እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኲናት ኢትዮጵያ ኣብ 2022 'እቲ ዝበዝሑ ሰባት ዝሞቱሉ ግጭት' ተባሂሉ
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ መላእ ዓለም ካብ ዘጋጠሙ ግጭታት፡ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ኲናት ዝለዓለ ቍጽሪ ሞት ከም ዝተመዝገቦ፡ ዝወጸ ሓድሽ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።
ዓለምለኻዊ ትካል ቍጠባን ሰላምን (Institute for Economics and Peace - IEP) ዘውጽኦ መጽናዕቲ ዓለማዊ መዐቀኒ ሰላም ከምዘመልክቶ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኢትዮጵያን ዩክረይንን ብሰንኪ ኲናት ዝሞቱ ሰባት ብዝለዓለ መጠን ወሲኹ’ሎ።
ብመሰረት እቲ ጸብጻብ ኣብ 2022 ጥራይ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ልዕሊ 100 ሽሕ ሰባት ሞይቶም።
እቲ ኲናት ብ23 ጥቅምቲ 2015 [ግእዝ] ኣብ መንጐ ፈደራል መንግስቲን ህወሓትን ድሕሪ ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም ከምዝተዛዘመ ዝዝከር ኰይኑ፡ ኣብ ሓደ ዓመት ዝወረደ ጉድኣት ጥራይ እዩ እቲ ጸብጻብ ዘመልክት።
ይዅን’ምበር ኣብቲ ኲናት ሓድሕድ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ሞይቶም ክዀኑ ከምዝኽእሉ ክግለጽ’ዩ ጸኒሑ።
እቲ ትካል መጽናዕቲ ዘውጽኦ ጸብጻብ ከምዘመልክቶ ኣብቲ ዝተጠቐሰ ዓመት ዝለዓለ ህልቂት ደቂ ሰባት ዘስዓበ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ጥራይ ህይወት ልዕሊ 104 ሽሕ ህዝቢ ክጠፍእ ምኽንያት ብምዃኑ፡ ኣብ ቅድሚት ተሰሪዑ ይርከብ።
ቀጺሉ፡ እቲ ዝለዓለ ቆላሕታ ዓለም ዝረኸበን ኣብ ዝሓለፈ ለካቲት ሓደ ዓመት ዝመልኦን ኲናት ዩክረይን ብውሕዱ 82 ሽሕ ሰባት ንሞት ከምዘቃልዐን ዓለምለኻዊ ትካል ቁጠባን ሰላምን (Institute for Economics and Peace - IEP) ኣብ መጽናዕቱ ኣመልኪቱ’ሎ።
ብሰንኪ እዞም ክልተ ደማዊ ኲናት ድማ፡ ካብቲ ኣዝዩ ዝለዓለ ብዝሒ ዘለዎ ህዝቢ ሃሊቁሉ ዝበሃልን ኣብ 1994 ኣብ ሩዋንዳ ዘጋጠመን ምጽናት ዓሌት ንደሓር፡ ዓመተ 2022 ብሰንኪ ውግእ ብዙሓት ሰባት ዝሞቱላ ዓመት ኰይና ከምዝተመዝገበት እቲ ትካል ይገልጽ።
በዚ ምኽንያት ድማ ኣብ 2022 ኣብ ኲናት ትግራይን ኩናት ዩክረይንን ሩስያን ዝሞቱ ሰባት ምስቲ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ ብዕጽፊ ከምዝውስኽ እቲ መጽናዕቲ ይሕብር።
ኣብዚ ጸብጻብ ቀሪቡ ዘሎ ቍጽሪ ብሰንኪ ግጭት ዝሞቱ ሰባት ካብቲ ኣብ ስዊድን ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ኣፕሳላ ዘካየዶ መጽናዕቲ ዝተመርኮሰ ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተወደበ ግጭታት 238 ሽሕ ሰባት ብምማቶም ድማ ቅድሚኡ ምስ ዝነበረ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ ቍፅሪ ግዳያት ሞት ብ96 ሚእታዊት ክዛይድ ይገብሮ።
ብሰንኪ ኣብ ኢትዮጵያን ዩክረይንን ዝተኻየዱ ኲናት ብዝሒ ዝሞቱ ሰባት ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝዀነ ኩርናዕ ዓለም ኣብ ዝተኻየደ ኲናት ዝሞቱ ብምንጽጻር ነቲ ዝለዓለ ኣሃዝ ይሽፍኑ።
ብተወሳኺ፡ እቶም ክልተ ኲናት፡ ድሕሪ ዝሑል ኲናት መንግስታት ዝተሳተፉሎም ደማዊ ውግኣት ምዃኖም እቲ ጸብጻብ ይሕብር።
ኣብ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝተዘርግሐ ኲናት ሓድሕድ፡ ልክዕ ኣብ ካልኣይ ዓመቱ ኣብ መንጐ ፈደራል መንግስቲን ህወሓትን ብዝተበፅሐ ስምምዕ ምቁራጽ ተዅሲ ከምዝተዛዘመ ይዝከር።
ኣብቲ ኲናት፡ ሰራዊት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ክልላዊ ሓይልታት፡ ሓይልታት ትግራይን ሰራዊት ኤርትራን ብዝሒ ሓይሊ ኣዋፊሮም ከምዝተዋግኡ ይፍለጥ።
ብሰንኪ እዚ ናይ ክልተ ዓመት ደማዊ ኲናት፡ ክሳብ ክንደይ ሰባት ከም ዝሞቱ ዝገልጽ ወግዓዊ ኣሃዝ እኳ እንተዘይሃለወ፡ ዝተፈላለዩ ኣካላት ግን ነቲ ቁጽሪ ካብ ፍርቂ ሚልዮን ክሳብ ሓደ ሚልዮን የብፅሕዎ።