እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኩነታት ትግራይ፡ ነበርቲ ዝተፈላለያ ከተማታት ትግራይ ኣብ ከቢድ ስግኣት ፀጥታ ከምዝርከቡ ይገልፁ
ኣብ ከተማ መቐለ ብንግዲ እተመሓደር ስማ ክግለፅ ዘይደለየት ነባሪት፡ "ኵነታት ኣዝዩ ከቢድ ኰይኑ'ሎ። ክትኣቱ ክትወጽእ ትፈርሕ። ካብ ኢድካ ዝምንጥሉ፣ ካብ ቦታ ስራሕካ ዝሰርቁ ኣለው፤ ኣነ ኣብ ዘለኹሉ ከባቢ ብዙሓት ድኳናት ይስረቑ። ክወጽእ እንተዀይነ፡ ትካለይ ንዋርድያ ሓዲገ እየ ዝኸይድ፡" ትብል።
ንሳ ከም እትብሎ፡ እቶም ብድፍረት ዝመጹ ከተርትን ሰረቕትን ዝደለይዎ ነገር ብዘይገለ ፍርሒ ፈጺሞም'ዮም ዝኸዱ።
"ናብ ድኳን ኣትዮም ዝደለይዎ ነገር ኣልዒሎም ይኸዱ፤ ምሉእ ንብረት ዝወሰዱሉ ኣጋጣሚታት'ውን ኣሎ። ብዙሕ ዘሕዝን ነገራት ኢኻ ትሰምዕ፡" ትብል።
ኣብዚ እዋን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ብፍላይ ኣብተን ዓበይቲ ዝበሃላ ከተማታት ከቢድ ስግኣት ፀጥታ ኣንፀላልዩ ከምዘሎ ነበርቲ ይገልፁ።
እቲ 19 ኣዋርሕ ኣቝጺሩ ዘሎ ኲናት ትግራይ ዘስዓቦ፡ ብዙሓት መንእሰያት ዕጡቓት ዝዀኑሉ ኵነታት ስለዝተፈጠረ፣ ብፍላይ ከተማ መቐለ ዳግማይ ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዝኣተወትሉ እዋን፡ "ነዚ ዅሉ ዕጡቕ ብኸመይ ምቁፅፃር ይከኣል ይኸውን?" ዝብል ስግኣት ብዙሓት ዘልዕልዎ ነይሩ።
ኣብ ማእከል ከተማታት ምስ ዕጥቈም ዝረኣዩ መናእሰይ ብዙሓት ብምንባሮም እዚ ስግኣት ከምዝተላዕለ ምግማት ይከኣል።
ኣብዚ እዋን ካብ ብዙሓት ከተማታት ትግራይ ብፍላይ ድማ ከተማ መቐለ ዝስማዕ ዘሎ ገበናት ስርቅን ክትራንን ንብዙሓት ዘሻቐለ ኮይኑ'ሎ። ሰባት ንኽሰርቁ ክብሉ፡ ክሳብ ቅትለት ዝበጽሕ ክትራን ይፍጽሙ ምህላዎም ይስማዕ።
ካብ ኲናት ዘይነኣኣስ ስግኣት ፀጥታ
ዳንኤል ዝተበሃለ ካልእ ነባሪ ከተማ መቐለ፡ እቲ ስግኣት ፀጥታን ድሕነትን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናሰፍሐ ይመፅእ ከምዘሎ ይዛረብ።
ሰባት ብፍርሕን ስግኣትን ዝተሸመምሉ ኵነታት ከምዝተፈጠረ ብምሕባር፡ "ብዙሕ ስክፍታታት ተፈጢሩሎ፤ ሰባት ከምስዩ ኣይክእሉን። እንተምሲኻ ከተርቲ ወይ ሰረቕቲ ክረኽቡኻ ስለዝኽእሉ ምንቅስቓስ ተገዲቡ'ሎ፡" ክብል ይገልጽ።
