እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ልዕሊ ህጻናት ፆታዊ ግህሰት ንኽፍፅሙ ንሰባት ዝኸፈል ዝነበረ ን25 ዓመታት ተፈሪዱ
ኣብ ሃገራት ኤስያ ንዝርከቡ ሰባት ገንዘብ ብምኽፋል "ዘስካሕክሕ" ጾታዊ ዓመጽ ህጻናት ንክፍጽሙ ዝገብር ዝነበረ ፒዶፊልየኛ (ኣብ ህጻናት ስሕበት ጾታዊ ርክብ ዘለዎ ሰብ) ን25 ዓመታት ማእሰርቲ ተፈሪዱ።
ሃገራዊ ትካል ገበን ከም ዝበሎ፡ ወዲ 59 ዓመት ኢያን ዊንተር፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ብቪድዮ ኣቢሉ ኣብ ልዕሊ ክልተ ዝተፈላለዩ ደቂ ክልተ ዓመት ኣወዳት ንዝፍጸም ግህሰት ቀዲሑ'ሎ።
ምስ ካልኦት ገበነኛታት ኣብ ዝገበሮ ናይ ኢንተርነት ዕላል፡ "ምስ ዕሸላትን ህጻናትን ጾታዊ ርክብ ከም ዝምስጦ" ገሊጹ።
ዊንተር 17 ሽሕ ዘይጭዋ ምስልታት ህጻናት ከም ዘለዎ እውን ተረጋጊጹ።
ነባሪ ሎውቦሮ፡ ሌስተርሻየር ዝኾነ ዊንተር፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2020 ብሃገራዊ ትካል ገበን ዝተታሕዘ ክኸውን እንከሎ፡ መርመርቲ፡ ኣብ መላእ ዓለም ምስ ዝመደበሮም ገበነኛታት ክዛረብ ዘርኢ ኣሽሓት ናይ ኢንተርነት ዕላል ረኺቦም’ዮም።
ናይ ኢንተርኔት ዕላላትን ፋይናንሳዊ መዛግብትን ከምዘመልክትዎ፡ ዊንተር ኣብ 2019 ኣብ ፊሊፒንስ ሓደ ሰብኣይ ንሓደ ወዲ ክልተ ዓመት ቆልዓ ኽግፍዓሉ ብቪድዮ ደዊሉ ንምርኣይ ገንዘብ ከፊሉ ነይሩ።
እቲ ሰብኣይ፡ ኣብ ፋይናንሳዊ ጸገም ከምዘሎን ን"ጸባን ዳያፐርን" ዝኸውን ገንዘብ ከምዘድልዮን ንዊንተር ከምዝነገሮ እቶም መልእኽትታት ይሕብሩ።
ድሒሩ ዊንተር ዝርዝር ናይቲ ፊሊፒናዊ ሰብኣይ ናብ ካልእ ተጠቃሚ ኦንላይን ኣመሓላሊፉ፡ ንሱ ድማ "ንሓደ ምርኢት 125 ዶላር "ኣቐዲሙ" ክኸፍል ድሉው ምዃኑ ገሊጹ።
እቲ ፊሊፒናዊ ሰብኣይ ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ን15 ዓመታት ክእሰር ከምዝተፈርደን ሰበስልጣን እቲ ከባቢ ነቲ ህጻን ከምዝሕልውዎን ሃገራዊ ትካል ገበን ወሲኹ ሓቢሩ።
'ዝያዳ ዘስካሕክሕ ግህሰት'
ዊንተር ኣብ 2018 ኣብ ኢንዶነዥያ ንዝርከብ ካልእ ተባዕታይ መሳለጢ'ውን ሓያሎ ግዜ ብቪድዮ ደዊሉ ወዲ ክልተ ዓመት ቆልዓ ኽብድለሉ ንምርኣይ ከፊሉ ነይሩ። እቲ ሰብኣይ፡ እቲ ገንዘብ ንዲፕሎማኡ ንምኽፋል ከምዝደለዮ ገሊጹ።
ዊንተር ካልኦት "ስምዒታዊ ዕላላት" ሓዊሱ ብዛዕባ ንህጻናት ምዕማጽ ካብ ምዝታይ ብተወሳኺ፡ ንኻልኦት ብኸመይ ከይተታሕዙ ግህሰት ክፍጽሙ ከምዝኽእሉ’ውን መኺሩ እዩ።
ኣብ ቤት ፍርዲ ሌስተር፡ ኣብ ትሕቲ 13 ዓመት ዝዕድመኡ ህጻን ጾታዊ መጥቃዕትን ምዕማጽን ምትብባዕ ሓዊሱ ብዝተፈላለዩ 13 ክስታት ገበነኛ ምዃኑ ድሕሪ ምእማኑ እዩ ተፈሪድዎ።
ኣብ ሃገራዊ ትካል ገበን ዝሰርሕ ቶኒ ስሚዝ፡ "ኢያን ዊንተር፡ ንፍቓደኛታት መሳለጥቲ ፍሉይ ኣንፈትን ፋይናንሳዊ ዓስቢን ብምሃብ ብኢዶም ኣቢሉ ኣብ ኣዝዮም ንኣሽቱ ህጻናት ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ግህሰት ዝፍጽም ዘይደኽሞ ጾታዊ ገበነኛ'ዩ" ኢሉ።
ዓቃቢት ሕጊ ኣገልግሎት ኣኽባር ሕጊ (ሲፒኤስ) ቢታንያ ረይን’ውን፡ "ዊንተር ንዓበይቲ ብቪድዮ ብምድዋል ኣብ ህጻናት ጾታዊ ዓመጽ ንኽፍጽሙ ገንዘብ ብምኽፋልን ኣብ ካልእ ክፋላት ዓለም ንጹሃት ህጻናት ብምምዝማዝን ዘሕምም ምብስባስ ኣርእዩ" ክትብል ወሲኻ።