ኣብ ኢትዮጵያ ሓሙሽተ ሰባት ጥራይ ዝዛረብዎ ቋንቋ
![እቶም ሓሙሽተ ቋንቋ ኦንጎታ ዝዛረቡ ሰባት፡ ጉያኦ ቆራዮ፣ ጌዳ ቃውላና ኢዳ ቆራዮ[ኣብ ላዕሊ - ካብ ጸጋም ንየማን] ጎምቦ ካውላን ጎምቦ ቃሮን [ኣብ ታሕቲ ካብ ጸጋም ንየማን]።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/6f10/live/901a5b70-ace8-11ed-8f65-71bfa0525ce3.jpg.webp)
ምንጪ ስእሊ, SOUTH RADIO AND TELEVISION AGENCY/ FB
ሩባ ወይጦ፡ ህይወት ብሄረ ብራይሌ እዩ።
ኣብቲ ሩባ ዝፈርዩ ዓሳታት፡ ኣብቲ ገምገም ዝበቑሉ ፍረታትን ሱር ኣሕምልትን ቀንዲ ምንጪ ምግቦም እዮም ነይሮም።
ሕጂ ግን እቲ ከባቢ ብድርቂ ኣዝዩ ተሃስዩ እዩ፤ ሩባ ወይጦ ክደርቕ መግቢ’ውን ክሰኣን ጀሚሩ ኣሎ።
ብዝሒ ኣርባሕቲ ከብቲ እውን ኣዝዩ ውሑድ እዩ። ንህቢን ፍርያት ንኣሽቱ ሕርሻታትን፡ ዳርጋ "የለን" ክበሃል ይክኣል።
እቲ ዝጠፍእ ዘሎ ግን ሩባ ወይጦ ጥራይ ኣይኰነን፤ ቋንቋኦም’ውን ዳርጋ ዝጠፍአ እዩ።
ቋንቋ ብራይሌ ኦንጎታ ይበሃል።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ሓሙሽተ ሰባት ጥራይ እዮም ኦንጎታ ዝዛረቡ። ኦንጎታ ምዝራብ እንተዘይከኣሉ’ኳ እቲ ቋንቋ ይርደኣና’ዩ ዝብሉ ሰባት ግን ኣለዉ።
ሓንቲ ካብቶም ነቲ ቋንቋ ዝዛረቡ ሓሙሽተ ሰባት ጎምቦ ቃሮ ትበሃል።
ንሳ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝውለዱ ህጻናት፡ ቋንቋ ኦንጎታ ገዲፎም ቋንቋ ጎረቤት ብሄረ ጻማይ ናብ ምዝራብ ከም ዝኣተዉ ንቢቢሲ ሓቢራ።
ናይዚ ምኽንያት ድማ፡ ኣባላት ብራይሌ ናብ ጻማይን ካልኦት ጎረባብቲ ብሄራት ኣብ ዝንቀሳቐሰሉን ዝጸንሑሉን እዋን ጸማይኮ (ቋንቋ ብሄረ ጸማይ) ስለ ዝጥቀሙ ምዃኑ ትገልጽ።
"ኣብኡ [ጻማይ] ዝተወልዱ ደቅና ድማ ጻማይኮ ለሚዶም። ንሕና’ውን ምስ ኣባላት ጸማይ ክንምርዖ ጀሚርና” ትብል ጎምቦ፡
እዚ ቁጽሪ ተዛረብቲ እቲ ቋንቋ ንክንኪ ቀንዲ ምኽንያት ምዃኑ ትኣምን።
ዋላ እኳ ንደቆም ነቲ ቋንቋ ክምህርዎም እንተደለዩ፡ ጻዕሮም ግን ካብ ሒደት ቃላት ምፍላጥ ሓሊፉ ፍረ ከም ዘየፍረየ’ያ ትዛረብ።
እቶም ደቆም’ውን በቲ ቋንቋ ክረዳድኡ ይደልዩ’ዮም፤ ቋንቋና ክጠፍእ ኣይንደልን ይብሉ።
ቦዳ ጌዳ ወዲ ጌዳ ቃውላ እዩ። ጌዳ ቃውላ ድማ ሓደ ካብቶም ቋንቋ ኦንጎታ ዝዛረቡ ሓሙሽተ ሰባት እዩ።
