ንግሆ እንግሊዝኛ ምሸት ጀርመንኛ፡ ‘ድሕሪ ሓደጋ ብሽክለታ ቋንቋይ ጠፊኡኒ’

ሃና ጀንኪንስ

ሃና ጀንኪንስ ቅድሚ ቀትሪ ብእንግሊዝኛ፡ ድሕሪ ቀትሪ ድማ ጀርመንኛ ትዛረብ።

እዚ ግን ኰነ ኢላ ዝመረጸቶ ዘይኰነስ ሓንጐላ ስለዝጠልቦ እዩ።

ሓደጋ ብሽክለታ ምስ ኣጋጠማ ድማ እዩ ዝጅምር።

መጻምድታ ኣንድሪው ዋይልድ ኣብ ግዝኣት ሞንታና ኣሜሪካ ኣብ ዝርከብ እምባ እናደየበ እንከሎ፡ ካብ ሃና ዘደናግር ጽሑፍ ይበጽሖ።

እቲ መልእኽቲ ብቋንቋ ጀርመን ዝተጸሓፈ እዩ፤ ካብቲ ጽሑፍ ድማ ክልተ ቃላት ጥራይ እዩ ዝፈልጥ - "ከልቢ"ን "ሆስፒታል"ን።

ግን ብባህርያዊ መንገዲ ገለ ጸገም ከምዘሎ ተረዲእዎ።

ሃና ቋንቋ ጀርመን እናተዛረበት እያ ዓብያ፡ ኣንድሪው ግን ብሓቂ ቋንቋ ጀርመን ኣይኽእልን። ክልቲኦም ብእንግሊዝኛ ጥራይ እዮም ዝረዳድኡ ነይሮም።

ሃና ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዎኪንግሃም፡ በርክሻየር ዘቘመቶ ማእከል ስልጠና ንግዲ ከልቢ ትመርሕ ነይራ፤ ኣንድሪው ድማ ንዓለምለኻዊ ውድድር ተዅሲ ንምልምማድ ናብ ኣሜሪካ ከይዱ ነይሩ።

ደሓር ናብ ቍጽሪ ሞባይል ሃና ደጋጊሙ እንተደወለ፡ መልሲ ግን ክረክብ ኣይከኣለን።

ሻቕሎቱ እናወሰኸ ምስ ከደ ኣብ ከባቢ በርክሻየር ናብ ዝርከባ ሆስፒታላት ክድውል ጀሚሩ።

ሽዑ’ውን ዝዀነ ሓበሬታ ኣይረኸበን፤ ስለዚ ናብ ዓዱ ክምለስ ወሲኑ።

ኣብ ዓዱ እንታይ ከምዝጽበዮ ርግጸኛ’ኳ እንተዘይነበረ፡ እቲ ዘጋጠሞ ግን ብሓቂ ዘይተጸበዮ ነገር እዩ ነይሩ።

እታ መጻምድቱ ካብታ ቅድሚ መዓልታት ዝሰዓማ ሃና ዝተፈልየት እያ ነይራ።

ሓደጋ ብሽክለታ
መግለጺ ስእሊ, ድሕሪ'ቲ ሓደጋ ሃና ብህይወት ክትተርፍ ዝነበረ ተኽእሎ ኣዝዩ ዘይርጉጽ እዩ ነይሩ

ሃና እንታይ’ዩ ኣጋጢምዋ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ናብ ኣንድሪው መልእኽቲ ጽሑፍ ካብ ዝለኣኸትሉ ሓደ መዓልቲ ኣቐዲማ፡ ሃና ኣብ ጥቓ ገዛኦም ኣብ ዝርከብ መናፈሻ ብሽክለታ ትዝውር ነይራ።

ሽዑ ኣብ ሓደ እትፈልጦ ኩርናዕ ክትጥምዘዝ ከላ ምስ ሓደ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ተጋጭያ።

