እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያ፡ ብዕጡቓት ዝተጨውዩ ልዕሊ 100 ተምሃሮ ኣበይ ኣተዉ?
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ካብቲ ዝምሃሩሉ ዩኒቨርሲቲ ደባርቕ - ጐንደር ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝጓዓዙ ዝነበሩ ተምሃሮ 'ብዕጡቓት ተጨዮም' ዝብል ዜና ምስተሰምዐ ንብዙሓት ኣሰንቢዱ።
ኣብታ ጭውያ፡ ቅትለትን ጾታዊ ዓመጽን ተመሳሳሊ ተጓንፎታትን ገኒኑ ዝረኣየላ ሃገር፡ ከምዚ ዓይነት ዜና ተለሚዱ'ኳ እንተዀነ፡ ከምዚ ዝበለ ብጅምላ ዝካየድ መጭወይቲ ተምሃሮ ግን፡ ብፍላይ ኣብቶም ብእምነት ትካላት መንግስቲ ደቈም ንትምህርቲ ዝለኣኹ ወለዲ ከቢድ ቍጥዐ ፈጢሩ'ሎ።
እዞም ተመሃሩ ኣብዚ እዋን ተለቒቘም እዮም ዝበሃል'ኳ እንተዀነ፡ ሓያለ ወለዲ ግን መበጆ ገንዘብ ይሕተቱ ከም ዘለዉ እዮም ዝገልጹ።
ሓፍቲ በቀለ፡ ካብቶም ዛጊድ ደሃዮም ዘይተረኽቡ ልዕሊ ሚእቲ ተምሃሮ እቲ ዩኒቨርስቲ ሓንቲ እያ።
ኣብ መወዳእታ ዓመተ ትምህርቲ፡ ናብ ገዛኣ ክትምለስ ናብ ኣውቶቡስ እንተተሰቕለት’ኳ፡ ኣብ ዝሓሰበቶ ክትበጽሕ ኣይከኣለትን።
ካብ ስድራቤታ ዝዀነ ሰብ ምስኣ ርክብ ክገብርን ደሃያ ክፈልጥን ኣይከኣለን።
ሃንደበት በቀለ ካብ ሓፍቱ ዝመጽእ ጻውዒት ተሌፎን ምስረአየ፡ ሰንቢዱ ብቕልጡፍ እዩ ተቐቢልዎ።
መጀመርያ እቲ ክሰምዖ ዝናፈቘ ድምጺ ሓፍቱ ተቐቢልዎ። ደሓር ግን ናይ ሓደ ዘይፈልጦ ሰብኣይ ድምጺ ስዒብዎ።
ኣስዒቡ፡ ንሓፍቱ ዳግማይ ክርእያ ዝደሊ እንተዀይኑ፡ 700 ሽሕ ብር (12,000 ዶላር) ምኽፋል ከምዘድልዮ ይነግሮ።
እቶም መብዛሕትኦም ተምሃሮ ዝዀኑ ተሳፈርቲ ኣውቶቡስ ዝሓለፈ ረቡዕ እዮም ብዕጡቓት ተጨውዮም።
ገሊኦም ሃዲሞም ከምልጡ ፈቲኖም። ካብቶም ከምልጡ ዝኸኣሉ ዕድለኛታት ድማ፡ እቶም ብሰለስተ ኣውቶቡሳት ዝጓዓዙ ዝነበሩ ልዕሊ 100 ተምሃሮ ክሳብ ሕጂ ተጨውዮም ከምዘለዉ ከምዝኣምኑ ንቢቢሲ ሓቢሮም።
እቶም ጨወይቲ ንበቀለ ሰለስተ ግዜ ደዊሎም፡ 700 ሽሕ ብር መበጆ ሓቲቶምዎ ኣለዉ።
በቀለ፡ ኣብ ልዕሊ ሓፍቱ ዝኸፍአ ከይወርድ ብምስጋእ፡ “ከም መጠን መዓልታዊ ሸቃላይ፡ ነቶም ጨወይቲ 7 ሽሕ ብር ክኸፍሎም እኳ ዓቕሚ የብለይን” ይብል።
በቀለ፡ ንሱ ንበይኑ ግን ኣይኰነን ግዳይ እዚ ተጓንፎ ኰይኑ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ጭውያ ንምልቓቕ ንዝፍጸም ክፍሊት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዓበየ እዩ መጺኡ።
ኣብ ዙርያ ርእሰ ከተማ ኢትዮጵያ-ኣዲስ ኣበባ እትርከብ፡ ካብ ክልላት እታ ሃገር ዝዓበየት ኦሮሚያ ድማ፡ በዚ ክስተታት ዝያዳ ዝተሃሰየት ክልል እያ።
ሓይልታት ጸጥታ እታ ብብዝሒ ህዝባ ካብ ኣፍሪቃ ካልኣይቲ ዝዀነት ሃገር፡ ዝተልዓሉ ግጭታት ንምግታእ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ፋሕ ዝበሉ ኰይኖም፡ ብሰንኪ'ዚ ድማ ሕጊ-ኣልቦነት እናወሰኸ ከመጽእ ጸኒሑ እዩ።
