ኣብ ሓደ ጸወታ 31 ሸቶታት ዝተመዝገቦ ሓላዊ ልዳት

ኣብ ጸወታ ኵዕሶ እግሪ፡ ኩሎም ተጻወትቲ ጋንትኦም ክትዕወትን ክትስዓርን ማዕረ ሓላፍነት እኳ እንተሃለዎም፡ ክንዲ ሓላዊ ልዳት ዝስከሞ ሓላፍነት ግን ኣይኸውንን።

ብፍላይ ድማ፡ ሓንቲ ጋንታ ብዙሓት ሸቶታት ተቘጺሩዋ ክትስዓር እንከላ፡ ኣዒንቲ ኩለን ኣብ ልዕሊ እቲ ሓላዊ ልዳት እየን ዘፍጥጣ።

ኣብ ሓደ ጸዋት ልዕሊ 30 ሸቶታት ዝተቘጽሮ ሓላዊ ልዳት ድኣ እንታይ ይስምዖ ይኸውን?

ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2001 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) ኣብ ዝተኻየደ ጸወታ፡ ሓላዊ ልዳት ኣመሪካን ሳሞኣ 31 ሸቶታት ተቘጺሩዎ ኣብ ታሪኽ ብሰፊሕ ኣፈላላይ ሸቶ ዝተዛዘመ ጸወታ ከም ዝተመዝገበ ይፍለጥ።

ሳላፑ፡ ብዛዕባ እዛ ክዝክራ ዘይደሊ ዕለት ንፈለማ እዋን ንቢቢሲ ርኢይቶኡ ሂቡ።

እቲ ውድድር፡ መጻረዪ ጸወታ ዋንጫ ዓለም’ዩ ነይሩ። ኣመሪካን ሳሞኣ ኣብ ምድባ ምስ ኣውስትራልያ ተሰሪዓ ነይራ።

ሕጂ ወዲ 43 ዓመት ዝዀነ ሳላፑ፡ እቲ ኩነታት ክዝክሮ እንከሎ፡ 31 ንባዶ ዝተስዓርሉ ጸወታ ገና ከይተዛዘመ እንከሎ ምስ ኣባላት ጋንትኡ ተሓቢኡ ይበኪ ከም ዝነበረ ይዛረብ።

“እቲ ጸወታ ክሳብ ዝዛዘም ስምዒታዊ ንከይኸውን ይፍትን ነይረ፤ ግን ኣይኰነለይን”።

ኣመሪካን ሳሞኣ ኣብ ታሪኽ እቲ ዝለዓለ ስዕረት ከተአንግድ ምኽንያት ዝዀኑ ነገራት ከም ዘለው ሓላዊ ልዳት እታ ሃገራዊት ጋንታ ሳላፑ ይጠቅስ።

ኣብቲ እዋን፡ ብዝሒ ህዝቢ ኣመሪካን ሳሞኣ 58 ሽሕ ጥራይ ነይሩ፤ ኣውስትራልያ ድማ ብውሑድ 19 ሚሊዮን ህዝቢ ነይሩዋ።

ኣመሪካን ሳሞኣ፡ ኣብ ደቡብ ሰለማዊ ውቂያኖስ እትርከብ ብሸውዓተ ደሴታት ዝቖመት ግዝኣት እያ።

ኣብ 2002 ንዝካየድ መጻረዪ ጸወታ ዋንጫ ዓለም፡ ፊፋ ንኣመሪካን ሳሞኣ ክጻወቱ ዝኽእሉ ፓስፖርት እታ ሃገር ዝሓዙ ክዀኑ ኣለዎም ዝብል ውሳነ ምሕላፉ፡ ኣቐዲማ'ውን ድኽምቲ ዝነበረት ሃገራዊ ጋንታ እዚ ፊፋ ዘቕረበላ ጠለብ ተወሳኺ ማሕለኻታት ኣብዝሓላ።

ካብ 20 ኣባላት እታ ጋንታ፡ ሳላፑ ጥራይ’ዩ ፓስፖርት እታ ሃገር ነይሩዎ። ድሕሪኡ እዛ ንእሽቶ ደሴት፡ ተጻወትቲ ናብ ምእላሽ ኣትያ።

“ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ተጻወትቲ ክንእልሽ ነይሩና፤ ብዙሓት ካብ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ክንእክቦም ተገዲድና” ይብል።

ደቂ 15 ዓመት ዝዀኑ ሰለስተ ተጻወትቲ ሒዛ ዝተመስረተት እዛ ጋንታ፡ ማእከላይ ዕድመ ተጻወትታ 18’ዩ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን ወዲ 20 ዓመት ዝነበረ ሓላዊ ልዳት ሳላፑ፡ እቲ ኣዝዩ ‘ህቡብ’ ተጻዋቲ እታ ጋንታ ኰይኑ።

