እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብኣፍቃሪኣ ነበር ብነዳዲ ዝተቓጸለት ዩጋንዳዊት ኣትሌት ዓሪፋ
ኣብ ፓሪስ ኦሎምፒክ 2024 ኣብ ውድድር ማራቶን ዝተሳተፈት ዩጋንዳዊት ኣትሌት ሬቤካ ቸፕቴጌይ፡ ህይወታ ከምዝሓለፈ ተገሊጹ። ሬቤካ ቸፕቴጌይ፡ ብሰንበት ብኣፍቃሪኣ ነበር ዝተፈጸማ መጥቃዕቲ ስዒቡ ኣብ ኣሰካፊ ኵነታት ከምትርከብ ተሓቢሩ ነይሩ።
ሰበ-ስልጣን ናይቲ ቸፕተጌይ እትነብረሉን እትስልጥነሉን ሰሜን-ምዕራብ ኬንያ፡ ካብ ቤተክርስትያን ናብ ገዝኣ ምስ ተመልሰት መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸማ እዮም ዝሕብሩ።
ኣፍቃሪኣ ነበር ኣብ ኣካላታ ነዳዲ ኣፍሲሱ ብሓዊ ምስ ኣቃጸላ፡ ከቢድ ኣካላዊ መጉዳእቲ በጺሕዋ።
እታ ጓል 33 ዓመት ኣትሌት፡ ልዕሊ 75 ሚእታዊት ኣካላታ ከምዝተቓጸለ ፖሊስ ገሊጹ ነይሩ።
እታ ኣትሌትን መጻምድታ ነበርን ብመሬት ክበኣሱ ከምዝጸንሑ ኣመሓዳሪ እቲ ከባቢ ዘቕረቦ ጸብጻብ የመልክት።
ኣብ ጥቓ ብሉጽ ማእከል ስልጠና ኣትሌቲክስ ኬንያ ኰይና ልምምድ ክትገብር ድሌት ዝነበራ ቸፕተጌይ፡ ኣብቲ ጥቓ ዶብ ኬንያ ዘሎ ዞባ ትራንስ ንዞያ መሬት ብምግዛእ ገዛ ከምዝሰርሐት ይንገር።
ፖሊስ ተወሳኺ መርመራ ይካየድ ከምዘሎ ኣፍሊጡ'ሎ።
ሬቤካ ቸፕቴጌይ፡ ብጽቡቕ ባህርያታ እትፍለጥ ኣትለት ከምዝነበረት ብዙሓት ይምስክሩ።
ኣቡኣ ጆሴፍ ቸፕተጌይ፡ “ኣዝያ ደጋፊት” ጓሉ ከምዝሰኣነ ገሊጹ።
ብጻያ ዩጋንዳዊ ኣትለት ጀምስ ኪርዋ ብወገኑ ለጋስን ንኻልኦት ጎየይቲ ብገንዘባ ትሕግዝ ከምዝነበረትን እዩ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ኣቡኣ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣብ ህይወቱ ከምዚ ዓይነት ኢሰብኣዊ ተግባር ርእዩ ከምዘይፈልጥ ብምግላጽ፡ መንግስቲ ኬንያ ድሕሪ ሞት ጓሉ ፍትሒ ከረጋግጽ ሓቲቱ ኣሎ።
"ኣላይት ስድራና ኢና ስኢንና" ብምባል እቶም ክልተ 12ን 13ን ዓመት ዝዕድሚኦም ደቃ ብኸመይ "ትምህርቶም ከምዝጽቕጽሉ" ከምዘይፈልጥ ጠቒሱ።
ኣብ ኤልዶሬት ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ኣማኻሪ ዝዀነ ዶክተር ኪማኒ ምቡጉዋ ንማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ክኢላታት እቲ ሆስፒታል ነታ ኣትሌት ከድሕኑ ዝከኣሎም ኵሉ ገይሮም’ኳ እንተነበሩ፡ ኣስታት 75 ሚእታዊት ኣካላታ ተቓጺሉ ስለዝነበረ ግን ከምዘይሰመረሎም ገሊጻ።
