ሽወደን፡ ስለምንታይ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ 300ሽሕ ስደተኛታት ግዝያዊ ክትቅይሮ ወጢና?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ሽወደን ስልጣን ዝተቘጻጸረ ሕሉፍ የማናዊ ሰልፊ፡ ነቶም ኣቐዲሞም ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ዝተዋህቦም ኣስታት 300 ሽሕ ዝዀኑ ስደተኛታት ወረቐቶም ናብ ግዝያዊ ፍቓድ ክቕይሮ ዘኽእሎ ሕጋዊ ሸነኻት እንተሎ መጽናዕቲ ክገብር ምዃኑ ድሕሪ ምእማሙ፡ ኣብ ስደተኛታት ዓቢ ሻቕሎትን ፍርሕን ፈጢሩ ኣሎ።
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብታ ሃገር ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ንዝነጣጠፍ ጋዜጠኛን ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላትን ኻልድ ዓብዱን ኣብ ሳውዝ ባንክ ዩኒቨሪሲቲ ዓባይ ብሪጣንያ ብዛዕባ ጉዳይ ስደተኛታት ዝምህርን ዝመራመርን ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብን በቲ ኵነታት ንዝተሻቐሉ ኤርትራውያንን ኣዘራሪቡ ኣሎ።
ብዝተፈላለየ ምኽንያት፡ ካብ ቤቱን መሬቱን ናብ ቀረባን ርሑቕን ዝሰገረ ስደተኛ፡ ኣብታ ዝኣትዋ ሃገር፡ መሰሉ ዘኽብርን ግዴታኡ ዝነግርን ብ1951 ኣብ ኣኼባ ሕቡራት ሃገራት ጀኔቫ ዝጸደቐ፡ ብውዕል ጀኔቫ 1951 ዝፍለጥን ንዕኡ ዝድርዕ ናይ 1967 ፕሮቶኮልን ዝተዋሕሰ ሰነድ ኣሎ።
እዚ ሰነድ ዝዀነ ይዅን ሰብ ኣብ ሃገሩ፡ ብሃይማኖታዊ እምነቱ፡ ብፖለቲካዊ ኣረኣእያኡ፡ ብዘርኡን ዓሌቱን፡ ብብሄሩን መንነቱን፡ ከምኡ'ውን ኣባል ሓደ ጕጅለ ብምዃኑ ካብ መንግስቲ ይኵን ካብ ዝዀነ ጕጅለ ጸቕጢ ምስዘጋጥሞ ውልቀ ጉዳዩ ተራእዩ ውሕስነት ንኽወሃቦ ዘፍቅድ እዩ።
መንግስቲ ሽወደን ከኣ በዚ መንፈስን ኣህጉራዊ ውዕልን እዩ ተቐቢሉዎም፡ ይብል ዶክተር ጋይም ክብረኣብ።
ፖሊሲ ሽወደንን ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድን
ኣብ መስርሕ ሕቶ ዑቕባ ግዝያውን ነባርን መንበሪ ፍቓድ ምህላው ዝጠቅስ ናይቲ ዓውዲ ክኢላን መምህርን ፕሮፌሰር ጋይም፡ ሃገራት ንሕቶ ዑቕባ ነብሲ ወከፍ ውልቀ ሰብ ገምጊመን ግዝያዊ ወይ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ከምዝህባ ይገልጽ።
