20 ቢልዮን ፈልሲ ክትተክል ዝወጠነት ኢትዮጵያ ተዓዊታ’ዶ?

ኣብ 2019 ክሳብ መወዳእታ እዚ ዓመት 20 ቢልዮን ፈልሲ ንምትካል ዓቢ ወፍሪ ጀሚራ ዓለማዊ ዛዕባ ኰይና ዝነበረት ኢትዮጵያ፡ ዝያዳ ሸቶኣ ከምዝተዓወተትን እቲ ወፍሪ ገና ከምዝቕጽልን ትገልጽ።

እቲ ኣሃዝ ዘድነቕ ይመስል፤ መንግስቲ ኣብ 2019 ኣብ ሓደ መዓልቲ ልዕሊ 350 ሚልዮን ኣግራብ ከም ዝተኸለ ይገልጽ።

ኣብዛ ምስ ድርቂ፡ ግጭትን ዝውስኽ ዘሎ ብዝሒ ህዝብን እትቃለስ ሃገር ግን፡ እቲ ጃምላዊ ምትካል ፈልሲ ክሳብ ክንደይ ኣድማዕን ዕዉትን ከምዝነበረ ንጹር ኣይኰነን።

ደገፍቲ ናይቲ ብቐዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝድገፍ ተበግሶ ሓምላይ ሕድሪ (GLI)፡ ሓምላይነት ናብ ንቡር ከም ዝመለሰ፡ ለውጢ ክሊማ ከም ዝዓገተን መነባብሮ ዜጋታታ ከም ዘመሓየሸን ይዛረቡ።

ብርግጽ ብዛዕባ ምብራስ ኣግራብ ግንዛበ ኣዕብዩን ጃምላዊ ጽምዶ ኣኻኺቡን እዩ፤ 20 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን’ውን ከምዝተሳተፉ ይግለጽ።

ክንደይ ፈልስታት ጸዲቘም?

ብመንግስቲ ዝድገፍ ቴክኒካዊ ኮሚቴ ተበግሶ ሓምላይ ሕድሪ፡ ኣብ 2019 መጠን ምጽዳቕ ፈለስታት ብገምጋም 83.4 ሚእታዊ ኣብ 2020 ድማ 79 ሚእታዊ ከምዝዀነ ይገልጽ።

ይዅን እምበር፡ እቶም ኣሃዛት ዘተኣማምኑ ዘይክኾኑ ከምዝኽእሉ ኣብ ለንደን፡ ኣብ ዓለምለኻዊ ትካል ኣከባብን ልምዓትን (IIED) ዝሰርሕ ጀምስ ማየርስ ይሕብር።

ንሱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ተበግሶ ሓምላይ ሕድሪ ድሕሪ ምትካል ፈልስታት ገና ወግዓዊ መስርሕ ከምዘየተኣታተወ ገሊጹ።

"ውሑዳት ዓመታት ጥራይ እዩ ሓሊፉ ዘሎ፡ ኣግራብ ንኽዓብዩ ነዊሕ ግዜ ዝወስድ እዩ። እቲ ምድሓን ኣብ ነዊሕ እንተዀይኑ እዩ እቲ ዘገድስ" ይብል።

ኣብ መላእ ዓለም ተመሳሳሊ ተበግሶታት ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሎም ኣይተዓወቱን። ኣብዚ ሰሙን ብጕጅለ ሳይንቲስት ኣብ መጽሔት ሮያል ሶሳይቲ ዝተሓትመ መጽናዕቲ፡ ፍርቂ ካብ ኵሎም ኣብ ፕሮጀክትታት ዳግመ-ምግራብ ኤስያ ዝተተኽሉ ፈልሲታት ንልዕሊ ሓሙሽተ ዓመት ከምዘይጸንሑ የመልክት።

ንቴክኒካዊ ኮሚቴ ተበግሶ ሓምላይ ሕድሪ ዘወሃህድ ኣደፍርስ ወርቁ ግን፡ ኣብቲ ብማሕበረሰባት ከባቢታት ዝተኣከበ ኣሃዛት እምነት ኣሎዎ።

