እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ስለምንታይ ኣፍሪቃውያን ንመረጻ ቱርኪ ብዕቱብ ይከታተልዎ ኣለው?
ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት ጽልዋ ቱርኪ ኣብ ኣፍሪቃ ኣዝዩ እናዓበየ’ዩ መጺኡ።
እቲ መጻኢ ሰንበት ዕውት ምዃኑ ዝፍለጥ ፕረዚደንት ግን እቲ ዝቕጽል ምሕዝነት ናበይ ከቕንዕ ከም ዘለዎ ዝውስን ክኸውን እዩ።
ረሲፕ ጣይብ ኤርዶጋን ቅድሚ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ፈለማ ከም ቀዳማይ ሚኒስተር ቀጺሉ ድማ ከም ፕረዚደንት ኣብ ቱርኪ ስልጣን ካብ ዝሕዝ ጀሚሩ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዎ ተገዳስነት እናወሰኸ ክመጽእ ተራእዩ እዩ።
ኣብዚ ኣህጉር፡ ሰፋሕቲ ቁጠባዊ፡ ወተሃደራውን ዲፕሎማስያውን ዕድላት ምህላዎም ርእዩ።
ሕጂ፡ እቲ ኣብ መንጐ ኣንካራን እታ ኣህጉርን ዘሎ ምትእስሳር ግን ዝያዳ ክሕይል ዝኽእል እቲ ፕረዚደንት ዳግማይ ምስ ዝምረጽ ጥራይ እዩ።
መነሓንሕቱ መራሒ ህዝባዊ ሰልፊ ሪፓብሊካን ከማል ኪሊችዳሮግሉ፡ ኣዒንቱ ናብ ኣውሮጳን ምዕራብን ስለ ዝዀነ፡ ንኣፍሪቃ ቀዳምነት ናይ ምሃብ ተኽእሎኡ ኣዝዩ ትሑት እዩ።
ኣብ ኣንካራ ሓላፊ ቢሮ ሁሪየት ደይሊ ኒውስን ክኢላ ፖሊሲ ወጻኢ ቱርኪን ሰርካን ደሚርታስ “ኪሊችዳሮግሉ ምስ ምዕራባውያን ሃገራት ዘሎ ዝምድና ዳግማይ ምምሕያሽ ከም ዘድልዮ ከም ዘድሊ ኣስሚሩሉን መስርሕ ምጽንባር ናብ ሕብረት ኣውሮጳ ዳግማይ ንምትንሳእ ክጽዕር ምዃኑን ገሊጹ እዩ” ይብል።
“ንሱ፡ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ኣብ ፖሊሲ ወጻኢ ክመጽእ ናይ 180 ዲግሪ ምቅይያር ትጽቢት ከም ዝግበረሉ ከይተረፈ ገሊጹ። እዚ ለውጢ ምስ ወሰንቲ ሃገራት ዓለም ኣብ ዝግበር ዝምድናታት ብኸመይ ከም ዝጸልዎ ግን ብዝርዝር ኣየቐመጠን” ክብል የረድእ።
ይዅን እምበር፡ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ቱርኪ ኢሴ ጎክሰደፍ፡ ቱርኪ ኣብ ልዕሊ እታ ኣህጉር ዘለዋ ፖሊሲ ወጻኢ ዳግመ ግምት ንኽትገብረሉ ገለ ግዜ ክወስድ ምዃኑ ይሕብር።
ስለዚ፡ ነዚ ሓድሽ ዝምድና ኣብ ግምት ብምእታው፡ መሰረታዊ ለውጢ ክገብር ተኽእሎ የለን።
ዝምድና ቱርኪን ኣፍሪቃን መዓስ እዩ ጀሚሩ?
