እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ስጋዊ ርክብ ብዘይቃልኪዳን ምስ ዝፍጸም ብሕጊ ክትቀጽዕ ዝወሰነት ሃገር
ባይቶ ኢንዶነዥያ፡ ብዘይቃልኪዳን ንዝግበር ስጋዊ ርክብ ዘቅጽዕ ሕጊ ኣጽዲቝ።
ብመሰረት'ዚ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ተግባራዊ ዝኸውን ሓድሽ ሕጊ፡ ከይተመረዓዉ ስጋዊ ርክብ ዝፈጽሙ ሰባት ክሳብ ሓደ ዓመት ክእሰሩ’ዮም።
እቲ ሕጊ ብድፍኢት ናይቶም ኣብታ ሃገር ዝበዝሐ ቍጽሪ ዝሓዙ ዓቓባውያን ተኸተልቲ እምነት ምስልምና ከምዝጸደቐ እዩ ተገሊጹ ዘሎ።
ገለ ነቐፍቲ ግን እቲ ሕጊ ምስ ሰብኣዊ መሰላት ብምዝማድ፡ ‘ኣዕናዊ’ዩ’ ብምባል፡ ኣብ ወፍርን ቱሪዝምን እታ ሃገር ዓቢ ኣሉታዊ ጽልዋ ክህልዎ ከምዝኽእል ግምታቶም ሂቦም ኣለዉ።
እቲ ሕጊ ቅድሚ ምጽዳቝ ብዙሓት መንእሰያት ዝርከብዎም ሰባት ኣብ ርእሰ ከተማ ጃካርታ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣንጻር እቲ ዝተነድፈ ሕጊ ዘለዎም ተቓውሞ ንምስማዕ ብርቱዕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም ምንባሮም ዝዝከር’ዩ።
እቲ ሓዲሽ ዝወጽአ ሕጊ ንኢንዶነዥውያን፡ ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ወጻእተኛታትን ብስራሕ ይዅን ብምባጻሕ ሃገር ዝኣትዉ ሰባትን ብማዕረ ዘቕጽዕ ኰይኑ፡ ሕጋዊ መርዓ ከይፈጸሙ ስጋዊ ርክብ ክገብሩ ዝተረኸቡ ሰባት ክሳብ ሓደ ዓመት ክእሰሩ’ዮም።
ብዘይካ’ዚ ከይተመርዓዉ ብሓንሳብ ክነብሩ ዝጀመሩ መጻምድቲ ክሳብ ሽዱሽተ ወርሒ ዝበጽሕ ማእሰርቲ ክእሰሩ ከምዝኽእሉ ኣብዚ ሓድሽ ሕጊ ጸዲቑ ኣሎ።
ብዘይካ’ዚ ዝሙት’ውን ብማእሰርቲ ዘቕጽዕ ንክኸውን ብሕጊ ጸዲቝ ኣሎ።
እዚ ሕጊ ቅድሚ ምጽዳቝ፡ ቅድሚ መርዓ ዝገበር ጾታዊ ርክብ ዘይፍቝድ’ኳ እንተነበረ ከም ሕጊ ግን ኣይጸደቐን ነይሩ።
ቅድሚ ሕጂ ምዝማው ዝበሃል፡ ኣብ መንጐ ሓደ ሓዳር ዝገበረን ሓዳር ዘይገበረትን ዝግበር ስጋዊ ርክብ ተባሂሉ’ዩ ዝግለጽ ነይሩ።
እዚ ሕጂ ጸዲቝ ዘሎ ሕጊ ግን፡ ዝዀነ ካብ መርዓ ወጻኢ ዝግበር ስጋዊ ርክብ ምዝማው ከምዝዀነ ብምግላጽ ብማእሰርቲ ዘቕጽዕ ኰይኑ ጸዲቝ ኣሎ።