"እዚ ብናጻ ኣህጉራውያን ኣካላት ክረጋገጽ ተስፋ ንገብር ኣለና" ክብል ንቢቢሲ ገሊጹ።

ዓይነት ፈልሲ ወሳኒ እዩ

ኢትዮጵያ ብብዝሒ ህዝቢ ኣብ ኣፍሪቃ ካልኣይቲ እያ፡ ብደረጃ ሃገር ወፍሪ ምትካል ፈልሲ ምትግባር ቀሊል ዕማም ኣይነበረን።

ከም ኣቮካዶን ፓፓዮን ዝኣመሰሉ ዝተፈላለዩ ፈልሲታት ፍረታት ኣግራብን ተተኺሎም እዮም።

"ትኽክለኛ ዘርኢታት፡ ኣብ ትኽክለኛ ቦታ፡ ንዝግባእ ዕላማ ምትካል ኣገዳሲ'ዩ" ይብል ክኢላ ስነ-ኣግራብ ላርስግራውዳል። ንሱ፡ ኣብ ኬንያ ዝመደበሩ ማእከል ሕርሻ ኣግራብ ዓለም ዝሰርሕ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ማእከል ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከብን ንተበግሶ ሓምላይ ሕድሪ ፈልሲ ዘቕርብን መሸጢ ትካል ተኽሊ ስልጠና ዝህብ እዩ።

ብርግጽ ተበግሶ ሓምላይ ሕድሪ፡ ኣብ መጀመርታ ዓመት ስርሑ ብድኹም ውጥን ተነቒፉ እዩ።

ገለ ሓረስቶት ንኽሳተፉ ናይ ሓደ መዓልቲ ምልክታ ጥራይ ከምዝተዋህቦምን ከምኡ’ውን ፈልሲታት’ውን ኣብ ኣኻውሕን ዘይምቹእ ኵነታትን ከምዝተተኽሉ ዓለምለኻዊ ትካል ኣከባብን ልምዓትን ኣብ ኢትዮጵያ ዝመደበሩ ኤክኖሰርቭ ኮንሰልቲንን ብሓባር ዘውጽእዎ ጸብጻብ የመልክት።

ንኣብነት ፈልሲታት ባናና፡ "ነቲ ከባቢ ክጐድእ ኣብ ዝኽእል ከባቢታት ይትከሉ ከምዘለዉ ይንገር" ይብል እቲ ጸብጻብ።

ቀላሚጦስ ብቕልጡፍ ስለዝዓብን ዝያዳ ዕንጸይቲ ስለዘፍርን ብገለ ሓረስቶት ዝተመርጸ ፈልሲ ነይሩ። ይዅን እምበር ቀላሚጦስ ብዙሕ ማይ ስለዘድልዮን፡ ኣብ ሓመድ ዝርከቡ ኣገደስቲ መኣዛታት ስለዘማስንን ካልኦት ምህርቲታት ንምብቋል ይጽገሙ እዮም።

ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ትካላት ሕርሻ ኣግራብ፡ መበቈላዊ ፈልሲታት እንተ ተተኸሉ ይመርጹ። ብመሰረቱ ወይ መበቈላዊ ወይ ድማ ዘይወረርቲን ንብዙሕነት ህይወት ናይቲ ከባቢ ዘርብሑን ክዀኑ ይግባእ።

ከም ቀላሚጦስ ዝኣመሰሉ ዘይልሙዳት ኣግራብ ረብሓ ክህልዎም ይኽእል እዩ፤ እንተዀነ ብጥንቃቐ ክትከሉን ክምሕደሩን የድሊ።

ተበግሶ ሓምላይ ሕድሪ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ከም ኣርቃይ ዝኣመሰሉ ዝያዳ መበቈላዊ ኣዝርእቲ ንምትእትታው ጻዕሪ ኣካይዱ እዩ።

ልክዕ ምዕባለኡ ንምዕቃን ግን ኣጸጋሚ እዩ፤ ምኽንያቱ ወግዓዊ ኣሃዛት ናይቶም ዝተተኽሉ ዘይተለምዱ ዘይመበቈላዊ ፈልሲታት ክሳብ ሕጂ የለን። እዚ ግን ቴክኒካዊ ኮሚተ ተበግሶ ሓምላይ ሕድሪ ከም ኣካል ናይቲ ዝቕጽል ትንታናኡ ይሰርሓሉ ከምዘሎ ይገልጽ።