ዘርኢ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት እናዓበየ ዝመጽአ ዝምድና ኣፍሪቃን ቱርኪን ኤርዶጋን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ዝነበረሉ እዋን’ዩ ተተኺሉ።
እዚ ድማ፡ ኣብ 2003 [ኣ. ኤ] ይጅምር።
ኣብቲ እዋን፡ ኤርዶጋን ኣብዚ ኣህጉር ዘሎ ቍጠባዊ ጸጋ ርእዩ።
"ኣብ መጀመርታ 2000ታት፡ ቁጠባ ቱርኪ ቀጻሊ ዕብየት የርኢ ስለ ዝነበረ ዕዳጋታት ይደሊ ነይሩ። ልዕሊ 50 ሃገራትን ልዕሊ 1.2 ቢልዮን ህዝብን ዘለዎ ዕዳጋ ድማ፡ ንቱርካውያን ነጋዶ ዓቢይ ዕድላት እዩ ዝህብ” ይብል ክኢላ ፖሊሲ ወጻኢ ደሚርታስ።
ካብ 2003 ክሳብ 2021 ኣብ ዘሎ ግዜ ድማ ዓመታዊ ምልውዋጥ ንግዲ ቱርኪን ኣፍሪቃን ካብ 5.4 ቢልዮን ዶላር ናብ 34.5 ቢልዮን ዶላር ከም ዝዓበየ ካብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቱርኪ ዝተረኽበ ኣሃዛት ይሕብር።
እዚ፡ ብብዝሒ ኬሚካላት፡ ሓጺንን እኽልን ዝመርሖ ንግዳዊ ምምልውዋጥ ምዃኑ ይፍለጥ።
ቱርካውያን፡ ምስ ኣፍሪቃ ዘለዎም ርክብ ኣብ ምምዝማዝ ዝተሞርኰሰ ዝምድና ኣይኰነን ዝብል ጐሊሑ ከርኣይ ድልየት ኣለዎም።
ኣብ 2013 ድማ ናይ ሽዑ ቀዳማይ ሚኒስተር ኤርዶጋን ኣብ ጋቦን ኣብ ዝገበሮ ዑደት "ኣፍሪቃ ናይ ኣፍሪቃውያን እያ፤ ንሕና ወርቅኹም ደሊና ኣይኰንናን ናብዚ መጺእና” ኢሉ።
ወተሃደራዊ ረብሓታትከ?
“ዲፕሎማሲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ” ተባሂሎም ዝጽውዑ ውዕላት ኣጽዋር ኣንካራ ገንዘብ ትረኽበሎም ዘላ ምዃኖም ግልጺ እዩ።
በዚ፡ ቱርኪ ኣብ ሊብያ፡ ኣርመንያን ዩክረይንን ዝነበራ መኽሰብ ምስ ኣረጋገጸት ባይራክታር ቲቢ-2 ዝተባህላ ድሮናት (ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ) ነቶም ምዕራብ ኣፍሪቃ ኣብ ዞባ ሳሕል ዝንቀሳቐሱ ጅሃዳውያን ጕጅለታት ዒላማ ንምግባር ወሰንቲ ኣጽዋራት እየን ብምባል ብብዝሒ ንኣፍሪቃ ተቕርበን ኣላ።
ኣብዚ ዓመት ወርሒ መጋቢት፡ 12 ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ማሊ ርእሰ ከተማ ማሊ ባማኮ ኣትየን እየን።
መራሒ ጁንታ ማሊ ኮሎኔል ኣሲሚ ጐይታን ብርክት ዝበሉ ዲፕሎማሰኛታት ቱርኪን ኣብ ዝተረኽብሉ፡ ሚኒስተር ምክልኻል ማሊ፡ ነቲ ሓድሽ ኣጽዋር “መጥቃዕቲ መዳፍዕን ኣየርን ዝያዳ ዒላማኡ ከይስሕት ክሕግዙ ይኽእሉ እዮም” ብምባል ብሓጐስ ከም ዝተቐበሎም ይዝከር።
