እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብልዕሊ 28 ሽሕ ዶላር ዝተሸጠት ክንቲት ክብረ ወሰን ሒዛ
ብዙሕ ግዜ ጥንታውያን ኣቝሑ ብጨረታ ብኽቡር ዋጋ ክሽየጡ ንሰምዕ ንኸውን ኢና፤ ንሓንቲ ክንቲት ዑፍ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዶላር ክትሽየጥ ግን ብዙሕ ሰብ ዝጽበዮ ኣይኰነን።
ሓንቲ ክንቲት ናይ ሓንቲ ኣብ ኒውዚላንድ ፍሉጣት ካብ ዝነበራን ሕጂ ግን ዝጸነታ ዓይነታት ኣዕዋፍ 'ሁይ' ክብረ ወሰን ብዝሓዘ መጠን ገንዘብ ብጨረታ ተሸይጣ።
እታ ክንቲት ብ46 ሽሕን 521 ዶላር ኒውዝላንድ ወይ ብ28 ሽሕን 417 ዶላር ኣሜሪካ’ያ ብጨረታ ተሸይጣ።
እቶም ኣጫረትቲ፡ እታ ክንቲት ኣብ መጀመርታ ብ3000 ዶላር ክትሽየጥ ከምእትኽእል’ኳ ገሚቶም እንተነበሩ፡ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ንሓንቲ ክንቲት ዝተኸፈለ ዋጋ ብ450 ሚእታዎት ወሰኽ ብምርኣይ እዛ ክንቲት ሓድሽ ክብረ ወሰን ከተመዝግብ ከምዝኽኣለት ገሊጾም።
ክንቲት ናይተን ሁይ ዝተበሃላ ዓይነታት ኣዕዋፍ፤ ኣብ ሕብረተሰብ ማኦሪ ሹመኛታትን ስድራኦምን ከም መርኣዪ ክብሮም ኣብ ቆቢዖም ዝሰዅዕዎ ዓይነት ክንቲት’ዩ ነይሩ።
እታ ዑፍ ንመወዳእታ ግዜ ኣብ 1907 ከምዝተረኣየት’ኳ ዝግልጽ እንተዀነ ገለ ገለ ተመራመርቲ ግን ኣብ 1930 ክሳብ 1940’ውን ትርአ ከምዝነበረት ምግላጾም ኣብ ቤተ መዘክር ኒውዚላንድ ተሰኒዱ ኣሎ።
ኣዕዋፍ ሁይ ብግዝፈን ንኣሽቱ ኰይነን ኣዝዩ ጥዑም ዝዀነ ድምጺ ከምዝነበረንን ኣኽናፈን ከይዘርግሓ ነዊሕ ናይ ምዝላል ክእለት ከምዝነበረን ይንገር።
ሓላፊት ነታ ክንቲት ብጨረታ ዘሸጠ ትካል ልያ ሞሪስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ እታ ብሰኑይ ብጨረታ ዝተሸጠት ክንቲት “ኣብ ጽቡቕ ኵነታት” ዝጸንሐት ከምዝዀነት ብምግላጽ፡ “ክሳብ ሕጂ ሕብራ ኣይሃሰሰን ብልጭልጭ’ያ ትብል ዝዀነ ዓይነት ባልዕ ኣይተንከፋን” ኢላ።
ልያ ሞሪስ ኣስዒባ እቲ ኣጫራቲ ትካል ነታ ክንቲት ካብ ዝዀነ ተጓዳኢ ብርሃን ክከላኸለላ ዝኽእል መስትያትን ፍሉይ ወረቐትን ገይሩ ከምዝሸፈና ብምግላጽ ብሕጂ’ውን ንነዊሕ ዓመት ከምዘላቶ ክትጽንሕ ምዃና ኣብሪሃ።
እታ ክንቲት ብዘይ ፍቓድ ሚኒስትሪ ባህልን ሓድጊታትን ካብ ኒውዝላንድ ክትወጽእ ከምዘይትኸል’ውን ልያ ሞሪስ ሓቢራ።
ልያ ሞሪስ ዋጋ ናይዚ ክንቲት ክኸብር ካብ ዝገበሮ ቀንዲ ረቋሒታት፡ እታ ዑፍ ስለዝጸነተን ህዝቢ ኒውዝላንድ ኣብ ከባቢኡ ዘለዎ ተገዳስነትን ከምዝዀነ ትገልጽ፤ “እታ ዑፍ ስለዝጸነተት ካልኦት ኣዕዋፍ ከምኣ ክጸንታ ኣይንደልን ኢና” ብምባል እዛ ክንቲት ነተን ኵለን ዝጸነታ ኣዕዋፍ ንምዝካረንን ነዘን ዘለዋ ኣዕዋፍ ንከይጸንታ መዘኻኸሪትን’ያ ኢላ።