ውሩይ ድምጻዊ ዮናታን ታደሰ - ዱላ ዓሪፉ

እቲ ውሩይ ኤርትራዊ ድምጻዊ ዮናታን ታደሰ [ዱላ] ብሕማም ምኽንያት ትማሊ 3 ታሕሳስ ኣብ ኣስመራ ከም ዝዓረፈ ተፈሊጡ።

ዮናታን ዱላ፡ ሓይሊ ብዘለዎ ፍሉይ ደርፍታቱን ቅዲ ሳዕስዒቱን ዝፍለጥ፣ ናይ ገዛእ ርእሱ ፍሉይ ኣከዳድናን ኣቀማቕማን ኣማዕቢሉ ዘዘውትር፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ህቡብነት ዘጥረየ ወናም ድምጻዊ እዩ።

ዱላ፡ ካብታ ትሽዓተ ውሉዳት ዘፍረየት ስድራቤት ሕንሳስልደት ኰይኑ፡ ብ 1984 ኣብ ኣስመራ ማይተመናይ ተወሊዱ ዝዓበየን፡ ንፉዕ ተጻዋታይ ኵዕሶ እግሪ ከም ዝነበረን ፈለጥቱ ይዛረቡ።

ኣብ 2016፡ ‘ቦባ’ ምስ ዝተባህለ ሓደ ጕጅለ ሙዚቃ ኤርትራ ድሕሪ ምጽንባሩ፡ ዕቝር ስነጥበባዊ ተውህቦኡን ዓቕሙን ከውጽእ ዕድል ከም ዝረኸበ ዝንገረሉ ዮናታን ዱላ፡ ኣብቲ ዓመት ዝሰርሓ “ኣብ ልበይ ኣሎ ምስላ” እትብል ደርፉን፡ ኣዝዩ ፍሉይን መሳጥን ሳዕስዒታን ኣቢሉ እዩ ምስ ህዝቢ ተላልዩ።

ዱላ ኣብቲ ዓመት፡ “ፈሪሀልኪ” እትብል ጽቡቕ ተቐባልነት ዝረኸበት ደርፊ’ውን ኣፍርዩ እዩ።

ስነጥበባዊ ዮናታን ታደሰ ብድሕሪ’ዚአን፡ “ንቕጽየ ኢለልኪ”፡ “ሓዘኪ ልበይ”፡ “መሊቶ” ዝብላን ካልኦት ብፍላይ ብሓይልን ቅዲን ሳዕስዒትን ነናይ ገዛእ ርእሰን ኣሰራት ዝገደፋ ፍሉያት ደርፍታት ናብ ህዝቢ ዘርጊሑ እዩ።

ብወግዒ ናብ ህዝቢ ዘይቀረባ፡ ግን ከኣ ኣብ እኩብ ናይ ምዝንጋዕ ኣጋጣሚታት፡ ብኾፍካ እተስተማቕሮ ሓያለ “ደርፍታት ጋዕዳ” እውን ከም ዘፍረየ ይንገረሉ።

ብዘይካ’ዚ፡ ንኻልኦት ድምጻውያን ዝሰርሖ ግጥምታትን ዜማታትን ከም ዘለዎ’ውን ይፍለጥ።

ዮናታን ዱላ፡ ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ ሸውዓተ ኣዋርሕ ብሕማም ክሳቐ፣ ኣብ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ሕክምናዊ ክንክን ክግበረሉ ከም ዝጸንሐን ይፍለጥ።

እዚ ህቡብ ድምጻዊ ንዝለዓለ ሕክምና ናብ ኢጣልያ ከይዱ ንኽሕከም ብዙሓት ግዱሳት፡ ብ መገዲ 'ጐ-ፋንድሚ' ገንዘብ ከዋጽኡ ከም ዝጸንሑ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ናብ ኣውሮጳ ቅድሚ ምኻዱ፡ ብ 28 ሕዳር ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኣስመራ ከም ዝተመልሰን፡ ዝመጽእ ሰሉስ 6 ታሕሳስ ናብ ኢጣልያ ክኸይድ ተመዲቡ ከም ዝነበረን፡ ቢቢሲ ዝተወከሶም፡ ነቲ ናይ ምሕጋዝ መደባት ከወሃሃዱ ዝጸንሑ ግዱሳት ስነጥበባውያን ኣረጋጊጾም።

በቲ፡ ዝተረኽበ ሓበሬታ መሰረት፡ ስነጥበባዊ ዮናታን ታደሰ ዱላ፡ ጽባሕ ሰኑይ 5 ታሕሳስ ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ክቕበር እዩ።