ሰሜን ኮርያ ኣብ 2024 ተወሳኺ ሳተላይት ስለያ ክትውንጭፍ’ያ

ምንጪ ስእሊ, REUTERS
ሰሜን ኮርያ ኣብ 2024 ተወሳኺ ሰለስተ ሳተላይታት ስለያ ንምውንጫፍ መደብ ከምዘለዋ ኣፍሊጣ።
እታ ሃገር ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝወንጨፈታ ሳተላይት፡ ኣሳእል ወተሃደራዊ መዓስከራት ኣመሪካን ደቡብ ኮርያን ከም ዝወሰደት ኣፍሊጣ’ያ።
ኪም ዮንግ ኡን ኣብ መወዳእታ ዓመት ኣኼባ ሰልፊ ሰራሕተኛታት ሰሜን ኮርያ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ምስ ደቡብ ኮርያ ናይ ምውህሃድ ኣማራጺ ድሕሪ ሕጂ ተግባራዊ ከምዘይኰነ ገሊጹ።
ጎረቤት ሃገር ደቡብ ኮርያ ንሰሜን ኮርያ ከም ጸላኢት ሃገር እያ እትቘጽራ ክብል’ውን ተሰሚዑ።
ክልቲአን ኮርያታት ንምውህሃድ ጭቡጥ ስጕምቲ ተወሲዱ’ኳ እንተዘይፈልጥ፡ ምስ ደቡብ ኮርያ ናይ ዕርቂ ኣማራጺ የለን ምባሉ መርገጺ ሃገሩ ዘንጸባርቕ ሓያል መግለጺ ተገይሩ ተወሲዱ ኣሎ።
ዝምድና ክልቲኤን ኮርያታት ምስ ግዜ ብወጥሪ እናተመልአ’ዩ ዝመጽእ ዘሎ። ሰሜን ኮርያ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሳተላይት ስለላ ምውንጫፋ፡ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ወተሃደራዊ ወጥሪ ንምንካይ ዝተበጽሐ ስምምዕ ዝጥሕስ ምዃኑ ይንገር።
ሰሜን ኮርያ ኣብ 2023 ዝተፈላለዩ ዓይነታት ሚሳይላት ክትፍትን ጸኒሓ እያ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ንእገዳ ሕቡራት ሃገራት ብምጥሓስ፡ ብቴክኖሎጂ ዝማዕበለ ናይ ነዊሕ ርሕቀት ባሊስቲክ ሚሳይላ ከምዝፈተነት ይፍለጥ።
እዚ ንከተማታት ሰሜን ኣመሪካ ክሃርም ዝኽእል ፈተነ ሚሳይል ንምዕራባውያን ኣዝዩ ኣቘጢዑ’ዩ።
ብኻልእ ወገን ደቡብ ኮርያ ምስ ኣመሪካ ዝገበረቶ ወተሃደራዊ ምትሕብባር ንሰሜን ኮርያ ኣየሐጐሰን። ኣብዚ ቀረባ እዋን ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ዝዓጠቐት ሳብማሪን ኣመሪካ ናብ ግዝኣታዊ ማያት ክልቲአን ኮርያታት ተጸጊዓ’ያ።
ኪም ኣብ መደረኡ፡ "ጥንቃቐ ዘይብሉ ምንቅስቓስ ጸላኢ ኣብ ዝዀነ እዋን ኲናት ክለዓል ክገብር ይኽእል'ዩ" ክብል ኣብ ሃገራዊ መደበር ተሌቪዥን እታ ሃገር ሓቢሩ።
ኪም፡ 2024 ሃገሩ ዝያዳ ኣጽዋርን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲን እተፍርየሉ ከምኡ’ውን ሓይልታት ኒዩክለርን ሚሳይልን እተሐይለሉ ዓመት ከምዝኸውን’ዩ ዝገልጽ።
"ክመጽእ ዝኽእል ቅልውላው ኒዩክለር ብቕልጡፍ ምላሽ ንምሃብ ክንዳሎ ኣለና፡" ድማ ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







