እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሓይልታት ትግራይ ሓዊሱ ዕጡቓት ንምጥያስ ናይ ዝሰርሕ ትካል ሓላፊ ካብ መዝነቱ ወሪዱ
ኮምሽነር ኮምሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ ኣምባሳደር ተሾመ ቶጋ ‘‘ብውልቃዊ ምኽንያት’’ ብፍቓዱ ካብ ሓላፍነቱ ከምዝወረደ ተገሊጹ፡፡
ኣብ ክንድኡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣማኻሪ ፖሊሲ ወጻኢ ንዝነበረ ኣቶ ተመስገን ጥላሁን ከምዝተከኦ እቲ ኮምሽን ኣፍሊጡ፡፡
ምክትል ኮምሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ዝነበረ ዶ/ር ኣትንኩት መዝገበ እውን ብኣቶ ተስፋኣለም ይሕደጎ ተተኪኡ ኣሎ፡፡
ቅድም ክብል ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝብን ዲፕሎማትን ዝነበረ ኣምባሳደር ተሾመ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ጥሪ 2015 ኣግ እዩ ነቲ ኮምሽን ክመርሕ ተሸይሙ ነይሩ፡፡
ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት፡ ነቶም ነበር ተዋጋእቲ ንምጥያስ ካብ ለገስቲ ኣካላት ገንዘብ ንምርካብ እናሰርሐ ጸኒሑ፡፡
ኮይኑ ግና ብመንጽር ነቲ መደብ ንፍጻም ዘድሊ ገንዘብ፡ ዝጠቅም ሓገዝ ምርካብ ከምዘይተኽኣለ ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ዝፈልጡ ኣካላት ይገልጹ፡፡
ኣብ ሸውዓተ ክልላት ንዝርከቡ 371 ሽሕን 971 ነበር ተዋጋእቲ ንምጥያስ ልዕሊ 760 ሚልዮን ዶላር ከምዘድሊ እቲ ኮምሽን ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ገሊጹ ነይሩ፡፡
እቲ ኮምሽን ኣብ መጀመርታ ዙር 75 ሽሕ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ከምዘጣይስ እውን ኣፍሊጡ፡፡
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ብዘውጸኦ ደንቢ ዝተጣየሰ ኮምሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ናይ ስራሕ እዋኑ ክዛዘም ሸሞንተ ኣዋርሕ ጥራሕ እዩ ተሪፍዎ፡፡
ብመሰረት እቲ ደንቢ፡ ጻንሒት ስራሕ እቲ ኮምሽን ክልተ ዓመት ኮይኑ፡ ከም ኣድላይነቱ ብቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ክናዋሕ ይኽእል፡፡
ዋላኳ ዕድመ እቲ ኮምሽን ከብቅዕ ቀሪቡ እንተሃለወ፡ እቲ መደብ ድሕሪ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ሰነ 2016 ኣግ ከምዝጅመርን ንክልተ ዓመት ከምዝጸንሕን ዕላዊ ገይሩ ነይሩ፡፡
እቲ ኮምሽን ኣብዚ መጻብብ ኣብ ዝኣተወሉ እዩ ኣምባሳደር ተሾመ ካብ ሓላፍነቱ ወሪዱ ዘሎ፡፡
ነዚ ኣመልኪቱ እቲ ትካል ኣብ ዕላዊ ናይ ፌስቡክ ገጹ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣምባሳደር ተሾመ ‘‘ ብውልቃዊ ምኽንያት ብኮምሽነርነት ንዘይምቕጻል ብዘቕረቦ ሕቶ መሰረት፡ ሕቶኡ ቁቡልነት ረኺቡ ካብ 3 መጋቢት ጀሚሩ ለቒቑ ኣሎ’’ ኢሉ፡፡
ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣማኻሪ ፖሊሲ ወጻኢ ዝነበረ ኣቶ ተመስገን ጥላሁን ካብ ሓሙስ 13 መጋቢት 2016 ኣግ ጀሚሩ ኣብቲ ሓላፍነት ከምዝተሸመ እውን ገሊጹ፡፡
ኣምባሳደር ተሾመ ቶጋ ኣብ ቤልጅምን ቻይናን ኣምባሳደር ኮይኑ ኣገልጊሉ እዩ፡፡
ብመሰረት መጣየሺ ደንቢ ናይቲ ኮምሽን፡ ኮምሽነርን ምክትሉን ብቀዳማይ ሚኒስተር እዮም ዝሽየሙ፡፡