ን23 ዓመታት ቋንቋ ኣምሓርኛ ዝመሃረት ፖላንዳዊት

ምንጪ ስእሊ, Dr. Ewa
ፖላንዳዊት'ያ፤ ቅድሚ 40 ዓመታት ቋንቋ ኣምሓርኛ ተማሂራ።
ኣብቲ እዋን፡ ወተሃደራዊ መራሒ ስርዓት ደርግ ዝነበረ ከ/ል መንግስቱ ሃይለማርያም ኣብ ኢትዮጵያ 'ወፍሪ ሓበራዊ ዕቤት' ወይ ድማ ፃውዒት ኲናት ይትግብር ነይሩ ይኸውን።
ኣብቲ እዋን ብቋንቋ ኣምሓርኛ ዲግሪ ተመሪቓ ክሳብ ሕጂ ትምህር ኣላ።
ንዝሓለፉ 23 ዓመታት ብዙሓት ኤውሮጳውያን በዚ ቋንቋ ብዲግሪ ክምረቝ ገይራ።
ዶ/ር ኤቫ ቮልክ-ሶሬ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዋርሶ'ያ ተምህር።
ክፍሊ ትምህርቲ ኣምሓርኛ ዩኒቨርሰቲ ዋርሶ ብዙሓት ተመሃሮ ኣይቕበልን።
ናይዚ ሓደ ምኽንያት እቲ ቋንቋ ከቢድ'ዩ ዝብል ስግኣት እዩ፤ ጀሚሮም ዘቋሩጹዎ ድማ ብዙሓት እዮም።
ዓመታዊ ብማእከላይ ዓሰርተ ተመሃሮ ይቕበል፤ ግእዝ ድማ ከም ሓደ ኮርስ ይወሃብ።
ኣብ ውሽጢ 75 ዓመታት፡ ልዕሊ 100 ተመሃሮ ብካልኣይ ዲግሪ ኣመሪቝ፤ እቶም 12 ድማ ሳልሳይ ዲግሪ ገይሮም።
ንምኳኑ፡ ኤቫ ቅድሚ 40 ዓመት ብኸመይ ቋንቋ ኣምሓርኛ ክትመሃር ወሲና?
'ሃንደበት'ዩ'
'ሃንደበት'ዩ፡" ትብል።
"ሕሳብ፣ ሕጊ፣ ፊዚክስ ዝበሉ ኣይስሕቡንን ነይሮም፤ ኣብ ክንድኡ ስነ-ጥበብ፣ ኪነ-ጥበብ፣ ቋንቋን ባህሊ ዝተፈላለያ ሃገራትን ይስሕበኒ ነይሩ።"
ዩኒቨርሲቲ ዋርሶ፡ ኣብቲ ግዜ ክፍሊ መጽናዕቲ ኦሪያንታል ነይሩዎ። ዶ/ር ኤቫ ኣብዙ ብዛዕባ ዝወሃብ ትምህርቲ ቋንቋ ኣምሓርኛ ትሰምዕ፤ ከይዳ ክኣ ተመዝጊባ፡ ተማሂራ፡ ተመሪቓ።
እዚ ቋንቋ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት'ያ ተማሂራቶ፤ ንኣርባዕተ ዓመት ኣብ ፖላንድ ምስ ተመሃረት ንሓደ ዓመት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ነጻ ዕድል ትምህርቲ [ስኮላርሺፕ] ረኺባ ናብ ኢትዮጵያ መጺኣ።
"መንእሰይ ኣብ ዝነበርኵሉ ዘመን፡ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ዋላ ሓደ ኣይንፈልጥን ነይርና፤ ኣብ ፖላንድ ኣብ ቤት ትምህርቲ ፈጺምና ብዛዕባ ኢትዮጵያ ተምሂርና ኣይንፈልጥን . . .፡" ትብል።
ሓሙሽተ ቋንቋታት እትዛረብ ኤቫ፡ ቋንቋ ኣምሓርኛ ንክመሃር ዝስሓበኒ "ድምጹ'ዩ፡" ትብል።
ብዙሓት ጀርመንኛ ኮስተር ዝበለ'ዩ፡ ፈረንሳይኛ ፍቕሪ'ዩ፡ ዓረብኛ ልስልስ ዝበለ'ዩ ይብሉ።
ንምዃኑ ኣምሓርኛ ነቲ ቋንቋ ንዘይሰምዖን ቦኽሪ እዝኑ ንዝዀኖን ከመይ ዝበለ እዩ?
