እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ባይደን፡ ልዕሊ ትጽቢት ብዝዀነ ውጽኢት መረጻ 'እፎይ' ኢሉ
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፡ ይካየድ ኣብ ዘሎ መረጻታት መፋርቕ፡ ዲሞክራትስ ነቲ ብሪፓብሊካን ተረኺቡ ዝነበረ መኽሰብ ድሕሪ ምምካቶም፡ ዝተሰምዖ እፎይታ ገሊጹ።
ሪፓብሊካን ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ናብ ምቍጽጻር ገጾም ተቓሪቦም ነይሮም፤ እንተዀነ ባይደን እቲ "ዓቢ ቀይሕ ማዕበል" [ብሪፓብሊካውያን ክቃላሕ ዝጸንሐ መብጽዓ] ትማሊ ሰሉስ ምሸት ክፍጸም ከም ዘይከኣለ ኣመልኪቱ።
እዚ ይዅን እምበር፡ ክልቲኦም ሰልፍታት ነቲ ኣብ ሰለስተ ውድድራት ዝምርኮስ ንሰነት ኣሜሪካ ናይ ምዕዋት ተኽእሎኦም ገና ማዕረ እዩ ዘሎ።
ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ - ኣብዚ እዋን’ዚ ዲሞክራትስ - መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መጀመርታ መረጻታት መፋርቕ ስዕረት የጋጥሞ እዩ።
ሓንጸጽቲ ስትራተጂ ሪፓብሊካውያን፡ ዝቕባበ ኣብ 40 ዓመት ኣብ ዝኸፍአ ደረጃኡ በጺሑ ከምዘሎን፡ ነዚ ኣመልኪቱ ፕረዚደንት ባይደን ዝህቦ መረዳእታ ድማ ብኣንጻሩ ኣዝዩ ትሑት ምዃኑን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ስፍሕ ዝበለ ዓወት ክረኽቡ ተስፋ ሰኒቘም ጸኒሖም እዮም።
እንተዀነ፡ መረዳእታታት ውጽኢት መረጻ ከም ዘመልክትዎ፡ ሪፓብሊካውያን መሰል ምንጻል ጥንሲ ንምድራት ብዝገብርዎ ጻዕሪ፡ መረጽቲ ክቐጽዕዎም ከምዝኽእሉ ዝእምት እዩ።
ባይደን ትማሊ ረቡዕ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ክሳብ ሕጂ ተረኺቡ ብዘሎ ውጽኢት "ትንፋስ ዕረፍቲ" ከስተንፍስ ከምዘኽኣሎ ገሊጹ’ሎ።
"ንዲሞክራሲ እትኸውን ብርኽቲ መዓልቲ ኢና ውዒልና ‘መስለኒ" ኢሉ።
ኣተሓሒዙ፡ እቲ ዝነበሮ ተስፋ ከምዝተረጋገጸን፡ ነቶም፡ ደሞክራት ከቢድ ክሳራታት ከምዘጋጥሞም ግምታት ክህቡ ዝጸንሑ ጋዜጠኛታት ድማ ዘይጭቡጥነት ከም ዝነበሮም ገሊጹ።
በቲ ካብ ትጽቢት ንላዕሊ ዝዀነ ውጽኢት፡ ትማሊ ምሸት ዝተተባብዐ ባይደን፡ ኣብ 2024 ዳግማይ ንፕረዚደንታዊ መረጻ ክቐርብ መደብ ከምዘለዎ ኣሚቱ።
“ሓሳብና ዳግማይ ንምውድዳር እዩ፤ ዕላማና ንሱ እዩ ነይሩ፡" ክብል እቲ ኣብዚ ወርሒ፡ 80 ዓመቱ ዝደፈነ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ።
ሪፓብሊካን ብወገኖም፡ ነቲ ባይቶ ካብ ዲሞክራትስ ንምቍጽጻር ዘድልዮም 218 መናብር ተቓሪቦም ነይሮም።
ሪፓብሊካን ኣብ ሓዲኡ ባይቶ ኮንግረስ እንተተዓዊቶም፡ ኣጀንዳ ናይቲ ፕረዚደንት ክድርቱ ሓይሊ ክረኽቡ ክኽእሉ እዮም።
ዋይት ሃውስ፡ ንምምሕዳር ባይደን ንዝግበር ምርመራ ኮንግረስ ደው ኣቢልዎ እዩ ዘሎ።
