ቢቢሲ ዝተዓዘቦ ኵነታት ናይታ ብጥሜት ዝተሃሰየት ህጻን

ካሜራ እናሓለፈት ከላ ዋላ ሓንቲ ናይ ምግራም ተርእዮ የለን። እቶም ቈልዑ ዳርጋ ቍሊሕ ኣይብሉን። ኣብ መንጎ ምዉታት፡ ኣብ ኣፍ ሞት ኮይኑ ንሞት ዝጽበ ዘሎ ቈልዓ እንታይ ከገርሞ ይኽእል? ጥሜት ኣድኪምዎም እዩ።

ውሑድ ራሽን ንምውሳድ ሓለሓሊፉ'ውን ክረኽቡ ንዘይኽእሉ ሪጋ ይጽበዮ ኣለዉ። መሳርሕተይን ካሜራኡን፣ ንቢቢሲ ፊልም ምስራሕ ለሚዶምዎ ኣለዉ።

ጥሜቶምን ምሟቶምን ከምኡ'ውን ቁርጽራጽ ኣካላቶም - ኣብ ጻዕዳ ካባታት ኣስማቶም እንተተፈሊጡ ዝጽሓፈሉ ምጥቕላል ኣስከሬን ይምስክር።

ን19 ኣዋርሕ ዝጸንሐ ኵናት ሕጂ ድማ ከም ብሓድሽ ኣብ ዝተጀመረ መጥቃዕቲ እስራኤል፡ሓደ ምእንተ ድሕነቱ ኢልና ሽሙ ዘይንረቑሖ በዓል ሞያ ስእሊ [ካሜራ ማን] ብዛዕባ እቲ ኣብ መረባ ሆስፒታላት ንዝደሓኑ ጭንቀት ዝተመልኦ ኣውያት ሰሚዑ።

ካብኣቶም ሪሒቑ ዝውዕል ዝሓድር ዋላ'ውን እንተኾነ ለይትን መዓልትን'ዮም ዝረኣይዎ። ንሱ ሓደ ካብኣቶም ኮይኑ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ዳርጋ ሲኦላዊ ቦታ ተዓጽዩ ኣሎ።

ሎሚ ንግሆ ንሲዋር ኣሾር ዝተባህለት ጓል ሓሙሽተ ወርሒ ህጻን ክረክብ ይብገስ ኣሎ። እታ ህጻን ካን ዩኒስ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ናስር ትርከብ ኮይና፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ኣብኡ ፊልም ክስእል ከሎ፡ ኣብ ውሽጡ ገለ ዝተንከፎ ነገር ከምዘሎ ክነግረኒ ብጽሑፍ ተድሃዩኒ።

እታ ህጻን 2 ኪሎ ክብደት ነይርዋ። እንተኾነ ክብደት ጓል ሓሙሽተ ወርሒ ህጻን ኣስታት 6 ኪሎ ወይ ልዕሊኡ ክኸውን ኣለዎ።

ሲዋር ካብቲ ዝነበረቶ ሆስፒታል ተፋንያ ናብ ገዛኣ ከምዝተመለሰት መሳርሕተይ ስለዝሰምዐ ኣብ መዕቖቢ ስደተኛታት ኣለሻ ጀሚሩ።

ኣለሻ እታ ህጻን ኣብ ኣጸጋሚ ኩነታት ኮይኑ'ዩ ዘካይዶ ዘሎ። ቅድሚ ቁሩብ መዓልታት ከመይ ከምዘሎ ክሓትት መልእኽቲ ሰዲደ። "ጽቡቕ የለኹን" ኢሉ መሊሱለይ።

"ቅድሚ ሒደት ሰዓታት ሰራዊት እስራኤል ንመብዛሕትኡ ከባቢታት ካን ዩኒስ ለቒቕና ክንወጽእ ኣጠንቂቑና ስለዘሎ እንታይ ክንገብር ከምዘለና ኣይንፈልጥን - ውሑስ ቦታ የለን" ኢሉ።

"ኣልማዋሲ ብዝተመዛበሉ ሰባት ኣዝዩ ዝተጨናነቐ እዩ። ንሕና ጠፊእና ኣለና፡ ኣብዚ ህሞት እቲ ቅኑዕ ውሳነ እንታይ ከምዝኾነ ሓሳብ የብልናን።"

ሓደ መደቀሲ ክፍሊ ዘለዎ ዳስ ይረክብ፣ እቲ መእተዊኡ ብዕምባባታት ዝተቐርጸ፣ ግራጭን ጸሊምን መጋረጃ ዝቖመ እዩ።

ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ፍርናሽ ከምኡ'ውን ኣብ ቅድሚ ሲዋር፡ ኣዲኣ ናጅዋን ዓባያ ሪምን ረጊገን ኮፍ ኢለ ይረኣያ።

