ሽዱሽተ ግዜ ሻምፕዮን ኦሎምፒክ ዝኾነ ክሪስ መንሽሮ ከም ዝሓመመ ሓቢሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንሽዱሽተ ግዜ ናይ ብሽክለታ ኦሎምፒክ ዕውት ሰር ክሪስ ሆይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መንሽሮ ከም ዘለዎ ድሕሪ ምግላጹ፡ " ብፍቕሪ ዝተኸበብኩ ብሩህን ኣወንታውን እየ” ክብል ተዛሪቡ።
እቲ ወዲ 47 ዓመት ተቐዳዳመይ ብሽክለታ ብሪጣንያዊ፡ “ እቲ ንሕማም መንሽሮ ዝወሃበኒ ኬሞተራፒ ኣዝዩ ጽቡቕ እዩ ዝኸይድ ዘሎ” ክብል ኣብ ኢንስታግራም ጽሒፉ።
ኣስዒቡ እውን፡ "ብቐጻሊ እሰርሕ፡ ብሽክለታ ተወጢሐ እንቀሳቐስ፡ ብሓጺሩ ንቡር ህይወተይ እመርሕ ኣለኹ" ኢሉ ።
ሆይ ካብ 2004 ክሳብ 2012 ኣብ ዝነበረ ግዜ ሽዱሽተ ወርቂ መዳልያ ኦሎምፒክ ተዓዊቱ ።
እቲ ን11 ግዜ ሻምፕዮን ዓለም ከምኡ እውን ኣብ መላእ ዓለም ካልኣይ ብስልማት ዝወቀበ ኦሎምፒካዊ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ እስኮትላንዳዊ ሮይ፡ እቲ ሕማሙ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ምልክት ሃንደበት ዱብ ምባሉ ዓብዪ ስምባደ ከምዝፈጠረሉ ገሊጹ ።
እቲ መንሽሮ እንታይ ምዃኑ ኣይገለጸን። "ምእንቲ ስድራ ቤተይ ክብል ነቲ ዝርዝር ክዕቅቦ ሓሊነ ነይረ፡ እቲ ኹነታት ግን ንኽዛረበሉ ደሪኹኒ። ስለዝኾነ ንኹሉ ዝተገብረለይ ህዝባዊ ደገፍ ኣዝየ እናመስገንኩ ነዚ ጉዳይ ጥዕናይ ብሕትው ኢለ ክርእዮን ክገጥሞን እመርጽ ክብል ተዛሪቡ።
"ኣወንታዊ ኣረኣእያ እዩ ዘሎኒ፥ ብፍቕሪ እተኸበብኩ ሰብ እየ። እዘን ዝሓለፋ ሒደት ኣዋርሕ፡ ኣዝየን ከቢደናኒ ነይረን። ይኹን እምበር፡ ኣብዚ እዋን እዚ ጽቡቕ ይስምዓኒ ኣሎ።
"ኣብ ዝመጽእ ሓምለ ኣብ ፓሪስ ዝካየድ ኦሎምፒክ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ዝቕጽል ኩሉ ውድድራት ክሳተፍን ምሳኹም ክሕጎስን እፈቱ" ኢሉ ።
ሆይ፡ ቅድሚ እቲ ኣብ 2008 ኣብ በይጂንግ ኣብ ዝተኻየደ ሰለስተ ወርቂ መዳልያን ኣብ 2012 ኣብ ለንደን ዝረኸቦ ክልተ ወርቂ መዳልያ ኣብ 2000 ኣብ ኦሎምፒክ ሲድኒ ናይ ቲም ስፕሪንት ብሩር፡ ኣብ 2004 ኣብ ኣቴንስ ኣብ ዝተኻየደ ናይ 1 ኪሜ ናይ ግዜ ፈተነ ከኣ ወርቂ መዳልያ ተዓዊቱ።
እቲ ኣበ 2013 ካብ ውድድር ብሽክለታ ጥሮታ ዝወጽአ ሮይ፣ ኣብ ኣርባዕተ መደባት 17 ዓለምለኻዊ ዋንጫታት ብምምዝጋብ ካብ ኵሉ እዋን ንላዕሊ ዕዉት ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ንክኸውን ኣኽኢሉዎ እዩ።
እቲ ኣብ 2009 ሰር ዝተባህለ ሸውዓተ ወርቂ መዳልያ ዝረኸበ ሰር ጄሰን ኬኒ ጥራይ እዩ ንሆይ ዝቕድሞ።
ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ሆይ ከም ናይ ቢቢሲ ናይ ብሽክለታ ውድድር ስፖርት ተንታንን ወሃብ ሞያዊ ርእይቶን ኰይኑ የበርክት ኣሎ።
ኣብ ኤክስ (ናይ ቀደም ትዊተር) ናይ ብሪጣንያ ሳይክሊስት፡ " ናይ ብሪጣንያ ሳይክሊን ቤተሰብ ንዓኻን ንስድራቤትካን ክሪስ ፍቕሩን ብሉጽ ትምኒቱን ይልእኽ፡ ምሕረት የውርደልካ " ይብሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