"ኣነ ይዅን መሓዙተይን መሳርሕተይን ብቐትሩ ናብ ገዛና ካብ ምእታው ወጻኢ ካልእ ኣማራፂ የብልናን። ብዙሕ ኢኻ ትሰምዕ። እቲ ዝኸፍአ ግን እቶም በብገዛውቱ ዝተጐጀሉ መናእሰይ 'ኣለዎ' ኢሎም ንዝጠርጠርዎ ግን ዘይብሉ ሰብ ከይተረፈ ከቲሮም ሓደጋ የብፅሕሉ ኣለዉ" ይብል ዳንኤል።
ንሱ ከምዝብሎ፡ ኣብዚ እዋን እቶም ዝተፈላለየ ነገራት ካብ ኢድ ውልቀሰባት ንምውሳድ ዝኸትሩ መናእሰይ ክሳብ ህይወት ሰብ ዘጥፍኡሉ ኵነታት ይረአን ይስማዕን ኣሎ።
ካልእ ስማ 'ሰምሃል' ብዝብል ስም ኣብዚ ትሕዝቶ ተጠቒሳ ዘላ፡ ቡንን ሻሂን እናሸጠት እትመሓደር ነባሪት ከተማ መቐለ፡ ኣብቲ ንሳ እትሰርሐሉ "ደብረዳሞ" ዝተበሃለ ከባቢ፡ ብተደጋጋሚ ሰባት ተቐቲሎም ዝብል ሓበሬታ ከምዝስማዕ ንቢቢሲ ተዛሪባ።
"ኵነታት ብጣዕሚ ከፊኡ ኣሎ። ዘይትግምቶም ሰባት እውን ኣብዚ ናይ ስርቅን ክትራንን ተግባር ተዋፊሮም ኢኻ ትርኢ። ንዅነታትካ ኣፅኒዖም ዝመፅኡ ይመስለኒ፡" ብምባል፡ ንሳ'ውን ግዳይ ስርቂ ዝኾነትሉ ኣጋጣሚ ከምዘሎ ተጓንፎኣ ትገልፅ።
እቲ ስርቅን ክትራንን ብቐትሪ ይዅን ብምሸት ዋላ ሰብ እናረኣየ ከምዝፍጽም ብምሕባር፡ "እታ ኣብ ኢድካ ዘላ ነገር ክትህቦም እንተዘይደሊኻ እናረኣኻ ካራ እዮም ዝወግኡኻ። ይሃልኻ ኣይሃልኻ ህይወትካ ክሳብ ምሕላፍ እዮም ዝበፅሑ። ኣብዚ ከባቢና ዝሞቱን ኣካላዊ መጉዳእቲ ዝወረዶምን ብዙሓት ኣለዉ" ትብል።
ኣብዚ እዋን ሰላማውያን ሰባት ኣብ ኣፍደገ ገዛኦም ከይተረፈ ብሰረቕትን ከተርትን ዝቕተሉሉ ዘሕዝን ፍጻመታት ከምዘሎ እቶም ነበርቲ ይዛረቡ።
"ሎሚ ተኣሲሩ ፅባሕ'ዩ ዝስደድ"
ትግራይ ኣብዚ እዋን ኣብ ዕፅዋን ከበባን ብምህላዋ ረድኤትን ካልኦት መሰረታውያን ነገራት ስለዘይኣትው ህዝቢ ኣዝዩ በዳሂ ዝኾነ ህይወት የሕልፍ ከምዘሎ ይዝረብ።
ብሰንኪ ሕፅረት መግብን መድሃኒትን ብዙሓት ንሕማምን ሞትን ተቓሊዖም ኣለዉ።
እቲ ልዕሊ 18 ኣዋርሕ ዘቝጸረ ኲናት ንሚልዮናት ነበርቲ ትግራይ ተጸበይቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ክኾኑ ዝገበረ ኮይኑ፡ ንኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ንሓደጋ ጥምየት ኣቃሊዑ እዩ።
ብተወሳኺ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ተጀሚሩ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝተጋፈሐ ደማዊ ኲናት ኣሽሓት ህይወቶም ስኢኖም፡ ሚልዮናት ተፈናቒሎምን ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣጋጢምዎምን እዩ፡፡
