ብቅትለት ርዋንዳዊ ኣትሌት ዝተጠርጠሩ ክልተ ኬንያውያን ኣትሌታት ተኣሲሮም

ኣብ ምዕራብ ኬንያ ኣብ ዝርከብ መለማመዲ ኣትሌታት ብቅትለት ርዋንዳዊ ወዲ 34 ዓመት ኣትሌት ሲራጂ ሩባዮታ ዝተጠርጠሩ ክልተ ኬንያውያን ኣትሌታት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም።

ርዋንዳዊ ኣትሌት ሲራጂ ሩባዮታ፡ ኣብ ዓዲ ጣልያን ንዝገብሮ ውድድር ንምድላው’ዩ ኣብታ ንልምምድ ምችእቲ ዝኾነት ኣብ ምዕራብ ኬንያ እትረከብ ኢተን ዝተብሃለት ኬንያዊት ከተማ ልምምድ ዝገብር ነይሩ።

ስድራ ሲራጂ ሩባዮታ “ኬንያዊ ዓርኩ ምስ ኣፍቓሪቱ ቅድሚ እታ ዝተቐተለላ መዓልቲ ናብ ገዝኦም ዓዲሞምዎ” ብምባል እቲ ቅትለት ትርጉም ዘይህብን ጎነጻዊ ተግባርን ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ስድራ ሲራጂ "ፍትሒ" ከረጋገፅ ብምጽዋዕ፡ “ሲራጂ ኣብ ጉያ ዝነበሮ ተውህቦ ተጠቒሙ ኣብ ዝልዓለ ብርኪ ክበጽሕ ኣብ ጻዕሪ’ዩ ነይሩ” ኢሎም።

ፖሊስ ኬንያ ንቅትለት ሲራጂ ድሕሪ ምምርማር ቀንዲ ተጠርጠርቲ ዝበሎም ክልቲኦም ኬንያውያን ዝኾኑ ሓደ ኣትሌትን ሓንቲ ኣትሌትን ኣብ ቀይዲ ከምዘእተዎም ገሊጹ ኣሎ።

ሓፍቲ ሲራጂ ሩባዮታ ዝኾነት ናስራ ቢሹምባ፡ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕትት፡ ሓዋ ቅድሚ ናብ ዓዲ ጣልያን ምኻዱ ጽባሕ ዓርቢ ናብ ኪጋሊ ናይ ምምጻእ መደብ ከምዝነበሮ ሓቢራ።

ናስራ ቢሹምባ ኣብ ኢተን ዝርከብ ኣሰልጣኒ ሓዋ፡ ሲራጂ ናብ ገዛ ከይመጽአ ምስ ሓደረ ተሻቒሉ ከምዝሓደረ ትገልጽ።

“ንዓና ምስ ነገረና ብቅልጡፍ ምስ ፖሊስ ብምዃን ነቶም ቀንዲ ተጠርጠርቲ ዝኾኑ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣትዉ ገይርና" ትብል።

ማዕከናት ዜና ኬንያ፡ እቲ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ዘሎ ኬንያዊ ኣትሌት ኣብ ሞንጎ ኣፍቃሪቱን ኣብ ሞንጎ ሲራጂ ሩባዮታን ዝነበረ ጥቡቕ ርክብ የሐጉሶ ከምዘይነበረ ይገልጻ ኣለዋ።

ሬሳ ሲራጂ ኣብ መርመራ ኣብ ዘለወሉ፡ ስድርኡ ሬሳ ወዶም ንምውሳድ ናብ ኢተን ጉጅለ ሰዲዶም ኣለዉ።

“ናብ ዓዱ ኣምጺእና እቲ ዝግብኦ ክብርን ፍቕርን ክንህቦ ኢና፡ ኣዝዩ ፍሉይ ውላድን ሓውን’ዩ ነይሩ”

ላዕለዋይ ኮሚሽን ርዋንዳ ኣብ ኬንያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ “ላዕለዋይ ዲፕሎማት ኮሚሽን ርዋንዳ ናብቲ ቦታ ብምኻድ ነዚ ጉዳይ ይከታተሎ ኣሎ” ኢሉ።

ሲራጂ ሩባዮታ፡ ንሃገሩ ርዋንዳ ብምውካል ኣብ ኣፍሪቃን ኣውሮጳን ኣብ ሓያለ ውድድራት ዝተሳተፈ ኣትሌት’ዩ።

ኣብ ሰነ ኣብ ኪጋሊ ኣብ ዝተኻየደ ዓለምለኻዊ ማራቶን ሰላም ኪጋሊ መበል 13 ኰይኑ ውድድሩ ምዝዛመ’ውን ናይ ቀረባ ተዘክሮ’ዩ።