ቦዳ ብጻማይኮ እዩ ኣፍ ፈቲሑ፤ ከም "በዳዳ ከዋስ" (ከመይ ውዒልኩም) ዝኣመሰሉ ሒደት ቃላት ኦንጎታ እንተ ዘይኰይኑ ካልእ ኣይፈልጥን።
ንሱ፡ ኣብ ክልል ደቡብ ኣባል ባህሊ ዞባ ደቡብ ኦሞ እዩ። ኣቡኡ ዘምሃሮ ደርፍታት ብሬይል ብቋንቋ ኦንጎታ ይደርፍ።
እንተዀነ፡ እቲ ሕብረተሰብ ኣብ ግዜ ሓጎስ ይኹን ሓዘን ንዘመናት ዝደርፎም ደርፍታት ካብ ምውራስ ሓሊፉ ትርጉም እቶም ግጥሚታት ብዕምቆት ኣይፈልጦን።
"እቲ ቋንቋ ክመሃር ይደሊ’የ" ይብል እቲ ካብ ኣባል ብሄረ ጻማይ ዝዀነት ኣደ ዝውለድ ቦዳ።
“ግናኸ ብኸመይ ክመሃር ይኽእል? መጀመርያ ኣፍና ብጻማይኮ ኢና ፈቲሕና።”
ተወላዲ ብራይሌ ዝኾነ ወሮ ሞሌ’ውን ናይ ኦንጎታ ቋንቋ ክእለቱ ከም ቦዳ እዩ።
ቋንቋ ኦንጎታ ጽቡቕ ገይሩ ዝዛረብ ዝነበረ ኣቦ ወሮ ሞሌ ኣብ 1999 እዩ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ።
ኣብቲ እዋን፡ እቲ ቋንቋ ዝሓሸ ቁጽሪ ተዛረብቲ ከም ዝነበሮ ወሮ ይገልጽ።
"ኣብዚ ሕጂ እዋን እዚ ቋንቋ ክጠቕመኒ እዩ ኢሉ ዝኣምን መንእሰይ [ኣብቲ ከባቢ] የለን" ዝብል ወሮ ኦንጎታ ብዘይምፍላጡ ካብ ምጥዓስ ሓሊፉ ሕጂ ነቲ ቋንቋ ክለምድ ጻዕሪ እናገበረ ይርከብ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣርባ ምንጭ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ታሪኽን ዳይረክተር ኢንስቲትዩት መጽናዕቲ ባህልን ስነ-ቋንቋን ዝዀነ ዶክተር ስዒድ ኣሕመድ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብሰንኪ ጽልዋ ጻማይኮ ቁጽሪ ቋንቋ ኦንጎታ ዝዛረቡ ሰባት እናነከየ ከም ዝመጽአ ይሕብር።
ዶክተር ስዒድ፡ ኣብ 1999 ተዛረብቲ እቲ ቋንቋ 15 ከም ዝነበሩ ኣብቲ እዋን ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዘመልክት ይገልጽ።
ንሱ ከም ዝብሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ ቁጽሪ እቶም ተዛረብቲ ናብ ሸውዓተ ምውራዱ የመልክት።
ወሲኹ’ውን "ኣብዚ ዓመት ኣብ ዝገበርናዮ ትዕዝብቲ፡ ነዚ ቋንቋ ዝዛረቡ ክልተ ደቂ ኣንስትዮን ሰለስተ ደቂ ተባዕትዮን ኣለው" ኢሉ።
ኦንጎታ ዝዛረቡ ሓሙሽተ ሰባት መን እዮም?