ዝዀነ ኣብ ሓዳር ዘሎ ሰብ [ሰብኣይ ይዅን ሰበይቲ] ካብ ሓዳሩ ወጻኢ ምስ ዝዝሙ፡ እቲ ክሲ ካብ ደቁ፡ ስድራኡ ወይ መጻምድቱ’ዩ ክቐርብ ዘለዎ።
ጓል 28 ዓመት ኣብ ምዕራብ ከተማ ጃቫ እትነብር ኣጀንገ፡ ንዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ምስ መጻምድታ ክትነብር እንከላ ዝዀነ ጸገማ ኣጋጢምዋ ከምዘይፈልጥ’ያ ትሕብር።
ኣጀንገ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለመጠይቕ፡ “በዚ ወጺኡ ዘሎ ሓድሽ ሕጊ ክልተና ከይተመርዓና ብሓደ ንነብር ስለዘለና፤ ሓደ ካብ ኣባላት ስድራና ናብ ፖሊስ ከይዱ እንተኸሲስና ክንእሰር ንኽእል ኢና” ኢላ።
“ሓደ ካብ ኣባላት ስድራ ምሳይ ዝዀነ ጸገም እንተሃልይዎ ናብ ፖሊስ ከሲሱ ከእስረኒ ይኽእል’ዩ።”
“ንዓይ ከምዝመስለኒ ተፋቒርካ ብሓባር ምንባርን ብፍታው ክልቴኻ ዋላ ከይተመርዓኻ ስጋዊ ርክብ ምፍጻምን ገበን ኣይኰነን። ኣብ ሃይማኖተይ ይፈልጥ’የ ሓጥያት ተባሂሉ’ዩ ዝግለጽ። እንተዀነ ኣብ ገለ ሃይማኖት ሓጥያት ስለዝተበሃለ ገበን’ዩ ተባሂሉ ብሕጊ ክጸድቕ የብሉን፡” ትብል ኣጀንገ።
ኣጀንገ፡ እቲ ኣብ 2019 ተነዲፉ ሕጂ ዝጸደቐ ሕጊ ንምቅዋም፡ ምስ ካልኦት ብዙሓት ብምዃን ሰለማዊ ሰልፊ ከምዝወጽአት ትገልጽ።
እንተዀነ፡ ባይቶ እታ ሃገር ትማሊ ሰሉስ ብዝሃቦ ስቱር ድምጺ ነዚ ሓድሽ ሕጊ ኣጽዲቕዎ ኣሎ።
ተጣባቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ እዚ ሕጊ ሰብኣዊ መሰላት ዝግህስ’ዩ ብምባል ገሊጾሞ ኣለው።
ሚኒስተር ሕጊ እታ ሃገር ዮሶና ላኦሊ ንባይቶ እታ ሃገሩ ኣብ ዘስመዖ መደረ ግን፡ በቲ ሓዲሽ ዝጸደቐ ሕጊ ዝተሰመዖ ሓገዝ ብምግላጽ፡ “እቶም ዝገዝኡና ዝነበሩ ዝገደፍዎ ሕጊ ሓግሒግና ናትና ሕጊ ዘእተናሉ መዓልቲ ስለዝዀነ ታሪኻዊ ውሳነ’ዩ” ኢሉ።
ኣብታ 267 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ኢንዶነዥያ፡ ካብ 1998 ጀሚሩ ኣብ ገለ ገለ ክፋል እታ ሃገር፡ ኣብ ሃይማኖት ዝተመርኮሰ ሓደሽቲ ሕጋጋት ክትኣታቶ ጀሚሩ።
ብፍላይ ኣብታ ኣቸ ተባሂላ እትጽዋዕ ኣውራጃ ጽኑዕ እስላማዊ ሕጊ ብምትእትታው፡ ዝቋመሩ፡ ኣልኮል ዝሰትዩን ኣብ ተኣፋፊ ቦታ ምስ ኣንጻር ጾታ ዝተራኸቡ ሰባት ዘቕጽዕ ሕጊ ኣታኣታትያ ተግባራዊ ገይራቶ ጸኒሓ’ያ።