ካብ ማሊ ብዝሰገረ፡ ቱርኪ ንሃገራት ቡርኪናፋሶ፡ ቶጎን ኒጀርን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ሸይጣ - እዘን ኣርባዕተ ሃገራት ሳሕል ድማ ኣብቲ ዞባ ንዘለው እስላማውያን ዕጡቓት ንምምካት ላሕ ይብላ ኣለዋ።
ብተወሳኺ፡ ቱርኪ ምስታ ክሳብ ቀረባ እዋን ብእስላማዊ መጥቃዕቲ ከይተተንከፈት ዝጸንሐት፤ ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን መጥቃዕትን ምትእትታዋትን ተአንግድ ዘላ ቤኒን እውን ኣብ ዝርርብ ተጸሚዳ ኣላ።
ሞሮኮ፡ ቱኒዝያ፡ ኢትዮጵያ፡ ናይጀርያን ሶማልያን’ውን ፍሉጣት ዓማዊል ናይተን ብቱርኪ ዝፈርያ ዕጡቓት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ እየን።
ቻይና፡ ኣብዚ ኣህጉር ዘሎ ዕዳጋ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ክትዕብልሎ እንከላ፡ ቱርኪ ግን ኣብ ዝሓጸረ እዋን ክቐርብ ዝኽእል ዝያዳ ርትዓዊ ኣማራጺ ትህብ።
ቱርኪ ካልእ ወተሃደራዊ ሃርድዌር እውን ተቕርብ እያ። ።
ድሩዓትን ነተጉቲ ዝጸርጋን መካይን፡ ስርዓታት ሴንሰርን ምክትታልን ከምኡ’ውን ጠበንጃታት፡ ኣካል ናይቲ ቱርኪ ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝፈረመቶ ብዙሕ ስምምዓት ኣጽዋር’ዮም።
ብመሰረት ጸብጻብ ትካል ኣህጉራውን ጸጥታውን ጉዳያት ጀርመን፡ ብድምር 30 ሃገራት ኣፍሪቃ ምስ ቱርኪ ምስ ጸጥታ ዝተኣሳሰር ስምምዕ ኣለወን - ካብዚአን እተን 21 ኣብ 2017 ዝጸደቓ እየን።
ኣንካራ ኣብ ተበግሶታት ጸረ-ሽበራ ምሉእ ወፍሪ ካብ ምግባር ሓሊፋ፡ ንከም ናይጀርያ፡ ሞሪታንያን ኒጀርን ዝኣመሰላ ሃገራት እትህቦ ሰብኣዊ ሓገዝ’ውን ኣዕብያቶ ኣላ።
እቲ ዲፕሎማሲ ብኸመይ ተቐይሩ?
ካብ ወተሃደራውን ንግዳውን ስምምዓት ወጻእ፡ ኤርዶጋን ንርክብ ቱርኪን ኣፍሪቃን ንምድልዳል ኣዝዩ ንጡፍ ኰይኑ ጸኒሑ እዩ።
ኣብ 2005 ቱርኪ ናብ ተራ ስትራተጂካዊ መሻርኽቲ ቅድሚ ምድያባ ተዓዛቢት ኣባል ሕብረት ኣፍሪቃ ኰይና።
ቱርኪ ካብ 2014 ጀሚሩ ናብ ኣስታት 30 ሃገራት ኣፍሪቃ 50 ወግዓዊ ምብጻሕ ከም ዝገብረት ይግለጽ።
ፕረዚደንት ኤርዶጋን፡ ከምቲ ናብ ቻይና ወይ ጀርመን ዝኸዶ ኣርባዕተ ግዜ ናብ ሰኔጋል በጺሑ'ዩ።
ኣብ ዝኸዶ ሃገር ድማ ልኡኽ ንግዲ ሓቢርዎ ይኸይድ።
ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ኣገደስቲ ፕሮጀክታት ትሕተ ቕርጺ ንኩባኒያታት ቱርኪ ይወሃቦም።
ንኣብነት፡ ኣብ ዳካር መሐንበሲ ገንኢ ኦሎምፒክ ክወስዱ እንከለው፡ ኣብ ሩዋንዳ ዝርከብ ዝዓበየ ስታድየም ምብራቕ ኣፍሪቃ ኪጋሊ ኣሬና ይጥቀስ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ኡጋንዳ ምስ ሓደ ናብ ዶብ ኬንያ ዝወስድ መንገዲ ባቡር ንምህናጽ ዝመርሕ ዝነበረ ቻይናዊ ትካል ዝነበራ ውዕል ኣቋሪጻ ኣብ ክንድኡ ምስ ሓደ ቱርካዊ ኩባንያ ስምምዕ ክትገብር ትሓስብ ኣላ።
