ፈረንሳ፡ ኣብ ታሪኻ ብዕድመ ዝነኣሰ ቀዳማይ ሚኒስተር ሸይማ

ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን ሓድሽ መንግስቲ መስሪቱ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ጋብርኤል ኣታል ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ፈረንሳ ኰይኑ ተመዚዙ።

ወዲ 34 ኣታል ኣብ ታሪኽ ፈረንሳ ብዕድመ ዝነኣሰ ቀዳማይ ሚኒስተር እዩ። ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ብዕድመ ዝነኣሰ ቀዳማይ ሚኒስተር ኰይኑ ዝጸንሐ ላውረንት ፋብየስ፡ ኣብ 1984 ክምረጽ እንከሎ ወዲ 37 ዓመት መንእሰይ ነይሩ።

ኣታል ነታ 20 ኣዋርሕ ኣገልጊላ ዝለቐቐት ኤልዛቤጥ ቦርን ክትክኣ እዩ።

ኣብዚ እዋን ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኰይኑ ዘገልግል ዘሎ ቀጻላይ ቀዳማይ ሚኒስተር ፈረንሳ፡ ኣብቲ ኣብ ዝመጽእ ሰነ ዝካየድ ወሳኒ መረጻ ፓርላማ ኣውሮጳ ንመንግስቱ ክመርሕ እዩ።

ሽመት ጋብርኤል ኣታል ኣዝዩ ስሉጥ እዩ። ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ብዙሕ ሰብ ዘይፈልጦ ኣማኻሪ ሚኒስትሪ ትምህርትን ኣባል ሰልፊ ማሕበርነትን እዩ ነይሩ።

ካብዚ ብተወሳኺ ናብቲ ሆቴል ማቲግኖን ተባሂሉ ዝፍለጥ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ፈረንሳ ዝኣተወ ፈላማይ ሕደጾታዊ ምዃኑ ዝኣወጀ ውልቀሰብ ክኸውን እዩ።

ፕረዚደንት ማክሮን ንሽመት ኣታል ኣመልኪቱ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ “ኣብ ዓቕምኻን ተወፋይነትን ከምዝተኣማመን እፈልጥ እየ” ኢሉ።

እንተዀነ እቲ ፕረዚደንት ኣብ ካልኣይ እብረ ሓላፍነቱ ከቢድ እዋን የሕልፍ ብምህላዉን ካብ ዓቃባውያ ፖለቲከኛታት እናሓየሎ ዝመጽእ ዘሎ ፈተናን፡ ባህ ዝብል ቀዳማይ ሚኒስተር ብምምራጽ ጥራይ ክዕረ ይኽአልዶ? ዝብል ሕቶ ኣበጊሱ ኣሎ።

ጋብርኤል ኣታል ልክዕ ከም መዛኑኡ፡ እቲ ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን ዝኣረገ የማናውን ጸጋማውን ዝብል ፍልልያት ብምስባር ቀመር ፖለቲካ ፈረንሳ ከም ብሓድሽ ምጽሓፍ ዝብል ሓሳብ ምልዕዓል ዝፈጠረሉ እዩ።

ኣብ 2017 ኢማኑኤል ማክሮን ፕረዚደንት ኰይኑ ምስተመረጸ፡ ኣባል ቤት ምኽሪ ዝዀነ ኣታል ኣብ ክትዕ ብዘርኣዮ ብሉጽ ብቕዓት ኣብ ዓይኒ እቲ ፕረዚደንት ኣትዩ።

ኣብ 29 ዓመቱ ድማ ብዕድመ ዝነኣሰ ፈላማይ ሚኒስተር ኰይኑ፤ ኣብ 2020 ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኮይኑ ምስተመዘዘ ኣብ ዓይኒ መረጽቲ ክኣቱ ኣኽኢልዎ።

ፕረዚደንት ማክሮን ንኻልኣይ እብረ ፕረዚደንት ኰይኑ ምስተመረጸ ድማ ንሓጺር እዋን ሚኒስትሪ በጀት ኰይኑ ድሕሪ ምስራሕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ሚኒስተር ትምህርቲ ኰይኑ ተሸይሙ።

ንባዕሉ ግዳይ መድሃልቲ ዝነበረ እዚ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኣንጻር መድሃልቲ ዝካየዱ ወፍርታት መሪሑ እዩ።

ብሓፈሻ፡ ካብ ኣባላት መንግስቲ ማክሮን እቲ ኣዝዩ ዝነኣድ ሚኒስተር ከምዝዀነ ዝተኣከበ ድምጺ የረድእ።

እንተዀነ ህዝቢ ፈረንሳ ካብ ኢማኑኤል ማክሮን ሓድሽ ኣካይዳ ደኣምበር ምቅይያር ሚኒስተራት ኣይኰነን ዝደሊ ዝብሉ ድምጺታት ግን ይስምዑ ኣለዉ።

ግዜ እናኸደ ግን እቶም ነታ ቅድሚት ዝነበረት ቀዳማይቲ ሚኒስተር ዘጋጠምዋ ብድሆታት ንዕኡ እውን ከምዘየናሕስዩሉ ይግመት።

እቶም ተቐባልነቶም እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎን ኣብቲ ኣብ ሰነ ዝካየድ መረጻታት ኣውሮጳ ብቐሊሉ ክዕወቱ ትጽቢት ዝግበረሎምን ሕሉፋት የማናውያን፡ ዓብላሊ ድምጺ ምርካብ ዝሰኣነ ሓፈሻዊ ጉባኤ፡ ሓደስቲ ሕጊታት ኣብ ምጽዳቕ ዘሎ ብደሆታትን እቲ ፕረዚደንት ኣብ ካልኣይ እብረ ከዐውቶም ዝደልዮም ነገራት ንጹራት ዘይምዃኖምን ካብቶም ብደሆታት ዝጥቀሱ እዮም።

ብተወሳኺ እቲ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ልዕሊ እቶም ዝደልደለ ሽም ዘለዎም ዓበይቲ ፖለቲከኛታት ጸብለል ኢሉ ክረአ ይኽእልዶ ዝብል እውን ካልእ ፈተና እዩ።