ብድሕሪኡ እንታይ ከምዝተፈጥረ ኣይትዝክርን፤ ተሓጋጋዚ ሕክምና ግን ብዛዕባ እቲ ክስተት ሓቢሮምዎ እዮም፤ እቲ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ሃና ኣብ መሬት ተሰጢሓ ብዘይ ዝዀነ ምንቅስቓስ ክትደሚ ምስ ረኣያ ተሌፎን ደዊሉ ህጹጽ ኣገልግሎት ጸዊዑ።

ተሓጋጋዚ ሕክምና ምስ መጹ፡ ኣብ ሰዓት ካብ 32 ኪ.ሜ ብዘይበዝሕ ፍጥነት ብሽክለታ ይዝውር ከምዝነበረ ነጊርዎም። ብድሕሪኡ ተወሳኺ ሓበሬታ ከይሃበ ተበጊሱ።

መንነት ሃና ኣብ ቦርሳኣ ካብ ዝነበሩ ነገራት ምስ ተለለየ ብኣምቡላንስ ኣየር ናብ ሕክምና ተወሲዳ።

ብህይወት ክትተርፍ ዝነበረ ተኽእሎኣ፡ ዝከኣል ግን ከኣ ኣዝዩ ዘይርጉጽ እዩ ነይሩ።

ኣብ መወዳእታ ሃና ንገዛእ ርእሳ ኣብ ሆስፒታል ሮያል በርክሻየር ኣብ ዝርከብ ጽዑቕ ክፍሊ ረኺባታ። ኣበይ ከም ዘላ፡ እንታይ ከምዘጋጠመ ትፈልጦ ነገር ኣይነበረን። እቶም ሓካይም ስለምንታይ ብእንግሊዝኛ ከምዘይዛረቡ ክርድኣ ኣይከኣለን።

"ዋላ ሓንቲ ክርድኣኒ ኣይከኣለን" ትብል። "ዳርጋ ኣብ ካልእ ሃገር ዝተበራበርኩ ኰይኑ ተሰሚዑኒ፡ ሰባት ንምንታይ ብዝርድኣኒ መንገዲ ከምዘይዛረቡኒ ክፈልጥ ኣይከኣልኩን።"

እቶም ሓካይም በቲ ‘ዘይትፈልጦ ቋንቋ’ እናዛረብዋ ምክንኻን ቀጺሎም።

ሃና ኣብ መወዳእታ "ስም"ን "ዕለተ ልደትን" ዝብሉ ቃላት ኣለልያ - ንዝቐረባ ሰብ ድማ "ስም" ወይ "ዕለተ ልደት" ትብል ነይራ - ከምኡ ምግባር ገለ ቅኑዕ ነገር ኰይኑ ተሰሚዕዋ።

ሃና ኵሎም ሰነዳታ ኣብ ብሪጣንያ ከምትነብርን ከምትሰርሕን እዮም ዘመልክቱ። ስለዚ እቶም ሓካይም ስለምንታይ ክትርድኦም ከምዘይከኣለት ተገሪሞም። ሃና ጀንኪንስ ከም እትበሃል ፈሊጦም - ግን ድማ እንግሊዝኛ ኣይርደኣን ወይ ብእንግሊዝ ንዝቐርበላ ሕቶ መልሲ ኣይትህብን።

ናይ ቀረባ ዘመዳ ማርጋሬት ዝተበሃለት ሓፍታ ተዘራሪቦም። ንሳ ድማ ምስ ሃና ክትዘራረብ ሓቲታ።

ኣብ መወዳእታ ሃና ኣብ ዓራታ ሆስፒታል ኮፍ ኢላ ምስ ሓፍታ ብተሌፎን ኣዕሊላ። ምስ ዝዀነ ሰብ ክትረዳዳእ ብምኽኣላ ድማ ዕረፍቲ ተሰሚዕዋ።

እዚ ንሓካይም ኣደናጊርዎም፤ ምኽንያቱ ቅድሚ ሕጂ ሃና ዘይልሙድን ግልጺ ዘይኰነን ቃል ጥራይ እያ ተዛሪባ ነይራ።

ሃና ምስ ማርጋሬት ኣብ ዝገበረቶ ዕላል ተሌፎን ብዙሕ ሕቶታት ኣልዒላ። ሓደ ካብቶም ሕቶታት እቶም ሓካይም ስለምንታይ ብእንግሊዝኛ ከምዘየዛርብዋ እዩ።

