ዘፍጥረት ኤኣይ፡ ክልቲአን ጸልውቲ እየን ሓንቲ ግን ኣይሰብን
![ካቪያ ሳምባሲቫም [ጸጋም] ህቡብ ጸላዊት እያ። ጂጂ [የማን] ህብብቲ ጸላዊት ግን ዘፍጥረተ ኤኣይ](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/2f78/live/457a6da0-e2fd-11f0-b67b-690eb873de1b.jpg.webp)
ምንጪ ስእሊ, Kaaviya Sambasivam/Simone Mckenzie / Google Veo 3
ጂጂ ከም ብዙሓት መንእሰያት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ጸላዊት እያ።
ጽቡቕ ጸጕርን መመላኽዕን እትገብር ኰይና፡ ኣብ ኢንተርነት ብቐጥታ ኣትያ ምስ ኣድነቕታ ትዛረብ። ክሊፓት ትዝርግሕ፡ ኣብ ዛዕባታት ኣመጋግባ፡ ክንክን ቆርበት፡ ሊፒስቲክ ዝኣመሰለ መመላኽዒ ምግባር ዝኣመሰሉ ነገራት ተካፍል። ሓሓሊፉ ኣብ ገለ ቪድዮታት ዝቕልቀል ምጩው ቈልዓ'ውን ኣለዋ።
ድሕሪ ገለ ካልኢታት ግን ገለ ነገራት ውጽእ ይብል።
ካብ ዝመኸኸ ፎርማጆ ዝተሰርሐ ፒዛ፡ ነጠብጣብ በረድ ዝኣመሰለ ነገራት፡ ጡጥ መሰል ካራሜላን፣ ኣብ ከንፈራ ዝዓልብ ብርሃን ወዘተ፣ ኣእዳዋ ድማ ሓደ ሓደ ግዜ ነቲ እትሕዞ ነገራት ክሓልፎ ይርአ።
ቀንዲ ምኽንያት ናይ ከምዚ ዝበሉ ደቀቕቲ ምስሕሓታት ጂጂ ናይ ሓቂ ሰብ ስለዘይምዃና እዩ። ንሳ ዘ-ፍጥረተ ኪነታዊ ብልሒ ናይ ሓንቲ ተምሃሪት ዩኒቨርሲቲ ኢሊኖይ ዝዀነት ሲሞን ማከንዚ እያ።
እታ ጓል 21 ዓመት ማከንዚ ሓንቲ ካብቶም ብቕልጡፍ ዝዓብዩ ዘለዉ ዲጂታዊ መሃዝቲ ኰይና፡ ኣብ ከም Google Veo 3 ዝኣመሰሉ ኣብ ኤኣይ ቻትቦት ብምእታው ቪድዮታት ዝፈጥሩ ቅልል ዝበሉ ጅር ኪነታዊ ብልሒ ትጥቀም።
ኣብዚ ጅር ኪነታዊ ብልሒ - ካብ ሞያውያን ይዅን ተዓዘብቲ - ገለ ነቐፌታታት ይስማዕ'ኳ እንተዀነ፡ እቶም ፈጠርቲ ግን ዘይነዓቕ ዓወት ይረኽቡ ኣለዉ።
ማከንዚ፡ "ሓንቲ ቪድዮ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ መዓልቲ ጥራይ 1600 ዶላር ኣታዊ ኣምጺኣትለይ" ትብል።
ድሕሪ ክልተ ወርሒ፡ ጂጂ ሚልዮናት ተረኣይነት [ቪው] ብምርካብ፡ ንማከንዚ ብመንገዲ 'ቲ ንፈጠርቲ ብመንጽር ዝረኸብዎ ተረኣይነት ገንዘብ ዝኸፍል ፕሮግራም ማዕከን ቲክቶክ ኣሽሓት ከም ዝረኸበት ኣበሲሩዋ። ከምዚ ዓይነት ሰፊሕ ተረኣይነት ዝረክብ [ቫይራል] ቪድዮታት ተፍጥር ዘላ ግን ንሳ ጥራይ ከምዘይኰነት ክኢላታት ይዛረቡ።