ሲዋር ሕልምልም እናበለት በተን ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ተሓቝፋ እያ። እታ ህጻን ብሰንኪ ከቢድ ኣለርጂ ስሩዕ ጸባ ክትጠቡብ ኣይትክእልን። ብሰንኪ እቲ ብእስራኤል ተነቢሩ ዘሎ እገዳ ረድኤት፡ እትደልዮ ዓይነት መግቢ ክትረክብ ኣይከኣለትን ዘላ።

ጓል 23 ዓመት ናጅዋ፡ ኣብ ሆስፒታል ናሰር ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ኣብ ድሓን ኩነታት ከምዝነበረት ብምዝኽኻር ሓካይም ቅድሚ ሓያሎ መዓልታት ናይ ህጻናት ጸባ ኣትሒዞም ከምዘፋነውዋ ትገልጽ።

ሕጂ ክብደት ናይታ ህጻን መሊሱ ከንቆልቁል ከም ዝጀመረ ትዛረብ።

ኣስዒባ "እቶም ሓካይም ሲዋር ከምዘመሓየሸትን ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረቶ ዝሓሸት ከምዘላን ነጊሮምኒ፡ እንተኾነ ግን ክሳብ ሕጂ ዋላ ሓንቲ ለውጢ የብላን። ሓንቲ ቆርቆሮ ጸባ ጥራይ ረኺቦምላ፡ ንሳ ድማ ዳርጋ ተወዲኣ እያ" ኢላ።

ጽንጽያታት ኣብ ቅድሚ ገጽ ሲዋር ዓሲሎም ይረኣዩ። "እቲ ኩነታት ኣዝዩ ዘስካሕክሕ እዩ" ትብል ናጅዋ "ዝኾነ ነገር ከይትንክፋ ብስካርፍ ክሽፍና ኣለኒ" ትብል።

ሲዋር ካብ ዝተወልደትሉ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ጀሚራ ምስ ናይ ኵናት ድምጺ'ያ ትነብር ዘላ

ናጅዋ ነቲ ኩነታት ክትገልጾ እንከላ: "ድምጺ ታንክታትን ነፈርቲ ውግእን ሮኬታትን ንዓና ዝቐረበ'ዩ። ሲዋር ነቲ ድምጽታት ክትሰምዕ እንከላ ሰንቢዳ ትበኪ። ደቂሳ እንተፀኒሓ ድማ ሰንቢዳ እናበኸየት እያ ትበራበር" ኢላ።

ሓካይም ቓዛ ብዙሓት መንእሰያት ኣዴታት ብሰንኪ ሕጽረት ኣመጋግባ ንደቀን ከጥብዋ ከምዘይክእላ ይሕብራ። እቲ ተኣፋፊ ጸገም ሕጽረት መግብን ጽሩይ ማይን እዩ።

ናጅዋ ሲዋር ምስ ተወልደት ንገዛእ ርእሳ ሕጽረት መግቢ ነይርዋ። ንሳን ኣዲኣ ሪምን ክሳብ ሕጂ ዝበልዕኦ ነገር ንምርካብ ይጽገማ። ዝብላዕን ዝስተን ንምርካብ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰዓት ቃልሲ'ዩ።

"ንኣብነት ንሕና ብሰንኪ ዋጋታት ምኽባርን ምዕጻው ዶባትን ጸባ ወይ ዳያፐር ክነቕርብ ኣይንኽእልን ኢና" ትብል።

ብ22 ጉንቦት ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል ኣብ ቓዛ ሕጽረት መግቢ ከምዘየለ ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት "ንእንዳ ሰንካቶ ባኒ ዝኸውን ሓርጭ" ናብቲ ከባቢ ከምዝኣተወ ኣፍሊጡ።

እቲ ናይ እስራኤል ወተሃደራዊ ሓይሊ፡ ሓማስ 'ሓገዝ ይሰርቕ'ሎ' ክብል ብተደጋጋሚ ዝኸሰሰ ኮይኑ፡ መንግስቲ እስራኤል ድማ ሓማስ ክሳብ ዝድምሰስን ኣብ ቓዛ ተታሒዞም ዘለዉ እስራኤላውያን ጅሆ ክሳብ ዝፍታሑን ኲናት ክቕጽል እዩ" ይብል።

ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንጃሚን ነታንያሁ ከም ዝበሎ፡ ኣብቲ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብሓማስ ዝተታሕዙ 20 ጅሆ ብህይወት ከምዘለዉን ክሳብ 30 ዝበጽሕ ሞይቶምን እዮም።

ትካላት ረድኤት፡ ሕቡራት ሃገራትን ብሪጣንያ ሓዊሱ ብዙሓት ናይ ወጻኢ መንግስታትን፡ ሕጽረት መግቢ የለን ዝብል መግለፂ እስራኤል- ይነጽግዎ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ እውን ኣብ ቓዛ "ብጥሜት" ዝሳቐዩ ሰባት ከምዘለዉ ተዛሪቡ ነይሩ።