ኣብዚ ሰሙን ደሃዩ ዝጠፍአ ብሓማስ ጅሆ ዝተትሓዘ ኣመሪካዊ

ሓማስ፡ እስራኤል ኣብ ቦታኦም ድሕሪ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ፡ ምስቶም ኣብ ቓዛ ንሓደ እስራኤላዊ-ኣመሪካዊ ጅሆ ሒዞም ዝነበሩ ጕጅለታቱ "ርክብ ከም ዘቛረጸ፡" ይገልጽ።

እቲ ወዲ 21 ዓመት ወተሃደር ኤዳን ኣሌክሳንደር፡ ሓማስ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ዝዘርግሖ ቪድዮታት ተራእዩ ነይሩ።

እስራኤል ካብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝቐረበ ሓድሽ ናይ 45 መዓልታት ተዅሲ ደው ናይ ምባል እማመ፡ ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ክፍታሕ ሓቲታ ነይራ።

ሓማስ፡ ትማሊ ሰሉስ ከምኡ እኳ እንተ በለ፡ ካብ መዓስ ጀሚሩ ርክብ ከም ዘቋረጸ ኣየነጸረን፣ ዝዀነ መርትዖ'ውን ኣየቕረበን።

እስራኤል፡ ጅሆ ዝተትሓዙ ዝርከብሉ ኢላ ዝኣመነቶም ቦታታት ካብ ምውቃዕ ከም እትቝጠብ ብቐጻሊ ትገልጽ።

ወሃቢ-ቃል ሓማስ ኣቡ ኦቤይዳ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ኣብቲ ዝነበሩዎ ቀጥታዊ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ፡ ኤዳን ኣሌክሳንደር ምስቶም ሒዞሙዎ ዝነበሩ ዕጡቓት ርክብ ከም ዘቋረጽና ነፍልጥ፡" ኢሉ።

"ሕጂ'ውን ኣብዚ ህሞት ክንረኽቦም ንጽዕር ኣለና፡" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ካብቶም ኣብ 2023 ኣብ እዋን መጥቃዕቲ ሓማስ ከም ጅሆ ዝተታሕዙ 251 ሰባት፡ እቶም 59 ክሳዕ እዚ ግዜ'ዚ ሓራ ዘይወጽኡ ኰይኖም፡ ካብዚኦም እቶም 24 ብህይወት ከም ዘለዉ ይእመን።

ካብቶም ኣብ ቓዛ ጅሆ ዝተታሕዙ እቶም ሓሙሽተ ዜጋታት ኣመሪካ ኰይኖም፡ ኤዳን ኣሌክሳንደር እቲ እንኮ ብህይወት ዘሎ ተባሂሉ ይእመን።

ሓማስ፡ ድሒሩ ብሰሉስ ንስድራቤት እቶም ዝተረፉ ጅሆታት ዒለማ ዝገበረ ኣብ ዝዘርግሖ ቪድዮ፡ እስራኤል ኣብ ቓዛ ወተሃደራዊ መጥቃዕታ እንተ ቀጺላ ኣብ 'ሳንዱቕ ሬሳታት' ጥራሕ ከም ዝምለሱ ኣጠንቂቑ።

ሓማስ ኣሌክሳንደር ብህይወት ከሎ ዘርኢ ቪድዮ ብሰንበት ዘውጽአ ኰይኑ፡ ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል በንያሚን ነታንያሁን ትራምፕን ንኸፍትሑዎ ክደራደሩ ይላቦ ነይሩ።

እቲ ሓድሽ እማመ

ኣሌክሳንደር፡ ኣካል ናይቲ እስራኤል ን45 መዓልታት ዝጸንሕ ተዅሲ ደው ምባል ዘቕረበቶ እማመ ከም ዝነበረ ይዝረብ።

እቲ ሓድሽ እማመ፡ "ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ናይቲ ስምምዕ ፍርቂ ካብቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ምልቃቕ፡" ዘጠቓልል ምዃኑ ሓደ ብዓል ስልጣን ሓማስ ንኤኤፍፒ ገሊጹ።