ብሓፈሻ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣስታት 10 ሚልዮን ሰባት ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ዘድልዮም፣ ካብዚኦም እቶም ልዕሊ ፍርቂ ኣብ ክልል ትግራይ ከም ዝርከቡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።
እታ ብኲናት ኣዝያ ዝተሃሰየት ትግራይ፡ ሰራሕተኛታት መንግስትን ውልቀ ትካላትን ብዘይደሞዝ ዝተረፉላ፣ ነጋዶ ዝነግድዎ ሸቐጣት ስኢኖም ትካላቶምን ድኳናቶምን ጥርሖም ዝኾኑሉ፣ መዓልታዊ ሸቃሎ ዓዲ ውዒል ኰይኖም ተጸበይቲ ረዲኤት ዝዀኑሉ ኩነታት ተፈጢሩ'ሎ።
ብኣውራኡ ድማ መንእሰይ ብፍላይ እቲ ናብቲ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘይተፀንበረ ስራሕ ስኢኑ ኮፍ ኢሉ ይርከብ።
እዚ ስእነት ስራሕን መዓልታዊ እትምገቦ ምስኣንን ከኣ ኣብ ምስፍሕፋሕ ገበናት ዝለዓለ ብፅሒት ከምዘለዎ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ይገልፁ።
ነባሪት መቐለ ሰምሃል፡ ኣብዚ ተፈጢሩ ዘሎ ስግኣት ፀጥታን ድሕነትን ብቐንዱ ሓላፍነት ክወስድ ዘለዎ ነቲ ክልል ዘመሓድር ዘሎ ኣካል ከምዝኾነ ትዛረብ።
"ኣብዚ ገበን ዝረኸቡ ሰባት ሒዝካ ናብ ኣካላት ፀጥታ ክትወስዶም ከለኻ ከይፀንሑ እዮም ዝፍትሑ። ዋላ ሓደ ዝመጸ ለውጢ የለን። ሎሚ ተኣሲሩ ንጽባሒቱ ይፍታሕ። ዋላ መሰኻኽር ኣቕሪብካ፡ መቕጻዕቲ የለን። ኣብዛ ከተማ ካብቲ ኲናት ከቢዱና ዘሎ እቲ ሃንግ [ክትራን] ኮይኑ'ሎ" ክትብል ክብደት እቲ ዘሎ ኩነታት ንቢቢሲ ኣረዲኣ።
"ኣብ ኣፍደገ ገዛኻን ኣብ ቦታ ስራሕካን እዮም ዝፅበዩኻ" ትብል።
እታ ስማ ክግለፅ ዘይደለየት ካልእ ነባሪት ድማ፡ ወለንተኛታት ለይቲ ከባቢኦም ክሕልዎ ምውጽኦም ከም እወንታ ዝረአ'ኳ እንተዀነ፡ ዕጡቓት ዘይምዃኖም ግን ኣብ ውሕስነት ፀጥታን ድሕነትን ብዙሕ ለውጢ ከምዘየምፅአ ትዕዝብታ ተካፍል።
ህዝቢ ትግራይ ካልእ ፀገማቱን ጸበባኡን ከይኣኽሎ እቶም ኣብ ከባቢኡ ዝርከቡ መናእሰይ ብስርቅን ክትራንን ተደራቢ ስግኣት ክፈጥረሉ ምርኣይ ኣዝዩ ዘጉሂ ከምዝኾነ ብዙሓት ይዛረቡ።
ኣካላት ፍትሒ ትግራይ እንታይ ይብሉ?