ሚስተር ግራውዳል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ኣሉታዊ ነገራት ምትኳር ጌጋ ከምዝዀነ ኣስሚሩሉ እዩ።

"ብልክዕ ንምስራሕ ግዜ ይወስድ። እዚ ግን ሰባት ካብ ተግባር ክኽልክል የብሉን። ኢትዮጵያ ዝያዳ መበቈላዊ ኣዝርእቲ ንምትካል መሰረት ሃብታ ኣብ ምህናጽ እያ ትርከብ።"

ኣብ ትሪ ኤይድ ዝተበሃለ ትካል ግብረ ሰናይ ዝሰርሕ ቶም ስኪሮው፡ ከም ዕንጸይቲ ወይ መግቢ ዝኣመሰሉ ነቲ ናይቲ ከባቢ ማሕበረሰብ ጭቡጥ ዋጋ ዝህቡ ኣግራብ ምትካል ኣገዳሲ ምዃኑ ይገልጽ። እዚ ድማ ንሓረስቶት ድርኺት ዝህብን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ምሕደራ ዘተባብዕን እዩ።

ካልእ ንተበግሶ ሓምላይ ሕድሪ ሕልኽላኽ ዝፈጠረ፡ ጉዳይ 'ቲ ኣብ ውሽጢ ልዕሊ 40 ዓመታት እቲ ዝኸፍአ ድርቂ እዩ። ገለ ከባቢታት ንልዕሊ ክልተ ዓመት ዝናብ ኣይረኸቡን፡ እዚ ድማ ንህላወ ፈልሲታት ዝጸሉ እዩ።

ካብዚ ሓሊፉ፡ ኣለይቲ ኣግራብ፡ ድርቂ ዝጻወሩ ፈልሲታት ንምትካል ብጥንቃቐ ክሓስቡ ተገዲዶም እዮም።

ሚስተር ስኪሮው፡ "ንሎሚ ጥራይ ዘይኮነ - ጽባሕ ንዝህሉ ኵነታት ክሊማ'ውን ዝምጥን ኣግራብ ከነብቁል ኣለና" ክብል ንቢቢሲ ገሊጹ።

ዘይምጥኑ ዓይነት ፈልሲታት ምትካል ነቲ ድሮ ሕጽረት ዘጋጠሞ ቀረብ ማይ ጐዳኢ ክኸውን ይኽእል፤ እቶም ቅኑዓት ግን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ መኽሰብ ክህቡ ይኽእሉ።

'ፈጠርቲ ዝናብ'

ላዕለዋይ ኣማኻሪ ኣብ ዴንማርክ ዝመደበሩ ፎረስትስ ኦፍ ዘ ዎርልድ ጀንስ ካንስትሩፕ፡ ዳግማይ ሽፋን ኣግራብ ምምስራት ጠሊ ንምዕቃብ ከምዝሕግዝ ይገልጽ።

"ኣብ መወዳእታ ደረቕ ወቕቲ፡ ኣብ ከባቢታት ሕርሻ ኣግራብ ዝርከቡ ማሕበረሰባት፡ እቲ ሓመድ ጠሊ ዘለዎን ምዕቡልን ኰይኑ ክረኽብዎ እዮም። እቶም ኣብ ሕርሻ ኣግራብ ዘይብሉ ከባቢታት ዝነብሩ ግን ምሉእ ብምሉእ ዝነቐጸ [ሓመድ] ክህልዎም እዩ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

እቶም ልክዕ ዝዀኑ ኣግራብ እንተ ተተኺሎም፡ ኣብ ነዊሕ እዋን ዝናብ እውን ክውስኹ ከምዝኽእሉ ሚስተር ግራውዳል፡ ሓምላይ ምምላስ ንቐረብ ማይ ዘለዎ ረብሓ ዘርኢ ኣብ ኣውስትራልያ ዝተገብረ መጽናዕቲ ተወኪሱ ይገልጽ።

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ኣብ ትግራይ፡ ንኽልተ ዓመት ዝቐጸለ ደማዊ ኲናት፡ ንምትካል ፈልሲ ጸልይዎ እዩ።

