ኣላይ ፊልም ብላክ ፓንተር ናይ ባንኪ ጕሒላ ተባሂሉ ብጌጋ ከምዝተኣሰረ ተገሊፁ

ኣላይ ናይቲ ስሙይ ፊልም ብላክ ፓንተር ካብ ናይ ባዕሉ ባንኪ ገንዘብ እንተውፅእ፡ ብገበን ጕሕለት ባንኪ ብጌጋ ተኣሲሩ።

ራያን ኩግለር ካብ ናይ ባዕሉ ባንኪ 12 ሽሕ ዳላር ወፃኢ እንትገብር እዩ፡ ጕሒላ ተባሂሉ ኣብ ቀይዲ ፖሊስ ኣትዩ።

ሰራሕተኛ እቲ ባንኪ ኩግለር ገንዘብ ከውፅእ ምስ ረኣየት ንሓለቕኣ ብምሕባር፡ ኩግለር ብፖሊስ ክተሓዝ ገይራ።

ወዲ 35 ዓመት ኣላይ ፊልም ኩግለር ቲኤምዚ ንዝበሃል ማዕኸን ዜና ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ፈፂሙ እዚ ክኸውን ኣይምተገበአን። እንተኾነ ባንኪ ኣሜሪካ ነቲ ኩነታት ስለዘብራህረሀለይ፡ ተረዳዲእና ኢና ተፈላሊና" ኢሉ።

ኩግለር፡ ኮሮና ቫይረስ ንምክልኻል መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ከምኡ'ውን ቆቢዕ ምስ መነፅር ገይሩ እዩ ናብቲ ባንኪ ኣትዩ።

ናብ ሰራሕተኛ እቲ ባንኪ ቅርብ ኢሉ ድማ፡ ካብ ባንኪ ሒሳቡ 12 ሽሕ ዳላር ኣውጺኣ ክትህቦ ሓተታ።

እንተኾነ ነታ ሰራሕተኛ ባንኪ፡ እቲ ገንዘብ ሰብ ኣብ ዘይተኣከበሉ ቦታ ክቑፀር ከምዝሓተታ ተገሊፁ።

ኩግለር፡ መለለይ መንነት ኣብ ዝተሓተተሉ እዋን፡ ትኽክለኛ መለለይ መንነት'ዩ ኣርእዩ።

እቲ ገንዘብ ምስ ጥዕና ቤተሰቡ ንዝዛመድ ጉዳይ ከምዝደለዮ ንፖሊስ ዝሓበረ እቲ ኣላይ ፊልም፡ ምስ ብዝሓት እቲ ገንዘብ መንነቱ ክፍለጥ ከምዘይደለየ ኒውዮርክ ታይምስ ፀብፂቡ።

እታ ሰራሕተኛ ባንኪ ነፍሰ ፆርን ከም ኩግለር ፀላምን ብምዃና፡ ንድሕንነታ ብምስጋእ ንፖሊስ ከምዝጠቆመት መራኸብቲ ሓፋሽ ሓቢረን።

ናብቲ ባንኪ ዝመፅአ ፖሊስ፡ ንኮግለር ብካቴና ብምእሳር፡ ካርዲ መለለይ መንነቱ ርእዩ ምስኣፃረየ'ዩ ፈቲሕዎ።

ነዚ ፍፃመ ኣመልኪቱ መግለፂ ዝሃበ ባንኪ ኣሜሪካ፡ "እዚ ስለዘጋጠመ ብጣዕሚ ኢና ሓዚንና። ንኩግለር ድማ ይቕረታ ንሓትት" ኢሉ።

ኣብ 2018 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ዝወፅአ ብላክ ፓንተር ቀልቢ ብዙሓት ዝሰሓበ ፊልም'ዩ።