"ኣብዚ እዋን እናበዝሐ ይመጽእ ኣሎ፣ ምናልባት'ውን ክቕጽል'ዩ" ትብል ተሓጋጋዚት ፕሮፌሰርን ክኢላ ዲጂታዊ ባህልን ዩኒቨርሲቲ ፔንስልቨንያ ጀሳ ሊንገል።
እዞም ሕጂ ኣብ ውሽጢ ሒደት ደቓይቕ ቪድዮታት ከውጽኡ ዝኽእሉ ዘለዉ ሰባት፡ ንኣታዊን ቍጠባን ጸለውቲ ሰባት ክዘርግዎ ዓቕሚ ከምዘለዎም ዘርኢ እዩ።
ገሊኦም ብስርሓት ኪነታዊ ብልሒ ኣቢሎም ንማሕበራዊ መራኸቢታት የበላሽዎ ከምዘለዉ ዘይክሓድ ኰይኑ፡ ገሊኦም ግን ዲሞክራስያውነት ማሕበራዊ ሚድያ ተጠቒሞም ዝና ክረኽቡ ይርእዩ ከም ዘለዉ ሊንገል ትገልጽ። እቶም እዅል ፊናንሲያዊ ዓቕሚ ዘይብሎም፣ ዝተራቐቐ መሳርሒታት ካሜራን ቪድዮ ኤዲቲንን ዝኸውን ገንዘብ ወይ ግዜ ዘይብሎም፡ ሕጂ እውን ህቡባት ይዀኑ ከምዘለዉ ይርአ ኣሎ።
ጸለውቲ ሰባት ተደፊኦም ይወጹ ዶ?
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ጽልዋ ምፍጣር ኣብ ቀረባ እዋን እናዓበየ ክመጽእ ዝጸንሐ ሞያ እዩ። ኣብ ውሽጢ ሒደት ዓመታት ጥራይ እቲ ኢንዱስትሪ ልዕሊ 250 ቢልዮን ዶላር ገንዘብ ከምዘንቀሳቐሰ ትካል ወፍሪ ጎልድማን ሳክስ ይሕብር።
መብዛሕትኡ ግዜ ፈጠርቲ ናይ ገዛእ ርእሶም ውልቀ-ህይወት፡ ግዜ ዕረፍቶም፡ እንስሳ ዘቤቶም፡ ልምድታት መመላኽዒኦም ዝኣመሰለ ትሕዝቶታት ብምቕራብ ሰዓብቲ የጥርዩ።
ብኪነታዊ ብልሒ - ኤኣይ - ኣቢሎም ተመሳሳሊ ትሕዝቶ ዝፈጥሩ ሞያውያን ድማ፡ ነቲ ስራሕ ብዝቐልጠፈን ዝሓሰረን ብዘይ ደረት ክውንነትን የሳልጥዎ።
"ብርግጽ ነቶም ጸለውቲ ሰባት ደስ ናይ ዘይምባል ዓቕሚ ኣለዎ" ይብል ኣብ ኮርነል ዩኒቨርሲቲ ምሁር ዲጂታውን ማሕበራውን ሚድያ ብሩክ ዳፊ።
እታ ንጂጂ ዝፈጠረት ማከንዚ፡ ቪድዮታት ንምፍራይ ሒደት ደቓይቕ ጥራይ ከም ዝወስደላን፣ ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ መዓልቲ ክሳብ ሰለስተ ቪድዮታት ከም እትልጥፍን ትዛረብ።
እዚ ንከም በዓል ካቪያ ሳምባሲቫም - ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻት ኣስታት 1.3 ሚልዮን ሰዓብቲ ዘለዉዋ ጓል 26 ዓመት ጸላዊት - ግብራዊ ኣይኮነን።