እቶም ዝሓለፈ ረቡዕ ዝተጨውዩ ተምሃሮ ብሰለስተ ኣውቶቡሳት ካብታ ኣብ ጥቓ ኣኽራናት ሰሜን ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ደርባቕ ናብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እዮም ዝኸዱ ነይሮም።
እተን መካይን ኣብ ከባቢ ገርባ ጉራቻ ዝተባህለት ንእሽቶ ከተማ ኦሮምያ ምስ በጽሓ ግን፡ ዘይተጸበያኦ ደውታ ኣጋጠመን።
ኣብ ሓንቲ ካብተን ኣውቶቡሳት እትጓዓዝ ዝነበረት ተምሃሪይት ሳይንስ እንስሳት፡ ምሕረት፡ “ተዅሲ ይስማዕ ነይሪ፡ ካብኡ ድማ ‘ጉየዩ፡ ጉየዩ’ ዝብል ተደጋጋሚ ትእዛዝ ሰሚዐ። እንታይ ንገብር ከም ዘለና’ውን ኣይፈለጥኩን” ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ።
ተምሃራይ ሕጊ ጴጥሮስ ወሲኹ፡ “ንዅሉ ሰብ ጐይዩ ክወርድ ነጊሮሙዎ። ንዅሉ [ብበትሪ] ክሃርሙ ጀሚሮም፡ ናብቲ ኣብ ጥቓና ዝነበረ ጫካ ክንጎዪ ኣገዲዶምና። ዘስካሕክሕ እዩ ነይሩ።”
እቶም ዕጡቓት፡ ነቶም ተምሃሮ፡ ናብቲ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ [ኦላ] ይንቀሳቐሰሉ ተባሂሉ ዝእመነሉ ርሑቕ ገጠር ’ዮም ወሲዶምዎም።
እቲ ጕጅለ፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ዝዓበየ ብዝሒ ህዝቢ ዘለዎ ብሄረ ኦሮሞ "መሰል-ርእሰ-ውሳነ" ንምርግጋጽ ይቃለስ ከምዘሎ ዝገልጽ ኰይኑ፡ ብመንግስቲ እታ ሃገር ከም ግብረሽበራዊ ጕጅለ ዝተበየነ እዩ።
ምሕረትን ጴጥሮስን ድሕሪ እቲ መጭወይቲ፡ እዚ ዕጡቕ ጕጅለ ኦላ ከምዘሎ’ኳ እንተገለጹ፡ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ግን ዛጊድ ርእይቶ ኣይሃበሉን።
ወሃቢ ቃል እቲ ጕጅለ ኦዳ ተርቢ፡ ቅድሚ ሕጂ ንስርሒታቱ ንምምዋል ጭውያታት ከምዘየካይድ ንማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ ገሊጹ ምንባሩ ዝዝከር ኰይኑ፡ ገበን ክስፋፋሕ ምክንያት ዝዀነ ድኻም መንግስቲ ፈደራል እዩ ብምባል ከሲሱ።
ምሕረት፡ ጴጥሮስን ካልኦት ዝተጨውዩን ኣስታት ክልተ ኪሎ ሜተር (1.2 ማይልስ) ክጎዩን ክጓዓዙን ምስ ተገደዱ እዮም፡ ከምልጡ ክኢሎም።
“እቶም ዕጡቓት፡ ነቲ ብዝሒ ዘለዎ ሰብ ንምቍጽጻር ይጓየዩ ነይሮም፤ ስለዚ ገለና ኣብ ትሕቲ ቁጥቋጥ ተሓቢእና፡ ክሳብ ርሑቕ ዝኸዱ ተጸቢና" ይብል ጴጥሮስ።
ሓንቲ ክሳብ ሕጂ በቶም ዕጡቓት ተታሒዛ ዘላ ተምሃሪት፡ ናብ ስድራኣ ተሓቢኣ ተሌፎን ብምድዋል፡ እቶም ዕጡቓት ንገለ ካብቶም ተምሃሮ ክቐትሉ ከም ዝረኣየት ተዛሪባ።
ሓደ ዘመዳ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ “ብህይወት ከምእትወጽእ ተስፋ ቈሪጻ ኣላ። መበጆ ምኽፋል’ውን ሓራ ዘውጽኣ ኣይመስላን” ኢሉ።