ኣብ ዋዕላታት ቱርኪ -ኣፍሪቃ፡ መራሕቲ ሃገራት እዚ ኣህጉራት ጽቡቕ ተሳትፎ ይገብሩ።
ብዝሒ ኤምባሲታት ቱርኪ ኣብ ኣፍሪቃ ምናልባት እታ ሃገር ኣብዚ ኣህጉር ዘለዋ ተሳትፎ ዝነግር ሓቂ ክኸውን ይኽእል’ዩ።
ኣብ መላእ ኣፍሪቃ 44 ኣለዋ - ኣሜሪካ 49፡ ፈረንሳ ድማ 46 ክህልወን እንከሎ፡ ቻይና 53 ቻይና ኤምባሲታት ኣለዋ።
ቱርኪ፡ ካልእ ንኣፍሪቃ እንታይ ትህብ ኣላ?
ቱርኪ ኣብታ ኣህጉር ዘለዋ ልስሉስ ሓይሊ’ውን ክተዕቢ ፈቲና እያ።
ነዚ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተኣርየ ምጅማር ቲ.ኣር.ቲ ኣፍሪቃ (TRT Afrika) መርኣያ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኰነን።
ብሮድካስት ቱርኪ ቲኣርቲ፡ ነዚ ዲጂታላዊ መድረኽ ዜና ብቋንቋታት ፈረንሳ፡ እንግሊዝ፡ ስዋሂሊን ሃውሳን ንምጅማር፡ ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ ሓያሎ ተወዳደርቲ ክስሕብ ክኢሉ’ዩ።
ምናልባት ግን እቲ ዝዓበየ ባህላዊ ጽልዋ ካብተን ኣብ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ - ካብ ኢትዮጵያ ክሳብ ሰኔጋል - ዓበይቲ ህቡባት ኰይነን ዘለዋ ሳሙናታት ቱርኪ ዝመጽእ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ኣብ ዙርያ ጸዓት ምስ ኣፍሪቃ ዘለዋ ርክብ ግን ብዙሕ ዝፍለጥ ኣይኰነን።
ድሕሪ ፕረዚደንታዊ ዑደት፡ ቱርካዊ ኩባንያ ካርፓወርሺፕ ኣብ መርከብ ዝስቀላ መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንሓያሎ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ፡ ከምኡ’ውን ዝሓለፈ ሰሙን ንደቡብ ኣፍሪቃ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምቕራብ ስምምዓት ፈሪሙ።
እዚኦም ኣብ ገማግም ባሕሪ ተዓሺጎም ብቐጥታ ናብ ሃገራዊ መስመር ተሰዂዖም፡ ኣብ ሓንቲ መርከብ ካብ 30 ሜጋዋት ክሳብ 470 ሜጋዋት ዝበጽሕ ጸዓት ዘመንጭው ክዀኑ እዮም።
ኤርዶጋን ኣብዚ ፕረዚደንታዊ መረጻ እንተተዓዊቱ ነዚ ዝምድና ክሃንጽ ትጽቢት ይግበር።
ዓወት ኪሊችዳሮግሉ ግን ንኣፍሪቃ ካብ ዝርዝር ቀዳምነታት ቱርኪ ክደፍኣ ይኽእል'ዩ።
እንተዀነ ከምዚ ዓይነት ዓሚቕን ኣታዊ ዘለዎን ምትእስሳር ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ዝዀነ ነገር ክገብር ተኽእሎ የብሉን።