እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ትራምፕ ዘሰሓሕቦም ዘሎ ጉዳይ እንታይ እዩ?
ጆሴ ሮሜሮ ዝተባህለ ዓቃባዊ ካቶሊካዊ ፖድካስተር፡ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ክነቅፍ እንከሎ፡ "ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብኸመይ ናብ መንግስተ ሰማይ ከም እንኣቱ ጥራይ እዮም ክነግሩና ዝግባእ፤ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ግን ስልጣን የብሎምን፣ ኣብቲ ዝግባኦም ቦታ እዮም ክጸንሑ ዘለዎም፡" ኢሉ።
ከም ደጋፊ ዶናልድ ትራምፕ መጠን፡ እቶም ኣብ ኣመሪካ ዝተወልዱ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ይዅኑ ጳጳሳት ኣመሪካ፡ ኣብ ፖሊሲ ጃምላዊ ምስጓግ ስደተኛታት ዘቕረብዎ ዘለዉ ነቐፌታ ኣቘጢዕዎ እዩ።
ንሓያለ ተኸተልቲ እምነት ካቶሊክ፡ ቤተክርስትያን ኣብ ህይወቶምን ፖለቲካን ኣገዳሲ ተራ ኣለዋ።
ከም ምክትል ፕረዚደንት ጄይዲ ቫንስ ዝኣመሰሉ ካቶሊካውያን፡ ጸላዊ ተሓላቒ ሕጊ ሊዮናርድ ሊዮ፡ ትራምፕ ኣብ መረጻ ንዝረኸቦ ዓወት ኣገደስቲ እዮም ነይሮም። ደሓር'ውን ኣካል ካቢነ ምኒስተራት ኰይኖም፣ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ማርኮ ሩቢዮን ጸሓፊት ትምህርቲ ሊንዳ ማክማሆንን ቀንዲ ኣብያተ ጽሕፈታት ጽፍሒ ዝሓዙ ካቶሊካውያን ተጸንቢሮምዎም።
ጉዳይ ስደተኛታት ግን ኣብ መንጎ መንግስቲ፡ መራሕቲ ቤተክርስትያንን ምእመናንን ዝተኸስተ ፍልልይ ዝፈጥር ጉዳይ ኰይኑ'ሎ።
ኣብ ግንቦት ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ካርዲናላት፡ ሮሜሮ "ንትራምፕ ዝመስል ወይ ዝድግፍ ርእሰ ሊቃነ ጵጳሳት ክህሉ" እዚ ድማ ምስቲ ፕረዚደንት ተመሳሳሊ ኣረኣእያ ዘለዎ ጳጳስ ክርከብ ተስፋኡ ነይሩ።
ብኣንጻሩ ግን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14: ኣብ ኣመሪካ ስደተኛታት ብኸመይ ይተሓዙ ኣለዉ ዝብል ስክፍታኦም ብተደጋጋሚ ብምግላጽ፡ ኣብ ሕዳር ብዛዕባ እዚ ጉዳይ መሰረታዊ ዳግመ ግምት ክግበር ጸዊዖም።
እቶም ጳጳስ፡ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ንዘሎ ንሓድሕድና ሰብኣውነት ክስመዓና ዘዘኻኽር ጥቕሲ ኣልዒሎም፡ "የሱስ፡ ኣብ መወዳእታ ዓለም ነቲ ብደገ ዝመጽና ጋሻ ብኸመይ ከም ዝተቐበልናዮ ከም እንሕተት ብግልጺ ኣቐሚጥዎ'ሎ፡" ኢሎም።
ድሕሪ ሓደ ሰሙን ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኣመሪካ (USCCB)፡ "ኣብ ኣመሪካ ንዝርከቡ ስደተኛታት ዝጸሉ ዝምዕብል ዘሎ ኵነታት ዘለዎ ስክፍታ" ብዘስምዕ "ፍሉይ መልእኽቲ" ኣውጺኡ።
እቶም ጳጳሳት፡ በቲ "ናይ ፍርሕን ጭንቀትን ሃዋህው" ኣመና ከም ዝተሻቐሉ ብምግላጽ፡ "ኣልማሚ ጃምላዊ ምስጓግ ስደተኛታት ብትሪ ንቃወም" ከምኡ'ውን ሰብኣውነት ዝጐደሎ ቃላትን ዓመጽን ደው ክብል ኵሉ ይጸሊ፡" ክብሉ ጸዊዖም።