"ብእንግሊዝኛ እዮም’ኮ ዘዘራሩቡኺ ዘለዉ ሃና" ክትብል ሓፍታ መሊሳትላ።

ሃና ዝነበራ ኣፍልጦ እንግሊዝኛ፡ በቲ ሓደጋ ካብ ኣእምሮኣ ዝተደምሰሰ ይመስል።

ሓንጎል
መግለጺ ስእሊ, ሓንጎል ብዝተፈላለየ ሓደጋ ክጽለው ይኽእል'ዩ

ኣብ ኣእምሮኣ ዝተረፈ ቋንቋ እቲ ኣብ ንእስነታ ትዛረቦ ዝነበረት ጀርመን ጥራይ እዩ፤ ምስ ሓፍታ ብተሌፎን ከተዕልል ከላ ድማ በቲ ንነዊሕ እዋን ዘይተጠቐመትሉ ቋንቋ ጀርመን እያ ትዛረብ ነይራ።

"እቶም ሓካይም ጀርመንኛ ከምዝኽእል ኣይፈልጡን ነይሮም" ክትብል ሃና ትገልጽ። "ምስ ሓፍተይ ክዛረብ ከለኹ እዮም ፈሊጦም።"

እተን ኣሓት ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ብብዙሕ ቋንቋታት ብዝዛረቡ ወለዲ ጀርመንን እንግሊዝን እናተዛረባ እየን ዓብየን። ኣውስትሪያዊት ኣደአን ኣርባዕተ ቋንቋታት ክትዛረብ ከላ፡ ካብ ዌልስ ዝመጸ መምህር ቋንቋ ዝዀነ ኣቦአን ድማ ሸውዓተ ቋንቋታት ይኽእል።

"ጀርመንኛ ናይ መጀመርታ ኣፋዊ ቋንቋይ እዩ ነይሩ" ትብል ሃና። "ናይ ገዛይ ሕጊ እዩ ነይሩ - እቲ ቋንቋ ምእንቲ ከይንርስዖ ምስ ስድራ ክንዘራረብ ከለና ኵሉ ግዜ ብቋንቋ ጀርመን እዩ።"

"ኣብቲ ሆስፒታል እንግሊዝኛ ይዛረቡ ምንባሮም ክሓስቦ ኣይከኣልኩን። ሓንጎለይ ነዚ ናይ ምርዳእ ዓቕሙ ጠፊኡ ነይሩ።"

ናይ ምዝራብ ክእለታ ስለምንታይ ጠፊኡ?

ሃና፡ ምጥፋእ ካልኣዊ ቋንቋ ዝበሃል ነገር የጋጥማ ከምዝነበረ፡ ኣማኻሪ ናይ ኒውሮሰርጅን ኮሊን ሺፍ ይገልጽ።

"ሓንጎልና ኣዝዩ ተሃዋሲ እዩ፡ ብዝዀነ ይኹን መንገዲ ንኮምፒተር ናይ ምዝራግ ዓቕሚ ዘለዎ ዝዀነ ነገር፡ ኣብቶም ዝወጽኡ ቃላት ጽልዋ ከሕድር ይኽእል'ዩ" ይብል።

"ብዘይቀያየር መንገዲ ምጥፋእ ኣስማት ጀርመን ወይ ሰዋስው እንግሊዝኛ ዘስዕብ ፍሉይ መጉዳእቲ ስዒቡ ዝመጽእ ኣልጎሪዝም የለን፤ እንተዀነ ከምዚኦም ዝበሉ ነገራት ክጠፍኣና ይኽእል እዩ።"

እቲ ክኢላ ከምዝብሎ፡ ኣብ ግዜ ቁልዕነት ዝማዕበለ ክእለት፡ እቶም ክዕቀቡ ዝያዳ ተኽእሎ ዘለዎም እዮም - ንኣብነት "እወ" ወይ "ኣይፋል" ናይ ምባል ክእለት ወይ ዋላ'ውን ናይ መዋእለ ህጻናት ደርፊ ምድራፍ ክኸውን ይኽእል።

