እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ምዕራብ ኦሮምያ ሰላማውያን ሰባት ብሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ከምዝተቐተሉ ተገሊጹ
ኣብ ክልል ኦሮምያ ዞባ ምዕራብ ሸዋ ብዙሓት ሰላማውያን ብሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ከምዝተቐተሉ ተገሊጹ።
ኣብቲ ዞባ ኣብ ዝርከባ ወረዳታት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ቅትለት፣ መግረፍትን ማእሰርትን ይፍጸም ከምዘሎ ካብቲ መጥቃዕቲ ዝተረፉን ቤተሰቦም ዝሞትዎምን መሰኻኽር ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
ኣብቲ ክልል ዝንቀሳቐሱ ውድባት ግንባር ሓርነት ኦሮሞን (ኦነግ) ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞን (ኦፌኮ) ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ጉድኣት ይበጽሕ ከምዘሎ ገሊጾም።
ካብ ነበርትን ፖለቲካዊ ውድባትን ዝቐረበ ክሲ ኣመልኪቱ ቢቢሲ ካብ መንግስቲ ምላሽን መብርህን ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰመረን።
እቶም ነበርቲ ከምዝሓበርዎ ኣብቲ ዞባ ተፈጺሞም ካብ ዝተባህሉ ቅትለታት ሓደ፡ ኣብ ወረዳ ጮቢ ዝተፈጸመ ብዙሓት ሰባት ግዳይ ዝኾኑሉ ቅትለት እዩ።
በቲ 4 ነሓሰ 2015 ዓ.ም ግእዝ፡ ብሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሽዱሽተ ሰባት ከምዝተቐተሉ ኣብቲ ቦታ ዝነበረን ብጥይት ተወቒዑ ብህይወት ዝተረፈን ኣቶ ኣራርሳ ያደሳ ተዛሪቡ።
ንሱ፡ ኣብቲ ዕለት ቤተሰብን ጎረቤትን ኣብ ገዝኡ ቡን እናሰተዩ እናሃለዉ ሃንደበት ሓደ ወታሃደር ናብቲ ገዛ ኣትዩ ተኹሲ ብምኽፋት 6 ሰባት ከምዝቐተለን ንዕኡ ሓዊሱ ክልተ ሰባት ከምዘቑሰለን ይገልጽ።
“ ቡን እናሰተና ሃንደበት ናብ ገዛ ዘሊሉ ብምእታው ‘እንታይ ትሰርሑ ኣለኹም’ ኢሉ ሓቲቱና። . . . ‘ቡን ንሰቲ ኣለና’ ኢልናዮ። ድሕሪኡ ዝኾነ መልሲ ከይሃበ ወድን ጓልን ከይበለን ተኹሲ ከፊቱ” ብምባል ነቲ ኣብ ገዝኡ ዘጋጠመ ይዛረብ።
እቶም ዝሞቱ ሽዱሽተ ሰባት፡ ሓፍቱ ሓዊሱ ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ከምኡ ድማ ወዱ ሓዊሱ ኣርባዕተ ደቂ ተባዕትዮ ከምዝኾኑ እውን ይሕብር።
“ወደይ ከረዩ ኣራርሳ፣ ሰበይቲ ወደይ ደስታ ለሜሳ፣ ሓፍተይ ጥሩ ያደሳ፣ ሓሞይ ዱጋሳ መርዳሳ ከምኡ ድማ ኣብቲ ዝነበረሉ ቦታ ስራሕቲ ሕርሻ ዝሰርሑ ጉርሜ ጂፋራን ኣበራ ጂፋራን እዮም” ይብል ዝርዝር እቶም በቲ ወታሃደር ዝተቐተሉ ሰባት እንተረድእ።
ኣቶ ኣራርሳ፡ ህጻን ሃይሉ ፋፋን ባዕሉን ጥራሕ ካብቲ መጥቃዕቲ ብህይወት ከምዝተረፋ ይዛረብ።
እግሩ ብጥይት ከምዝተወቐዐ ዝገልጽ ኣቶ ኣራርሳ “ደም ተኣሊኸ ምስረኣየኒ ዝሞትኩ መሲልዎ ገዲፉኒ ከይዱ” ብምባል ብህይወት ዝተረፈሉ ኣጋጣሚ ይዝክር።
እቶም ናብ ቀብሪ ክኸዱ ተጸዋዊዖም ቡን እናሰተዩ እናሃለዉ ህይወቶም ዝሓለፉ ሰባት፡ ስነ ስርዓት ቀብሮም ዓርቢ 5 ነሓሰ 2015 ኣግ ተፈጺሙ።
ንባዕሉ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ኢሉ ዝጽውዕ ዕጡቕ ጉጅለ ብስፍሓት ካብ ዝንቀሳቐሰሎም ከባቢታት ሓደ ዞባ ምዕራብ ሸዋ ከምዝኾነ እዩ ዝንገር።
ኣብቲ ዞባ ኣብ ዝርከባ ወረዳታት፡ ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስትን ዕጡቓትን ተደጋጋሚ ጎንጺታት ካካየዱ ጸኒሖም እዮም።
