ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ እትህብ ካልአይቲ ሃገር መን ትኸውን?

ባንዴራታት ስዑዲ፡ ኣመሪካ፡ ፓኪስታንን ግብጽን

እስራኤል ንሶማሊላንድ ወግዓዊ ኣፍልጦ ድሕሪ ምሃባ፡ ብዛዕባ መጻኢ እታ ሃገር፡ ሶማልያን እቲ ዞባን ዓበይቲ ሕቶታት ይለዓል ኣሎ።

ሶማልያ፡ ቱርኪ፡ ግብጺ፡ ጅቡቲ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ከምኡ'ውን ካልኦት ሃገራት ዓረብን ኣፍሪቃን ነቲ ስጉምቲ ብትሪ ይቃወምኦ ኣለዋ።

ብኣንጻሩ ሶማሊላንድ፡ ካልኦት ሃገራት እውን ንእስራኤል ስዒበን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ንኽወስዳ እናጸዓረት ትርከብ።

ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ዓብዲራሕማን መሓመድ ዓብደላሂ ብወገኑ፡ "ታሪኻዊ ህሞት" ክብል ነቲ ሓድሽ ሃንደበታዊ ምዕባለ ገሊጽዎ ኣሎ።

"ካልኦት ሃገራት ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ ክህባ እየን" ክብል'ውን ዘለዎ ተስፋ ኣሚቱ።

ይኹን'ምበር ተንተንቲ ሚድያን ፖለቲካን፡ ጽልዋ ስጉምቲ እስራኤል ኣብ'ቲ ዞባ ብዛዕባ ዘሕድሮ ጽልዋን፡ ካልኦት ሃገራት እውን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክወስዳ ድየን ኣብ ዝብል ዝተፈላለየ ግምት እናሃቡ ይርከቡ።

ኣብ ቀጻሊ እንታይ ይፍጠር?

ፕረዚደንት ሶማሊላንድ

ምንጪ ስእሊ, Somaliland Presidential Office

ሓንቲ ካብተን ኣብ ፖለቲካ ዓለም ሓያላት ሃገራትን መሻርኽቲ ኣመሪካን ዝዀነት እስራኤል ምስ ሶማሊላንድ ዘለዋ ርክብ ኣጠናኺራ ክትቅጽል ትጽቢት ይግበር።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንጃሚን ነታንያሁ ምስ ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ብቴሌፎን ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ፡ ንትራምፕ መልእኽቲ ከምዘመሓላልፍን ሶማሊላንድ ኣብ ስምምዓት ኣብርሃም ክትጽንበር ከምዝጽዕርን ኣፍሊጡ እዩ።

ሎሚ ናብ ኣመሪካ ኣትዩ ዘሎ ነታንያሁ፡ ምስ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ፍሎሪዳ ብምርኻብ ክዘራረብ'ዩ።

ነታንያሁ ኣብ 2025 ጥራይ ንሓሙሻይ ግዜ እዩ ናብ ኣመሪካ ዝገይሽ ዘሎ። ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ክዘራረቡ ትጽቢት ይግበር።

ትራምፕ፡ መሻርኽቱ ነታንያሁ ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ ምሃቡ ስዒቡ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ዝወስድ እንተዀይኑ ምስ ተሓተተ፡ "ነቲ ኵነታት ነጽንዖ ኣለና" ዝብል ምላሽ እዩ ሂቡ።

ገለ ጸብጻባት ከም ዝሕብርዎ፡ ብርክት ዝበላ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ምዕራብን ዓረብን ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ ክህባ ይኽእላ እየን።

ዓባይ ብሪጣንያ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን ካብዘን ሃገራት ከምዝዀና ይግመት።

ቢቢሲ ግን ነዚ ከረጋግጽ ኣይከኣለን።

መርገጺ ኢትዮጵያ

መራሕቲ ሶማልያን ቱርኪን ሰላምታ እናተለዋወጡ፡ ብየማን ድማ መራሒ ሶማሊላንድ ነበር ምስ ኣቢይ ኣሕመድ ዝፈረምሉ ሰነዳት እናተረኻኸቡ
መግለጺ ስእሊ, ኣቢይ ኣሕመድ ምስ መራሒ ሶማሊላንድ ነበር ዝፈረሞ ስምምዕ ምስ ሞቓድሾ ናብ ወጥሪ ብምእታዉ ብመንጎኝነት ቱርኪ ዝምድናታቶም ናብ ንቡር ከምዝተመልሰ ይዝከር
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ንግዳዊን ጸጥታውን ርክብ ኣለዋ።

ዋላ እኳ ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ እንተዘይሃበት፡ ክልቲአን ወገናት ኣብ ሃርጌሳን ኣዲስ ኣበባን ቆንስላዊ ቤት ጽሕፈታት ኣለወን።