እቲ ግዝያዊ መንበሪ ፈቓድ ዝበሃል፡ ንኣብነት እቲ ምኽንያት ስደት ዝዀነ ነገር፡ ከም ውግእ ሓድሕድ እንተዀይኑ ንሱ ክሳብ ዝዓርፍ ጥራይ እዮም ኣብታ ሃገር ክነብሩ ዝኽእሉ። ክሳብ ሽዑ እውን ደቆምን ሓዳሮምን ክጥርንፉ ይኵን ናብ ኵሉ ዘግይሽ ፓስፖርት ናይ ምርካብ ዝኣመለሰ ድሩት መሰላት እዩ ዘለዎም።
እቶም ቀዋሚ መንበሪ ፈቓድ ዝተዋህቡ ግን ስደራኦም ክጥርንፉ ይኵን ብዘይካ ናብ ሃገሮም ናብ ዝደለይዎ ካልእ ክገሹ ዘፍቅድ መሰላት ይረኽቡ። ካብዚ ሰፊሕ መሰል ዘውህብ ቀዋሚ መንበሪ ናብ ግዝያዊ መንበሪ ምውራድ ማለት እምበኣር ብዙሕ ነገር ከምዘሰናኽል የረድእ።
ጋዜጠኛን ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላትን ኻልድ ዓብዱ፡ እቲ ሕጂ መንግስቲ ሽወደን ነቲ ቀዋሚ ናብ ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ ክቕይሮ ዘኽእሎ ዕድላት ክርኢ ምዃኑ ዝገለጾ እማመ ንብዙሓት ስደተኛታት ኣሻቒሉ'ኳ እንተሎ ብቐሊሉ ክትግበር ይኽእል እዩ ዝብል እምነት ከምዘይበሉ’ዩ ይገልጽ።
ቅድሚ ሕጂ እውን መንግስቲ ሽወደን ነቶም ብናይ ሓሶት ታሪኽን ዛንታን መንበሪ ፍቓድ ዝረኸቡን ‘ኣብ ዓድና ስግኣትን ፍርሕን ኣሎና’ ኢሎም ዑቕባ ሓቲቶም ከብቅዑ ተሓቢኦም ንሃገሮም በጺሖም ዝመጽኡ ስደተኛታት መንበሪ ፍቓዶም ከሕድጐ'ኳ እንተጸንሐ፡ እዚ ሕጂ ስልጣን ተረኪቡ ዘሎ ሕሉፍ የማናዊ ሰልፊ ዝብሎ ዘሎ ግን ፍልይ ዝበለ እዩ።
“ቅድሚኡ ዝነበረ ብሕግን ምርጫን ስልጣን ዝሓዘ መንግስቲ ሽወደን፡ ብኣህጉራዊ ውዑል ስደተኛታት ጉዳዮም ሰሚዑን መርሚሩን መንበሪ ፍቓድ ንዝሃቦም ኣስታት 300 ሽሕ ስደተኛታት ንቀዋሚ ፍቓዶም ናብ ግዝያዊ ክቕይሮ እየ ምባል ከምቲ ሓላፊ ክፍሊ ኢሚግሬሽን ሽወደን ዝበሎ ዘየሻቕል ኣይኮነን፤ ግን ከኣ ብቐሊሉ ዝትግበር ኣይኮነን” ይብል ኻልድ።

ምንጪ ስእሊ, KA
ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝጸንሐ ዘይምኽኑይ ክስታት
ዳርጋ ኣብ ኵሉ ሃገራት ምዕራብ፡ ‘ስደተኛታት ኣብ ከም ሓሺሽን ባእስን ዕግርግርን፡ ስርቅን ምጥፍፋእን ዝኣመሰለ ዘይቅቡል ተግባራት እናተዋፈሩ ንባህላዊ ክብርታትና የበላሽው ኣለው’ ዝብል ክሲ ጸኒሑን ኣሎን። ብፍላይ እተን የማናዊ ኣተሓሳስባ ዝኽተላ ሰልፍታት መብዛሕቱ ግዜ ኣብ እዋን ምርጫ “ጽልኣት ስደተኛታት” ዘንጸባርቕ ጐስጓስ ከካይዳ ምስማዕ ልሙድ ምዃኑ፡ ጋዜጠኛ ኻልድ ዓብዱ ይገልጽ።
“እዚ ሕጂ ኣብ ሽወደን ስልጣን ሒዙ ዘሎ ሕሉፍ የማናዊ ሰልፊ እውን ካብቲ ኣተሓሳስባ እቲ ዝወጽእ ኣይኮነን” ይብል ኻልድ።
መንግስቲ ሽወደን፡ ብዙሓት ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ተዋሂቡዎም ከብቅዕ ዓቕሞም ኣማዕቢሎም ሰሪሖም ነብሶም ክጥውሩ ስለዘይከኣሉን ቀጻሊ ሓገዝ መንግስቲ ስለዝሓቱን፡ ምእንቲ ቀዋሚ ፍቓድ መንበሪኦም ክዕቅቡ ዝገብሮ ዘሎ ጸቕጢ ክኸውን ከምዝኽእል ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብ ይግምት።
“ሓቂ እዩ እቶም ካብ ሃገሮም ነፊጾም ከቢድ ሓደገኛ ጕዕዞ ሰጊሮም ድሕሪ ክንደይ መከራ ዓዲ ሰላም በጺሖም ዑቕባ ዝሓቱ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጽኡ ስደተኛታት ንባህልን ቋንቋን እተን ዘዕቁባኦም ሃገራት ኣጽኒዖም ተማሂሮም ኣብ ስራሕ ዓለም ክሳተፉ ግዜ ዝወስድ'ኳ እንተዀነ፡ እቶም ኵሎም ብትሑት ክፍሊት ኣብ ዝተፈላለየ ጽላት ቁጠባ እተን ሃገራት ኣብ ጉልበታዊ ዕዮ ዝሳተፉ ስደተኛታት እዮም” ይብል ፕሮፌሰር ጋይም።
ሓደ መንግስቲ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ክቕይር ይኽእል ድዩ?
“ዝዀነ ይዅን ስልጣን ዝሓዘ ስርዓት ነቲ ኣብታ ሃገር ዝጸንሐ ሕግታት ቀይሩ ንዕኡ ዝምእምኦ ነገር ክገብር ይኽእል’ዩ” ዝብል ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብ፡ ብፍላይ እቶም ኣብ ስደተኛታት ክቱር ጽልኣት ዘለዎም የማናውያን ሰልፍታት ንነቓዓት ናይ ሕግታትን ትንታኔታትን ኣጽኒዐም ዘዋጽኦም ነገር ክገብሩ ከምዝኽእሉ ብምሕባር፡ እቲ ካብ ቀዋሚ መንበሪ ፈቓድ ናብ ግዝያዊ መንበሪ ናይ ምቕያር መስርሕ ንኣህጉራዊ ውዑል ጄነባ ዝጻረር ስለዝኾነ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ናይ ሕጊ ክኢላታትን ደያኑን ጠጠው እንተዘየቢሎሞ ኣፍካ መሊእካ እትዛረበሉ ዘተኣማምን ውሕስነት ኣሎ ክትብል ኣጸጋሚ ምዃኑ ይገልጽ።
ጋዜጠኛ ኻልድ ዓብዱ እውን ፖለቲከኛታት ኵሉ ሳዕ ንዝደልዩዎ ፖሊሲ ከተግብርሉ ዝኽእሉ ነቓዓት ሕጊ ሃሰስ ምባሎም ዝተለምደ ኰይኑ፡ እዚ ሕጂ ስልጣን ዝተረከበ ሕሉፍ የማናዊ ሰልፊ ከኣ ነቲ “ስደተኛታት ጸገም ኰይኖምና” ዝብል ስምዒት ናይቲ ህዝቢ ምኽንያት ብምግባር ቀዋሚ መንበሩ ፍቓድ ዘለዎም ስደተኛታት ናብ ስራሕዓለም ክዋፈሩን ነብሶም ክኽእሉን ጸቕጢ ንምግባር ዝግበር ዘሎ ምውስዋስ ኮይኑ ከምዝስምዖ ይሕብር።
እቶም ሻቕሎት ዘለዎም ስደተኛታት’ከ እንታይ ይብሉ?
ቅድሚ ሸውዓተ ዓመታት ናብ ሽወደን ዝኣተወት ሃይማኖት ዝተባህለት ስደተኛ ነባሪት ሽወደን፡ ስደት፡ ምርጫ ስኢንካን ተገዲድካን እትኣትዎ ንዅለንትናኻ ዝፈታተን ኣዝዩ መሪር’ዩ ምዃኑ ብምግላጽ፡ በዚ ሕጂ መንግስቲ ሽወደን ካብ ቀዋሚ ናብ ግዝያዊ መንበሪ ፈቓድ ንምቕያር ኣሚምዎ ዘሎ ሓሳብ ከይተሰናበድና ንሕና ዓቕምና ናብ ምምዕባል ከነድህብ ይግባእ ትብል።
“ ሓቂ ይሓይሽ መንግስቲ ሽወደን ንዓናን ደቅናን ተቐቢሉ ከም ስደተኛታት ዝግበኣና ክብርን መሰልን ሂቡና እዩ። ብህዝባዊ ምርጫ መንግስትነት ዝሓዙ ሰልፍታት ነንፖሊሲታቶም ከተግብሩ ዝመሰሎም ነገር ክፍትኑ ይኽእሉ እዮም። እቲ ንሕና ክንገብሮ ዘሎና ግን ለይትን ቀትርን ከይተሓለልና ክንመሃርን ክንሰርሕን እዩ” ትብል።
ከሰተ ብርሃነ ዝተባህለ ካልእ ተቐማጢ ሽወደን ብወገኑ፡ እቲ ሓድሽ እማመ ከምዘሰንበዶ ብምግላጽ፡ መንግስቲ ሽወደን፡ ነዚ 300 ሽሕ ዝቝጽሩ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ዝሃቦ ስደተኛ ንኸምህሮን ክናብዮን ገዚፍ ወጻኢታት ስለዘፍሰሰ ንዓይ ሓዊሱ ነብሲ ወከፍ ስደተኛ ምስ ሕብረተሰብ ሽወደን ተጸናቢሩ ዓቕሙን ክእለቱን ንኸዕቢ ንምድፍኡ እንተዘይኰይኑ ክንዮኡ ዝኸይድ ነገራት ክገብር ይደሊ እዩ ዝብል እምነት ከምዘይብሉ ይገልጽ።
“እቲ ቀዋሚ መንበሪኹም ናብ ግዝያዊ ክቕየር እየ ተባሂሉ ዘይስንብድን ዘይሻቐለን የሎን። ግን ከኣ መንግስቲ ነቲ ኣብ ልዕለናን ደቅናን ዝገበሮ ወፍሪ ብቐሊሉ ክኸስሮ ዝደሊ ኣይመስለንን። እቲ ጉዳይ ግን ኣበይ ኣለና እንታይ’ከ ክንገብር ይግበኣና ኢልና ክንበራበር ሓጋዚ ይመስለኒ” ይብል።
ሽወደን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት፡ ካብ ሶርያ፡ ኣፍጋኒስታን፡ ዒራቕ፡ ኤርትራ፡ ሶማል ካብ ኲናትን ግጭትን ዝሃደሙ ብዙሓት ስደተኛታት ካብ ዘዕቈባ ሃገራት ኤውሮጳ ሓንቲ እያ።
እንተዀነ ኣብ ዝሓለፋ ውሑዳት ዓመታት እቶም ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ዝሃበቶም ብዙሓት ስደተኛታትን ስድራ ቤታቶምን ዓቢ ናይ ሽቕለት ብደሆ ከምዝዀኑዋ ብምግላጽ እቶም ስደተኛታት ኣብ ናይ ስራሕ ዓለም ክዋስኡ ብቐጻሊ ክትደፍእን ከተተባብዕን ከምዝጸንሐት ዝገልጽ ፕሮፌሰር ጋይም እቶም ስደተኛታት በቲ ዝተባህለ ከይተሰናበዱ ግን ከኣ ልቦም ከየውደቝ ዓቕሞም ብምምዕባል ተወዳደርቲ ንክዀኑ ክመሃሩ ክጽዕሩ ከምዘለዎም ይመክር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