እቲ ኣባል ሰራዊት ምክልኻል ንምንታይ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመሎም ከምዘይፈልጥ ዝዛረብ ኣቶ ኣራርሳ፡ ኣብቲ ዕለት ኣብቲ ከባቢ ዝኾነ ምንቅስቓስ ዕጡቓት ኮነ ጎንጺ ከምዘይነበረ ይሕብር።
“ኣብቲ ከባቢ ዝተፈጠረ ነገር የለን። ዝተኮሰ ሰብ እውን የለን። ካብ ባዶ ተላዒሉ እዩ ናብ ገዛ ኣትዩ ዝወደአና” ይብል።
ጀልዱ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢ ዞባ ምዕራብ ሸዋ ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ሓለዋ ከብቲ ዝነበረ ሰብ ብሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ከምዝተቐተለ ሓዉ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ሽሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ሓው እቲ ግዳይ ንቢቢሲ ኣፋን ኦሮሞ ከምዝሓበሮ፡ 5 ነሓሰ 2015 ዓም ኣብ ወረዳ ሃሮ ደጋ ከባቢ ጀልዱ፡ ኣብ ሓለዋ ከብቲ ዝነበረ ኣላዪ ስደራ ኣቶ ፉርጋሳ፡ ብሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ተቐቲሉ።
“ኣብቲ ከባቢ ጸገም ጸጥታ ኣይነበረን። ሃንደበት ናብ ከባቢና ኣትዮም ከብቲ ኣብ ምሕላው ንዝነበረ ሓወይ ቀቲሎምዎ” ኢሉ።
እቶም ወተሃደራት ኣብ ልዕሊ ካልኦት ነበርቲ እውን መግረፍቲ ከምዝፈጸሙ ገሊጹ።
ነቲ ኣብ ዞባ ምዕራብ ሸዋ ዝተፈጸመ ቅትለት ግንባር ሓርነት ኦሮሞን ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞን ኮኒኖምዎ።
ኦነግ 12 ነሓሰ 2015 ዓ.ም ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ኣብ ምዕራብ ሸዋ ኣብ ዝርከቡ ወረዳታት ኣምቦ፣ ቾቢ፣ ዳኖ፣ ግንደ በረት፣ ኢልፈታ፣ ኢሉ ገላን፣ ሊበን ጃዊን ሚዳ ቀኚን “ሓይልታት መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ቅትለት፣ ዘረፋን ጃምላዊ ማእሰርትን ይፍጽሙ ኣለዉ” ኢሉ።
ኦፌኮ ብወገኑ 13 ነሓሰ 2015 ዓ/ም ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ “ሕነ ምፍዳይ ብዝመስል ወፍሪ” ኣብ ወረዳ ጮቢ መንደር በኬ ሆፋ 4 ነሓሰ 2015 ዓ.ም “ዓሰርተ ሓደ ሰባት ብሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ተቐቲሎም” ኢሉ።
ኣብ ወረዳ ጮቢ ካብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ከምዝተረፈ ዝገልጽ ሓደ ተምሃራይ ዩኒቨርሲቲ፡ ምስኡ ተታሒዞም ዝነበሩ ሰለስተ ሰባት ከምዝተቐተሉ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
“ንኣርባዕቴና ካብ ሓደ ካባቢ ምስሓዙና ሸከም ኣሸኪሞም ርሑቕ ምስ ወሰዱናን ምንም ከይተዛረቡ ሃንደበት ተኹሲ ከፊቶምልና። ዓይነይ እናረኣየ ኣይመውትን ኢለ እናተኮሱለይ ሃዲመ። ብዙሕ ተኲሶምለይ። ሓንቲ ጥይት ጥራይ ሃሪማትኒ።”
ቢቢሲ ዘዘራረቦ ካልእ መንእሰይ ነባራይ እታ ወረዳ፡ ሰለስተ መንእሰያት ብሓደ ግዘ ከምዝተቐተሉን ሓደ መንእሰይ ከምዝሃደመን ምስምዑ ብምግላጽ ኣብቲ መዓልቲ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ሞንጎ ሓይልታት መንግስትን ዕጡቓት ሸነን ጎንጺ ከምዝነበረ ሓቢሩ።
ቢቢሲ ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ተፈጺሙ ዝተባህለ ቅትለት ኣመልኪቱ ሓለፍቲ ወረዳን ዞባን ንምዝርራብ ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰመረን።