እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ቤት-ትምህርቲ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ 40 ሰባት ተቐቲሎም
ኣብ ምዕራባዊ ዩጋንዳ ሓደ ቤት-ትምህርቲ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ተመሃሮ ዝርከብዎም ብውሕዱ 40 ሰባት ከም ዝተቐተሉ ተገሊጹ።
እቲ መጥቃዕቲ ምስ እስላማዊ ጉጅለ ‘ኣይኤስ’ ዝምድና ብዘለዎ ዓማጺ ከም ዝተፈጸመ ይግለጽ’ሎ።
በቲ ኣብ ካልኣይ ብርኪ ቤት-ትምህርቲ ሊሁብሪሃ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ምኽንያት፡ ካልኦት ሸሞንተ ሰባት ኣብ ከቢድ ጥዕናዊ ኩነታት ከምዝርከቡ’ውን ተገሊጹ።
ፖሊስ ዩጋንዳ፡ እቲ መጥቃዕቲ ብኣብ ዲሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ዝዓስከረ ጥምረት ዲሞክራሲያውያን ሓይልታት [ኤዲኤፍ] ከም ዝተፈጸመ ኣፍሊጡ።
ወተሃደራት ዩጋንዳ ነቶም መጥቃዕቲ ፈጺሞም ናብ ኮንጎ ሃገራዊ ፓርክ ቪሩንጋ ዝሃደሙ ኣካላት የጓይዮም፡ ከምዘሎ ፖሊስ እታ ሃገር ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ።
ወሃቢ ቃል ፖሊስ ዩጋንዳ ፍረድ ኢናጋ፡ “ካብቲ ቤት-ትምህርቲ ክሳብ ሕጂ 40 ሬሳ ተረኺቡ ናብ ሆስፒታል ብዌራ ተላኢኹ’ሎ” ክብል ሎሚ ቀዳም ገሊጹ።
ብሰንኪ እቲ ትማሊ ለይቲ ዓርቢ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ መደቀሲ ክፍልታት ተቓጺሎምን ናይ ምግቢ መኻዚኖ ተዘሚቱን’ዩ።
እቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ቤት-ትምህርቲ ካብ ዶብ ዲሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ክልተ ኪሎ ሜትሮ ርሒቑ ዝርከብ ኰይኑ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ዩጋንዳ ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ዝተፈጸመ ክስተት እዩ።
እቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሓይልታት ኤዲኤፍ፡ ኣብ ሕሉፍ 20 ዓመታት ኣብ ውሽጢ ዲሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ዓስኪሮም ክንቀሳቐሱ ዝጸንሑ ምዃኖም ተፈሊጡ።