እቲ ብዓል ስልጣን፡ እቲ እማመ፡ ኣሌክሳንደር ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ምፍታሕ፡ ከም "መግለጺ ቅንዕና" ክረአ ዝጽውዕ ነይሩ።

ኣብቲ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ዝተኣወጀ ንኽልተ ኣዋርሕ ዝጸንሐ ተዅሲ ደው ምባል፡ ሓማስ 33 ጅሆ ፈቲሑ። በቲ ካልእ ወገን ድማ 1900 ፍልስጤማውያን እሱራት ምፍታሕን ናብ ቓዛ ረድኤት ምእታውን ኣስዒቡ።

ንኻልኣይ ምዕራፍ ዝካየድ ዝነበረ ድርድር ምስ ፈሸለ፡ እስራኤል ብ18 መጋቢት ዳግማይ መጥቃዕቲ ጀሚራ።

ብዛዕባ ኤዳን ኣሌክሳንደር

ኣብ ተልኣቪቭ ተወሊዱ፡ ኣብ ኒውጀርሲ ዝዓበየ ኣሌክሳንደር፡ ኣብ ዶብ ቃዛ ኣብ ዝርከብ ኣሃዱ ኣጋር ሰራዊት እና'ገልገለ እንከሎ እዩ፡ ኣብቲ ብ7 ጥቅምቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብዕጡቓት ሓማስ ተታሒዙ።

ኣቡኡ - ዓዲ ኣሌክሳንደር፡ ትማሊ ደኑይ ምስ ኣመሪካዊት ማዕከን ዜና ኒውስኔሽን ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ ንተግባራት ነታንያሁ ኣብ ሕቶ ኣእትዩ ነይሩ።

"እዚ ኲናት ከየብቅዓካን ንኻልኣይ ምዕራፍ ናይዚ ስምምዕ ቃል ከይኣተኻን፡ ጅሆታት ከመይ ገይርካ ሓራ ከተውጽእ መደብ ኣለካ፡" ክብል ሓቲቱ ነይሩ።

ሓማስ፡ ተጻብኦታት ምሉእ ብምሉእ ብምቍራጽን እስራኤል ካብ ቓዛ ምሉእ ብምሉእ ብምስሓብን፡ ንዅሎም እቶም ክሳብ ሕጂ ከም ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ንምምላስ ድልው ምዃኑ ገሊጹ።

እቲ ጕጅለ ነቲ እስራኤል ዳግማይ ተዅሲ ደው ንምባል ዘቕረበቶ እማመ ግን ብሰሉስ ነጺጉዎ።

ሓደ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ፍልስጤም ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "እቲ ብግብጺ ኣቢሉ ናብቲ ጕጅለ ዝበጽሐ እማመ-እስራኤል፡ እስራኤል ነቲ ኲናት ንምቍራጽ ወይ ካብ ቐዛ ንምስሓብ ዝዀነ ይዅን ቃል ከይኣተወት፡ ሓማስ ዕጥቂ ክፈትሕ ብግልጺ ይጽውዕ። ስለዚ፡ ሓማስ ነቲ ጻውዒት ምሉእ ብምሉእ ነጺጉዎ፡" ኢሉ።

እስራኤል፡ ኣብ ቓዛ ዳግማይ መጥቃዕታ ካብ እትጅምር ንደሓር፡ ብውሕዱ 1,630 ሰባት ከም ዝተቐትሉ - እዚ ድማ ኣብቲ 18 ኣዋርሕ ዝወሰደ ኲናት ዝሞቱ ሰባት 51,000 ከም ዘብጽሖ፡ ምኒስትሪ ጥዕና ፍልስጤም ይሕብር።

እቲ ኲናት ዝተወልዐ፡ ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብምፍጻም፡ 1,200 ሰባት ምስ ተቐትሉን 251 ጅሆ ምስ ተትሓዙን ዝሰዓበ እዩ።