እቲ ጃምላዊ ጭውያ ምስ ካልኦት ጭውያታት ተመሳሳልነት ኣለዎ። ቅድሚ ሓደ ዓመት፡ ልዕሊ 50 ካብ ክልል ኣምሓራ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝጓዓዙ ዝነበሩ ተጓዓዝቲ ተጨውዮም።
ሓደ በዓል ስልጣን እቲ ከባቢ፡ እቶም በጃ ክኸፍሉ ዝኸኣሉ ከምዝተፈትሑ እኳ እንተገለጸ፡ ብዛዕባ እቶም ዘይከኣሉ ግን እንታይ ከምዘጋጠሞም ኣየነጸረን።
ካልእ ብሰፊሑ ዝፍለጥ ጉዳይ ድማ ነይሩ፤ ኣብ መወዳእታ 2019 ኣብ ኦሮሚያ 18 ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ብዕጡቓት ከምዝተጨውዩ ዝዝከር ኰይኑ፡ ክሳብ ሎሚ ግን ሃለዋቶም ኣይተፈልጠን።
መንግስቲ፡ ከልቐቘምን ነቶም ገበነኛታት ኣብ ቀይዲ ከእትዎምን ብዘይምኽኣሉ፡ ሓያል ነቐፌታ ኣጋጢምዎ።
እቶም ተምሃሮ ካብ ዝጠፍኡ ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ንኣባላት ባይቶ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቶም ጨወይቲ "መንንቶም ዘይፍለጥ ሰባት" ምዃኖምን፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ተምሃሮ "ሕማቕ ነገር ኣጋጢሙ ንምባል" ዝዀነ መርትዖ ከምዘየለን ተዛሪቡ ነይሩ።
ኦሮሚያ ብብዝሒ መጭወይቲ ዝካየደላ ክልል’ኳ እንተዀነት፡ ኣብተን ካልኦት ብኲናት ዝተሓመሳ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን እውን ጨወይቲ ይንቀሳቐሱለን እዮም።
ኣብ መጋቢት ኣብ ትግራይ፡ ጨወይቲ ጓል 16 ዓመት ተምሃሪት ብምሓዝ ወለዳ ሰለስተ ሚልዮን ብር መበጆ ክኸፍሉ ሓቲቶም። እቶም ስድራቤት ነቲ ጭውያ ንፖሊስ ኣፍሊጦም፤ እንተዀነ ኣስከሬን እታ ተምሃሪት ኣብ ሰነ ምስተረኽበ፡ ሃገራዊ ቁጥዐ ኣስዒቡ።
ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ዝተጨውዩ ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ኣካላዊ ስቅያት ሓዊሱ፡ ኢሰብኣዊ ዝዀነ ጭካነ ከምዝወርዶም፡ ብመንግስቲ ዝምወል ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ይገልጽ።
ገለ ካብ ኣዝማድ እቶም ዝተጨውዩ ሰባት፡ መንግስቲ ነቲ ፍጻመ እዅል ኣቓልቦ ከምዘይሃቦ ይኸሱ።
መንግስቲ ብዛዕባ እቲ ዝሓለፈ ረቡዕ ዝተፈጸመ ጭውያ ዛጊድ ርእይቶ ዘይሃበሉ ዀይኑ፡ ካብ ቢቢሲ ሕቶ ዝቐረበሎም ሰብስልጣን ምላሽ ኣይሃቡን።
ጓሉ ዝተጨውየቶ ሓረስታይ ዳልከ፡ "ደቅና እናተወሰዱ ሰበስልጣን ንምንታይ ነቲ ጉዳይ ሸለል ይብሉዎ ከምዘለዉ ዘደናግር'ዩ" ይብል።
ካልእ ኣቦ ድማ ደቆም ክምለሱሎም ጥራይ ከም ዝደልዩ ገሊጾም።
“[ነቶም ጨወይቲ] እንህቦ ገንዘብ የብልናን። ደቀይ ናብ ቤት ትምህርቲ ንምልኣኽ ብዙሕ መስዋእቲ እየ ከፊለ... ሕጂ ክንገብሮ እንኽእል እንተሎ፡ ብኽያትን ጸሎትን ጥራይ እዩ”።
*ቢቢሲ ነዚ ጽሑፍ ንምድላው ዘዘራረቦም ሰባት፡ ምእንቲ ድሕነቶም ክብል ኣስማቶም ቀይርዎ'ሎ!