ኣብ ቀረባ እዋን ብቴሌቪዥን ክልል ደቡብ ዝተመሓላለፈ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ፡ ጠቕላላ ቁጽሪ ተወለድቲ ብራይሌ 365 እዩ።
ካብዚኦም ግን ቋንቋ ኦንጎታ ዝዛረቡ እቶም ሓሙሽተ ጥራይ እዮም፤ ክልተ ደቂ ኣንስትዮን ሰለስተ ደቂ ተባዕቶትን።
እቶም ክልተ ኣሕዋት ክዀኑ እንከለዉ ካልኦት ክልተ ድማ ሓውን ሓፍትን እዮም።
ጎያኦ ቆራዮ፡ ካብቶም ነቲ ቋንቋ ዝዛረቡ ሓሙሽተ ሰባት እቲ ዝዓበየ እዩ። ዕድሚኡ ብንጹር እኳ እንተዘይተፈልጠ፡ 80 ዓመት ከም ዝመልኦ ግን ወሮ ይግምት። ጎያኦ ናይቲ ብሄር ሽማግለ ‘ዓዲ’ እዩ።
ጌዳ ቃውላ፡ ዕድሚኡ 70 ዓመት ዝግመት ካልእ ተዛራቢ ኦንጎታ እዩ።
ኢዳ ቆራዮ፡ ሓው ጎያኦ ኮይኑ፡ ብሓባር’ዮም ዝነብሩ። ዕድሚኡ 60 ዓመት ከም ዝዀነ ይግመት።
ጎምቦ ቃውላ፡ ዕድሚኣ 50 ዓመት ከም ዝዀነ ይግመት፤ ንሳ ሓፍቲ ጌዳ እያ። እዞም ሓፍትን ሓውን ምስ ጎያኦ ብመውስቦ ይዛመዱ።
ጎምቦ ቃሮ፡ እታ ብዕድመ ዝነኣሰት ተዛራቢት እቲ ቋንቋ ኮይና ጓል ኣስታት 45 ዓመት እያ። ምስ ጌዳ ቃውላ ዝምድና ኣለዎም።
ጎምቦ ቃሮ ብመዐቀኒ ሃብቲ እቲ ከባቢ ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ትርከብ፤ ንሳ፡ ኣጣልን ክልተ ብዕራይን ትውንን።
እቶም ዝተረፉ ኣርባዕተ ሰባት ግን እቲ ድርቂ ብኸቢድ ዝጸለዎምን ብደገፍ ስርናይ መንግስቲ ዝነብሩን ኰይኖም ክሳብ ጥረ ባናና ምብላዕ ከም ዝበጽሑ ይዛረቡ።
በዚ ምኽንያት ዶክተር ስዒድ፡ ነዞም ሰባት ብፍሉይ መልክዕ ውሕስነት መግቢ ዝረጋገጸሉ መንገዲ ክዝርጋሕ ይጠልብ።
ቋንቋ ኦንጎታ ካብ ምጥፋእ ክድሕን ይኽእል ድዩ?
