እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣፍጋኒስታን፡ ኣብ መስጊድ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ብዙሓት ተቐቲሎም
ኣብ ኣፍጋኒስታን ከተማ ኩንዱዝ ሱኒ ሙስሊም ጸሎተ ዓርቢ ኣብ ዘብፅሕሉ ዝነበሩሉ እዋን ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ 33 ሰባት ተቐቲሎም ህፃናት ዝርከብዎም ካልኦት 43 ድማ ከምዝቖሰሉ ተገሊፁ።
እዚ ኣብ መስጊድ ማውላዊ ሰካንዳር ሱፊ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ፡ ኣብዛ ሰሜናዊት ከተማ ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት ዝተፈፀመ ካልኣይ ግብረ ራዕዳዊ መጥቃዕቲ እዩ።
ኣብ ኣፍጋኒስታን ኣብቲ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣርባዕተ ግብረ ራዕዳዊ መጥቃዕትታት ዝተፈፀሙ እንትኾኑ፡ ኩሎም ድማ ብእስላማዊ ጉጅለ ኣይ ኤስ ከምዝተፈፀሙ ተገሊፁ።
ጣሊባን ኣብ ልዕሊ ኣይ ኤስ ዓወት ከምዝተጎናፀፈ እኳ እንተገለፀ፡ እቲ ጉጅለ ግና ነቶም ሓደሽቲ ኣማሓደርቲ ዓብይ ናይ ፀጥታ ፈተና ኮይንዎም ይርከብ።
ነቲ ትማሊ ዓርቢ፡ ኣብ ከተማ ኩንዱዝ ኣመንቲ ምስልምና ፀሎተ ዓርቢ ኣብ ዘብፅሕሉ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ፡ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል የለን።
ሓደ ነጋዳይ እቲ ከባቢ: ንማእኸል ዜና AFP ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ከባቢ እቲ መስጊድ ዘሰንብድ እዩ ነይሩ" ኢሉ።
እዚ ነትጒ፡ ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ናይ ሽዓ መስጊድ ማዛር ኣል ሻሪፍ ዝተፈፀመን 31 ሰባት ቀቲሉ 87 ሰባት ዘቑሰለን መጥቃዕቲ ተመሳሳሊ'ዩ ነይሩ።
ኣብታ ከተማ ብሓሙስ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ኣርባዕተ ሰባት ተቐቲሎም 18 ሰባት ድማ ቆሲሎም'ዮም።
ነዞም መጥቃዕትታት ከምዝፈፀመ ዝተኣመነ ጉጅለ ኣይ ኤስ፡ ንቅትለት መራሒኡን ወሃቢ ቃልን ነበር ሕነ ንምፍዳይ ከምዝፈፀሞም ገሊፁ።
ወሃቢ ቃል ጣሊባን ዛቢሁላህ፡ ነዚ መጥቃዕቲ ሰይጣናዊ ተግባር ክብል ኮኒንዎ።
ኣብ ኣፍጋኒስታን ምክትል ተወካሊ ሕቡራት ሃገራት ራሚዝ ኣላክባሮቭ ኣብዚ ሰሙን ዝተፈፀሙ መጥቃዕትታት፡ ህዝቢ ኣፍጋኒስታን በብመዓልቱ ዘጋጥሞ ዘሎ ከቢድ ናይ ድሕነት ስግኣት እዩ ኢሉ።
ኣሜሪካን ሓይልታት ሃገራት ምዕራብን ድሕሪ 20 ዓመታት ካብ ኣፍጋኒስታን ምስወፁን ጣሊባን ናብ መንበር ስልጣን ምስ ደየበን፡ ኣብታ ሃገር ዝፍፀሙ መጥቃዕትታት ቦምባ ነኪዮም'ዮም።
ኣብዚ እዋን ጉጅለ ኣይኤስ ኣብታ ሃገር ዋላ ሓደ ዝቆፃፀሮ ግዝኣት የብሉን፤ መነሓንሕቶም ጣሊባን ስልጣን ካብ ዝጭብጡ ቅድሚ ሕዚ ቁመና ኣብ ዘይነበሮም ከባብታት መጥቃዕትታት እናፈጸሙ ይርከቡ።