ዓለማዊ ጉዳይ ኰይኑ፡ ዝተሓላለኸን ጽልዋኡ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎን’ዩ።

ነዚ ዝምዕብል ዘሎ ስግኣት ንምፍታሕ ቀጻሊ ጻዕርታትን ድሕነት ሳይበር ንምውሓስ ኣህጉራዊ ምትሕብባርን ኣገዳሲ እዩ።