ዶክተር ስዒድ፡ "እወ ይኽእል እዩ" ዝብል ምላሽ ይህብ። እቲ ግዜ ግን ሓጺር ስለ ዝዀነ ቅልጡፍን "ፍሉይ ትኹረትን" ከም ዘድሊ ይሕብር።
ይኹን እምበር ኣብቲ ከባቢ ብዘሎ ከቢድ ድርቂ፡ እቲ ሕብረተሰብ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ስለ ዝርከብ፡ ቅድሚ ቋንቋ ምድሓን ህይወት ህዝቢ ክቕድም ከም ዘለዎ የረድእ።
"መንግስትን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን፡ እዞም ሰባት ብህይወት ክጸንሑ እንተድኣ ገይሮም፡ እቲ ቋንቋ ኣብ ሓጺር ግዜ ናብ ንቡር ክምለስ ዝኽእለሉ ዕድል ኣሎ።"
ንሱ ከም ዝብሎ፡ ዩኒቨርስቲ ኣርባ ምንጭ ነዚ ኣብ ኣፍደገ ምጥፋእ ዝርከብ ቋንቋ ንምድሓን ፃዕሪ ጀሚሩ ኣሎ።
እቲ ዩኒቨርሲቲ፡ ንግእዝ ከም መወከሲ ተጠቒሙ ቁጽሪ ተዛረብቲ ቋንቋ ኦንጎታ ንምውሳኽ መደብ ሒዙ ይርከብ።
“ግዕዝ ሕጂ ኣብ ቤተ ክርስቲያን እዩ ዘሎ። ብግዕዝ ኣፉ ዝኸፍት የለን። ነዚ ኣብነት ገይርና፡ እዞም ሓሙሽተ ሰባት ኣብቲ ሕብረተሰብ ዝእከበሉ ቦታ ንዓበይቲ ሰባት መሰረታዊ ወይ ግብራዊ ትምህርቲ ክምህሩ ንምግባር ንሓስብ ኣለና” ይብል።
እቲ ቋንቋ እንተዘይተዛረቡ እውን ክንሰምዕ ንኽእል ኢና ዝብሉ ሰባት ምሃላዎም ተስፋ ዝህብ ምዃኑ’ውን የረድእ። ብተወሳኺ "ኣብ ሕብረተሰብ ለውጢ ኣተሓሳስባ ብምምጻእ" ህጻናት ኣፎም ብኦንጎታ ክኸፍቱ ምግባር ከም ዝከኣል ይገልጽ።
ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ እቲ ከባቢ ግን፡ ለውጢ የለን እምበር ኣብቲ ቋንቋን ብሄርን መፅናዕቲ ምክያድ ሓዱሽ ከም ዘይኰነ ይገልጹ።
ጎምቦ ቃሮ’ውን ነቲ ቋንቋ "ክነጽንዕ" ዝብሉ ሰባት ብቐጻሊ ናብ ከባቢኦም ከም ዝመጽኡ ትዝክር።
"ወጻእተኛታት ይመጽኡ፤ ካብ መንግስታዊ ዩኒቨርሲቲ ይመጽኡ። ክሳዕ ሕጂ ግን መጽናዕቶም ኣብ ምንታይ ደረጃ ከም ዝበጽሐ እኳ ዝነገረና የለን። 'ክንምለስ ኢና' ኢሎም ብእኡ ገይሮም ይቐርዩ።"
ሓያሎ ተመራመርቲ፡ ንኣባላት እቲ ሕብረተሰብ ቃለ መሕትት ብምግባር ዝተፈላለየ መጽናዕትታት ከም ዘካየዱ እኳ እንተተኣመነ፡ እንተወሓደ ኦንጎታ ኣብ ኣየናይ ምድብ ቋንቋ ከም ዝምደብ ግን ኣይተፈልጠን።
ወጌ፡ ዝተረሰዐ በዓል ብራይሌ
ብሄረ ብራይሌ ኣብ ክልል ደቡብ፡ ዞባ ደቡብ ኦሞ፡ ወረዳ በናጸባይ ይርከቡ።
ጎምቦ፡ ብዛዕባ ኣመጻጽኣ ናይቲ ህዝቢ ካብ ኣቦታታታን ኣያታታን ዝሰምዐቶ "ኣፈ ታሪኽ" መሰረት ብምግባር፡ ብሄረ ብራይሌ ካብ ዝተፈላለዩ ብሄራት ብዝመጽኡ ሰባት ከም ዝተመስረተ ትገልጽ።
