እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሕቡራት ሃገራት ንትግራይ ዝገብሮ ዝነበረ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘቋረጸ ኣፍሊጡ
ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ክልል ትግራይ ንኣዋርሕ ከካይዶ ዝጸንሐ ሰብኣዊ ሓገዝ ምብጻሕ ደው ከምዝበለ ኣፍሊጡ።
እቲ ውድብ፡ እቲ ‘ኣዝዩ ኣገዳሲ’ ዝበሎ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ምጉዕዓዝ ደው ከብል ዘጋደዶ ዳግማይ ኲናት ድሕሪ ምጅማሩ እዩ።
ብመሰረት ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ሓገዝ ሕቡራት ሃገራት (OCHA)፡ ካብ ዝሓለፈ 18 ነሓሰ 2014 ዓ.ም [ግእዝ] ጀሚሩ፡ ብመሬት ናብ ትግራይ ዘእትዎ ዝነበረ ሰብኣዊ ሓገዝ ተቛሪፁ ኣሎ።
ብተወሳኺ፡ ካብ 19 ነሓሰ ጀሚሩ ናብ ትግራይ ዝግበሩ ኣገደስቲ በረራታት ሰብኣዊ ረድኤት ደው ከምዝበለ ገሊጹ።
ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ሰብኣዊ ቅልውላውን ስግኣት ኮይኑ ይቕፅል ከምዘሎ እቲ ትካል ገሊጹ'ሎ።
ኣብቲ ኲናት ዝካየደሉ ዘሎ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ሰባት ካብ መረበቶም ከምዝተመዛበሉ’ውን ዘይተረጋገጹ ፀብፃባት ከምዝበጽሕዎ ኦቻ ሓቢሩ።
ድሕሪ ናይ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ረቡዕ 18 ነሓሰ 2014 ዓ.ም፡ እቶም ተጻባእቲ ኣካለት፡ ከም ብሓድሽ ናብ ግጭት ከም ዝኣተዉ ዝዝከር ኰይኑ፡ መን ዳግም ወሊዕዎ ኣብ ዝብል ነንሕድሕዶም ይካሰሱ ኣለዉ።
ሓይልታት ትግራይ፡ ነቲ ኲናት ዳግም ብምጅማር፡ ንፌደራል መንግስቲ ክወቕሱ እንከለዉ ፤ መንግስቲ ብወገኑ፡ ንሳቶም ከምዝጀመርዎ ይምጉት።
እቲ ጎንጺ ዳግማይ ምልዓሉ፡ ነቲ ንሚልዮናት ዝቑጸሩ ዜጋታት ዝወሃብ ዝነበረ ሰብኣዊ ሓገዝ ደው ክብል ጠንቂ ከምዝኰነ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ'ሎ።
እቲ ትካል፡ ኣብ መዓልታዊ መግለጺኡ፡ ኩነታት ጸጥታ ኣብ ዝመሓየሸሉ እዋን፡ ምስ ካልኦት ዘይመንግስታዊ መሻርኽቲ ትካላት ብሓባር ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ዘቕርብ ኣፍሊጡ።
ናብ ክልል ትግራይ ቀዲሙ ዝኣተወ ሰብኣዊ ሓገዝ ግን ይዕደል ከምዘሎ ሓቢሩ።
ሕቡራት ሃገራት፡ ብመሰረት ዓለምለኻዊ ሕጊ፡ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረድኤት፡ ብዘይ ዝኾነ ገደብ ኣብ መላእ ሰሜን ኢትዮጵያ ከንቀሳቕሱ ብቕልጡፍ ክፍቀደሎም ከምዘለዎ ድማ ሓቲቱ ኣሎ።
ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ፡ እቲ ጎንጺ ካብ ዝለዓል ንደሓር ብነፋሪት ይኹን ብመሬት ናብ ትግራይ ዝኣቱ ጥረ ገንዘብ፣ ሰብኣዊ ረድኤት ዀነ ሰራሕተኛታት ትካላት ረድኤት የለን።
ኲናት ሓድሕድ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ካብ ዝለዓል ኣትሒዙ ኣብ ክልላት ኣምሓራ፣ ዓፋርን ትግራይን ልዕሊ 9 ሚልዮን ዝቑፀሩ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮም ዜጋታት ኣለው።
ዳግማይ ምጅማር ኲናት፡ ንሳልሳይ ግዜ፡ ኣብ ኣወሃህባ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣሉታዊ ፅልዋ የሕድር ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ እቲ ኲናት ዳግማይ ምውልዑ ምስተሰምዐ፡ሓይልታት ትግራይ ካብ ቀጽሪ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ሊትሮ ነዳዲ ብሓይሊ ከምዝወሰዱ እቲ ትካል ከሲሱ ነይሩ።
ብኣንፃሩ፡ ሓይልታት ትግራይ "ነቲ ትካል ኣለቂሕናዮ ዝነበርና ነዳዲ መሊስና ‘ምበር ኣይሰረቕናን"፡ ክብሉ ንመግለጺ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ብትሪ ነቒፎሞ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ትግራይ፡ ህጹጽ ሓገዝ ምግቢ ዘድልዮም ልዕሊ 5.2 ሚሊዮን ሰባት ከምዘለዉ እቲ ትካል የረድእ።
እቲ ትካል ሕቡራት ሃገራት፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ክበፅሕ እንተዘይክኢሉ ሚልዮናት ንሓደጋ ጥሜት ከምዝቃልዑ ብተደጋጋሚ ከጠንቅቕ ጸኒሑ እዩ።