እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ካምፓላ፡ መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ወጢኖም ዝተባህሉ ዕጡቓት ተቐቲሎም
ኣብ ርእሰከተማ ካምፓላ ርእሰ-ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ሓሲቦም ዝተባህሉ ዕጡቓት ከምዝተቐትሉ ሰብመዚ ጸጥታ ዩጋንዳ ሓቢሮም።
ሰራዊት እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እቶም ብሓይልታት ጸጥታ ዝተቐትሉ ሓንቲ ጓልን ሓደ ወዲን "ዕጡቓት ኣሸበርቲ" ምዃኖም ጠቒሱ።
እታ ሃገር ነቶም ኣብ መበል 19 ክፍለዘመን ዝተሰውኡ ኣመንቲ ንምዝካር መዓልቲ ሰማእታት ኣብ እተኽብረሉ ዘላ እዋን'ዩ እቲ ፍጻመ ኣጋጢሙ ዘሎ።
ኣሃዱ ጸረ-ሽበራ ነቶም ሰባት "ብምጥላፍ ካብ ስራሕ ወጻኢ ገይርዎም" ክብል ኣፈኛ ሰራዊት ክሪስ ማገዚ ብመገዲ ኤክስ ሓቢሩ።
ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ከምዝሓበርዎ፡ እቲ ፍጻመ ኣብ ጥቓ'ቲ ኣብ ሙንዮንዮ ተባሂሉ ዝፍለጥ ከባቢ ዝርከብ ካቶሊካዊ ቤተክርስትያን እዩ ኣጋጢሙ። ኣብቲ ቦታ ነቶም ሰማእታት ንምዝካር ዝተሰርሐ ሓወልቲ ከምዘሎ ይፍለጥ።
ነበርቲ እቲ ከባቢ፡ ናብቲ ቤተክርስትያን ኣብ ዝወስድ ጎደና ሓያል ነትጒ ከምዝሰምዑ ደይሊ ሞኒተር ንዝተባህለ ጋዜጣ እታ ሃገር ተዛሪቦም።
ብዘካ'ቶም ክልተ ሰባት፡ ኣብ ልዕሊ ካልእ ሰብ ዝወረደ ጉድኣት ከምዘየለ'ውን ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ጸብጺቡ'ሎ።
ብዛዕባ'ቲ ነትጒ ዘይጠቐሰ እቲ ኣፈኛ ሰራዊት፡ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ልዑል ተጠንቀቕ ከምዘለዉ ገሊጹ።
ብፍላይ እታ ጓልኣንስተይቲ "ርእሰ-ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ሓያል ነታጒ ዓጢቓ" ከምዝነበረት ኮለነል ማገዚ ጠቒሱ።
ኣብ መንግስታዊ ተለቪዢን እታ ሃገር ዝወጸ ዜናዊ ጸብጻብ፡ ኣባላት ሓይልታት ጸጥታን መርመርቲን ነቲ ከባቢ ብምኽርዳን ናይ ምጽራይ ንጥፈታቶም ከካይዱ የርኢ።
እቲ ኮለነል ከምዝብሎ፡ እቶም ክልተ ውልቀሰባት ምስቲ ደሞክራስያውያን ሓይልታት ምሕዝነት ምስ ዝተባህለ እስላማዊ ጉጅለ ርክብ ክህልዎም ከምዝኽእል ይግመት። እቲ ኤ-ዲ-ኤፍ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ጉጅለ ምስ ዳዒሽ ርክብ ከምዘለዎ ይግለጽ።
ብወገን እቲ ጉጅለ ብዛዕባ'ቲ ዝበርዓነ ዝመስል መጥቃዕቲ ዝተዋህበ ሓበሬታ የለን።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ዕጡቓት ናይቲ ጉጅለ ኣብ ኣብያተ እምነታት፡ ኣብያተ-ትምህርቲን ከተማታትን መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ውጥን ከምዘለዎም ሰብመዚ እታ ሃገር ኣጠንቂቖም ነይሮም'ዮም።
ኣብ 2023 እቲ ጉጅለ ፈጺምዎ ዝተባህለ መጥቃዕቲ ንሓደ ቤትምህርቲ ዒላማ ዝገበረ ኮይኑ ኣስታት 40 ተመሃሮ ምቕታሉ ይዝከር።
ኣብ ሕዳር 2021 እዋን፡ ዳዕሽ ሓላፍነት ዝወሰደሉን ልዕሊ 30 ሰባት ዝቐተለን ዘቚሰለን መጥቃዕቲ ተፈጺሙ ነይሩ'ዩ።
እቲ መዓልቲ ሰማእታት፡ ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዝዓበዩ ሃማኖታዊ በዓላት ኮይኑ፡ ነቶም ካብ 1885 ክሳብ 1887 ኣብ ዝነበረ ዓመታት ዝተቐትሉ 45 ኣመንቲ ካቶሊክን ኣንግሊካያንን ንምዝካር ዝኽበር'ዩ።
እቶም 22 ካቶሊካውያንን 23 ኣንግሊካውያንን እምነቶም ክክሕዱ ፍቓደኛታት ብዘይምዃኖም ብንጉስ ካባካ ምዋንጋ መበል ካልኣይ ክቕተሉ ዝተፈርዱ እዮም።
እቲ ንጉስ ናብቲ ዝነበርዎ ልምዳዊ እምነት ክምለሱ ሓቲትዎም ምእባዮም፡ ንትእዛዝ ንጉስ ነጺጎም ተባሂሎም ብሓዊ ተቓጺሎም ዝተቐትሉ'ዮም።