ዩጋንዳ፡ ኣብ ቤት መቕደስ ሓደ 'ባህላዊ ሓኪም' 24 ሽክናታት ሰብ ተረኺቡ

ፖሊስ ዩጋንዳ ኣብ መቐደሲ ሓደ ንነብሱ ከም ባህላዊ ሓኪምን ፈዋስን ዝገልጻ ዩጋንዳዊ 24 ሽክናታት ሰብ ከምዝረኸቡ ገሊጾም።

ፖሊስ እታ ሃገር እቲ ውልቀ ሰብ፡ ነቶም ሽክነኦም ጥራይ ዝተረኸበ ሰባት ከም መስዋእቲ ይጥቀመሎም ነይሩ ክኸውን ከምዝኽእልን ንሕልፈት ክፍረድ ተኽእሎ ከምዘሎን ሓቢሮም።

ወሃቢ ቃል ፖሊስ ዩጋንዳ ፓትሪክ ኦንያንጎ እቲ ድዳሙሊራ ጎድፍረይ ዝተበሃለ ጥርጡር ብሕጊ ምክልኻልን ምውጋድን ሰባዊ መስዋእቲ ክፍረድ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብቲ ድዳሙሊራ ጎድፍረይ ከም መጸለዪ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ኣብ ወሰናስን ካምፓላ ዝርከበ ገዛ ብዘይካ እቲ 24 ሽክናታት ሰባት፤ ሬሳታትን ቆርበትን እንስሳታትን’ውን ተረኺቡ’ዩ።

ፖሊስ ዩጋንዳ ተወሳኺ ሬሳታት ናይ ሰብ ክርከብ ይኽእል’ዩ ብምባል ድዳሙሊራ ጎድፍረይ ዝጽልየሎም ዝነበረ ካልኦት ቦታታት ንምርካብ ተፍትሾም ይቕጽሉ ከምዘለዉ እቲ ወሃቢ ቃል ፖሊስ ዩጋንዳ ሓቢሩ።

መጠንቀቕታ፡ እዚ ዛንታ ንገለ ሰብ ኣሰንባዲ ክኸውን ዝኽእል ስእሊ ኣለዎ

ወሃቢ ቃል ፖሊስ ኡጋንዳ ፓትሪክ ኦንያንጐ፡ “እዚ ክሱስ ብመሰረት ሕጊ ምክልኻልን ምውጋድን ሰባዊ መስዋእቲ እዩ ክፍረድ፤ እዚ ሕጊ እዚ ከኣ ዝዀነ ሰብ ንዝዀነ ኣካል ወዲ ሰብ ከም መስዋእቲ ከይጥቀመሉ ዝኽልክል ተሪር ሕጊ እዩ ዘለዎ” ይብል።

እቲ ወሃቢ ቃል፡ “ገበነኛ ኰይኑ እንተተረኺቡ ንሕልፈት ክፍረድ ይኽእለ’ዩ” ኢሉ።

ድዳሙሊራ ጎድፍረይ ንገዛእ ርእሱ ከም ባህላዊ ሓኪምን ፈዋስን’ዩ ዝገልጻ፤ እንተዀነ ማሕበር ባህላውያም ሓካይም ዩጋንዳ ንድዳሙሊራ ጎድፍረይ ከምይፈልጦ’ዩ ዝገልጽ ዘሎ።

ኣብ ዩጋንዳ ከምዚ ዓይነት ኣሰንባዲ ዜና ክስማዕ እዚ ናይ መጀመርታ ኣይኰነን፤ ቅድሚ ውሑዳት ሰሙናት’ውን ተመሳሳሊ ፍጻመ ኣጋጢሙ ነይሩ’ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ፖሊስ ዩጋንዳ ካብ ካምፓላ 41 ኪሎሜተር ርሒቝ ኣብ ዝርከብ ምምሕዳር ከባቢ ምፒጊ ኣብ ሓደ ባህላዊ ቤት መቕደስ 17 ሽክናታት ደቂ ሰብ ክረክብ ክኢሉ ነይሩ’ዩ።

ክልቲኡ እዚ ፍጻመታት ምስቲ ንሰብ ከም መስዋእቲ ምቕራብ ዝብል ባህላዊ እምነት ዝተኣሳሰር ክኸውን ከምዝኽል ከኣ ፖሊስ ጥርጣረኡ ኣቐሚጡ ኣሎ።

ኣብ ሓያለ ሃገራት ኣፍሪቃ ገለ ገለ ሰባት ንኣካላት ደቂ ሰባት ተጠቒምካ ዝግበር ጥንቆላ ጽቡቕ ዕድል ከምዘምጽእ እምነት ኣለዎም።

ንኣካላት ደቂ ሰባት ተጠቂምካ ዝግበር ጥንቆላዊ እምነት ሃብታም ንኽትከውን ወይ ከኣ ንጸላኢኻ ንኽትቀዝፍ ይሕግዝ’ዩ ዝብል እምነት ዘለዎም ሰባት ውሑዳት ኣይኰኑን።