ከም "ንዘልኣለም ሱር ዝሰደደ ነገር" ዝበለ ነገር ከይተበላሸወ ናይ ምጽናሕ ተኽእሎኡ ዝለዓለ ምዃኑን እቶም ድሒሮም ዝመጹ ክእለታት ድማ፡ ቀዲሞም ክጠፍኡ ከምዝኽእሉ ወሲኹ ይሕብር።

ሓሓሊፉ ቅድሚ መጉዳእቲ ክልተ ቋንቋታት ዝፈልጥ ሰብ፡ ሓደ ቋንቋ ምሉእ ብምሉእ ክጠፍኦ ነቲ ካልእ ግን ክዕቅቦ ይኽእል’ዩ

ምንጪ ስእሊ, SPL

መግለጺ ስእሊ, ሓሓሊፉ ክልተ ቋንቋታት ዝፈልጥ ሰብ፡ ድሕሪ መጉዳእቲ እቲ ሓደ ምሉእ ብምሉእ ክጠፍኦ ነቲ ካልእ ግን ክዕቅቦ ይኽእል’ዩ

ኣካላዊ ጽልዋ ናይቲ ሓደጋ ትሑት እዩ ነይሩ፤ ኣብ እግራን መንኰባን ጥራይ ዝተወሰነ ቁስሊ እዩ ኣጋጢምዋ።

ስለዚ ሃና ኣብ ውሽጢ መዓልታት ናብ ገዛኣ ተፋንያ።

ሓፍታ ከም ተርጓሚት እናሓገዘታ ግን መጕዳእቲ ሓንጎላ ርኡይ ምዃኑን ንኽመሓየሽ ኣዋርሕ ዘይኰነስ ዓመታት ከምዝወስድን ፈሊጣ።

ናብ ገዛኣ ምስ ከደት ንኣንድሪው ክትጽበዮ ጀሚራ።

"ብዙሕ ራድዮ እሰምዕ ነይረ" ትብል። "ክሳብ ክንደይ ይርድኣኒ ከምዝነበረ ኣይፈልጥን፡ መጻምድተይ ምስ መጸ ግን ሽዑ እየ እቲ ቋንቋ ክሳብ ክንደይ ከምዝተጸልወ ዝፈለጥኩ።"

ሃናን ኣንድሪውን ከም መጻምድቲ ሸሞንተ ዓመት ብሓባር ጸኒሖም እዮም፤ ሕጂ ግን ሃና፡ ኣንድሪው ዝብሎ ነገር ክትርዳእ ኣይከኣለትን።

ምልክታት ኢድን ናይ ገዛእ ርእሶም ስሪት ቋንቋ ምልክትን ምሂዞም። ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ፡ ሃና እትጽሕፎ እንግሊዝኛ ካብቲ እትዛረቦ ንላዕሊ ቀልጢፉ ምምሕያሽ ኣርእዩ።

"እቲ ርክብ [ዝርርብ] ብሓቂ ምስ ተበተኸ፡ ዋላ'ኳ ኣብ ሓደ ክፍሊ እንተሃለና፡ ብምጽሓፍን ሓጺር መልእኽቲ ምልውዋጥን ወይ ኢመይል ብምልእኣኽን ንረዳዳእ ነይርና" ትብል።

"ምስ ኣንድሪው ዘለኒ ርክብ ተጸልዩ’ዩ፤ ምኽንያቱ ስለዝደኸምካ ወይ ጸቕጢ ስለዘለካ ጥራይ ነንሕድሕድካ ኣይትዘራረብን።"

"ከምኡ ዓይነት ትዕግስቲ ክህልወካ ኵሉ ግዜ ቁሩብ ቃልሲ ይጠልብ'ዩ። ብርግጽ ግን ብዘይ ኣንድሪው ኣይምተጻወርክዎን ነይረ" ትብል።

