ዴንማርክ፡ ኣብ መገዲ ብውልቀሰብ መጥቃዕቲ ዝተፈፀማ መራሒት 'ዳሕና' ምዃና ሓቢራ

ቀዳማይቲ ሚኒስተር ዴንማርክ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ዴንማርክ ሜት ፍረደሪክሰን፡ ኣብ ኮፐንሃገን ኣብ ጎደና መጥቃዕቲ ምስ በጽሓ፡ ከም 'ዝሰንበተደትን ግን ከኣ ኣብ ጽቡቕ” ኩነታት ከም ዘላ ገሊጻ።

እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ማእከል ከተማ ኮፐንሃገን ኣብ ዝርከብ ኣደባባይ ዝተፈጸመ ኰይኑ፡ ሓደ ውልቀሰብ ናብኣ ቀሪቡ ከም ዝሃረማ ተገሊጹ።

እቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ውልቀሰብ ድማ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ኣሎ።

እቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተወ ወዲ 39 ዓመት ፖላንዳዊ፡ ትማሊ ቀዳም ኣብ ቤት ፍርዲ ፍረደሪክስበርግ ቀሪቡ አሎ።

ኣብ ልዕሊ ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎት ዝሰርሕ ሰብ ዓመጽ ብምፍጻሙ ከምዝተኸሰሰ፡ ንሱ ግን 'ገበነኛ' ከምዘይኰነ ምዝራቡ፡ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

እቲ ጥርጡር ክሳብ 20 ሰነ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝጸንሐ ፖሊስ ኮፐንሃገን ኣብ ኤክስ ኣፍሊጡ።

እቲ ውልቀሰብ ነዚ መጥቃዕቲ ክፍጽም ብዛዕባ ዝደረዀ ዝተባህለ ነገር የለን።

ቤት ጽሕፈት ሚስ ፍረደሪክሰን ድሕሪ’ቲ ፍጻመ ንምርመራ ናብ ሆስፒታል ከምዝተወስደት ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ሓቢሩ።

ንሰንበት ተታሒዙ ዝነበረ ወግዓዊ መደባታ ተሰሪዙ።

ንሳ፡ ኣብ ኢንስታግራም ኣብ ዘስፈረቶ ፅሑፍ፡ "ብዙሕ፣ ብዙሕ፣ ብዙሕ ናይ ደገፍን ምትብባዕን መልእኽትታት፡ ንምእማኑ ዘፀግም ስምዒት" ምዝፈጠረላ ኣመስጊና ።

"በቲ ዘጋጠመ ፍጻመ ሓዚነን ሰንቢደን እየ፡ እንተዀነ ግን ጽቡቕ ኣለኹ" ክትብል ጽሒፋ።

ሕዚ፡ ምስ ስድራኣ ክትከውን ከምዘድልያ ወሲኻ ገሊጻ።

ሓላፊት ኮሚሽን ኤውሮጳ ኡርሱላ ፎን ደር ሌየን፡ “እዚ ናይ ንዕቀት ተግባር፡ ኣንጻር ኵሉ ኣብ ኤውሮጳ እንኣምነሉን እንቃለሰሉን’ዩ” ኢላ።

“ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሜተ ፍረደሪክሰን ብዓርቢ ምሸት ኣብ ኮፐንሃገን ብሓደ ውልቀሰብ መጥቃዕቲ በጺሑዋ፤ እቲ ውልቀሰብ ድማ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ኣሎ። እታ ቀዳመይቲ ሚኒስተር በቲ ፍጻመ ሰንቢዳ ኣላ” ክብል ቤት ጽሕፈታ ገሊጹ።

ነቲ መጥቃዕቲ ዝርኣያ ማሪ ኣድሪያንን ኣና ራቭንን ዝተባህላ ክልተ መሰኻኽር ዓይኒ፡ ብዛዕባ እቲ ክስተት ኣብቲ ከባቢ ንዝርከብ ጋዜጣ ‘ቢቲ’ ሓቢረን።