ኤቫ ንዓይ፡ "ናይ መንጫሕጫሕታ ድምጺ'ዩ ዘለዎ፡" ትብል።
ናብ ኢትዮጵያ ምስ መጽአት ዘይፈተወቶ ሓደ ነገር ግን፡ ኣብ መኣዲ መግቢ ቀሪብኻ "ምኵልላስ" እዩ።
"ምኵልላስ የጨንቐኒ'ዩ፡" ኢላ።
በዓል ቤታ ኢትዮጵያዊ ተወላዲ ጕራጌ እዩ፤ ግን ድማ ኣብ ባህሊ እቲ ማሕበረሰብ ዝተለምደ "ክትፎ" ወይ ዝተጥሓነ ስጋ ኣይትፈቱን።
"ንጨጓራይ ኣይሰማምዖን። ኣነ ዝፈትዎ መግቢ ሓምሊ ብስጋ'ዩ፡" ኢላ።
መጽሓፍ 'ፍቅር እስከ መቃብር' ብቋንቋ ሆላንድ
ኣብ ክፍሊ ትምህርቲ ቋንቋታትን ባህልን ኣፍሪቃ፡ ኣምሓርኛ ዝምህሩ ኤቫን መሳርሕታን ፕሮፌሰር ማርቲንን እዮም።
ንሱ፡ ቋንቋ ግእዝ'ዉን ይምህር።
ኤቫ፡ ብቋንቋ ኣምሓርኛ ዲግሪ ምስ ወድአት ናብ ለንደን ስኩል ኦፍ ኦሪየንታልን መጽናዕቲ ኣፍሪቃን ብምኻድ ስነ-ጽሑፍ ተማሂራ።
ካብ ሽዑ ጀሚራ ድማ፡ ብቋንቋ ኣምሓርኛ ዝተጽሓፉ መጽሓፍቲ 'ፍቅር እስከ መቃብር'ን ካልኦትን ክትትርጕም ጀሚራ።
ክሳብ ሕጂ ግን ኣይወድኣቶን። እዚ መጽሓፍ ናብ ቋንቋታት ፈረንሳን ኖርወይን ተተርጒሙ'ዩ።
ኣብ ውሽጢ 23 ዓመታት ቋንቋ ኣምሓርኛ ኣብ እትምህረሉ ክፍሊ ሓበሻ ገጢሙኒ ኣይፈልጥን ትብል።
ኣብ ፖላንድ ዝተወልዱ ካልኣይ ትውልዲ ግን ምሂራ'ያ።
ጐድና ጐኒ እዚ ስርሓ፡ ናይ ትርጕም ስራሕቲ'ዉን ትሰርሕ። ንኣብነት ብስደት ናብ ፖላንድ ዝመጽኡ እቲ ቋንቋ ዝዛረቡ ሰባት ዕቝባ ክሓቱ ቃለ መጠይቕ ክግበረሎም እንከሎ ትትርጕመሎም።
ኣብ ቤት ፍርዲ ፖላንድ'ዉን ተርጓሚት ኣምሓርኛ እያ።

ምንጪ ስእሊ, Dr. Ewa
'ክሓምዩኒ ሰሚዐዮም'
ጻዕዳ ስለ ዝዀነት፡ ኣምሓርኛ ትኽእል'ያ ኢሎም'ዉን ክግምቱዎ ስለ ዝኸብዶም ሓደ እዋን ሰባት ክሓምዩዋ ትሰምዖም።
እዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክልተ ግዜን ልዕሊኡን እዩ ኣጋጢሙዋ።
ተዓዚባቶም።
ቀጣን ስለ ዝዀነት፡ መንእሰያት ኰፍ ኢሎም ክሓምዩዋ እያ ሰሚዓቶም።
"ነዛ ናይ ጫት ዕንጸይቲ እትመስል ጻዕዳ እማ ርኣያ፡" ኢሎምዋ።
ከምዚ ኢሎም ክሓምዩኒ ከለዉ ሰሚዐዮም ትብል።
ዶ/ር ኤቫ፡ ቋንቋ ኣምሓርኛ "ከቢድ እዩ፡ ቀሊል ቋንቋ ኣይኰነን። ግን ካብ ማንደሪን ይሓይሽ፡" ትብል እናስሓቐት።
