እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ደቁ ሒዙ ንዓመታት ዝጠፍአ ኣቦ ኣብ ጸምጸም በረኻ ተራእዩ
ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ምስ ሰለስተ ደቁ ናብ በረኻ ዝጠፍአ ኒውዚላንዳዊ ኣቦ ድሕሪ ዓመታት ንፈለማ እዋን ምስ ተራእዩ።
ቶም ፊሊፕስ ምስ በዓልቲ ቤቱ ንዝተፈጠረ ጎንጺ ስዒቡ ንወዲ 8 ዓመት ኤምበር፣ 9 ዓመት ማቨሪክን ጓል 11 ዓመት ጃይዳን ኣብ ታሕሳስ 2021 ካብ ገዛ ሒዝዎም ብምስዋሩ ብደረጃ ሃገር ኣለሻ ክካየድ ጸኒሑን ቀጺሉን።
እቲ ኣቦ ምስ ደቁ ኣብ ሰሜናዊት ደሴት ዞባ ምዕራባዊ ዋይካቶ ክሕባእ ከምዝጸንሐ ፖሊስ ይሕብር።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት እውን ብዛዕባ ደሃዮም ሓበሬታ ንዝሃበ 37,200 ፓውንድ ሰሊዑ ነይሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተራእየሉ ምኽንያት ከኣ በቲ ጫካ ዝጓዓዙ ዝነበሩ መንእሰያት ሃደንቲ ሓሰማ ብተሌፎኖም ስለዝቐድሕዎም’ዩ ነይሩ።
እቶም ሃደንቲ፡ ምስ ሓንቲ ካብ ደቁ ንሓጺር እዋን ዝተዘራረቡ ኰይኖም “ኣብዚ ምህላውኩም ዝፈልጥ ሰብ ኣሎ’ዶ?” ዝብል ሕቶ ምስ ኣቕረቡላ "ንስኻትኩም ጥራይ" ዝብል መልሲ ሂባ ጉዕዞኦም ከምዝቐጸሉ ኣቦ ሓደ ካብቶም ሃደንቲ መንእሰያት ንጋዜጣ ኒውዚላንድ ‘1 ኒውስ’ [1News] ሓቢሩ።
ቶም ፊሊፕስ ሽጉጥ ሒዙ ከምዝነበረን ኣዝዩ ከምዝጨሓመን ዝሓበሩ እቶም መናእሰይ ሰለስቲኦም ደቁ ድማ መሸፈኒ ገጽ ተዓሚሞም ሻንጣ ተሰኪሞም ከምዝነበሩ ገሊጾም።
ፖሊስ ኒውዚላንድ እቶም ካብ ዝጠፍኡ ሰለስተ ዓመት ዝመልኦም ስድራ ክረኣዩ ምኽኣሎም ንኣዝማድ "ኣወንታዊ ሓበሬታ" ምዃኑ ገሊጹ።
"ንምሉእ ስድራቤት እቶም ህጻናት ዘረጋግእ ከም ዝኸውን ንግንዘብ ኢና" ይብል መርማሪ ኣንድሪው ሳንደርስ።
ቅድሚ ሕዚ ቶም ፊሊፕስ ከምዝተራእየ ዝገልጹ ብርክት ዝበሉ ሓበሬታታት ክወጽኡ’ኳ እንተጸንሑ ምስ ሰለስተ ደቁ ክረአ ግን ሎሚ ንፈለማ እዋን ከምዝዀነ ይእመን።
እቲ ቪድዮ ኣብ ጫካታት ማሮኮፓ ብ3 ጥቅምቲ ዝተቐድሐ ኮይኑ ፖሊስ ሓበሬታ ምስበጽሖ ብሄሊኮፕተራት ዝተሓገዘ ፈተሻ ንሰለስተ መዓልታት ተኻይዱ።
ቶም ፊሊፕስ ኣብቲ ጽንኩር በረኻ ንደቁ ክመርሖም ከሎ ኣብ ዘርእይ ቪድዮም፡ ኩሎም ምስቲ ከባቢ ከመሳስሎም ዝኽእል ሓደ ዓይነት ክዳን ተኸዲኖም ነይሮም።
ኣደ እቶም ቆልዑ ካት ትማሊ ሓሙስ ንጋዜጣ ኒውዚላንድ ሄራልድ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ፡ ደቃ ብህይወት ከምዘለዉ ምፍላጣን ቦርሳታት ክስከሙ ኣብ ዝኽእሉሉ ዓቕሚ ምህላዎምን ዕረፍቲ ከምዝሃባ ገሊጻ።
ንሳ፡ እቲ በዓል ሓዳራ ነበር ነቶም ቆልዑ "ከም ትሕጃ" ይጥቀመሎም ምህላዉ ከሲሳ፤ ደቃ ናብ ጭንቀት ክኣትዉ ግቡእ ከምዘይነበረ’ውን ተዛሪባ።
ብተወሳኺ ሰበስልጣን ንመጻምድታ ነበር ኣብ ምድላይ ዝያዳ ክጽዕሩ ከምዘለዎም ብምግላጽ፡ ነቶም ንበዓል ቤታ ነበር ይሕግዙ ኣለዉ ኢላ ዝጠርጠረቶም ሰባት ከኣ ጻውዒት ኣቕሪባ።
ፖሊስ’ውን ፊሊፕስ ብኻልኦት ኣካላት ይሕገዝ ከምዘሎ እዩ ዝኣምንን ዝገልጽን።
ሰብመዚ፡ ኣብ ወርሒ ሰነ ነቶም ህጻናት ብውሑስ መንገዲ ንኽምለሱ ዝመርሕ ሓበሬታ ንዝህቡ ሰባት ሽልማት ገንዘብ ኣቕሪቦም ነይሮም። ግን ከኣ ደሃዮም ከይተረኸበ እዋን እቲ ሽልማት ተዛዚሙ።
ፖሊስ፡ እቶም ህጻናት ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ምስ ካልኦት ሰባት ዝኾነ ርክብ ከምዘይነበሮምን ትምህርቲ ከምዘይረኸቡን ይገልጽ።
"ቶምን ደቁን ይሕገዙ ከምዘለዉ ኢና ንኣምን። ነዚ ዝገብር ዝኾነ ሰብ ድማ ደው ከብልንጽውዕ። ቅኑዕ ነገር ክገብርን እቲ ዝፈልጦ ንፖሊስ ክነግርን ንላቦ" ይብል መርማሪ ኣንድሪው ሳንደርስ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ፊሊፕስ ኣብታ ኣብ ሰሜናዊት ደሴት እትርከብ ንእሽቶ ከተማ ቴ ኩይቲ ኣብ ዝተፈጸመ ምዝማት ባንክታት ተሳቲፉ ብዝብል ጥርጣረ ንኽእሰር ትእዛዝ ወጺኡሉ ነይሩ።
ፖሊስ ኣብቲ ዝተባህለ ፍጻመ ተሓባባሪ ከምዝነበሮ ብምግላጽ ምናልባት ዕጥቂ ሒዙ ክኸውን ዝለዝኽእል ሰባት ከይቀርብዎ ኣጠንቂቑ።