31 ን0

ቅድሚ እዚ ታሪኻዊ ስዕረት፡ እታ ጋንታ ኣብ ናይ ምድብ መጻረዪ ጸወታታት ዋንጫ ዓለም ብፊጂን ቶንጋን ብሰፊሕ ኣፈላላይ ተሳዒራ።

ኣብቲ ናይ መጀመርታ ጸወታ ብፊጂ 13 ን0 ክትስዓር እንከላ፡ ኣብቲ ካልኣይ ጸወታ ብሳሞኣ 8 ን0 ተሳዒራ።

ኣብ ሳልሳይ ጸወታ ከኣ ብቶንጋ 5 ን0 ተሳዒራ፤ እዚ ከም ምምሕያሽ ተራእዩ ምስ ኣውስትራልያ ክትገጥም ምድላው ጀሚራ።

ኣብ ናይ ምድብ ጸወታታት ንቶንጋ 22 ን0 ዝስዓረት ኣውስትራልያ በዳሂት ጋንታ ከም እትኸውን ንሳላፑ ዝጠፍኦ ኣይነበረን።

“ኣውስትራልያ ኣብቲ ጸወታ ልዕሊ 22 ሸቶ ከይተቑጽር’የ ጻዕሪ ዝገብር ነይረ” ይብል።

እቲ ጸወታ ተጀሚሩ፤ ተጻዋቲ ኣውስትራልያ ኮን ሸቶ ንምቑጻር ሸሞንተ ደቓይቕ ጥራይ’የን ወሲደናሉ። ድሕሪ ሰለስተ ደቒቕ ኣርቺ ቶምፕሰን ዝተባህለ ተጻዋቲ ካልአይቲ ሸቶ ኣቝጺሩ።

ኣብ መበል 27 ደቒቕ ድማ ኣርቺ ቶምፕሰን ሃትሪክ ሰሪሑ። ኣብ መበል 75 ደቒቕ ድማ ንገዛእ ርእሱ መበል 13 ሸቶ ኣቝጺሩ።

ዴቪድ ዛደሪሊክ ዝተባህለ ተጻዋቲ 8 ሸቶታት ኣቑጺሩ፤ እቲ ጸወታ ድማ 31 ን0 ተዛዚሙ።

ሳላፑ፡ ኣብቲ ጸወታ ኣባላት ጋንታኡ ኣብ ክንዲ ዝከላኸሉ ናብ ቅድሚት ከይዶም ከጥቅዑ ይደፍኦም ከም ዝነበረ ይዛረብ።

“ናብ ቅድሚት ኪዱ፤ ኣብ ጥቓይ ደው ኣይትበሉ ይብሎም ነይረ። ንሶም እናሸፈኑኒ እታ ኵዕሶ ከይርኣኹዋ ትሓልፈኒ ነይራ” ብምባል ይዝክሮ።

ኣብቲ እዋን፡ ውሳነ ሃገራዊት ጋንታ ኣውስትራልያ “ስፖርታዊ ጭውነት ኣይነበሮን” ይብል።

“ክንደይ ሸቶ እዮም ዝደልዩ ነይሮም? እንታይ ዓይነት ናይ ሸቶ ኣፈላላይ እዩ ዘድልዮም ነይሩ?” ብምባል ይሓትት።

ኣሰልጣኒ እታ ጋንታ እንተዝኸውን ነይረ፡ 20 ሸቶ ምስ ኣቑጸሩ እቲ ጸወታ ክሳብ ዝውዳእ እታ ኩዕሶ ሒዝኩም ጽንሑ ምበልክዎም ነይረ ይብል።

ኣመሪካን ሳሞኣ ኣዝዩ ድኹም ሃገራዊ ጋንታ እዩ ዘለዋ።

ኣብ ደረጃ ኩዕሶ እግሪ ፊፋ ኣብ መወዳእታ እያ ትርከብ።

እታ ጋንታ፡ ብተኸታታሊ ኣብ 38 ጸወታታት ክትስዓር እንከላ፡ ናይ ሸቶ ዕዳኣ 217 በጺሑ ኣሎ።

እዚ ዘሕፍር ስዕረት ምስ ተመዝገበ ድሕሪ ዓሰርተ ዓመታት ኣመሪካን ሳሞኣ ኣብ 2014 ንዋንጫ ዓለም ንእትገብሮ መጻረዪ ጸወታ ሓድሽ ኣሰልጣኒ ቘጺራ ሓድሽ ተስፋን ምልዕዓል ተጻወትን ሒዛ ናብ ልምምድ ኣትያ።

ኩዕሶ እግሪ ይኣኽለኒ ኢሉ ጓንቲ ሰቒሉ ዝነበረ ሓላዊ ልዳት’ውን ብሓድሽ መንፈስ ናብ ሜዳ ተመሊሱ።

እቲ ኣሰልጣኒ ሰሚርሉ ኣመሪካን ሳሞኣ ምስ ቶንጋ ተራኺባ 2 ን1 ብምስዓር ንፈለማ እዋን ብፊፋ ኣፍልጦ ኣብ ዘለዎ ጸወታ ዓወት ቀኒዑዋ።

ሳላፑ፡ “ኣዝየ ሕጉስ ነይረ፤ ስምዒተይ ክቆጻጸሮ ኣይክኣልኩን። ብኣውስትራልያ ድሕሪ ዝገጠመና ስዕረት ምስ በኸኹ፡ ዳግም ብሓጐስ በኽየ” ብምባል ዝነበሮ ስምዒት ይዝክሮ።

ሳላፑ፡ ሕጂ’ውን ነታ ሃገራዊት ጋንታ ይጻወት ኣሎ። ወዱ'ውን ኣብ ሃገራዊት ጋንታ ትሕቲ 17 ዓመት ተመሪጹ ይጻወት ኣሎ።