ምንጪ ስእሊ, Simone Mckenzie / Google Veo 3
ከከም ዓይነት ቪድዮ - ኣሰራርሓ መግቢ ይዅን፡ ንጥፈታት ህይወተይ፡ ወይ ትምህርቲ መመላኽዒ - ዝኣመሰለ ቪድዮታት ምሉእ ብምሉእ ንምፍራይ ካብ ሰዓታት ክሳብ መዓልታት ክወስድ ይኽእል። ዕዳጋ ክትገብር፡ ክትውጥን፡ ድሕረ ባይታን መብራህትን ከተቐምጥ፡ ክትስእል ድሕሪኡ ኤዲት ክትገብር ግዜ ይደሊ።
ፈጠርቲ ኪነታዊ ብልሒ ግን፡ ዳርጋ ነዚ ዅሉ ደረጃታት ክሰግርዎ ይኽእሉ እዮም።
"እቲ ሕቶ ምስዚ ክንወዳደር ንኽእል ዲና ዝብል እዩ ዝኸውን? ምኽንያቱ ኣነ ሰብ እየ፣ ውጽኢተይ ድሩት'ዩ" ትብል ኣብ ሰሜን ካሮላይና እትነብር ሳምባሲቫም።
"ዳርጋ ዝወድቀሉ ኣዋርሕ ኣሎ፣ እታ ሓንቲ ክገብራ ዝኽእል ዋላ ኣብ ከምዚ ኵነታት ምዝርጋሕ እያ፤ ምስ ሮቦት ክወዳደር ኣይክእልን እየ።"
ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ፡ ምስ ወለዳ እናነበረት እያ ቻነላ ክትሃንጽ ጀሚራ። ብዘይ እዅልን ብቝዕን መሳርሒታት፡ ተሌፎና ኣብ መንደቕ ኣንጠልጢላ እያ ትዛረብን ትሕዝቶታት ትሰርሕን ነይራ።
ኣብ መወዳእታ ድማ ከም ጸላዊት መጠን ዝረኸበቶ ገንዘብ ንቪድዮ ካሜራ፡ ትራይፖድ፡ መብራህቲ፡ መመላኽዕን ንዝኣመሰሉ ናውቲ ኣውዒላቶ፤ ሰዓብቲ ንምህናጽ ድማ ዓመታት ወሲዱላ።
ማከንዚ፡ ከምቶም ልምዳውያን ጸልውቲ ክትከውን ሓሲባ ከም ዝነበረት ብምጥቃስ፡ እንተኾነ ገንዘብ፡ ግዜ ወይ መሳርሒታትን ከምዘይነበራ ትገልጽ። ስለዚ ድማ እያ ንጂጂ ምሂዛታ።
"ኣብ ገዛይ ዘሎ ጠረጴዛይ ብዙሕ መጻሕፍትን ንብረትን ኣለዎ፣ እዚ ድማ ንዓይኒ ዝስሕብ ኣይኮነን። ስለዚ ዝደለኻዮ ድሕረ ባይታ ብ ኤኣይ ክትመርጽ ስለ እትኽእል ነቲ ስራሕ ቀሊል ይገብሮ።"
'ሓቀኛ' ህይወት ኣብ ቪድዮታት ኤኣይ
ማከንዚ ክትጅምር እንከላ፡ ናብ ጉግል ቪዮ 3 ቻትቦት ብምእታው፡ ዳርጋ ንዓኣ እትመስል ጓለንስተይቲ ክትፈጥር ሓቲታቶ።
ጂጂ መሰታኣ ጓል 21 ዓመት ኰይና፡ ብዅሉ መልክዓታ - ሕብሪ ቆርበታ፡ ዓይናን ከናፍራን - ትመሳሰላ እያ። ብድሕሪኡ ነቲ ቻትቦት ንጂጂ ክዛረባ ሓቲታቶ።
ሕጂ ጂጂ ነፍሲ ወከፍ ቪድዮ ክትከፍት እንከላ ነቶም ኤኣይ እያ ኢሎም ንዝኸሱዋ ወሃብቲ ርእይቶ ብመግናሕቲ ትጅምር፣ ድሕሪኡ፡ ቅኑዓት ምዃኖም እናባጨወት፣ ኣቮካዶ ወይ ኩኪስ መሳሊ ትበልዕ።
