መንነተን ዘይተፈልጣ ድሮናት ከባቢ ወተሃደራዊ መዓስከራት ኣመሪካ ዘንብየን

'ክንፊ ሓርነት' እናተበሃለ ዝፀዋዕ፡ መበል 48 ክንፊ ተዋጋእቲ ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ

ብርክት ዝበላ መንነተን ዘይተፈልጣ ሰብኣልቦ ነፈርቲ ኣብ ጥቓ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከቡ ሰለስተ ወተሃደራዊ መዓስከራት ኣመሪካ ከም ዝተራእያ ሓይሊ ኣየር’ታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ኣብዚ ካብ ዝሓለፈ ረቡዕ ክሳብ ዓርቢ ዘጋጠመ ክስተት ኰይኑ፡ ኣብ ከባቢ ወተሃደራዊ መዓስከራት ሳፎልክ፡ ፌልትዌልን ኖርፎክን "ንኣሽቱ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ" ተራእየን ኢሉ።

ዒላማ እተን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዛጊት ከም ዘይተነፀረ ድማ ጠቒሱ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ልዕሊ እተን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዝዀነ ስጕምቲ ወሲዱ ድዩ ኣይወሰደን ኣብ ዝብል ርእይቶ ካብ ምሃብ ዝተቘጠበ ኰይኑ፡ መሰል “ርእሰ ምክልኻል" ተጠቒሙ ኣድላዪ ጥንቃቐታት ከም ዝገበረ ግን ኣፍሊጡ።

ወሃቢ ቃል ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ ኣብ ኣውሮጳ፡ "ኣብ ብሪጣንያ ኣብ ዝርከቡ ሰለስተ መደበራት ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ ንኣሽቱ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከም ዝተራእያ ጥራይ ኣረጋጊጽና ኣለና" ኢሉ።

"እዘን ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ዝመጽኣ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ብቝጽርን ዓይነትን ዝተፈላለያ እየን ነይረን። ወተሃደራዊ ድሕነትና ንምሕላው እንታይ ዓይነት ስጕምትታት ከም ዝወሰድና ኣይንገልጽን። ነብስና ንምክልኻል ዘድሊ ኵሉ ክንገብር ምዃንና ግን ክነፍልጥ ንደሊ" ክብል ገሊጹ።

ብተወሳኺ ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ፡ ኣብቲ ከባቢ ጥቡቕ ክትትል ብምግባር፡ ምስ መንግስቲ ብሪጣንያ ብምትሕብባር ድሕነት ወተሃደራዊ ኣባላትን ኣጽዋራትን ንምሕላው ይሰርሕ ከም ዘሎ ገሊፁ።

እቶም መደበራት ሓይሊ ኣየር ፡ ሓያሎ ዘመናውያን ነፈርቲ ውግእ ኣመሪካ ዝርከበሉ ምዃኖም ይንገር።

ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ምክልኻል ብሪጣንያ፡ "ከምዚ ዓይነት ተጓንፎታት ኣቕሊልና ኣይንርእዮን። ወተሃደራዊ ማእከላትና ንምሕላው ኣድላይ ስጕምቲ ክንወስድ ኢና" ብምባል ተወሳኺ ርእይቶ ካብ ምሃብ ተቘጢቡ።

ኣብ ሳፎልክ ሚድልሆል ዝርከብ መደበር ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ ኣብ 1934 [ኣ.ኣ] ዝቘመ ኰይኑ፡ ኣብ 2015 ክዕጾ ምዃኑ ተገሊፁ ነይሩ።

ኣመሪካ ኣብ ሃገራት ኣውሮጳ ብርክት ዝበለ ወተሃራዊ መዓስከራት ከም ዘለዋ ይንገር።