ንቸፕተጌይ ኣብ ሆስፒታል ከይዱ ዝበጽሓ ብጻያ ዩጋንዳዊ ኣትለት ጀምስ ኪርዋ፡ "ኣዝያ ምስ ሰብ እትቀራረብ እያ ነይራ። ንዅላትና ዋላ ብገንዘብ ሓጊዛትና እያ፡ ካብ ኦሎምፒክ ክትምለስ እንከላ መለማመዲ ጫማ ከይተረፈ ኣምጺኣትለይ። ንዓይ ከም ዓባይ ሓፍቲ እያ ነይራ" ብምባል ዝተሰምዖ ሓዘን ንቢቢሲ ገሊጹ።
ፌደሬሽን ኣትሌቲክስ ዩጋንዳ "ሎሚ ንግሆ ብዘሕዝን መንገዲ ግዳይ ዘቤታዊ ዓመጽ ዝዀነት ኣትሌትና ሬቤካ ቸፕቴጌይ ካብዛ ዓለም ብምፍላያ ኣዝዩ ሓዚንና። ከም ፈደረሽን ድማ ከምዚ ዓይነት ተግባራት ንኹንን፡ ፍትሒ ድማ ንጽውዕ። ነፍሳ ብሰላም ትዕረፍ" ክብል ኣብ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ ሓዘኑ ገሊጹ።
ሚኒስተር ስፖርት ኬንያ ኪፕቹምባ ሙርኮመን ብወገኑ፡ "እዚ ዘሕዝን ፍጻመ፡ ጾታ ዝደረኾ ዓመጽ ብህጹጽ ምምካት ከምዘድሊ ኣጽኒዐ የዘኻኽር'ዩ" ኢሉ።
ኣፍቃሪ ቸፕተጌይ ነበር'ውን ትሑት ከቢድ ቃጸሎ ኣጋጢምዎ ኣብ ሆስፒታል ሞይ ኤልዶሬት ሕክምና ይግበረሉ ኣሎ። ኵነታቱ እውን ምምሕያሽ የርኢ ከምዘሎ ዶክተር ኦወን መናች ተዛሪቡ።
ኣቐዲሙ፡ ሓላፊ ፖሊስ እቲ ከባቢ ኤርምያስ ኦለ ኮሲዮም ከምዝበሎ፡ እቶም መጻምድቲ ኣብ ኣፍ ደገ ገዝኦም ክበኣሱ ተሰሚዖም ነይሮም። እቲ ኣፍቃሪ ቅድሚ ምቅጻሉ ድማ ኣብ ልዕሊ እታ ኣትሌት ፈሳሲ ከፍስስ ተራእዩ እዩ።
ቸፕተጌይ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተኻየደ ኦሎምፒክ ፓሪስ ኣብ ውድድር ማራቶን መበል 44 ደረጃ ሒዛ ከምዝዛዘመት ይዝከር።
ብተወሳኺ ኣብ 2022 ኣብ ታይላንድ ኣብ ዝተኻየደ ሻምፕዮን ዓለም ጉያ ኣኽራንን ወርቂ ተዓዊታ ነይራ።
ኣብ ኬንያ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም መጥቃዕቲ ዓቢ ስክፍታ ፈጢሩ ይቕጽል ኣሎ። ኣብ 2022 ብውሑዱ 34 ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮ ኣካላዊ ዓመጽ ከምዘጋጠመን ምግላጸን ሃገራዊ መጽናዕቲ ይሕብር።
ብጾታ ኣትሌታት ኣግነስ ቲሮፕ ኣብ 2021፡ ኣብ 2022 ድማ ዳማሪስ ሙቱዋ ከም ዝተቐተላ ዝዝከር ኮይኑ፡ መጻምድተን ኣብ ቅትለት ክልቲአን ቀንዲ ጥርጡራት ተባሂሎም ብሰብመዚ ከምዝተለለዩ ይዝከር።
በዓል ቤት ኣትለት ቲሮፕ ኣብዚ እዋን’ዚ ብቕትለት ዝተኸሰሰ ኰይኑ፡ ኣብ ልዕሊ ኣፍቃሪ ሙቱዋ ዝካየድ ሃድን ድማ ገና ይቕጽል ኣሎ።