ኣንድሪው ንሃና ንምድጋፍ ካብ ስርሑ ናይ 18 ኣዋርሕ ነዊሕ ፍቓድ ወሲዱ። ቀስ ብቐስ ዳግማይ ብዙሕ ቋንቋ እንግሊዝ ፈሊጣ፡ እቲ ዝነበረ ክእለታ ግን ድሕሪ ዓመታት’ውን ምሉእ ብምሉእ ኣይተመልሰን።

ሕጂ እንግሊዝኛ ካልኣይ ቋንቋኣ ኰይኑ ኣሎ።

"ንግሆ ንግሆ ጽቡቕ እየ፤ ድሕሪ ቀትሪ ግን እቲ ድኻም ብሓቂ ይብርትዕ'ሞ ኣብ ኣእምሮይ ብቋንቋ ጀርመን ምሕሳብ ይጅምር" ብምባል ካብ ድሕሪ ቀትሪ ጀሚሩ ሓንጎላ ናብ ቋንቋ ጀርመን ከምዘዘንብል ትዛረብ።

"ብቋንቋ ጀርመን ንገዛእ ርእሰይ መዘኻኸሪታት ይጽሕፍ፡ ምእንቲ ምሸት ኣንድሪው ምስ መጸ ምስኡ ክረዳዳእ።"

ምስ ለውጢ ምልማድ

እቶም መጻምድቲ፡ ብሰንኪ እቲ ሓደጋ ስብእና ሃና ክቕየር ተኽእሎ ከምዘሎ እውን ተቐቢሎም እዮም።

"ንምቕባል እቲ ዝኸበደ ክፋል ንሱ'ዩ ዝመስለኒ" ትብል ሃና። "ነቲ ሓድሽ መንነትካ ቅድሚ ምፍላጥካ፡ ነቲ ናይ ቀደም መንነትካ ክትፋነዎ ዳርጋ መስርሕ ሓዘን ክትሓልፍ ከምዘለካ'ዩ ዝስምዓካ።"

ሃና ኣብ ስብእናኣ ውሑዳት "ረቀቕቲ ለውጥታት" ኣለልያ ኣላ፤ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበራ ዓቕሊ የብላን - እዚ ድማ ናይ ንግዲ ትካላ ክትዓጽዎ ደሪኽዋ እዩ።

"ግብረ-መልሰይ ኣዝዩ ዝደንጎየ'ዩ፡ ንሰባት እዚ ከልቢ ኣይዀነኩምን ንክትብሎም ዘድልየካ ረቂቕ ቋንቋ የብለይን።"

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዝተማህረቶ ስእልን ስነጥበብን ክትነጥፍ ጀሚራ፡ ትኹረታ ንምምሕያሽ ድማ ሓድሽ ስፖርት ጀሚራ - ተኹሲ።

"ተዅሲ ከም ውሕሉል ኣስተንትኖ ይግለጽ’ሎ፡ እዚ ድማ ኣዝዩ ሓቂ'ዩ ዝመስለኒ ምኽንያቱ ምሉእ ብምሉእ ኣብቲ እትገብሮ ዘለኻ ከተተኩር ኣለካ።"

"ኣብ መጀመርታ ንኣስታት 20 ደቓይቕ ጥራይ እየ ክገብሮ ዝኽእል ነይረ፡ ሕጂ ድማ ክሳዕ ኣስታት ሓደ ሰዓትን ፈረቓን በጺሐ ኣለኹ።"

ኣብ 2015 ኣብ ጥቅምቲ ድሕሪ ቀትሪ ዘጋጠመ ሓደጋ ንህይወት፡ ቋንቋን ስብእናን ሃና ቀይሩዋ'ኳ እንተነበረ፡ ንሳ ግን ክትላመዶ ጀሚራ ኣላ።

"ብኣእምሮይ ሕጂ መንነተይ እዚ ምዃኑ ክርኢ ኣለኒ" ትብል።

"ብገዛእ ርእሰይ ሕጉስቲ እየ። ስለዚ ከምዚ ሕጂ ዘለኹዎ ኰይነ ህይወት ክነብር ዘይክእለሉ ምኽንያት የለን።"