ሲኤንኤን ግዳይ ሳይበራዊ ምጥቃዕቲ ቲክቶክ ኰይኑ

ቲክቶክ፡ ንሓያሎ ትካላትን ፍሉጣት ሰባትን ዒላማ ዝገበረ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ይምርምር ከም ዘሎ ገሊጹ።

እቲ ብቻይናዊ ኩባንያ ባይትዳንስ ዝውነን ሓጸርቲ ቪድዮታት ዝጥቅዓሉ መተግበሪ፡ “ገለ ውሱናት” ኣካውንታት ኣብ ሓደጋ ከም ዝወደቐ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ወሲኹ ድማ ምስ ተጠቀምቲ ብምትሕብባር ኣካውንቶም ንምምላስ ይሰርሕ ከም ዘሎ ገሊጹ።

ቲክቶክ ብዛዕባ እቶም ነቲ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ኰነ ብኸመይ ከም ዝተፈጸመ ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።

ሓደ ካብቶም ግዳያት ዝዀኑ ኣካውንታት ግን ማዕከን ዜና ሲኤንኤን ይርከቦ።

ወሃቢ ቃል ቲክቶክ፡ “ምስ ሲኤንኤን ብቐረባ ብምትሕብባር እቲ ኣካውንት ናብ ንቡር ንምምላስን ድሕነት እቲ ኣካውንት ንምሕላው ዝተኣታተው ስጉምቲታት ንምትግባርን ክንሰርሕ ጸኒሕና ኢና። ውሕስና ናይቲ መድረኽ ንምዕቃብ ውፉያት ኢና፤ ዝዀነ ተወሳኺ ዘይቅኑዕ ንጥፈታት እንተሃልዩ ድማ ክንከታተሎ ኢና” ኢሉ።

ሲኤንኤን፡ ርእይቶ ክህብ ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ መልሲ ኣይሃበን።

ቲክቶክ፡ ኣካውንት ኰኾብ ሪያሊቲ ቴሌቪዥን ፓሪስ ሂልተን እውን ዒላማ ከም ዝዀነ ግን ድማ ሓደጋ ከም ዘይበጽሖ ሓቢሩ።

ኣብ ቲክቶክ ልዕሊ 10 ሚልዮን ተኸታተልቲ ዘለዋ ሂልተን፡ ንጥፍቲ ተጠቃሚት እቲ መተግበሪ’ያ።

ቲክቶክ፡ ኣብ መላእ ዓለም ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ተጠቀምቲ ኣለውዎ፡ እንተዀነ ብሰንኪ ምስ መንግስቲ ቻይና ኣለዎ ዝበሃል ርክብ፡ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ሓያል ጸቕጢ’ዩ ዝርከብ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብ ኣመረጻ ኣመሪካ ኣመልኪቱ ሓድሽ ዓውደ ውግእ ማሕበራዊ መራኸቢታት ይኸውን ከም ዘሎ ድማ ይግለጽ።

ዶናልድ ትራምፕ ኣብ እዋን መሪሕነቱ ብምኽንያት ሃገራዊ ድሕነት ንቲክቶክ ክእግዶ’ኳ እንተፈተነ፡ ሕዚ ንባዕሉ ናብ ቲክቶክ ተጸንቢሩ ኣሎ።

ብቐዳም ነዚ ኣካውንት ካብ ዝኸፍት ንድሓር ድማ ልዕሊ ሓሙሽተ ሚልዮን ሰዓብቲ ሒዙ ይርከብ።

“ምስ ህዝቢ ኣመሪካ ብቐጥታ ንምዝራብ ኵሉ ዘሎ መሳርሒ” ክጥቀም ምዃኑ ድማ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ጆ ባይደን እውን ነቲ መድረኽ ተጠቒሙ ኣብ ወርሒ ሕዳር ንዝካየድ መረጻ ጐስጓስ ይገብር ኣሎ፤ እንተዀነ ኣስታት 350 ሽሕ ሰዓብቲ ጥራይ እዮም ዘለውዎ።