እዚ ኣገዳሲ ጣልቃ ምእታው ኰይኑ፡ ቤት ምኽሪ ቤተክርስትያን ካቶሊክ ኣመሪካ ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ከምዚ ዝኣመሰለ መግለጺ ከውጽእ ንፈለማ እዋን እዩ።
እዚ መግለጺ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝተደገፈ ኰይኑ፡ "ኣዝዩ ኣገዳሲ" ብምባል ኵሎም ካቶሊካውያንን "ሰናይ ድሌት ዘለዎም ሰባትን"፡ ብጽሞና ክሰምዕዎ ተማሕጺኖም።
ቺካጐ፡ ብምምሕዳር ትራምፕ ዝትግበር ምቍጽጻርን ኢሚግሬሽን ቀንዲ ማእከል እያ።
ዘይምቅዳው ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት
ዳይረክተር ማእከል ሃይማኖትን ባህልን ዩኒቨርሲቲ ፎርድሃም ዴቪድ ጊብሰን፡ "እቲ ዝምድና ኣብ ከቢድ ወጥሪ እዩ ዘሎ" ይብል።
ዓቃባውያን፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ካብቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ኣብ ጉዳያት ማሕበራዊ ፍትሕን ስደተኛታት ዘድሃበ ለውጢ ከምጽኡ ተስፋ ገይሮም ከም ዝነበሩ ጊብሰን ይገልጽ።
"ብዙሓት ካብኣቶም ተቘጢዖም ኣለዉ። ንቤተክርስትያን ዘሎ ኵነታት ርእያ ከምዘይረኣየት ስቕ ክትብል ክነግርዋ ይደልዩ፤ ኣብ ጉዳይ ምንጻል ጥንሲ ጥራይ ተደሪታ ክትተርፍ ይደልዩ፡" ይብል ጊብሰን።
ሓላፊ ጉዳይ ዶባት ኣብ ዋይት ሃውስ፡ ቶም ሆማን - ንባዕሉ'ውን ካቶሊክ እዩ - ቤተክርስትያን "ትጋገ ኣላ!" ብምባል፡ መራሕታ ኣተኵሮኦም ኣብ ምጽጋን እታ ቤተክርስትያን ክኸውን የተሓሳስብ።
ኣብ ጥቅምቲ፡ ጸሓፊት ፕረስ ዋይት ሃውስ ካሮሊን ሊቪት፡ እቶም ተወላዲ ቺካጐ ዝዀኑ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት እትገብሮ ዘላ ኣተሓሕዛ "ኢሰብኣዊ" ምዃኑን ምስቲ "ንህይወት ዝድግፍ" እምነት ዘይቃዶን እዩ ዝብል ዘቕረብዎ ወቐሳ ነጺጋቶ።
ጊብሰን ከም ዝገለጾ፡ እቲ መንግስቲ "ንሪፓብሊካውያንን ንትራምፕን ዝድግፉ እዅል ቍጽሪ ዘለዎም ኣመሪካውያን ብፍላይ ጸዓዱ ኣመሪካውያን ካቶሊክ ከም ዘለዉን፡ ኣብ መወዳእታ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዝግበር ክርክር ክዕወት ከምዝኽእልን ፖለቲካዊ መኽሰብ ከም ዘለዎን እዩ ዝኣምን ነይሩ፤ እዚ ቅማረ ግን ክግመት ኣይከኣልን" ክብል ዘይቅኑዕ ምዃኑ ይምጕት።
ዳርጋ 60% ጸዓዱ ካቶሊካውያን፡ ንኣተሓሕዛ ትራምፕ ንጉዳይ ስደተኛታት ከም ዝድግፉ፡ መጽናዕቲ ትካል ምርምር ህዝባዊ ሃይማኖት ይሕብር።
ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ጀይዲ ቫንስ ካቶሊካዊ እምነቱ ኣብ ፖለቲካኡ ብኸመይ ከም ዝጸለዎ ብግልጺ ክዛረብ ጸኒሑ እዩ።
እቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ሓይልን ተፈላጥነትን የማናውያን ካቶሊክ ኣብ ፖለቲካ፡ ጀይ ዲ ቫንስ ሃይማኖታዊ እምነቱ ንፖለቲካዊ ህይወቱ ብኸመይ ከምዝቐርጾ መርኣያ እዩ። ንሱ፡ ህሉው ፖሊሲ እታ ሃገር ምስ ኣስተምህሮታት እታ ቤተ ክርስቲያን ዘይጋጮ ምዃኑ'ኳ እንተ ተማጐተ፡ ንሰብኣውነት እቶም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣብታ ሃገር ዘለዉ ሰባት ናይ ምዝካር ሓላፍነት ከምዘለዎም ግን ገሊጹ።
ገለ ካቶሊካውያን ግን እቲ ሓቂ ኣብ ባይታ ከምኡ ኣይኰነን ይብሉ። ጂን ራተንበሪ ኣብ ቺካጎ ኣብ ዝርከብ ካቶሊካዊ ቤተክርስትያን ቅዱስ ገርትሩድ ኣማኒት እያ። እታ ከተማ ድማ ቀንዲ ግዳይ ናይቲ ብምምሕዳር ትራምፕ ዝትግበር ዘሎ ስጕምቲ ኣንጻር ስደተኛታት ኰይና ዘላ እያ።
ኣብ ሕዳር፡ ወይዘሮ ራተንበሪ ኣብ ከባቢ ብሮድቪው ኣብ ዝርከብ መዳጐኒ ማእከል ICE ቺካጎ ኣብ ዝተኻየደ ኣሽሓት ዝተሳተፍዎ ስርዓተ ቅዳሰ ተሳቲፋ ነይራ።
እቲ "ህዝባዊ ቅዳሰ" ሓደ ካብቲ ብጥምረት መንፈሳውን ህዝባውን መሪሕነት (CSPL) ዝተወደበ ተኸታታሊ ስርዓታት እዩ ነይሩ።
እቲ ዕላማ "ኣብኡ ንዝርከቡ ሰባት ናብ ቁርባን ንምምጻእን መንፈሳዊ ኣገልግሎት ንምሃብን እዩ ነይሩ፣ እዚ ቅድሚ ሕጂ ዝውቱር'ኳ እንተነበረ፡ ሕጂ ግን ከምዝተኸልከለ" ተብርህ።
ኣብዚ እዋን ሲኤስፒኤል ከምቲ ዝድለ ሃይማኖታዊ ኣገልግሎት ንኸይህብ ተኸልኪለ ብምባል ክሲ መስሪቱ ኣሎ።
"ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን፣ ካብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክሳብ ተራ ካህናት ስደተኛታት ብኣኽብሮት ክትሓዙ መሰል ኣለዎም ኢላ እያ እትኣምን፣ በዚ ድማ ካቶሊክ ብምዃነይ ሕብንቲ እየ፤ ባህርያዊ ሰብኣዊ መሰሎም ክኽበር ኣለዎ" ትብል ወይዘሮ ራተንበሪ።
ብዙሓት ኣመሪካውያን ካቶሊክ፡ ኣብ ከም ምንጻል ጥንሲ ዝኣመሰሉ ጉዳያት ዓቃባዊ መርገጺታት ዝሓዙ ኰይኖም፡ ብማዕረኡ ድማ፡ ልዕሊ'ቶም ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ መረጻታት ብዓብላልነት ንሪፓብሊካን ድምጾም ዝሃቡ ወንጌላውያን ክርስትያናት ንነብሶም ከም ገስገስቲ ገይሮም ይቘጽሩ።
ብኣንጻሩ ኣስታት ሓደ ሲሶ ጸዓዱ ካቶሊካውያን ንዲሞክራስያዊ ሰልፊ ድምጾም ሂቦም እዮም።
ብተወሳኺ፡ ኣስታት ሓደ ሲሶ ካቶሊካውያን ኣመሪካ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝተወልዱ እዮም።
"እዛ ቤተክርስትያን ኣብ ስደተኛታት ዝተሃንጸት እያ፡" ይብል ደቪድ ጊብሰን። "ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣመሪካ ብመሰረቱ ስደተኛ ቤተክርስትያን እያ።"
ኣቕሽሽቲ ኣብ መዳጐኒ ቦታ ኢሊኖይ ንዝርከቡ ስደተኛታት ቁርባን ከይህቡ ከምዝተኸልከሉ ድማ ይሕብሩ።
'ንወንጌል ዝጻረር ተግባራት'
ጳጳስ ጆሴፍ ታይሰን - ካብ ያኪማ ክፍለ ግዝኣት ዋሽንግተን - ሓደ ካብቶም 216 ነቲ ንስደተኛታት ዝሕለቕ ፍሉይ መልእኽቲ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ካቶሊክ ኣመሪካ ዝደገፉ እዮም።
ነቲ መልእኽቲ፡ ሓሙሽተ ጳጳሳት ጥራይ ኣንጻሩ ከድምጹ እንከለዉ፣ ሰለስተ ድማ ድምጾም ዓቂቦም።
"ቤተክርስትያን ንስደተኛታት እትርእየሉ መንገዲ፡ ምስዚ ሕጂ ምምሕዳር ትራምፕ ሒዝዎ ዘሎ ፖሊሲ ስደተኛታት መሰረታዊ ፍልልይ ኣለዎ።
"ኣብቶም ስደተኛታት ብዙሕ ኣወንታዊ ነገራት ንርኢ ኣለና።"
ጳጳስ ጆሴፍ፡ ንኽፉት ዶባት ከምዘይማጐቱ ይዛረቡ፤ ኣብዚ ዛዕባ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮ እውን ተመሳሳሊ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎም፡ "ኣልማማ ምስጓግ" ግን ከም ዝቃወሙ ይዛረቡ።
"እዚ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ምእመናን ህዝብናን ንርእዮ ዘለና ምስጓግ ዓይኒ ዘይብሉ ብኣልማም ምዃኑ፣ ንገበነኛታት ጥራይ ዒላማ ዝገበረ ኣይኰነን" ይብሉ እቶም ጳጳስ።
ኣብታ ብብዝሒ ሂስፓኒሽ ዝነብሩላ ሃገረ ስብከቶም ኣስታት ፍርቂ ካብተን ስድራቤታት ብሰንኪ ዘለወን ፍቓድ ኢሚግሬሽን ኣብ ቅልውላው ምህላወን የመልክቱ።
መብዛሕትኦም እቶም ካህናት'ውን ስደተኛታት ብምዃኖም ቤተ ክርስቲያን ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታት ድኽመታት ተርኢ ኣላ።
ጳጳስ ታይሰን ልዕሊ ሓደ ሲሶ ካብቶም ዝሸሙዎም ኣቕሽሽቲ መንበሪ ፍቓድ ዘይተዋህቦም ኰይኖም፡ ብግዝያዊ ቪዛ ከም ዝነብሩን፣ እዚ መስርሕ ድማ ምስዚ ምምሕዳር ትራምፕ ኣውጺዎ ዘሎ ሓድሽ ሕጊ ውሕስነቶም ኣጠራጣሪ ገይርዎ ኣሎ።
"ዝዀነ ሰብ ወረቐቱ ክስረዝ ይኽእል'ዩ፣ ስለዚ ኣባላትና ኵሉ ግዜ ወረቓቕቶም ሒዞም ክኸዱ ይግደዱ።"
ጳጳስ ታይሰን፡ ሕጂ ዘሎ ፖሊሲ ኣመሪካ ኣንጻር ኣስተምህሮታት ካቶሊክ ምዃኑ ይምጕቱ።
"ኣብ ልዕሊ ንጹሃን ስደተኛታት ብዘይ ኣፈላላይ ምስጓግ ዝድግፉ ካቶሊካውያን ሕልናኦም ክሓቱ ይግባእ፤ ምስ ወንጌላዊ ህይወት ዘይቃዶ እዩ።"
ብዓይኒ ጀሰ ሮሜሮ ግን፡ ምስ ሰረት እምነት ካቶሊክ ዝጻረሩ ዘለዉ ጳጳሳት ኣመሪካን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን እዮም።
ንሱ፡ ዝዀነ ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ንጹር እዩ፤ ስደተኛታት እንተላይ እቶም ብሕጊ ዝነብሩ ንዅሉ ሕጊታት እታ ሃገር፡ ከኽብሩን ክሕልውዎ ከም ዘለዎም ንጹር ምዃኑ ይማጐት።
"ኣብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣመሪካ ዝያዳ ዘመናዊ፡ ሊበራላዊ፡ ገስጋሲ ኣረኣእያ ዘለዎም፣ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍትን ስነ መለኮትን ሰፊሕ ርድኢት ዘለዎም ጳጳሳት ኣለዉና።"
ሮሜሮ ንኽቕየሩ ከም ዝጽሊ ይዛረብ።
ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ንጳጳሳትን ከም መራሕቲ እምነት ክቕበሎም እንከሎ፡ "እዚ ማለት ግን ብውልቃዊ ርእይቶኦም ኵሉ ነገር ቅኑዕ እዩ ማለት ኣይኰነን፣ ሰባት እዮም ይብል።
"እቲ እንኮ ካብ ሓጢኣት ዝነጽሀ ሰብ የሱስ እዩ፤ ንሱ ፍጹም እዩ። ካልኦት ኵላትና፡ ንሓድሕድና ክንጽሊ ኣለና።"