ትግራይ ናብ ኲናት ምስኣተወት ፖለቲካዊ፡ ምምሕዳራዊ፡ ፀጥታን ፍትሕን ኵሉ መሓውር ዝፈረሰሉ ኵነታት ከም ዝነበረ መራሕቲ ትግራይ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ገሊጾም እዮም።
ቢቢሲ ንኣካላት ፍትሒን ፀጥታን ትግራይ ረኺቡ ከዘራርብ ዝገበሮ ፈተነ'ኳ እንተዘይሰመረ፡ ኣብ ቴሌቪዥን ትግራይ ዝቐረቡ ሓለፍቲ ፍትሒ ግን፡ እቲ ስግኣት ፀጥታ ኣብ ከተማ መቐለ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ምሉእ ትግራይ እናወሰኸ ምምፅኡ የረጋግፁ።
ንፖሊስን ምልሻን ዘጠቓልል መሓውር ፀጥታ ካብ ምጅማር እቲ ኲናት ክሳብ ሎሚ ፈሪሱ ምህላዉ'ውን ሓቢሮም ኣለዉ።
ነዚ ኵነታት ንምቁፅፃርን ገበናት ንምግታእን ድማ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ትግራይ፡ ሓድሽ ገበናዊ ሕጊ ከምዘርቀቐት ቴሌቪዥን ትግራይ ንኣካላት ፍትሕን ፀጥታን ብምጥቃስ ኣመልኪታ።
እቲ ሓድሽ ሕጊ "ክትራን ወይ ከቢድ ስርቂ ብምፍጻም ዝተጠርጠረ ወይ ዝተታሕዘ ሰብ፡ መሰል ውሕስና ኣይክወሃቦን'ዩ" ይብል።
"ከም ካራ፡ ጐዞሞ፡ ፋስን ዝኣመሰሉ ሓደገኛታት መሳርሒታት ሒዙ ከቢድ ጉድኣት ኣካል ዝፈጸመ፡ ፍርዲ ሞት ወይ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ይፅበዮ" ክብል እቲ ሓድሽ ሕጊ ኣስፊሩ'ሎ።
እዚ ሕጊ ተመሓይሹ ብሓድሽ መልክዑ'ኳ እንተወጸ ኣብ ግብራውነቱ ግን ክፍተታት ከምዘሎ እዩ ዝግለፅ። ጠንቂ ናይዚ ድማ ኣፈጸምቲ ኣካላት ፍትሕን ፀጥታን፡ ብብቕዓት ዘይተወደቡ ምዃኖም'ዩ።
ዳንኤል ከም ዝብሎ፡ ሓሓሊፉ ምሸት ካብ ሰዓት 04፡00 ክሳብ ወጋሕታ ሰዓት 10፡00 [ግእዝ] - [10፡00 ክሳብ 04፡00] ካብ ሕብረተሰብ ዝተወከሉ ሰባት ከባቢኦም ክሕልዉ ዝግበረሉ ኩነታት'ኳ እንተሃለወ ውጽኢታዊ ኣይኰነን።
"ግዳጅ ኮንዎ ሕብረተሰብ ከባቢኡ ክሕሉ ይወጽእ ኣሎ፣ ግን ውሑስ ኵነታት ፀጥታ ተፈጢሩ ምባል ዝከኣል ኣይኮነን። እዚ ጉዳይ፡ 'መንግስቲ ንምንታይ ዝሰልጠነ ሓይሊ ፖሊስ ዘየዋፈረ?' ዝብል ሕቶ የልዕል ኣሎ" ይብል።
ብፍላይ ስርቂ ዝፍጸመሉ ሰዓታት፡ እቶም ብወለንታኦም ንሓለዋ ዝወጽኡ ነበርቲ ነናብ ገዛኦም ምስኣተዉ' ድሕሪ ሰዓት 10፡00 [04፡00] ክሳብ ወጋሕታ ናብ መንበሪ ገዛ እናዘለልካ ብምእታው ከምዝኾነ ዳንኤል ይሕብር።
"ፖሊስ ከም ትካል ጠሊሙና"
እቲ ንትግራይ ዝመርሕ ዝነበረ ህወሓት ካብ በረኻ ናብ መቐለ ምስተመልሰ፡ ካብቶም ብቐዳምነት ክዓሞም ዝጀመረ ንጥፈታት፡ ነቲ ዝነበረ ምምሕዳር ምምላስ'ዩ ነይሩ።
ካብ ቀበሌታት ክሳብ ወረዳታትን ዞባታትን ድማ ነቶም ቅድሚ ኲናት ዝነበሩ መሪሕነት መሊሱ ክትክኦም ተራእዩ። ኣብ ውሱናት ድማ ብሓደስቲ ሹመኛታት ተኪኡ።
መንግስቲ ትግራይ ናብ ቦታኡ ድሕሪ ምምላሱ፡ ኣብ ነባርን "ዝኣረገን ስርዓት ምሕደራኡ ለውጥታት ክገብር ኣይከኣለን" ዝብል ቅሬታ ክስማዕ ጀሚሩ።