ፕሮፌሰር ዳፊ፡ ዲጂታዊ ለውጢ ምስሊታት ሓድሽ ከምዘይኰነ ትገልጽ። መጀመርያ ከም ፎቶሾፕ ዝኣመሰሉ ስእሊ ንምእራም ዘገልግሉ ሶፍትዌራት ነይሮም።
ቀጺሉ ከም Face Tune ዝኣመሰሉ መተግበሪታት፡ ተጠቀምቲ ንማሕበራዊ መራኸቢታት ገጾም ብቐሊሉ ክቕይሩ ኣኻእሎ ፈጢሮም እዮም።
እቲ ቀንዲ ቅድመ-ኵነት ናይዚ ናይ ሎሚ ልዕሊ ዓቐን ክውንነታዊ ዝኸውን ወይ ዝመስል ዘሎ ቪድዮታት ኤኣይ፡ ኣብ መወዳእታ 2010ታት ዝተቐልቀሉ ዲፕፎክስ ምዃኖም ትገልጽ።
ሕጂ ግን ኣመና ሓቀኛታት ይመስሉ፣ ብዝቐልጠፈ ድማ ክዝርግሑ ከምዝኽእሉ ትገልጽ።
ቪድዮታት ኪነታዊ ብልሒ - ካብቲ ዕሽነት ናይ ሓንቲ ኣብ ማክዶናልድ እትሰርሕ ድሙ ዘርኢ ካርቱን ክሳብ እቲ ልዕሊ ዓቐን ሓቀኛ ዝመስል - ቪድዮታትን ኣሳእልን ይፈጥር ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Kaaviya Sambasivam
ኣብ ደቡብ ኮርያ እትነብር ሓንቲ ጓል 31 ዓመት ኣመሪካዊት፡ ንሓደ ብኪነታዊ ብልሒ ዝተፈጥረ 'ጋምጃ' ዝተባህለ ኵርኩር [ንእሽቶ ከልቢ] ዝሰርሓሉ ገጽ ቲክቶክ ኣለዋ።
ጋምጃ ኣብ ርእሱ 'ሄድ ፎን' ገይሩ፣ ጸጕሩ ዓዃሊሉ፡ ክኽሽንን ገለ ካልእ ነገራት ክገብርን ዝርአ እዩ። ሚልዮናት ተዓዘብቲ፣ ኣብ ርእሲኡ ድማ፡ ቪድዮታታ ከቕርባ ናይ ዝደልያ ኩባንያታት ውዕል ሽርክነት ረኺባ ኣላ።
"ሰባት ዝፈትውዎም ነገራት፡ መግብን ኰራኩርን ዘጠቓልል፡ ቅድሚ ሕጂ ብዘይተገብረ መንገዲ ኣወሃሂደ ከቕርብ እየ ፈቲነ" ትብል።
ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ፈጠርቲ ትሕዝቶ ኪነታዊ ብልሒ ኣብ ቲክቶክ፡ ወዲ 27 ዓመት ዳኒኤል ራይሊ እዩ። ሚልዮናት ተዓዘብቲ ኣለዉዎ፣ ገጹ ግን ርእዮሞ ኣይፈልጡን። "ጕዕዞ ግዜ" ዝብሉ ቪድዮታቱ ኣስታት 600 ሽሕ ሳብስክራይበራትን ዓሰርተታት ሚልዮናት ተረኣይነትን ኣመዝጊቦምሉ።
"ብንቡር ንምፍራይ ሚልዮናት ዝሓትት ዛንታታት ክነግርን፣ ሰባት ኣብ ተሌፎኖም ናብ ዝተፈላለየ ዘመናት ታሪኽ ክዕዘቡን ከም ዝኽእሉ ተረዲኡኒ" ይብል።
ካልእ ምንጪ ኣታዊታት ድማ ኣማዕቢሉ ኣሎ፣ ንኻልኦት ብኸመይ ተመሳሳሊ ኤ'ኣይ ቪድዮታት ከም ዝሰርሑ ብወርሓዊ ክፍሊት ዝምህር 'ቡትካምፕ'።
ዝዀነ ሰብ ነቲ ፍልልይ ክፈልጦ ይኽእል ዶ?