ፕረዚደንት ባይደን ምስ ሪፓብሊካን ንምስራሕ ድሉው ምዃኑን ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ዝርርብ ክልቲኡ ሰልፊታት ከም ዝካየድን ገሊጹ’ሎ።
እንተኾነ ግን ህዝቢ ኣሜሪካ፡ ንዝዀነ ብሪፓብሊካን ዝለዓል ሕቶታት “ዳርጋ ኮሜዲ" ገይሩ እዩ ዝርእዮ ዝብል እምነት ከምዘለዎ እቲ ፕረዚደንት ገሊጹ።
ኣብዚ መረጻ፡ ኣብ ኣሪዞና፡ ጆርጅያን ኔቫዳን ካብ ዝካየዱ ሰለስተ ወሰንቲ ዓበይቲ ውድድራት፡ ዝተዓወተ ሰልፊ ንሰነት ክቈጻጸር ክኽእል እዩ።
ውድድር ሰነት ኣሪዞና ናብ ዲሞክራትስ ገጹ ዘዝበለ ክመስል እንከሎ፡ ኔቫዳ ግን ክብን ለጠቕን ይረኣዮ ከም ዘሎ፡ መሻርኽቲ ቢቢሲ ዝዀነ ኣገልግሎት ዜና ሲቢኤስ ዘቐመጦ ግምታት ይሕብር።
ጆርጅያ፡ ኣብ መንጐ ኣባል ዲሞክራት ሰነተር ራፋኤል ዋርኖክን መነሓንሕቱ ሪፓብሊካን ሄርሸል ዎከርን ዝካየድ ውድድር ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ብዝካየድ ካልኣይ እብረ መረጻ ክውሰን እዩ፤ ክልቲኦም መወዳድርቲ ንፍጹም ዓወት ዘድሊ 50 ሚእታዊት ደረት ክሓልፍዎ ኣይከኣሉን።
ኣብዚ መረጻ መፋርቕ፡ ሓደ ካብቲ ሪፓብሊካን ዝረኸብዎ ድሙቕ ዓወት፡ ንሓላፊ ጐስጓስ ባይቶ ዲሞክራትስ ንሾን ፓትሪክ ማሎኒ ኣብ ኒውዮርክ ምስዓሮም እዩ።
ንዲሞክራትስ ዝዓበየ ዓወት ‘ቲ ምሸት ኰይኑ ዝተመዝገበ ድማ፡ ኣብ ፐንሲልቨንያ ንዝነበረ መንበር ሰነት ኣሜሪካ ክግምጥልዎ ምኽኣሎም እዩ።
እቲ ካብ ዘጋጠሞ ወቕዒ እናሓወየ ዝመጽእ ዘሎ ጆን ፈተርማን፡ ነቲ ሓድሽ ምጻእ ፖለቲከኛ ሪፓብሊካን ዝዀነ ፍሉጥ ዶክተር መህመት ኦዝ ረቲዑዎ’ሎ።
ሚስተር ኦዝ ደገፍ ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ዘለዎ ኰይኑ፡ ብገለ ተንተንቲ ግን ከም ጠንቂ’ቲ ሪፓብሊካን ዘሕለፍዎ ሕማቕ ምሸት ይውቀስ ኣሎ።
እዚ ድኹም ውጽኢት ሪፓብሊካን፡ ነቲ ዓቢይ ግምት ዝተነብሮ፡ ሚስተር ትራምፕ ኣብ 2024 ናብ ዋይት ሃውስ ናይ ምምላስ ጻዕሩ ኣብ ምልክት ሕቶ ኣእትይዎ’ሎ፤ ትራምፕ፡ ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን መግለጺ ክህብ ቃል ኣትዩ እዩ።
ስቲቨን ሚለር ዝተባህለ ሓደ ካብ ኣማኸርቱ ግን፡ ንዓቃባዊ መርበብ ሓበሬታ ኒውስማክስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ትራምፕ ውጽኢት መረጻ ጆርጅያ ክሳብ ዝንገር፡ ንመግለጺ ክህወኽ ከምዘይግባእ ይመኽሮ ከምዘሎ ገሊጹ።
ዶናልድ ትራምፕ ካብቶም ዝደገፎም ልዕሊ 300 ሕጹያት፡ ዝተፈራረቐ ውጽኢት’ዩ ዝረክብ ዘሎ።
እቶም ኣብ ኦሃዮን ሰሜን ካሮላይናን ንኽፉት መንበር ሰነት ዝመረጾም ሕጹያት ተዓዊቶም ኣለዉ።
እንተዀነ፡ ካልኦት ኣብ ውድድር ኣመሓዳሪ ሚሺጋንን ፐንስልቨንያን ዝሓረዮም ተወዳደርቲ ግን ተሳዒሮም።
ፕረዚደንት ነበር ትራምፕ፡ እዚ ውጽኢት መረጻ "ብመጠኑ ተስፋ ዘቝርጽ’ዩ" ክብል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተኣሚኑ።
እዚ ይዅን ግን፡ "ብውልቃዊ ኣረኣእያይ ኣመና ገዚፍ ዓወት እዩ ነይሩ" ክብል ኣስሚሩሉ።