ብሄረ ብራይሌ፡ ካብ ኣብ ክልል ደቡብ ዝርከቡ ብሄረ ፀማይ፣ ገማሌ፣ ገማዳን ካልኦት ብሄራትን ከምኡ’ውን ካብ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ካብ ከባቢ ኦሮምያን ቦረናን ዝተሰደዱ ሰባት ኣብ ገምገም ሩባ ወይጦ ምስ ተኣኻኸቡ ከም ዝተመስረተ ይንገር።
ብድሕሪኡ፡ ንቋንቋ ኦንጎታ ንዘመናት ከም መረዳድኢ ክጥቀሙሉ ጸኒሖም።
ኣባላት ብራይሌ ከም ካልኦት ብሄራት ክልል ደቡብ ተኣኻኺቦም ዘጸብንለዎ በዓል ሓድሽ ዓመት ነይርዎም።
ጎምቦ፡ ወሮን ቦዳን እዚ በዓል ከመይ ከም ዝኽበር ይገልጹ።
እቶም ደቀባት፡ ኣብ ትሕቲ እታ ኤሌቤ እትበሃል ገረብ ይእከቡ። ቆሎ፡ ቦርዴን ኣረቂን ይቐርብ።
ጤል ትሕረድ። ይብላዕ፡ ይሰተይን ከምኡ’ውን ምረቓ ይፍጸም። ድሕሪኡ "ወጌ ወጌ" እናበሉ ይስዕስዑ።
ይኹን እምበር ተወለድቲ እቲ ከባቢ ነዚ በዓል ካብ ዘብዕሉ 16 ዓመት ሓሊፉዎም ኣሎ።
እቲ እንኮ በዓል ናይቲ ብሄር ንመወዳእታ ግዜ ክኽበር ከሎ፡ ወዲ 10 ዓመት ዝነበረ ቦዳ፡ "እኽሊ ምስ በጽሐ፡ ኩሎም ኣባላት እቲ ብሄር ቅድሚ ነቲ እኽሊ ምምጋቦም ጫፍ ጫፉ ሒዞም ይመጽኡ። ብድሕሪኡ ኣብ ካብ ዕንጨይቲ ዝተሰርሐ ኣቕሓ [መትሓዚ] ይእከብ። ድሕሪ ምረቓ ኩሉ ሰብ ሸዊት ይበልዕ" ክብል ተዘክሮታቱ ይገልጽ።
ይኹን እምበር፡ ድሕሪ ሞት እቲ ኣብቲ ከባቢ ዓቢ ስም ዝነበሮ ኣኮ ወሮ፡ ኣባላት ብራይሌ ዘተኣኻኽቦም ስለ ዝሰኣኑን ብሰንኪ ለውጢ መነባብሮ እቲ ከባቢ ስለ ዝተረሓሓቑን እቲ በዓል ሕሉፍ ታሪኽ ኰይኑ ከም ዝቐረየ ንቢቢሲ ብሓዘን ገሊጹ።
ወሮ ይኹን ቦዳ፡ ቋንቋኦምን በዓሎምን ከም ዝፈትዉን ክመሃሩ ከም ዝደልዩ ይገልጹ። ድሌት መዛኑኦም’ውን እዚ እዩ።
"ቋንቋና እንተዘይሃልዩ ህዝብና ኣይክህሉን'ዩ። ቋንቋና ኣብ ሓደጋ እዩ ዘሎ። ይመውት ኣሎ" ይብል ወሮ።
ቦዳ ብወገኑ፡ እቲ ቋንቋ ዘይምፍላጡ "ኣዝዩ ኣዝዩ" ሓዘን ከም ዝስምዖ ይገልጽ ።
ጎምቦ ቃሮን ካልኦት ተዛረብቲ እቲ ቋንቋን፡ ንደቆም ቋንቋኦምን ባህሎምን ንምምሃር ድልዋት ምዃኖም ይዛረቡ።
እቲ ሕቶ ግን ብዘይካ እቲ በብእዋኑ ዝካየድ "መጽናዕቲ"፡ ንወለዶ ጎምቦን ወለዶ ቦዳንን መን የራኽቦም? እቲ ቋንቋ ብኸመይ ከይጠፍእ ይኽእል? ዝብል እዩ።
ነጋይ ኩኩ - ደሓን ቀንዩ!




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