“ሓደ ሰብኣይ መጺኡ ብመንኵባ ብምድፋእ ንጐኒ ክትወድቕ ገይሩ” ክብላ ነታ ጋዜጣ ተዛሪበን።

ብድሕሪኡ ኣብ ሓደ እንዳ ሻሂ ኰፍ ከም ዝበለት ወሲኸን ገሊጸን።

ቀዳመይቲ ሚኒስትር ዴንማርክ ሜተ ፍረደሪክሰን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ቀዳመይቲ ሚኒስትር ዴንማርክ ሜተ ፍረደሪክሰን
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እዚ መጥቃዕቲ፡ ዴንማርክ ኣብ መፃ ሕብረት ኤውሮጳ ድምጺ ቅድሚ ምሃባ ክልተ መዓልታት ኣቐዲሙ'ዩ ዝፍጸም ዘሎ።

መራሒት ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራት ዴንማርክ ዝዀነት ሜተ ፍረደሪክሰን ኣቐዲማ ምስ መሪሕ ሕጹይ ሰልፋ ክሪስተል ሻልደሞዝ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ኤውሮጳ ምርጫ መደብ ከም ዝተሳተፈት ቲቪ2 ዴንማርክ ሓቢራ።

ሶሻል ዲሞክራትስ ኣብ ልፍንቲ መንግስቲ ዴንማርክ እቲ ዝዓበየ ሰልፊ እዩ።

ሕጂ'ውን ነቲ ምርጫ ይመርሕዎ ኣለዉ፤ እንተዀነ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ እቲ ሰልፊ ዝረኽቦ ዝነበረ ደገፍ ኣዝዩ ይንኪ ኣሎ።

ሚኒስትር ከባቢ ዴንማርክ ማግኑስ ሄዩኒከ “ሜተ በቲ መጥቃዕቲ ሰንቢዳ እያ፤ እዚ ንኹልና ንዓኣ ቀረባ ዝዀንና’ውን ዘሰንብድ እዩ” ክብል ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።

ሓላፊ ሕብረት ኤውሮጳ ቻርለስ ሚሸል’ውን በቲ ኵነታት ከም ዝተቘጥዐ ሓቢሩ።

“እዚ ተግባር መጥቃዕቲ ብትሪ ይዅንኖ” ክብል ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ቀዳማይ ሚኒስተር ስሎቫክያ ሮበርት ፊኮ ንደገፍቱ ሰላምታ ኣብ ዝህበሉ ዝነበረ እዋን ብተደጋጋሚ ብዝተተኰሰ ከም ዝተጠቕዐ ይዝከር።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ካብቲ መጥቃዕቲ ብህይወት ክተርፍ እንከሎ መጥባሕቲ ከም ዝተገብረሉ ጸብጻባት የመልክቱ።

ጓል 46 ዓመት ሜተ ፍረደሪክሰን፡ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት መራሒት ማእከላይ ጸጋማዊ ሰልፊ ሶሻል ዴሞክራት ኰይና።

ብ2019 ድማ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኰይና ተመሪጻ፤ እዚ ድማ ኣብ ታሪኽ ዴንማርክ ብዕድመ ዝነኣሰት ቀዳመይቲ ሚኒስትር ክትከውን ገይርዋ’ዩ።

ነዊሕ እንከይጸንሐት፡ ኣመሪካ ንግሪንላንድ ክትገዝእ ትኽእል’ያ ዝብል ሓሳብ ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ድሕሪ ምንጻጋ ኣብ ምትፍናን ኣትያ።

ኣብቲ ግዜ ትራምፕ፡ "ጸይቂ" ክብል ነቒፉዋ ነይሩ።

ግሪንላንድ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ርእሰ-ምምሕዳር ዘለዋ ግዝኣት ንግስነት ዴንማርክ እያ።

ኣብ 2022 ፍረደሪክሰን ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ መንግስታ ብሚልዮናት ዝቑጸራሚንክ ተባሂለን ዝጽውዓ እንስሳ ንምቕታል ዝወሰዶ ውሳነ ብዝምርምር ኮሚሽን ተሪር ነቐፌታ ገጢሙዋ ነይሩ።

ዴንማርክ፡ ብ2020 ብስግኣት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣስታት 17 ሚሊዮን እንስሳ ክትቐትል ምዃና ገሊጻ ምንባራ ይዝከር።

እዘን ሚንክ ዝተባህላ እንስሳ ድማ፡ ኮሮናቫይረስ ናብ ሰብ ከመሓላልፋ ይኽእላ እየን ብዝብል ስግኣት እዩ መንግስቲ ንክቕተላ ውሳነ ኣሕሊፉ ዝነበረ።