ካብ ቋንቋ ፖሊሽ ብዝሰገረ፡ ኢንግሊዘኛ፡ ፈረንሳይኛን ሩስኪን ኣቀላጢፋ ትዛረብ።
ኣምሓርኛ ኣብ ዩኒቨርሲቲታት ኤውሮጳ
ዩኒቨርሲቲታት ኔፕልስ፡ ፓሪስን ሃምቡርግን ንልዕሊ 100 ዓመታት ቋንቋ ኣምሓርኛ ይምህራ ኣለዋ።
እዚ ንብዙሓት ሰባት ሓድሽ ዜና ክኸዉን ይኽእል።
ኣብ ኔፕልስ ኣምሓርኛ ክምህር ዝጀመረ ኣፈወርቅ ገብረየሱስ እዩ፤ እዚ ማለት ኣብ 1890ታት'ዩ፡ ኣብ ጥንቲ ብዘመን ዓድዋ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሃምቡርግ ድማ ቅድሚ 105 ዓመታት ክወሃብ ዝጀመረ ኰይኑ፡ ወልደማርያም ደስታ ናይ መጀመርታ መምህር ከም ዝዀነ ይንገር።
ብ1909፡ ካብ ኣንኮበር ናብ ጀርመን ከይዱ ንሓሙሽተ ዓመታት ምሂሩ።
ኣብ ፖላንድ፡ ፕሮፌሰር ስቴፋን ስትሬልሲን ዝተባህለ ሙሁር ቋንቋ ኣምሓርኛ እዩ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ምምሃር ጀሚሩ። ቅድሚ ኣስታት 75 ዓመታት'ዩ ዝኸዉን ዘሎ።
ንሱ፡ ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም'ዩ ነዚ ቋንቋ መሊዅዎ።
እቲ ቋንቋ ድማ ኣብ ፈረንሳ ተማሂሩዎ። እዚ ውልቀሰብ ንኢትዮጵያ ፍሉይ ፍቕሪ ነይሩዎ ይብሃል።
ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ካብ ቀዳማዊ ሃይለስላሰ ኒሻን ወርቂ ተበርኪትሉ'ዩ።
ኣብ ፖላንድ፡ ፕሮፌሰር ስቴፋን ስትሬልሲን፡ ኣብ 1950ታት፡ መጽናዕቲ ኣፍሪቃ ብምምስራት ብዙሕ ጻዕሪታት እናገበረ፡ እቲ ቋንቋ ኣብ ኤውሮጳ ክሰፍሕ ዝገበረ እዩ።
ብ1981 ዓ.ም [ኣ.ኤ] ክኣ ዓሪፉ።
ንሱ ዝመስረቶ ትካል እናዓበየ ክኣ ኣብ 1977፡ ክፍሊ ትምህርቲ ቋንቋታትን ባህልን ኣፍሪቃ ተባሂሉ።
ካብ ቋንቋታት ኣምሓርኛን ግእዝን ብተወሳኺ ድማ ሃውሳ [ናይጄሪያ] ከምኡ'ዉን ስዋሂሊ [ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝዝረብ] ይወሃብ።
ዶ/ር ኤቫን ኣብዚ ዘመናት ዘቝጸረ ትካል እያ ቋንቋ ኣምሓርኛ ተምህር ዘላ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