ኣብ መጀመርታ 2024 ብፕረዚደንት ሶማሊላንድ ነበር ሙሴ ቢሂን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድን ዝተኸተመ ስምምዕ ንሶማልያ ኣቖጢዑ ምንባሩ ይዝከር። እቲ ስምምዕ ግን ዛጊት ፍረ ኣይፈረየን።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ፡ ኢትዮጵያ "ብዝዀነ ይኸዉን ዋጋ" ኣፍደገ ባሕሪ ከምእትረክብ ብተደጋጋሚ ቃል ኣትዩ እዩ።

"ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ናይ ሓባር ረብሓን ዝምድናን ኣለወን። ምናልባት ሶማሊላንድ ነዚ ዝምድና ተጠቂማ ኣፍልጦ ክትረክብ ትኽእል እያ። ሶማሊላንድ ካብ ካልኦት ሃገራት ኣፍልጦ ክትረክብ ምስ ጀመረት ነዚ ጉዳይ ኣብ ግምት ከተእቱ ትጽቢት እገብር" ክብል ክኢላ ሕጊ ሶማሊላንድን ተንታኒ ፖለቲካን ጉሌድ ዳፋቅ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ኣብ 2004 ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነበር መለስ ዜናዊ ምስ ኣባል ባይቶ ብሪጣንያ ሎርድ ዴቪድ ትሪስማን ኣብ ዝገበሮ ወግዒ፡ "ኢትዮጵያ ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ ዝሃበት ቀዳመይቲ ሃገር ኣይክትከውንን እያ። ግን ድማ ሳልሳይ እውን ኣይክትከውንን እያ" ክብል ገሊጹ ነይሩ።

መለስ ነዚ ከምዝበለ፡ ትሪስማን ኣብ 2010 ኣብ ቻታም ሃውስ (ለንደን) ኣብ ዘስምዖ መደረ እዩ ዕላዊ ገይሩ። ነፍስሄር መለስ፡ ኢትዮጵያ ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ ዝሃበት ካልአይቲ ሃገር ንምግባር መደብ ከምዝነበሮ ዘመልክት እዩ።

ኢትዮጵያ ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ሶማሊላንድ "ኣዝያ ኣገዳሲትን ኣፍልጦ ክትህብ እትኽእልን" ምዃና ጉሌድ ይጠቅስ።

ብኻልእ ወገን ድማ በዓል ስልጣን ሶማልያ ነበርን ተንታኒ ፖለቲካን መሓመድ ሙኽታር እቲ ኵነታት ንሶማልያ ሓደገኛ እዩ ይብል።

"ኢትዮጵያ ይኹን ካልእ ሃገር ኣፍልጦ ምሃብ ንሶማልያ ዓቢ ስግኣት'ዩ።"

እስራኤል ንሶማሊላንድ ከም ልኡላዊትን ናጻን ሃገር ኣፍልጦ ምሃባ ስዒቡ፡ ኢትዮጵያ ክሳብ ሕጂ ኣብዚ ጉዳይ ዝዀነ መግለጺ ዘይምሃባ ኣቓልቦ ስሒቡ ይርከብ።

ጅቡቲን ኤርትራን ንውሳነ እስራኤል ክቃወማ እንከለዋ፡ ነቲ ዞባን ንሶማልያን ወሰንቲ ሓይልታት ዝዀና ኢትዮጵያን ኬንያን ድማ ነቲ ኵነታት ብስቕታ ዝዕዘባኦ ዘለዋ ይመስላ።

ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ ምሃብ ኣብቲ ዞባ እንታይ ከስዕብ ይኽእል?

ተንታኒ ፖለቲካ ጉሌድ መጻኢ ቀርኒ ኣፍሪቃን ምብራቕ ኣፍሪቃን ኣብ ኣፍልጦ ሶማሊላንድ ክምርኮስ ከምዝኽእል ይዛረብ።

ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ እንተተዋሂቡ፡ ኣብቲ ዞባ ሓዳስ ተዋሳኢት ፖለቲካ ናብቲ መድረኽ ትጽንበር ኣላ ማለት እዩ ድ ማይብል።

"እቲ ኣፍልጦ ንሶማሊላንድ ክብ ዘብል እዩ። ንነዊሕ ዓመታት ተረሲዑ ዝጸንሐ ድምጺ ሶማሊላንድ ኣብ ግምት ክኣቱ ክጅምር'ዩ"።

መሓመድ ሙኽታር ብወገኑ ኣብ መንጎ መንግስታት ዝካየድ ንሕንሕን ንጥፈታት ካልኦት ፖለቲካዊ ሓይልታት እቲ ዞባን ልዑል ጽልዋ ከምዘስዕብ ይዛረብ።

"እቲ ዞባ ንሕንሕ እናበዝሖ ይኸይድ ኣሎ። ንዓለምለኻዊ ንግዲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ቦታ እዩ። ሶማልያ ትፈላለ ወይ ሓድነት ይሃልዋ ኣብቲ ዞባ ልዑል ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል'ዩ"።