ኣብ ቀረባ እዋን ስምምዕ ሰላም ተፈሪሙ'ኳ እንተዀነ፡ ተበግሶ ሓምላይ ሕድሪ ግን ካብ 2021 ጀሚሩ ብዛዕባ እታ ንክልተ ዓመት ኣብ ዕጽዋ ዝነበረት ትግራይ ዝምልከት መረዳእታ የብሉን።

ኣብ ትግራይ ተበግሶ ሓምላይ ሕድሪ ንምጅማር ተመዲቡ ዝነበረ ኣቶ ኣደፍርስ ግን፡ ሕጂ’ውን ገና ተስፋ ኣለዎ።

"ትግራይ ቅድሚ ተበግሶ ሓምላይ ሕድሪ እውን እንተዀነ ብዙሓት ዕዉታት ስርሓትቲ ምሕዋይ መልክዓ ምድሪ ዝካየደላ እያ ነይራ" ይብል።

"እቲ ውዕል [ሰላም] እንተተፈጺሙ፡ ናብ ትግራይ ተመሊሰ ማእከላት ፈልሲ ዝምርምር ቀዳማይ ሰብ ክኸውን እየ።"

ዓቢ ሓምላይ ሓጹር

ተበግሶ ሓምላይ ሕድሪ ኣካል ናይቲ ዓቢ ውጥን ዘለዎ ዓቢ ሓምላይ ሓጹር ፓን-ኣፍሪቃ ፕሮጀክት’ውን እዩ።

እዚ ተበግሶ ኣብ 2007 ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝተጀመረ ኰይኑ፡ ኣብ 2030 ካብ ሰኔጋል ክሳብ ጅቡቲ ንኣስታት 8,000 ኪሎሜተር ዝዝርጋሕ መከላኸሊ ኣግራብ ብምህናጽ ዝርግሐ ምድረበዳ ሰሃራ ደው ንምባል ዝዓለመ እዩ።

ዓቢ ሓምላይ ሓጹር ፓን-ኣፍሪቃ፡ ካብ ናይ ወጻኢ ለገስቲ ጃምላዊ ምወላ እኳ እንተረኸበ፡ ቅልጡፍ ዓወት ከመዝግብ ተጸጊሙ ይርከብ። ክሳብ 2017 ዝበለጹ ግምታት፡ ካብቲ ዝሓሰቦ ሸቶ 15 ሚእታዊ ጥራይ ከምዝፈጸመ ይሕብሩ፣ እቶም ዝኸፍኡ ግምታት ድማ ኣብ 4 ሚእታዊ የቐምጥዎ።

ዕላማ ፕሮጀክት ሓምላይ ሓጹር፡ ሕጂ ዓቢ ሓጹር ካብ ምትካል "ኣብ መላእ እታ ኣህጉር ሕውስዋስ ፕሮጀክትታት ምሕዋይ" ናብ ምፍጣር ከምዝተቐየረ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት የመልክት።

ነዚ ንምትግባር ድማ ሕጂ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ 58 ወረዳታት ሓሙሽተ ቢልዮን ፈልሲ ከተፍሪ ቃል ኣትያ ኣላ።

ምስ ሓምላይ ሓጹርን ምስ ተበግሶ ሓምላይ ሕድሪን ዝሰርሕ ትሪኤይድ፡ ክልቲኦም ፕሮጀክትታት፡ ንነዊሕ እዋን ዓወት ልዑል ደረጃ ዘለዎ ፖለቲካዊ ደገፍ ጐድኒ ጐድኒ ትሑት ደረጃ ዘለዎ ምትእስሳር ማሕበረሰብ ክሰርሑ ከምዘለዎም ከምዘርእዩ ይገልጽ።

"ኣግራብ ብጅምላ ምትካል ብዙሕ ዕንቅፋት ኣለዎ። ግን ከም ተበግሶ ሓምለዋይ ሕድሪ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ንምድጋፍ ክንሓብር ኣለና" ይብል ሚስተር ስኪሮው።

"ዝተመሃርናዮ ክንካፈል፡ ካብ ውድቀትና ክንመሃርን ብሓባር ክንመሓየሽን ኣለና።"