ኣቦመንበር ህወሓት ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝርከቦም መራሕቲ ትግራይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቕንያት ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ትግራይ ምስ ህዝቢ ተራኺቦም ህዝባዊ ኮንፈረንስ ኣካይዶም ነይሮም።
ኣብቶም ህዝባዊ መድረኻት ካብ ዝተለዓሉ ጉዳያት እቲ ሓደ፡ ኵነታት ፀጥታን ስግኣት ድሕንነትን ዝምልከት ኮይኑ፡ ብዙሓት ኣብ ዝሃብዎ ሓሳብ "ንድሕነትና ናብ እንሰግኣሉ ደረጃ ወዲቕና፡" ዝብል'ዩ።
ስርቂ፡ ክትራንን መንጢልካ ምህዳምን ካብቶም ዝተጠቕሱ ገበናት እዮም።
ኣብ ግንቦት 2014 [ግእዝ] ኣብ ሓደ ህዝባዊ ዋዕላ ዝተረኸበ መራሒ ትግራይን ኣቦ መንበር ህወሓትን ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ነቲ ምስ ስግኣት ድሕነትን ፀጥታን ብዝተሓሓዝ ካብ ህዝቢ ዝለዓል ሕቶ ቅቡል ይገብር።
ንሱ፡ እቲ ህዝቢ ብምረት ዘቕርቦ ዘሎ ሕቶ መልሲ ንኽረክብ ብዝብል ግን፡ ነቲ ቅድሚ ምጅማር ኲናት ኣብ ኣገልግሎት ዝነበረ ፖሊስ ምምላስ ከምዘይከኣል ኣርጊጹ ይዛረብ።
"ቅድሚ ኵሉ ዝጠለመ ንሱ [ፖሊስ] እዩ። ካብ መጀመርያ ተጋደል ኢልናዮ ኢና። ግን ምስ ብልፅግና ዝተሰለፈ ንሱ እዩ። ብውልቀሰባት ዘይኮነስ ከም ትካል እዩ ጠሊሙና። [ፖሊስ] ንህዝቢ ትግራይ ጠሊምዎ እዩ። ብውልቀሰባት ግን ዝተቓለሱ፡ ዝተሰውኡን ሕዚ'ውን ዝቃለሱን ኣለዉ፡" ኢሉ።
በዚ ምኽንያት ኣብ ምሉእ ትግራይ ንዘሎ መሓውር ፖሊስ ናይ ምፍራስ ስጕምቲ ከምዝተወሰደ ብምሕባር "ነቲ ነባር ተመሊስና ኣይክነእትዎን። ካብ ታሕቲ ክሳብ ላዕሊ ንዘሎ ፖሊስ ብሓድሽ ኢና ክንትክኦ" ክብል ኣብቲ ህዝባዊ ዋዕላ ክዛረብ ተሰሚዑ።
ህዝቢ ኵነታት ፀጥታ ካብ እዋን ናብ እዋን እናሓሰመ ምምጽኡ ንዘልዕሎ ዘሎ ቅሬታ ዝተቐበለ ዶክተር ደብረጽዮን፡ ኣብዚ እዋን ግን ናብ ምግዳል ዝኸትትን ንፖሊስነት ዝምልመልን ካብ መንእሰይ ብምዃኑ ክፍተት ከምዘጋጠመ ኣረዲኡ።
"ብዅነታት ፀጥታ ደጀንና ክዳኸም የብሉን። ኣሃዱታት ብምምዳብ ፀጥታ ክሕልዋ ጀሚርና ኔርና፣ እዚ ግን ኣድላዪ ዘይኮነ ነገር'ዩ ፈጢሩ፡" ብምባል፡ ሕዚ ግን ብምክእኣል ስሩዕ መሓውር ፀጥታ ናብ ምጥያሽ ንምእታው ኣብ ውሳነ ከምዝተበጽሐ ነቲ ህዝቢ ገሊፁ።
"ነቲ ፀጥታ ብትካላዊ መልክዕ ክንመልሶ ስራሕ ጀሚርና ኢና። ኣፅሪና ኢና ክንምድብ፤ ኣብዚ እዋን ካብ ግንባር ኢና ነምጽእ ዘለና። ስለዚ እቲ ስራሕቲ ይጅመር ኣሎ። ምድላው ወዲእና ኢና" ክብል'ውን ተዛሪቡ።
ካብ ሰራዊት ንዘይምንካይ ክሳብ ሎሚ ከምዝተደናጐየ ዝጠቐሰ ደብረጽዮን፡ ኣብዚ እዋን ግን ክሳብ ጣብያ ብምውራድ ፖሊስ ኣብ ዝጣየሸሉ ኣካይዳ መጽናዕቲ ከምዝተገበረን ህዝቢ ዝሳተፈሉ ከምዝኸውንን ሓቢሩ'ሎ።