ጂጂ ኣብ መጀመርታ ነፍሲ ወከፍ ቲክቶክ "ኤ'ኣይ እያ ኣይትበል" እናበለት እያ ትኸፍት። በዚ ድማ ምስቶም ዝጠራጠሩ ትካታዕ። ገለ ተዓዘብቲ ግን ብዘይ ጥርጥር ናይ ብሓቂ ምዃና ይኣምኑ።
ብኻልእ ወገን፡ ዳርጋ ካብ ክውንነት ዘይፍለዩ ቪድዮታት ኤኣይ፡ ብፍላይ ነቶም ገና ናይ ሚድያ ንቕሓት ዘይብሎም ንኣሽቱ ቈልዑ፡ ናይ ብሓቂ ጸገም ከም ዘስዕቡ ፕሮፌሰር ሊንገል ትገልጽ።
"ብርግጽ፡ ዝዀነ ተራ ሰብ'ውን ብቐሊሉ ፍልልዩ ክፈልጥ ዳርጋ ኣይክእልን እዩ ዝብል ግምት ኣለኒ" ትብል። "ናይ ሓሶት ሓበሬታ እናገደደ ክኸይድ ክንዕዘብ ኢና፣ ምትላል እውን ክገድድ ክንርኢ ኢና፣ በቃ...ዕንክሊል ዝዀነ ትሕዝቶ ክውስኽ ክንዕዘብ ኢና።"
ብኻልእ መዳይ፡ ቪድዮታት ኤኣይ፡ ንካርቱን ዝመስልን ዝተጋነነን ንዋት ዘቕርቡ፡ ንዓይኒ ዝስሕቡ ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ክኢላታት ገሊጾም።
"እቶም ኣብ መንጐ ክውንነትን ዘይክውንነትን ዘሎ መስመር ዝሕዙ ዝመስሉ ምስልታትን ጽሑፋትን እዮም ኣቓልቦና ዝስሕቡን ንኽንዝርግሖም ዘተባብዑናን" ትብል ዳፊ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሃርቫርድ ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ መብዛሕትኦም ካብቶም ኣብ 14-22 ዓመት ዝዕድመኦም ተጠቀምቲ ኤኣይ፡ ከም ምስልን ሙዚቃን ዝኣመሰሉ ነገራት ንምፍራይ ከም ዝጥቀሙሉ ይዛረቡ።
ሕጂ'ውን እንተዀነ፡ እቲ ቀንዲ ሕቶ፡ ምስትውዓል ሰባት ምስቲ ብቕልጡፍ ዝምዕብልን ዝራቐቕን ዘሎ ቴክኖሎጂ ክኸይድ ይኽእል ድዩ ዝብል'ዩ ኢላ።
እታ ፈጣሪት ኵርኩር ጋምጃ፡ ዳርጋ መዓልታዊ ዝተፈላለዩ ሰባት፡ ብዛዕባ እቲ ብኪነታዊ ብልሒ ዝፈጠረቶ ንእሽቶ ከልቢ ከም ዝጭነቝ ትገልጽ፤ ናይ ሓቂ ከልቢ ስለዝመስሎም "ጥዕና ዘይብሉ መግቢ ይበልዕ ኣሎ፡" እናበሉ ስክፍታኦም ዝገልጽ ርእይቶታት ከምዝጽሕፉላ ትዛረብ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







